ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምዉት ቋንቋ እውን ከይተረፈ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው እዩ ኣ

ኣብ ምዉት ቋንቋ እውን ከይተረፈ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው እዩ ኣ

ኣብ ምዉት ቋንቋ እውን ከይተረፈ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው እዩ ኣ

ብ ዝሓለፈ ሒደት ዘመናት፡ ዳርጋ ፍርቂ ቛንቋታት ዓለም ጠፊኡ እዩ። ሓደ ቛንቋ፡ ደቀባት ተዛረብቲ እንተ ዘይብሉ፡ ሞይቱ ይበሃል። በዚ ኸምዚ ኽንርእዮ ኸለና፡ ቋንቋ ላቲን ብብዝሒ ዚጽናዕን ወግዓዊ ቛንቋ ኸተማ ቫቲካንን እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ምዉት ቋንቋ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

ገሊኡ ኻብቲ ቐዳሞት ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብቛንቋ ላቲን እዩ ተዳልዩ። በዚ ዝሞተ ቛንቋ እተዳለወ ትርጕማት፡ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሉ ዚኽእል “ህያው” ትርጕም ኪኸውን ይኽእልዶ፧ እቲ ዜደንቕ ታሪኽ እዚ ትርጕማት እዚ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ይሕግዘና እዩ።

ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ትርጕማት ላቲን

ላቲን ናይ መጀመርታ ቛንቋ ሮማ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ብግሪኽኛ እዩ ጽሒፉሎም። * እዚ ኸኣ ጸገም ኣይነበሮን፣ ከመይሲ፡ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት ንኽልቲኡ ቛንቋታት ይዛረቡ ነይሮም እዮም። ብዙሓት ነበርቲ ሮማ ኻብቲ ግሪኽኛ ዚዝረበሉ ኽፋል እስያ ዝመጹ ብምንባሮም፡ እታ ኸተማ ግሪኻዊት ዝዀነት እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ዚዝረብ ዝነበረ ቛንቋ፡ ከከም ቦታኡ ይፈላለ ነበረ፣ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት እናሰፍሐ ምስ ከደ ግን፡ ኣገዳስነት ቋንቋ ላቲን እውን ማዕሪኡ እናሰፍሐ ኸደ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ግሪኽኛ ናብ ቋንቋ ላቲን ተተርጐመ። እዚ ዕዮ ትርጕም እዚ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እተጀመረ እዩ ዚመስል።

እቲ ሽዑ እተዳለወ እተፈላለየ ጽሑፋት፡ ቨቱስ ላቲና ወይ ጥንታዊ ትርጕም ላቲን ተባሂሉ ተጸውዐ። ሕጂ ግን ብላቲን እተተርጐመ እተማልአ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ኣይርከብን እዩ። ኣብዚ ግዜና ዚርከብ ብጥንታዎት ጸሓፍቲ እተጠቕሰ ክፋላት ከም ዚሕብሮ፡ ቨቱስ ላቲና ብሓደ እተዳለወ ጽሑፍ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ እተፈላለየ ግዜን ቦታን ዝነበሩ ሓያሎ ተርጐምቲ ነንበይኖም ኰይኖም ዘዳለውዎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ስለዚ፡ ብሓደ እተዳለወ ጽሑፍ ዘይኰነስ፡ ካብ ግሪኽኛ ተተርጒሙ እተኣኻኸበ እዩ።

ንኽፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ላቲን ንምትርጓም እተገብረ ውልቃዊ ጻዕርታት፡ ሕንፍሽፍሽ ኣስዒቡ እዩ። ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣጉስቲን ከምዚ በለ፦ “ዝዀነ ይኹን ኢደ-ጽሑፍ ግሪኽኛ ዘለዎ እሞ ንእሽቶ እውን ትኹን ፍልጠት ክልቲኡ ቛንቋታት ኣላትኒ ዚብል ሰብ፡ ዕዮ ትርጕም [ላቲን] ይጅምር ኣሎ።” ኣጉስቲንን ካልኦት ሰባትን፡ ትርጕማት ኣመና እናበዝሐ ብምኻዱ፡ ብዛዕባ ልክዕነቱ ኺጠራጠሩ ጀመሩ።

