ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ዳዊትን ሰሎሞንን መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ዳዊትን ሰሎሞንን መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ዳዊትን ሰሎሞንን መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

“እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ።”—ማቴ. 12:42

1, 2. ብኣረኣእያ ሰብ፡ ሳሙኤል ንዳዊት ከም ንጉስ ኪቐብኦ ትጽቢት ዘይግበረሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

 ንጉስ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። ነብዪ ሳሙኤል ኪርእዮ ኸሎ፡ ንእሽቶ ጓሳ ዀይኑ እዩ ተራእይዎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ቤት-ልሄም ዓዱ ኽሳዕ ክንድቲ ምርእይቲ ኣይነበረትን። “ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። (ሚክ. 5:2) ኰይኑ ግን፡ ነብዪ ሳሙኤል ነቲ ኻብታ ንእሽቶ ዓዲ እተወልደ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ወዲ፡ ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ንኪቐብኦ ተዳለወ።

2 እሴይ ደቁ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኬቕርቦም ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ፈለማ ንዳዊት ኣይኰነን ኣቕሪብዎ፣ ብኻልኣይ ወይ ብሳልሳይ ደረጃ እውን ኣየቕረቦን። ሳሙኤል ንሓደ ኻብቶም ደቂ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እሴይ፡ ንጉስ እታ ሃገር ንኪኸውን ኪቐብእ ኢሉ ናብ ቤት እሴይ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እቲ ኻብቶም ሸሞንተ ኣወዳት እሴይ ናይ መወዳእታ ዝነበረ ዳዊት ኣብ ቤት እውን ኣይነበረን። የሆዋ ግን ንዳዊት ሓረዮ፣ እዚ ኸኣ እዩ ዜገድስ።—1 ሳሙ. 16:1-10

3. (ሀ) የሆዋ ኣብ ውልቀ-ሰባት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ገይሩ ዝርእዮ ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ምስ ተቐብአ፡ እንታይ እዩ ኣብ ልዕሊኡ ዝመጾ፧

3 የሆዋ ነቲ ሳሙኤል ኪርእዮ ዘይክእል ነገር ረኣየ። ንልቢ ዳዊት ኪርእዮ ይኽእል ነበረ፣ በዚ ድማ ተሓጐሰ። ንኣምላኽ ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ኣገዳስነት የብሉን፣ ውሽጣዊ እንታይነት ሰብ እዩ ዜገድሶ። (1 ሳሙኤል 16:7 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሳሙኤል ነቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ሸውዓተ ደቂ እሴይ የሆዋ ኸም ዘይሓረዮም ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ዝነኣሰ ወዲ ኻብ ጕስነት ልኢኾም ኬምጽኡሉ ሓተተ። ቀጺሉ፡ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “[እሴይ] ልኢኹ ድማ [ንዳዊት] ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕ ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ፡ በለ። ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲአ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ።”—1 ሳሙ. 16:12, 13

ዳዊት ንምምጻእ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ኣርኣየ

4, 5. (ሀ) ኣብ መንጎ ዳዊትን የሱስን ዘሎ ገለ ምምስሳላት ግለጽ። (ለ) የሱስ እቲ ዝዓበየ ዳዊት ኪበሃል ዚከኣል ብኸመይ እይ፧

4 የሱስ እውን ካብቲ ዳዊት እተወልደሉ 1,100 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ልክዕ ከም ዳዊት፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። ንብዙሓት ሰባት፡ ንጉስ ኣይመሰሎምን ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብዙሓት ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ሰባት ከምኡ ዓይነት ንጉስ ኣይተጸበዩን። ኰይኑ ግን፡ ከም ዳዊት፡ ብየሆዋ እዩ ተሓርዩ። ብተወሳኺ፡ ከም ዳዊት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍትዊ ነበረ። * (ሉቃ. 3:22) ኣብ ርእሲኡ፡ ‘መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሱስ እውን መጺኡ እዩ።’

