ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ብስለት ኣቢልካ ሰጕም —“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”

ናብ ብስለት ኣቢልካ ሰጕም —“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”

ናብ ብስለት ኣቢልካ ሰጕም —“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”

“ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም።”—እብ. 6:1 ትርጕም 1990

1, 2. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ናብ ኣኽራን ንኺሃድሙ’ እንታይ ኣጋጣሚ ረኸቡ፧

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ መልሲ ኺህቦም ከሎ እተዛረቦ ትንቢት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናይ ፈለማ ፍጻሜኡ ረኸበ። መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ዘይተለምደ ፍጻመታት ከም ዚህሉ ኸኣ ገለጸ። ነዚ ፍጻመ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ‘ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ኪሃድሙ’ ነበሮም። (ማቴ. 24:1-3, 15-22) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ምልክት የለልይዎን ስጕምቲ ይወስዱን ደዀን ይዀኑ፧

2 ሰላሳ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ብ61 ድ.ክ. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት፡ ሓያልን ረዚንን መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ጳውሎስን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱን ኣይፈለጡን ደኣ እምበር፡ “መከራ” ኸም ዚጅምር ዚሕብር ምልክት ንኺርአ፡ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ። (ማቴ. 24:21) ብ66 ድ.ክ. ሰስትየስ ጋለስ ንሰራዊት ሮሜ መሪሑ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዳርጋ ዕዉት ዝነበረ መጥቃዕቲ ፈነወ። ድሕሪኡ ግን ብሃንደበት ኣንሰሓበ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ሰባት ድሕንነት ናብ ዚርከቦ ቦታ ንኼምልጡ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።

3. ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት እንታይ ምዕዶ ሃቦም፧ ስለምንታይከ፧

3 እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም፡ ነቲ ፍጻመታት ንኼለልዩን ንኺሃድሙን፡ ዓሚቝ ምስትውዓልን መንፈሳዊ ምርዳእን የድልዮም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም “ንምስማዕ ድንዙዛት” ኰይኖም ነበሩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ከምቶም “ጸባ” ዜድልዮም ሕጻናት ኰኑ። (እብራውያን 5:11-13 ኣንብብ።) ገለ ኻብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሓቂ እተመላለሱ እውን ከይተረፉ፡ ‘ካብ ህያው ኣምላኽ ከም ዝረሓቑ’ ዚሕብር ምልክታት የርእዩ ነበሩ። (እብ. 3:12) ‘እታ እተፍርህ መዓልቲ እናቐረበት ክነሳ፡’ ገሊኦም ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምትራፍ “ልማድ” ገበርዎ። (እብ. 10:24, 25) ጳውሎስ፡ “ነዚ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ መባእታ ዝኾነ ገዲፍና ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም” ዚብል እዋናዊ ምዕዶ ሃቦም።—እብ. 6:1 ትርጕም 1990

4. ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምኡ ንኽንገብርከ እንታይ ይሕግዘና፧

4 እቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኣብ ዚረኽበሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። እታ ስርዓት ሰይጣን ብምሉኡ ዚጠፍኣላ “ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ።” (ጸፎ. 1:14 NW) ስለዚ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጡፋትን ንቑሓትን ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥ. 5:8) ብሓቂዶ ኸምኡ ንገብር ኣለና፧ ክርስትያናዊ ብስለት፡ ነዚ ዘለናሉ እዋን ብኣቓልቦ ንኽንከታተል ኪሕግዘና እዩ።

ክርስትያናዊ ብስለት እንታይ እዩ፧

5, 6. (ሀ) መንፈሳዊ ብስለት እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ናብ ብስለት ኣቢልካ ምስጓም፡ ኣብ ምንታይ ክልተ መዳያት ጻዕሪ ምግባር ይሓትት፧

