ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሒደት ገዛእቲ ይዀኑ፡ ብዙሓት ይጥቀሙ

ሒደት ገዛእቲ ይዀኑ፡ ብዙሓት ይጥቀሙ

ሒደት ገዛእቲ ይዀኑ፡ ብዙሓት ይጥቀሙ

ካብ ግዜ ሃዋርያት ኣትሒዙ፡ ኣምላኽ ካብ ደቂ ሰብ እተወሰኑ ዝቝጽሮም እሙናት ክርስትያናት ከም ውሉዳቱ ገይሩ ንኪቕበሎም ኪሓሪ ጸኒሑ እዩ። እዞም እተራዕሙ ውሉዳት ዜጋጥሞም ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝዀነ፡ ቃል ኣምላኽ ነዚ ነገር እዚ ሓድሽ ልደት ኢሉ ይገልጾ። ዕላማ እዚ ሓድሽ ልደት እዚ፡ ነቶም ዳግማይ ዚውለዱ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ገዛእቲ ንምግባር እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:12) ገዛእቲ ምእንቲ ኪዀኑ ግን፡ ካብ ሞት ሰማያዊ ህይወት ሒዞም እዮም ዚትንስኡ። (ሮሜ 6:3-5) ኣብ ሰማይ ኰይኖም ምስ ክርስቶስ፡ “ኣብ [ልዕሊ] ምድሪ . . . ኪነግሱ እዮም።”—ራእይ 5:10፣ 11:15

ይኹን እምበር፡ ብዘይካ እቶም ዳግማይ እተወልዱ ሰባት፡ ካልኦት እውን ዘለኣለማዊ ድሕነት ከም ዚረኽቡ፡ ቃል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ (ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዀነ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ)፡ ኣምላኽ ንኽልተ ጕጅለ ሰባት ኬድሕን ዕላማ ኸም ዝገበረ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚኣቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ገዛእቲ ዝዀኑ ብተዛማዲ ንእሽቶ ጕጅለን ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዓብዪ ጕጅለን እዮም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ሓድሽ ልደት ዝረኸቡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዝጸሓፈሎም እስከ ንርአ። ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም [ዓብዪ ጕጅለ] ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና [ንእሽቶ ጕጅለ] ጥራይ ኣይኰነን።”—1 ዮሃንስ 2:2

ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሃረርታ ፍጥረት [ዓብዪ ጕጅለ] ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ [ንእሽቶ ጕጅለ] ይጽበዮ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 8:19-21) እዚ ሃዋርያ ዮሃንስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝጸሓፍዎ ቓላት ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧ እቶም ዳግማይ እተወልዱ፡ ኣብ ሰማይ ክፍሊ መንግስቲ ኪዀኑ እዮም። ንምንታይ ዕላማ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሚልዮናት ሰባት ዘለኣለማዊ በረኸት ንምምጻእ እዩ። ስለዚ ድማ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም።—ማቴዎስ 6:10

ብዛዕባ እዚ ንኽልተ ጕጅለ እተኸፍተ ድሕነት ዚገልጽ ሓቂ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ይርከብ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቲ ኣባሓጎ የሱስ ዝነበረ ኣብርሃም እንታይ ከም ዝበሎ እሞ ንርአ፦ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ [ዓብዪ ጕጅለ] ብዘርእኻ [ንእሽቶ ጕጅለ] ኪባረኹ እዮም።” (ዘፍጥረት 22:18) እወ፡ ኵሎም ህዝብታት “ብዘርኢ” ኣብርሃም እዮም ኪባረኹ።

እቲ “ዘርኢ” እቲኸ መን እዩ፧ የሱስ ክርስቶስን እቶም ምስኡ ዚሓብሩ ሓድሽ ልደት ዝረኸቡ ውሉዳት ኣምላኽን እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም” ኢሉ ገለጸ። (ገላትያ 3:16, 29) ኵሎም ህዝብታት በቲ “ዘርኢ” ኣቢሎም ዚረኽብዎ በረኸትከ እንታይ እዩ፧ ሞገስ ኣምላኽ ናይ ምርካብን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ፍሉይ መሰል እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ተነበየ።—መዝሙር 37:29 ትርጕም 1990፣ ኢሳይያስ 45:18፣ ራእይ 21:1-5

ኣብ ሰማይ ገዛእቲ ዝዀኑ ሒደት እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብቲ ሰማያዊ ግዝኣት ዚርከብ ጥቕሚ፡ ማለት ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ኵሉ እቲ ምስኡ ዚመጽእ በረኸትን ግን፡ ንብዙሓት ክፉት እዩ። ንስኻን ስድራ ቤትካን ካብቶም ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ዘለኣለማዊ ጥቕምታት ዚጥቀሙ ሰባት ክትከውን ንምነየልካ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሚልዮናት ሰባት ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምርካብ ኪባረኹ እዮም። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ዲኻ፧