5 ኣብ መንጎ ዳዊትን የሱስን ዘሎ ምምስሳል፡ በዚ ዜብቅዕ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ዳዊት ብኣሒቶፌል ዚበሃል ኣማኻሪኡ ኺከሓድ ከሎ፡ የሱስ ከኣ ብይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚበሃል ሃዋርያኡ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ እዩ። (መዝ. 41:9፣ ዮሃ. 13:18) ዳዊትን የሱስን ነቲ ኣምልኾ የሆዋ ዚግበረሉ ቦታ ብርቱዕ ቅንኣት ነበሮም። (መዝ. 27:4፣ 69:9፣ ዮሃ. 2:17) ብዘይካዚ፡ የሱስ ወራሲ ዳዊት እዩ ነይሩ። የሱስ ከይተወልደ ኸሎ፡ ሓደ መልኣኽ ንኣዲኡ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ” ኢሉ ነጊርዋ ነይሩ። (ሉቃ. 1:32፣ ማቴ. 1:1) ይኹን እምበር፡ ኵሉ መሲሓዊ መብጽዓታት ኣብ የሱስ ኪፍጸም ስለ ዝነበሮ፡ ንሱ ኻብ ዳዊት ኣጸቢቑ ይዓቢ። ንሱ ዝዓበየ ዳዊት፡ ማለት እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ መሲሓዊ ንጉስ እዩ።—ዮሃ. 7:42

ነቲ ጓሳን ንጉስን ሰዓቦ

6. ዳዊት ሕያዋይ ጓሳ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

6 ብተወሳኺ፡ የሱስ ጓሳ እዩ። ሕያዋይ ጓሳ እንታይ ባህርያት እዩ ዘለዎ፧ ንመጓሰኡ ብተኣማንነትን ብትብዓትን እዩ ዚከናኸንን ዚምግብን ዚሕሉን። (መዝ. 23:2-4) ዳዊት መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጓሳ እዩ ነይሩ፡ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ድማ ጽቡቕ ገይሩ ይከናኸነን ነበረ። ነተን መጓሰ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞ፡ ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ፣ ንኣባጊዑ ኻብ ኣንበሳን ድብን ንምክልኻል ድማ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእተወ።—1 ሳሙ. 17:34, 35

7. (ሀ) ንዳዊት፡ ነቲ ኸም ንጉስ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ዘዳለዎ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧

7 ዳዊት ኣባጊዕ እናጓሰየ ኣብ መሮርን ኵድዅዶታትን ዘሕለፎ እዋን፡ ነቲ ንህዝቢ እስራኤል ዚከናኸነሉ ኸቢድ ዕዮን ሓላፍነትን ኣዳለዎ። * (መዝ. 78:70, 71) የሱስ እውን ኣብነታዊ ጓሳ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ነተን “ሒደት መጓሰ” ኸምኡውን ነተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ኪጓስየን ከሎ፡ ካብ የሆዋ እዩ ብርታዐን መምርሕን ዚረክብ። (ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 10:16) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ንመጓሰኡ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጠን፡ በብስመን ይጽውዐን እዩ። ንኣባጊዑ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረን፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ህይወቱ ምእንታአን ኣሕሊፉ ሃበ። (ዮሃ. 10:3, 11, 14, 15) ከም ሕያዋይ ጓሳ መጠን፡ ዳዊት ኪገብሮ ዘይከኣለ እዩ ገይሩ። እቲ ንሱ ዘቕረቦ መስዋእታዊ በጃ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ሞት ዚድሕኑሉ መገዲ ኸፈተሎም። ነተን “ሒደት መጓሰ” ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ከም ዚረኽባ ኻብ ምግባር፡ ነተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ናብቲ ኸም ተዅላ ዝኣመሰሉ ሃደንቲ ዘይህልዉሉ ጽድቂ ኣብ ዝሰፈነሉ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ካብ ምምራሕ ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ የለን።—ዮሃንስ 10:27-29 ኣንብብ።

ነቲ ዚስዕር ዘሎ ንጉስ ስዓብዎ

8. ዳዊት ዚስዕር ንጉስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

8 ዳዊት ንጉስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነታ ህዝቢ ኣምላኽ ዚነብሩላ ሃገር ዚከላኸል ዝነበረ ቘራጽ ተዋጋኢ ነበረ፣ “ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ እግዚኣብሄር ዲል ሀቦ።” ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዳዊት፡ ዶባት እታ ሃገር ካብቲ ኣብ ግብጺ ዚርከብ ፈለግ ክሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ይበጽሕ ነበረ። (2 ሳሙ. 8:1-14) በቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይሊ፡ ኣዝዩ ሓያል ገዛኢ ዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኵለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዅሎም አህዛብ ገበሮ” ይብል።—1 ዜና 14:17