5 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ናብ ብስለት ኪስጕሙ ኣተባቢዕዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ብስለት እንታይ ከም ዜጠቓልል እውን ነጊርዎም እዩ። (እብራውያን 5:14 ኣንብብ።) ብሱላት ወይ “ብጹሓት” ሰባት፡ “ጸባ” ብምስታይ ጥራይ ኣይዓግቡን እዮም። “ዕጹም ብልዒ” እውን ይምገቡ እዮም። ስለዚ፡ “ነቲ ናይ መጀመርታ” ዀነ ነቲ ‘ዓሚቝ’ ሓቂ ይፈልጥዎ እዮም። (1 ቈረ. 2:10) ብዘይካዚ፡ ነቲ ዚፈልጥዎ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንልቦናኦም ብግቡእ የላምዱ እዮም፣ እዚ ኸኣ ጽቡቕን ክፉእን ንኺፈልዩ ይሕግዞም። እዚ ስልጠና እዚ፡ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚብልን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎን ንኼስተውዕሉ የኽእሎም።

6 ጳውሎስ፡ “ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 2:1) ከይተፈለጠና ኻብ እምነት ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥመና፡ መንፈሳዊ ሓቅታት ክንምርምር ከለና፡ “ኣዚና ኸነቕልብ” ይግባእ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ክሳዕ ሕጂ መባእታዊ ነገራት ጥራይ ድየ ዝምርምር ዘለኹ፧ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልበይ ስለ ዘይሰረጸ፡ ንነገራት ብልማድ ጥራይ ድየ ዝገብር ዘለኹ፧ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ናብ ብስለት ኣቢልካ ምስጓም፡ እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ መዳያት ጻዕሪ ምግባር ይሓትት። ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ፡ ተኣዛዝነት እውን ክንመሃር ኣሎና።

ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ

7. ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ምፍላጥና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ጳውሎስ፡ “ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 5:13) ናብ ብስለት ንኽንበጽሕ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መልእኽቲ ዝሓዘ ቓሉ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና። እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚርከብ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋትን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንዚዳሎ ጽሑፋትን እነጽንዕ ንፉዓት ተመሃሮ ኽንከውን ኣሎና። (ማቴ. 24:45-47) በዚ ኸምዚ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ ንልቦናና ኸነሰልጥኖ ኺሕግዘና እዩ። ሓንቲ ኦርኪድ * ዝስማ ክርስትያን ተመክሮኣ ኽትዛረብ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ብዛዕባ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ መዘኻኸሪ፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ ነበሮ። ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ኽውድኦ ዳርጋ ኽልተ ዓመት እኳ እንተ ወሰደለይ፡ ንመጀመርታ እዋን ንፈጣሪየይ ዝፈለጥክዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ብዛዕባ መገድታቱ፡ ብዛዕባ እቲ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት፡ ብዛዕባ ዕቤት ሓይሉ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዕምቈት ጥበቡ ተመሃርኩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንባበይ፡ ነቲ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ኣጸጋሚ እዋናት ንኽሰግሮ ሓጊዙኒ እዩ።”

8. ቃል ኣምላኽ ኣባና ኸመይ ዝበለ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

8 እተወሰነ ኽፋል ቃል ኣምላኽ ብስሩዕ ነንብብ እንተ ዄንና፡ መልእኽቱ ኣባና ‘ኼስልጥ’ እዩ። (እብራውያን 4:12 ኣንብብ።) ንውሽጣዊ እንታይነትና ኪቐርጾን ንየሆዋ እነሐጕስ ኪገብረናን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተንብብን ብዛዕባ እቲ ዚብሎ ንኸተስተንትንን ዝያዳ ግዜ ኽትምድብ የድልየካ ድዩ፧

9, 10. ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧ ኣብነት ሃብ።

9 ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፡ ላዕሊ ላዕሉ ምፍላጥ ጥራይ ኣይኰነን። እቶም ብግዜ ጳውሎስ ብመንፈሳዊ ሕጻናት ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጥዎን እዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ዚብሎ ኣብ ግብሪ ስለ ዘየውዓልዎ፡ ካብኡ ጥቕሚ ኣይረኸቡን። እቲ መልእኽቲ ኣብ ህይወቶም ጥበባዊ ውሳነ ኺገብሩ ንኺመርሖም ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃኖም፡ ብግቡእ ኣይፈለጥዎን።