ትርጕም ጀሮም

እቲ ብ382 ድ.ክ. ሓሓሊፉ ኸም ጸሓፊ ዳማሱስ እቲ ኣቡን ሮማ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ጀሮም፡ ነቲ ኣብ ትርጕም እተፈጥረ ሕንፍሽፍሽ ደው ንምባል ጻዕሪ ገበረ። እቲ ኣቡን፡ ጀሮም ነቲ ወንጌላት ዝሓዘ ጽሑፋት ላቲን መርሚሩ ንኺእርሞ ጻውዒት ኣቕረበሉ፣ ጀሮም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ነቲ ዕዮ ዛዘሞ። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ብላቲን እተተርጐመ ኻልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእርሞ ጀመረ።

እቲ ደሓር ቩልጌት እተባህለ ጀሮም ዘዳለዎ ትርጕም፡ ኣብ እተፈላለየ ጽሑፋት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። እታ ንሱ ዝተርጐማ መጽሓፍ መዝሙር ኣብ ሰፕቱጀንት ወይ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት፡ ማለት ኣብቲ ብኻልኣይ ዘመን ቅ.ክ. እተዛዘመ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተመርኰሰት እያ። ብዘይካዚ፡ ንወንጌላት ኣረሞ፣ ካብቲ በዅሪ ጽሑፋት ድማ ንሓያሎ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተርጐመ። እቲ ዝተረፈ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ብኻልኦት ተኣሪሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ገሊኡ ኽፋላት ቨቱስ ላቲና እውን ምስቲ ጀሮም ዘዳለዎ ቩልጌት ተሓወሰ።

ዕዮ ጀሮም ኣብ ፈለማ ብብዙሓት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣጉስቲን እውን እንተ ዀነ፡ ነቒፍዎ እዩ። ቀስ እናበለ ግን ነቲ ኣብ ሓደ ጥራዝ ዚዳሎ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ከም መነጻጸሪ ዀነ። ኣብ ሻምናይን ታሽዓይን ዘመን ከም ኣልኲንን ቲዮዱልፍን ዝኣመሰሉ ምሁራት፡ ነቲ ኣብ ትርጕም ጀሮም ዝነበረ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቕዳሕ ዝኣተወ ስነ-ቛንቋውን ጽሑፋውን ጌጋታት ኬተዓራርዩ ጀመሩ። ገሊኦም ድማ ነቲ ጽሑፍ ናብ ምዕራፋት ከፋፈልዎ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ንምውካስ ዝቐለለ ገበሮ። ሓታሚት ማኪና ምስ ተማህዘት፡ ፈለማ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትርጕም ጀሮም እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ብ1546 እተገብረ ዋዕላ ትረንት፡ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ንፈለማ እዋን ንትርጕም ጀሮም፡ ቩልጌት ኢላ ጸውዓቶ። እቲ ዋዕላ፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ “ሓቅነቱ እተረጋገጸ” ምዃኑ ገለጸ፣ መወከሲ እምነት ካቶሊክ ከም ዚኸውን ድማ ገበሮ። ብዘይካዚ፡ ተመርሚሩ ኺእረም ወሰነ። ነዚ ዕዮ እዚ፡ ሓደ ፍሉይ ኮሚተ ብሓላፍነት ኪቈጻጸሮ ተመደበ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲክስተስ ሓምሻይ ግን ክሳዕ እቲ ዕዮ ዚዛዘም ኪዕገስ ብዘይ ምኽኣሉን ብዛዕባ ኽእለቱ ኣመና ይተኣማመን ስለ ዝነበረን፡ ነቲ ዕዮ ባዕሉ ኺውድኦ ወሰነ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ1590 ምስ ሞተ ድማ፡ እቲ እተኣረመ ጽሑፍ ኪሕተም ተጀመረ። ካርዲናላት ግን ነቲ ብዙሕ ጌጋታት ከም ዘለዎ ገይሮም ዝረኣይዎ ዕዮ ነጸግዎ፡ ከይዝርጋሕ ድማ ከልከሉ።