9. የሱስ ከም እተሸመ ንጉስ መጠን ብኸመይ ሰዓሪ ኸም ዝነበረ ግለጽ።

9 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፡ ከም ንጉስ ዳዊት ተባዕ እዩ ነይሩ። እተሸመ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ነቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ካብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ሓራ ብምውጻእ፡ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣርኣየ። (ማር. 5:2, 6-13፣ ሉቃ. 4:36) እቲ ቐንዲ ጸላኢኡ ሰይጣን ድያብሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብኡ ዋላ ሓንቲ የብሉን። የሱስ ብደገፍ የሆዋ፡ ነታ በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ሰዓራ።—ዮሃ. 14:30፣ 16:33፣ 1 ዮሃ. 5:19

10, 11. የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ተዋጋኢ ንጉስ መጠን እንታይ ግደ ኣለዎ፧

10 የሱስ ካብ ዚመውትን ናብ ሰማይ ካብ ዚትንስእን ኣስታት 60 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ተዋጋኢ ንጉስ መጠን ዘለዎ ግደ ትንቢታዊ ራእይ ረኣየ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።” (ራእ. 6:2) እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ፡ የሱስ እዩ። ብ1914 ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ነገሰ፡ “ኣኽሊል . . . ተዋህቦ።” ድሕሪኡ፡ “እናሰዐረ” እዩ ዘሎ። እወ፡ ከም ዳዊት፡ ዚስዕር ንጉስ እዩ። ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ድሕሪ ምንጋሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሰይጣን ኣብ ውግእ ስዒሩ፡ ምስ ኣጋንንቱ ናብ ምድሪ ደርበዮ። (ራእ. 12:7-9) “ኪስዕር” እተባህለሉ ዕላማ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ማለት ነዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዜጥፍኦ፡ ብዓወት ኪጋልብ እዩ።—ራእይ 19:11, 19-21 ኣንብብ።

11 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ የሱስ ከም ዳዊት ርሕሩሕ ንጉስ እዩ፣ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ድማ ካብ ኣርማጌዶን ኬዕቍቦም እዩ። (ራእ. 7:9, 14) ብተወሳኺ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስን መጋዝእቱ ዝዀኑ ኻብ ሞት ዝተንስኡ 144,000ን፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ኪኸውን እዩ። (ግብ. 24:15) እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልዎም እዩ። ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ! ምድሪ በቶም ጻድቃንን ሕጉሳትን ዝዀኑ ግዙኣት እቲ ዝዓበየ ዳዊት ክትምላእ ከላ ብህይወት ምእንቲ ኽንህሉ፡ ብሕጂ እውን ‘ሰናይ ንምግባር’ ቈራጽነት ንግበር።—መዝ. 37:27-29

ሰሎሞን ጥበብ ንምርካብ ዝገበሮ ጸሎት ተመለሰሉ

12. ሰሎሞን እንታይ ኪወሃቦ እዩ ዝለመነ፧

12 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት እውን ንምምጻእ የሱስ ኣቐዲሙ ኣርእዩ እዩ። * ሰሎሞን ንጉስ ምስ ኰነ፡ የሆዋ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ዝለመኖ ዘበለ ኸም ዚህቦ ድማ ነገሮ። ሰሎሞን ዝያዳ ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ወይ ዕድመ ኺሓትት ይኽእል ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግን፡ ንርእሱ ዚጥዕሞ ነገራት ሓዲጉ፡ ንየሆዋ፡ “ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ” ኢሉ ለመኖ። (2 ዜና 1:7-10) የሆዋ ንጸሎት ሰሎሞን መለሰሉ።—2 ዜና መዋእል 1:11, 12 ኣንብብ።

13. ጥበብ ሰሎሞን መወዳድርቲ ዘይነበሮ ብኸመይ እዩ፧ ምንጩኸ ኻበይ እዩ፧

13 ሰሎሞን ንየሆዋ እሙን ክሳዕ ዝነበረሉ እዋን፡ ቃላት ጥበቡ ምስ ናይቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት ዚወዳደር ኣይነበረን። “ሰለስተ ሽሕ ምስላ” መሰለ። (1 ነገ. 4:30, 32, 34) መብዛሕትኡ ኻብዚ ተጻሒፉ እዩ፡ በቶም ጥበብ ዚደልዩ ድማ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ። ንግስቲ ሳባ ንጥበብ ሰሎሞን “ብሕንቅሕንቅሊቶይ” ክትፍትኖ 2,400 ኪሎ ሜተር ተጓዕዘት። በቲ ሰሎሞን ዝበሎን ብብልጽግና መንግስቱን ከኣ ተመሰጠት። (1 ነገ. 10:1-9) መጽሓፍ ቅዱስ ንምንጪ ጥበብ ሰሎሞን ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዓለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ” ይብል።—1 ነገ. 10:24

