ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቫቲካን ንመለኮታዊ ስም ኣብ ጥቕሚ ኸም ዘይውዕል ክትገብር ሃቂና

ቫቲካን ንመለኮታዊ ስም ኣብ ጥቕሚ ኸም ዘይውዕል ክትገብር ሃቂና

ቫቲካን ንመለኮታዊ ስም ኣብ ጥቕሚ ኸም ዘይውዕል ክትገብር ሃቂና

መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያኖም ዚግበር ቅዳሰ ንመለኮታዊ ስም ኣብ ጥቕሚ ኸም ዘይውዕል ኪገብሩ ይህቅኑ ኣለዉ። ዓሚ፡ እቲ ብዛዕባ መለኮታዊ ኣምልኾን ስነ-ስርዓት ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ዚግበር ጉባኤ ቫቲካን፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚግበር ኣኼባ ጳጳሳት ካቶሊክ መምርሒታት ልኢኹ እዩ። እዚ ስጕምቲ እዚ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብእተዋህበ “መምርሒ” እዩ ተወሲዱ።

እዚ ብ29 ሰነ 2008 እተላእከ ሰነድ፡ ቅድሚ ሕጂ እተዋህበ መምርሒታት ድሕሪ ምቍንጻቡ፡ “ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ነቲ ቕዱስ ወይ መለኮታዊ ቴትራግራማተን ተባሂሉ ዚፍለጥ יהוה ወይ የሀወሀ ብዚብላ ኣርባዕተ ተደመጽቲ ፊደላት እብራይስጢ ዚጸሓፍ ስም ተጸውዖ ኣምላኽ እስራኤል ናይ ምድማጽ ተግባር፡ ቀስ ኢሉ ይተኣታቶ ኣሎ” በለ። ነቲ መለኮታዊ ስም “ያዌ፡” “ጃዌ፡” “ጃቨ፡” “የሆቫ፡” ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣጸዋውዓታት ከም እተዋህቦ ሓበረ። * ይኹን እምበር፡ ካብ ቫቲካን ዝወጸ መምርሒ ነቲ ካቶሊክ ዝነበራ ልምዲ ኸም ብሓድሽ ኬተኣታቱ ሃቀነ። እዚ ድማ፡ ነተን ቴትራግራማተን በታ “ጐይታ” እትብል ቃል ምትካእ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቕዳሰን ማህለትን ጸሎትን ካቶሊክ፡ ስም ኣምላኽ፡ ማለት “የሀወሀ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ወይ ኪድመጽ የብሉን” ዚብል መምርሒ ተዋህበ።

እቲ ቫቲካን ዘውጽኣቶ ሰነድ ነዚ መትከል እዚ ደገፍ ምእንቲ ኪዀኖ፡ “ጥንታዊ ልምዲ” ካቶሊክ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተተርጐመሉ ትርጕም ሰፕቱጀንት ወይ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እውን ከይተረፈ፡ መለኮታዊ ስም ኣዘውቲርካ ኪሪዮስ ማለት “ጐይታ” ብእትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ከም እተተርጐመ ገይሩ ሓቢሩ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ፡ “ክርስትያናት እውን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ንመለኮታዊ ቴትራግራማተን ከቶ ኣየድመጽዎን” በለ። እዚ ሓሳብ እዚ ግን፡ ነቲ ምስኡ ዚጻረር ንጹር መርትዖታት ዕሽሽ ኢሉ ኣሎ። ቀዳሞት ቅዳሓት ሰፕቱጀንት ወይ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት፡ ኪሪዮስ ዚብል ቃል ዘይኰነስ፡ መለኮታዊ ስም יהוה ብዚብል መልክዕ እዩ ሒዙ ዘሎ። ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎን የድምጽዎን ነይሮም እዮም። የሱስ ባዕሉ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” በለ። (ዮሃንስ 17:26) ኣብታ ኣጸቢቓ እትፍለጥ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎቱ እውን፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢልና ኽንጽሊ ምሂሩና እዩ።—ማቴዎስ 6:9

ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ምርኣይ፡ ኵሎም ክርስትያናት ኪብህግዎ ዚግባእ ነገር እዩ። ቫቲካን ንስም ኣምላኽ ኣብ ጥቕሚ ኸይውዕል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ነቲ፡ “እዚ ንዅሉ ግዜ ስመይ እዩ፣ ንውሉድ ወለዶ በዚ ስም እዚ ኽጽዋዕ እየ” ዝበለ የሆዋ ዜኽብር ኣይኰነን።—ዘጸኣት 3:15 ዘ ጀሩሳሌም ባይብል።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት፡ “የሆዋ” ዚብል ስም ዚጽውዓሉ ተመሳሳሊ ኣደማምጻ፡ ንዘመናት ዚፍለጥን ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብን እዩ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እዚ ንዅሉ ግዜ ስመይ እዩ”—ዘጸኣት 3:15 ዘ ጀሩሳሌም ባይብል

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቝራጽ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት። እተን ንመለኮታዊ ስም ዚውክላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ የሀወሀ ንዚብላ ፊደላት ዜመልክታ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ተኸቢቡለን ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of the Egypt Exploration Society