10 ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፡ እንታይ ከም ዚብል ምፍላጥን ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓልን የጠቓልል። ንሓንቲ ካይል ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ዘጋጠማ ተመክሮ፡ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ዜርኢ እዩ። ካይል ምስ ሓንቲ መሳርሕታ ኣይተቓደዋን። ነዚ ንምዕራይ እንታይ ገበረት፧ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እታ ኣብ ሮሜ 12:18 እትርከብ ‘ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ’ እትብል ጥቕሲ ቐልጢፋ ኣብ ኣእምሮይ መጸትኒ። ድሕሪ ስራሕ ምስታ መሳርሕተይ ክንራኸብ ድማ ቈጸራ ገበርኩ” በለት። እቲ ዝገበራኦ ዝርርብ ዕዉት ነበረ፡ ካይል ነዚ ስጕምቲ እዚ ብምውሳዳ ኸኣ እታ መሳርሕታ ኣዝያ ተተንከፈት። ካይል፡ “ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ፈጺምና ኣይንጋገን ኢና” በለት።

ተኣዛዝነት ተምሃር

11. ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ተኣዛዝነት ምርኣይ በዳሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ እዩ፧

11 ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ኣዝዩ በዳሂ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኻብ ዜውጽኦም ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እስራኤላውያን “ምስ ሙሴ ተቛየቑ፡” ‘ንየሆዋ ድማ ፈተንዎ።’ ስለምንታይ፧ ዚሰትይዎ ማይ ስለ ዝሰኣኑ እዮም። (ዘጸ. 17:1-4) ምስ ኣምላኽ ኪዳን ካብ ዚኣትዉን “እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት” ከም ዚገብሩ ኻብ ዚሰማምዑን ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ዚገልጽ ሕጊ ኣፍረስዎ። (ዘጸ. 24:3, 12-18፣ 32:1, 2, 7-9) ሙሴ ኣብ ከረን ሆሬብ መምርሒ ይወሃቦ ብምንባሩ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይረኣይዎ ፈሪሆም ደዀን ይዀኑ፧ ኣቐድም ኣቢሎም፡ ኢድ ሙሴ ልዕል ኢላ ብምንባራ ንኣማሌቃውያን ስለ ዝሰዓርዎም፡ ሕጂ ሙሴ ኣብ ዘይብሉ እንደገና እንተ ኣጥቂዖምዎም፡ ሓጋዚ ዘይብሎም ከይኰኑ ኣተሓሳሲብዎም ደዀን ይኸውን፧ (ዘጸ. 17:8-16) ምናልባት ከምኡ ሓሲቦም ይዀኑ፣ ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ እስራኤላውያን ‘ኪእዘዙ ኣይደለዩን።’ (ግብ. 7:39-41) ጳውሎስ ንክርስትያናት ካብቲ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ንኺኣትዉ ብምፍራሆም ዘርኣይዎ ‘ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ’ ንኺርሕቁ ‘ኺጋደሉ’ ተማሕጸኖም።—እብ. 4:3, 11

12. የሱስ ተኣዛዝነት እተማህረ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ጥቕሚኸ ረኸበ፧

12 ናብ ብስለት ኣቢልካ ምስጓም፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ዝከኣለና ዘበለ ኽንገብር ዚሓትት እዩ። የሱስ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ከም ዚሕብሮ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ካብ መከራ ኢኻ ተኣዛዝነት እትመሃር። (እብራውያን 5:8, 9 ኣንብብ።) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ንኣቦኡ ይእዘዞ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ምድሪ ምፍጻም፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቓይ ዜምጽኣሉ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸገም ተኣዛዝነት ስለ ዘርኣየ ግን፡ ነቲ ኣምላኽ ኣዳልዩሉ ዝነበረ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ናይ ምዃን ሓድሽ መዓርግ ንምርካብ “ፍጹም” ኰነ።