ነቲ ጥበበኛ ንጉስ ስዓቦ

14. የሱስ “ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

14 ብጥበቡ ንሰሎሞን ብንጹር ዝበለጾ፡ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ እቲ ንርእሱ፡ “ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ” ኢሉ ዝገለጸ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ማቴ. 12:42) የሱስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃ. 6:68) ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ንመሰረታዊ ስርዓት ገሊኡ ምስላታት ሰሎሞን እዩ ዜስፍሕ። ሰሎሞን፡ ንሓደ ኣምላኺ የሆዋ ሓጐስ ዜምጽኣሉ ሓያሎ ነገራት ገሊጹ ኣሎ። (ምሳ. 3:13፣ 8:32, 33፣ 14:21፣ 16:20) የሱስ ከኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ ካብቲ ምስ ኣምላኾ የሆዋን ምስ ፍጻመ መብጽዓታቱን ዚተሓሓዝ ነገራት ከም ዚምንጭው ኣጕልሐ። “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴ. 5:3 NW) እቶም ነቲ ኣብ ትምህርትታት የሱስ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ፡ ናብቲ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ዝዀነ የሆዋ እዮም ዚቐርቡ። (መዝ. 36:9፣ ምሳ. 22:11፣ ማቴ. 5:8) ክርስቶስ “ጥበብ ኣምላኽ” እዩ ዚውክል። (1 ቈረ. 1:24, 30) ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን፡ “መንፈስ ጥበብ” ኣለዎ።—ኢሳ. 11:2

15. ካብ ጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

15 ከም ሰዓብቲ እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን መጠን፡ ካብ ጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ጥበብ የሆዋ ኣብ ቃሉ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕልፊ ኸኣ ንቓላት የሱስ ተጠንቂቕና ብምጽናዕን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (ምሳ. 2:1-5) ብተወሳኺ፡ ንኣምላኽ ጥበብ ንኺህበና ኸይተሓለልና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ሓገዝ ንምርካብ እንገብሮ ልባዊ ጸሎት ከም ዚምለስ፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። (ያእ. 1:5) ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ፡ ጸገማት ንኽንሰግርን ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንገብርን ዚሕግዘና ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ዝዋጋኡ ጥበብ ክንረክብ ኢና። (ሉቃ. 11:13) ሰሎሞን፡ “ሰባኺ” ወይ “ኣካቢ” (NW) ተባሂሉ ተጸዊዑ፡ “ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ” ድማ ተባሂሉሉ እዩ። (መክ. 12:9, 10) እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ፡ ኣካቢ ህዝቡ እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ቈሎ. 1:18) ስለዚ፡ ኣብቲ ብቐጻሊ ‘እንመሃረሉ’ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንእከብ ኣሎና።

16. ኣብ መንጎ ሰሎሞንን የሱስን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

16 ሰሎሞን ብዙሕ ዕማም ዝዓመመ ንጉስ እዩ ነይሩ። ሃገርለኸ መደብ ህንጸት ወዲቡ፡ ኣብያተ-መንግስትን መገድታትን ሓጽብታትን ከተማታት መዛግብትን ከተማታት ሰረገላን ከተማታት ፈረሰኛታትን ንኺስራሕ ከኣ ብሓላፍነት መሪሑ እዩ። (1 ነገ. 9:17-19) ብምልእታ እታ መንግስቲ ኻብ ዕዮ ህንጸቱ ተጠቒማ እያ። የሱስ እውን ሃናጺ እዩ። ነታ ጉባኤ ኣብ “ከውሒ” እዩ ሃኒጽዋ። (ማቴ. 16:18) ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚግበር ዕዮ ህንጸት ብሓላፍነት ኪመርሕ እዩ።—ኢሳ. 65:21, 22