እቲ ብ1592 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅሌምንጦስ ሻምናይ እተሓትመ ሓድሽ ትርጕም፡ ጸኒሑ ሕታም ሲክስተስን ቅሌምንጦስን ተባሂሉ ተጸውዐ። ወግዓዊ ትርጕም ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኰይኑ ድማ ንብዙሕ እዋን ቀጸለ። እዚ ቩልጌት ሲክስተስን ቅሌምንጦስን እዚ፡ ንኸም እቲ ብ1781 እተዛዘመ ትርጕም ኣንቶንዮ ማርቲኒ ዝኣመሰለ ትርጕማት ካቶሊክ መሰረት ኰነ።

ብላቲን እተዳለወ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መበል 20 ዘመን እተገብረ ጽሑፋዊ ሕያሰ ብንጹር ከም ዚሕብሮ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ትርጕማት፡ ቩልጌት እውን ተመርሚሩ ኺእረም ነበሮ። ከምዚ ንምግባር ድማ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ብ1965 ኮሚሽን ሓድሽ ቩልጌት ዚበሃል ጕጅለ መስረተት፣ ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝነበረ ፍልጠት ንትርጕም ላቲን መርሚሮም ኪእርምዎ ድማ ሓላፍነት ሃበቶም። እቲ ሓድሽ ጽሑፍ ኣብቲ ብላቲን ዚግበር ናይ ካቶሊክ ቅዳሰ ኺጥቀምሉ ወሰኑ።

ናይ መጀመርታ ኽፋል እዚ ሓድሽ ትርጕም እዚ ብ1969 ወጸ፣ ብ1979 ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነቲ ኖቫ ቩልጋታ ኣጽደቖ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም፡ ነቲ ያዌ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብ ዘጸኣት 3:15ን 6:3ን ኣእተዎ። ድሕሪኡ ግን፡ ሓደ ኣባል እቲ ኮሚተ ኸም ዝሓበሮ፡ እቲ ብ1986 እተሓትመ ኻልኣይ ወግዓዊ ሕታም፡ “ተጣዒሱ . . . ነቲ ያዌ ዚብል ናብ ዶሚኑስ [‘ጐይታ’] ቐየሮ።”

ልክዕ ከምቲ ቕድሚ ዘመናት ቩልጌት እተነቕፈ፡ ኖቫ ቩልጋታ ኸኣ ብናይ ካቶሊክ ምሁራት እውን ከይተረፈ ተነቕፈ። ኣብ ፈለማ ንእተፈላለያ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ሓድነት ከም ዚህልወን ዚገብር ትርጕም ጌርካ እኳ እንተ ቐረበ፡ በዚ ዝውቱር ቋንቋታት ንዚትርጐም ትርጕማት ከም ቀያዲ ጽሑፍ ጌርካ ስለ ዝቐረበ፡ ብዙሓት ሰባት ንሃይማኖታዊ ዘተ ዕንቅፋት ከም ዚኸውን ገይሮም ረኣይዎ። ኣብ ጀርመን፡ ፕሮተስታንትን ካቶሊክን ሓባራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ትርጕም ከም ብሓድሽ መርሚሮም ኪእርሙ ኸለዉ፡ ብሰንኪ ኖቫ ቩልጋታ ኽርክር ተላዕለ። እቶም ካቶሊክ ነቲ ሓድሽ ትርጕም ምስ ኖቫ ቩልጋታ ኼሰማምዕዎ ሒዅ ይብሉ ኸም ዝነበሩ ጌርካ ስለ እተራእዩ፡ ካብቶም ፕሮተስታንት ክሲ ቐረበሎም።

