ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚዓምም፧

ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚዓምም፧

ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚዓምም፧

የሱስ ብዛዕባ ብመንፈስ ቅዱስ ዚግበር ጥምቀት ኪዛረብ ከሎ፡ ‘ካብ መንፈስ ክትውለድ’ ከም ዜድሊ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 3:5) ብስእላዊ ዘረባ፡ እታ “ልደት” እትብል ቃል፡ “መጀመርታ” ማለት እያ። ስለዚ፡ እታ “ሓድሽ ልደት” እትብል ስያመ፡ “ሓድሽ ጅመራ” ማለት እያ። እምበኣር፡ እዚ ምስ ‘ውልደት’ ከምኡውን ምስ “ሓድሽ ልደት” ዚተሓሓዝ ስእላዊ ዘረባ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቑን ብዛዕባ ዚፍጠር ርክብ ሓድሽ ጅመራ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር። እዚ ነገር እዚ፡ ኣብቲ ርክቦም ምሉእ ብምሉእ ለውጢ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኺገዝኡ ብኸመይ ከም ዜዳልዎም ኪገልጽ ከሎ፡ ካብ ናብራ ስድራ ቤት እተወስደ ምሳሌ ተጠቕመ። ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ርዕመት” ከም ዚረኽቡ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ኣምላኽ “ከም ውሉድ ገይሩ” ኸም ዚርእዮም ገሊጹ ኣሎ። (ገላትያ 4:5 NW፣ እብራውያን 12:7) ርዕመት ወይ ከም ውሉድ ጌርካ ምቕባል፡ ነቲ ሓደ ውልቀ-ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቐሉ ኣጋጣሚ ንኽንርድኦ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ንምግንዛብ፡ ነቲ ኣቐዲምና ብዛዕባ እቲ ንደቀባት ኣብ እተዳለወ ቤት ትምህርቲ ኺምዝገብ ዝደለየ መንእሰይ ዝረኣናዮ ምሳሌ ንመርምር።

ብርዕመት ዚፍጠር ለውጢ

ኣብቲ ምሳሌ፡ እቲ መንእሰይ ወደባት ስለ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺኣቱ ኣይከኣለን። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ዓብዪ ለውጢ ተፈጥረ። ሓደ ኻብቶም ደቀባት ዝዀነ ኣቦ ብሕጋዊ መገዲ ረዓሞ ወይ ከም ውላዱ ተቐበሎ። እዚ ነቲ መንእሰይ ብኸመይ ይጸልዎ፧ ከም ውሉድ ኰይኑ ስለ እተራዕመ፡ ማዕረ ኻልኦት መንእሰያት ደቀባት መሰላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንኺምዝገብ ዘለዎ መሰል እውን የጠቓልል። እቲ ርዕመት ንመጻኢኡ ምሉእ ብምሉእ ቀዪርዎ እዩ።

እዚ ምሳሌ እዚ፡ ነቶም ሓድሽ ልደት ዚረኽቡ ብዝዓበየ መገዲ እንታይ ከም ዜጋጥሞም የርእየና። እተወሰነ ምምስሳላት ንርአ። እቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ መንእሰይ፡ ተቐባልነት ንኺረክብ ዜኽእሎ ብቕዓት እንተ ረኺቡ፡ ማለት ካብ ደቀባት እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኺኣቱ ዚኽእል። ኰይኑ ግን፡ ብርእሱ ነቲ ብቕዓት ኬማልእ ኣይክእልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ቦታ ዚወሃቦም፡ ንኺኣትዉ ዜኽእሎም ብቕዓት እንተ ኣማሊኦም፡ ማለት ዳግማይ እንተ ተወሊዶም ጥራይ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓድሽ ልደት ኣብ ኣምላኽ ስለ ዚምርኰስ፡ ብርእሶም ነዚ ብቕዓት እዚ ኼማልእዎ ኣይክእሉን እዮም።

ንዅነታት እቲ መንእሰይ ዝቐየሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ርዕመት እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ መስርሕ ንተፈጥሮ እቲ መንእሰይ ኣይቀየሮን። ድሕሪ ርዕመቱ እውን መንነቱ ኣይተቐየረን። ይኹን እምበር፡ ንርዕመት ዜድሊ ሕጋዊ ብቕዓታት ምስ ተማልአ፡ እቲ መንእሰይ ሓድሽ ኵነታት ኪህልዎ ኸኣለ። እወ፡ ንዕኡ ሓድሽ ጅመራ፡ ወይ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ሓድሽ ልደት እዩ ነይሩ። ውሉድ ኰነ፣ እዚ ድማ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንኺኣቱን ኣባል ስድራ እቲ ኸም ውሉዱ እተቐበሎ ኣቦ ኪኸውንን ኣኽኣሎ።

ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ብተበግሶኡ ንጕጅለ ዘይፍጹማት ሰባት ከም ውሉዳቱ ገይሩ ዚቕበለሉ ሕጋዊ መስርሕ ብምሕላፍ፡ ንዅነታቶም ቀየሮ። ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም . . . ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር” በሎም። (ሮሜ 8:15, 16) እወ፡ ብመስርሕ ርዕመት፡ እቶም ክርስትያናት እቲኣቶም ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ወይ “ውሉድ ኣምላኽ” ኰይኖም እዮም።—1 ዮሃንስ 3:1፣ 2 ቈረንቶስ 6:18

ልክዕ እዩ፡ ከም ውሉድ ጌርካ ተቐባልነት ምርካቦም፡ ንተፈጥሮ እቶም እተራዕሙ ኣይቀየሮን፣ ከመይሲ፡ ድሕሪኡ እውን ዘይፍጽምናኦም ቀጺሉ እዩ። (1 ዮሃንስ 1:8) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝገለጾ፡ እቲ ንርዕመት ዜድሊ ሕጋዊ ብቕዓታት ምስ ተማልአ፡ ሓድሽ ኵነታት እዩ ኺህልዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ከም ውሉድ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ እምነት የሕድረሎም። (1 ዮሃንስ 3:2) እቲ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድረሎም ንጹር እምነት፡ ኣብ ህይወቶም ሓድሽ ኣመለኻኽታ ኸም ዚህልዎም ይገብር። (2 ቈረንቶስ 1:21, 22) እወ፡ ሓድሽ ጅመራ፡ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሓድሽ ልደት እዮም ረኺቦም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ከም ውሉድ ተቐባልነት ዝረኸቡ ውሉዳት ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም” ይብል። (ራእይ 20:6) እቶም ውሉዳት ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ሰማያዊት መንግስቲ፡ ነገስታት ኪዀኑ እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዚቕበልዎ ነገር፡ “ዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተአርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:3, 4) ብርግጽ ክቡር ርስቲ እዩ!

ይኹን እምበር፡ እዚ ንግዝኣት ዚምልከት ጕዳይ፡ ካልእ ሕቶ የበግስ እዩ። እቶም ዳግማይ እተወልዱ ኣብ ሰማይ ከም ነገስታት ዚገዝኡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ልዕሊ መን እዮም ኪገዝኡ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእያ ኢና።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ብዛዕባ ርዕመት እንታይ በለ፧