13. ተኣዛዝነት ከም እተመሃርና ብኸመይ ነርኢ፧

13 ንሕናኸ ዜጨንቕ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ቘራጽነት ጌርና ዲና፧ (1 ጴጥሮስ 1:6, 7 ኣንብብ።) ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ-ምግባር፡ ሓቅነት፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ልሳን፡ ብሕታዊ ንባብን መጽናዕትን ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ ዚህቦ ምኽሪ ንጹር እዩ። (እያ. 1:8፣ ማቴ. 28:19, 20፣ ኤፌ. 4:25, 28, 29፣ 5:3-5፣ እብ. 10:24, 25) ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ኣብዚ መዳያት እዚ ንየሆዋ ንእዘዞ ዲና፧ እቲ እነርእዮ ተኣዛዝነት፡ ናብ ብስለት ኣቢልና ንስጕም ከም ዘለና ዚሕብር እዩ።

ክርስትያናዊ ብስለት ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14. ናብ ብስለት ኣቢልካ ምስጓም፡ ዕቝባ ምዃኑ ኣብነት ሃብ።

14 ሓደ ክርስትያን ኣብዛ ‘ድንዝዝቲ’ ዓለም እናነበረ ኽነሱ፡ ጽቡቕን ክፉእን ኪፈሊ ዚኽእል ብግቡእ ዝሰልጠነ ልቦና እንተ ኣልይዎ፡ ናይ ብሓቂ ዕቝባ እዩ። (ኤፌ. 4:19) ንኣብነት፡ ሓደ ጄምስ ዝስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ወትሩ ዜንብብን ዜማስወሉን ሓው፡ ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ ጀመረ፣ ኵለን መሳርሕቱ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ነበራ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “መብዛሕትአን ስነ-ምግባር ዝጐደለን እኳ እንተ ዀና፡ ሓንቲ ኻብአን ግን ጽቡቕ ጠባይ ነበራ፡ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድማ ተገዳስነት ኣርኣየት። ኣብ ሓደ ኽፍሊ በይንና እናሰራሕና ኸለና ግን፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ተግባራት ክትገብር ጀመረት። ኣብ መጀመርታ ንጸወታ ኢላ ጥራይ ከምኡ ትገብር ዝነበረት እኳ እንተ መሰለኒ፡ ደሓር ግን ኣየቋረጸትን። ኣብታ ህሞት እቲኣ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ተመክሮኡ ዝወጸ ኣብ ስራሑ ተመሳሳሊ ፈተና ዘጋጠሞ ሓው ትዝ በለኒ። እታ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዮሴፍን ሰበይቲ ጶጢፋርን ዚገልጽ ሓሳብ ዝሓዘት ነበረት። * ብኡንብኡ ነታ ጓል ካባይ ደፋእክዋ፡ እናጐየየት ድማ ወጸት።” (ዘፍ. 39:7-12) ጄምስ ካልእ ነገር ስለ ዘየጋጠመን ጽሩይ ሕልና ስለ ዝዓቀበን ሕጉስ እዩ።—1 ጢሞ. 1:5

15. ናብ ብስለት ኣቢልና ምስጓምና፡ ንምሳልያዊ ልብና ኼደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ብስለት ንምሳልያዊ ልብና ስለ ዜደልድሎን ‘ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ንኸይንስሕት’ ስለ ዜዕቍብን፡ ጠቓሚ እዩ። (እብራውያን 13:9 ኣንብብ።) ብመንፈሳዊ ንኽንዓቢ ኽንጽዕር ከለና፡ ኣእምሮና ኣብ “ዚሐይሽ” ነገር የተኵር። (ፊል. 1:9-11) በዚ ኸምዚ ድማ ንኣምላኽን ንዅሉ እቲ ንጥቕምና ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎታትን ዘለና ሞሳ ይዓቢ። (ሮሜ 3:24) ‘ብኣእምሮ ሰብኣይ’ ዝዀነ ክርስትያን፡ ንኸምዚ ዓይነት መሰናድዎታት መማሰዊ ይኸውን፡ ምስ የሆዋ ድማ ጥብቂ ርክብ ይህልዎ።—1 ቈረ. 14:20