ቋንቋ ላቲን ብዙሕ ዘይዝረበሉ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ብእኡ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብሚልዮናት ኣብ ዚቝጸሩ ኣንበብቱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ጽልዋ ኺገብር ጸኒሑ እዩ። ነቲ ኣብ ብዙሓት ቋንቋታት ዘሎ ሃይማኖታዊ ስያመ እውን ቀሪጽዎ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን ቋንቋ ይዳሎ ብዘየገድስ፡ ንህይወት እቶም ብተኣዛዝነት ምስቲ ኽቡር ትምህርትታቱ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ዚደልዩ ሰባት ስለ ዚልውጥ፡ መስለጢ እዩ።—እብራውያን 4:12

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ብግሪኽኛ ብዛዕባ እተጻሕፈሉ ምኽንያት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ገጽ 13 እትርከብ “ትፈልጥዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

ታሪኽ ዝሰርሐ ኣተራጕማ

እቲ ኻብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቨቱስ ላቲና፡ ታሪኽ ዝሰርሐ ብዙሕ ኣተራጕማ ሒዙ ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ትርጕማት እዚ፡ ነታ ዲያቲኪ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እተዋህባ “ኪዳን” ዚብል ትርጕም እዩ። (2 ቈረንቶስ 3:14) ብሰንኪ እዚ ኣተራጕማ እዚ፡ ኣብ ሓያሎ ቋንቋታት፡ ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽን ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ኢሎም ይጽውዕዎ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነቲ ኖቫ ቩልጋታ ኣጽደቖ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም፡ ያዌ ዚብል መለኮታዊ ስም ነበሮ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ኣከራኻሪ መምርሒ

ንኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ እተገብረ ዕዮ፡ ብ2001 ብዛዕባ መለኮታዊ ኣምልኾን ስነ-ስርዓት ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ዚግበር ጉባኤ ቫቲካን፡ መምርሒ ሊቱርጊኣም ኣውተንቲካም (ሓቅነቱ እተረጋገጸ ቕዳሰ) ኣውጽአ። ብዙሓት ካቶሊክ ዝዀኑ ምሁራት ነዚ መምርሒ እዚ ብዙሕ ነቒፎምዎ እዮም።

ብመሰረት እዚ መምርሒ እዚ፡ ኖቫ ቩልጋታ ወግዓዊ ሕታም እታ ቤተ-ክርስትያን ስለ ዝዀነ፡ ዋላ እውን ካብቲ ጥንታዊ በዅሪ ጽሑፋት ይውጻእ፡ ንዅሉ ኻልእ ትርጕማት ከም መርኣያ ዀይኑ ኼገልግል ኣለዎ። ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ መምርሒ እዚ እንተ ተሰማሚዑ ጥራይ እዩ ብመራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ተቐባልነት ዚረክብ። ዋላ እውን እቲ ቐዳማይ ሕታም “ያዌ” ዚብል ስም እንተ ተጠቕመ፡ ኣብ ትርጕማት ካቶሊክ ግን ከምቲ ኣብቲ ኻልኣይ ሕታም ኖቫ ቩልጋታ እተገብረ፡ “ስም እቲ በተን ብናይ እብራይስጢ ቴትራግራማተን (የሀወሀ) ዚግለጽ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” “ናብ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ” በታ ዶሚኑስ ወይ “ጐይታ” እትብል ቃል ኪትርጐም ከም ዘለዎ እዚ መምርሒ እዚ ይእዝዝ። *

[እግረ-ጽሑፍ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣልኲን ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ላቲን፡ 800 ድ.ክ.

[ምንጪ ስእሊ]

From Paléographìe latine, by F. Steffens (www.archivi.beniculturali.it)

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ቩልጌት ሲክስተስን ቅሌምንጦስን፡ 1592

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ዘጸኣት 3:15፡ ኖቫ ቩልጋታ፡ 1979

[ምንጪ ስእሊ]

© 2008 Libreria Editrice Vaticana