ነቲ ንጉስ ሰላም ስዓቦ

17. (ሀ) ኣብ ግዝኣት ሰሎሞን እንታይ እዩ ሰፊኑ ዝነበረ፧ (ለ) ሰሎሞን እንታይ እዩ ኺፍጽም ዘይከኣለ፧

17 ሰሎሞን ዚብል ስም፡ “ሰላም” ካብ ዚብል ትርጕም ዘለዎ ቓል እዩ መጺኡ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ይገዝእ ነበረ፣ ትርጕም ስም እታ ኸተማ ድማ “ብዓልቲ ድርብ ሰላም” ማለት እዩ። ን40 ዓመት ዝቐጸለ ንግስነቱ፡ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላም እዩ ኣምጺኡ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን ዓመታት እቲኣተን፡ “ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ” ይብል። (1 ነገ. 4:25) ኰይኑ ግን፡ ሰሎሞን ምስቲ ዅሉ ጥበቡ ንተገዛእቱ ኻብ መቝሕ ሕማምን ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኼውጽኦም ኣይከኣለን። እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ግን፡ ንተገዛእቱ ኻብ ኵሉ እዚ መከራ እዚ ሓራ ኺገብሮም እዩ።—ሮሜ 8:19-21 ኣንብብ።

18. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኢና እነስተማቕር ዘለና፧

18 ሕጂ እውን ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ሰላም እዩ ዘሎ። እወ፡ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ገነት ኢና እነስተማቕር ዘለና። ምስ ኣምላኽን ምስ ብጻይናን ሰላም ኣሎና። ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ዅነታት እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ ኣስተብህል፦ “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳ. 2:3, 4) ምስ መንፈስ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስ፡ ንጽባቐ መንፈሳዊ ገነት ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

19, 20. ንኽንሕጐስ እንታይ ምኽንያታት እዩ ዘሎና፧

19 ኣብ መጻኢ ኸኣ ዝሓሸ ኽንረክብ ኢና። እዙዛት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላም ምስ ረኸቡ፡ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኽሳዕ ዚበጽሑ፡ “ካብ ባርነት ጥፍኣት” በብቝሩብ ‘ሓራ ኺወጹ’ እዮም። (ሮሜ 8:21) ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ ነቲ ናይ መጨረሻ ፈተና ምስ ሓለፉ፡ “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝ. 37:11፣ ራእ. 20:7-10) ግዝኣት ክርስቶስ የሱስ፡ ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ንግዝኣት ሰሎሞን ኪበልጾ እዩ።

20 ከምቲ እስራኤል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሴን ዳዊትን ሰሎሞንን እተሓጐሰ፡ ንሕና ድማ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዝያዳ ኽንሕጐስ ኢና። (1 ነገ. 8:66) የሆዋ ነቲ ዝዓበየ ሙሴን ዳዊትን ሰሎሞንን ዝዀነ ሓደ ወዱ ብምሃቡ፡ ኵሉ ምስጋና ይብጽሓዮ!

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 4 ዳዊት ዚብል ስም፡ ምናልባት “ፍትዊ” ማለት እዩ። የሱስ ኣብ እተጠምቀሉን ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ እተለወጠሉን እዋን፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ፡ “ፍትዊ ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ።—ማቴ. 3:17፣ 17:5

^ ሕ.ጽ. 7 ዳዊት ንጓሳኣ ኸም እትኣምን በጊዕ እውን ኰይኑ እዩ። ካብቲ ዓብዪ ጓሳ ዝዀነ የሆዋ፡ ዕቝባን መምርሕን ይደሊ ነበረ። ብምትእምማን፡ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን” በለ። (መዝ. 23:1) ዮሃንስ መጥምቕ ከኣ ንየሱስ፡ “ገንሸል ኣምላኽ” ኢሉ ጸውዖ።—ዮሃ. 1:29

^ ሕ.ጽ. 12 ካልኣይ ስም ሰሎሞን፡ የዲድያ ዚብል ኰይኑ፡ “ያህ ዚፈትዎ” ማለት እዩ።—2 ሳሙ. 12:24, 25

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ እቲ ዝዓበየ ዳዊት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ዳዊትን ሰሎሞንን እንታይ ተረዲእካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሰሎሞን ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ጥበብ፡ ንጥበብ እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ጽላሎት ይኸውን

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ግዝኣት የሱስ፡ ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ንግዝኣት ሰሎሞንን ዳዊትን ኪበልጾ እዩ