16. ሓንቲ ሓብቲ ‘ልባ ንኸተጽንዕ’ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

16 ሓንቲ ሉዊዝ እትበሃል ሓብቲ፡ ድሕሪ ምጥማቓ ብቐንዱ ዜገድሳ ዝነበረ ነገር ንሰባት ምሕጓስ ምንባሩ ኽትእመን ከላ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ግጉይ ተግባራት ዘይሳተፍ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንየሆዋ ኸገልግሎ ግን ካብ ልበይ ኣየንቀድኩን ነይረ። ንየሆዋ ዝከኣለኒ ዘበለ እህብ ከም ዘለኹ ዀይኑ ንኺስምዓኒ፡ እተወሰነ ለውጥታት ክገብር ከም ዘለኒ ተረዳእኩ። ሓደ ኻብቲ ዝገበርክዎ ዓብዪ ለውጢ፡ ብምሉእ ልበይ ንዕኡ ምምላኽ እዩ ነይሩ።” ከምዚ ዓይነት ጻዕሪ ብምግባራ፡ ‘ልባ ኣጽንዐት፣’ እዚ ኸኣ ነቲ ዘጋጠማ ዜጨንቕ ጸገም ጥዕና ንኽትዋጽኣሉ ኣገዳሲ ነበረ። (ያእ. 5:8) ሉዊዝ፡ “ብዙሕ እኳ እንተ ተቓለስኩ፡ ናብ የሆዋ ግን ብዝያዳ ክቐርብ ክኢለ እየ” በለት።

‘ካብ ልቢ ተኣዘዝ’

17. ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ተኣዛዝነት ብፍላይ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

17 እቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት “ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም” ኢሉ ዝሃቦም ምኽሪ፡ ህይወት ዜድሕን ነበረ። እቶም ነዚ ዘቕለቡሉ ሰባት፡ ነቲ የሱስ ‘ናብ ኣኽራን ኪሃድሙ’ ዝሃቦም ምልክት ንኼለልዩ ዜኽእሎም ዓሚቝ መንፈሳዊ ምስትውዓል ነበሮም። “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ” ኺርእዩ ኸለዉ፡ ማለት ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከቢቦም ኬጥቅዕዋ ኺጅምሩ ኸለዉ፡ ዚሃድሙሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ፈለጡ። (ማቴ. 24:15, 16) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ብምቕላብ ድማ የሩሳሌም ገና ኸይጠፍአት ከላ ሃደሙ፣ ጸሓፊ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ዩሲቤስ ከም ዝገለጾ ኸኣ፡ ኣብታ ኣብ ከረን ጊልዓድ እትርከብ ፔላ እትበሃል ከተማ ኺነብሩ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ንየሩሳሌም ዘጋጠማ ዝኸፍአ ዕንወት ደሓኑ።

18, 19. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ተኣዛዝነት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 እቲ የሱስ ብዛዕባ መወዳድርቲ ዘይብሉ “መከራ” እተዛረቦ ትንቢት ዝዓበየ ፍጻሜኡ ኺረክብ ከሎ እውን፡ ናብ ብስለት ኣቢልካ ብምስጓም ዚርከብ ተኣዛዝነት ንህይወትና ኼድሕነልና እዩ። (ማቴ. 24:21) ነቲ ኣብ መጻኢ ኻብ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ዚወሃበና ህጹጽ መምርሒ ብተኣዛዝነት ክንቅበሎ ዲና፧ (ሉቃ. 12:42) ‘ካብ ልቢ ኽንእዘዝ’ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—ሮሜ 6:17

19 ኣብ ብስለት ንኽንበጽሕ፡ ንልቦናና ኸነላምዶ ኣሎና። ነዚ ኸኣ ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦን ተኣዛዝነት ንኽንመሃርን ጻዕሪ ብምግባር ኢና ኸነጥርዮ እንኽእል። ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ምብጻሕ፡ ንመንእሰያት ኣዝዩ በዳሂ እዩ ዚዀኖም። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ብኸመይ ነዚ ብድሆታት እዚ ብዓወት ኪዋጽኡሉ ኸም ዚኽእሉ ኽትምርምር እያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 7 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “እከይ ኣይገብርን ንምባል ዕጡቕ ምዃን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• መንፈሳዊ ብስለት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ንረኽቦ፧

• ምስ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ፡ ናብ ብስለት ኣቢልካ ኣብ ምስጓም እንታይ ግደ ኣለዎ፧

• ተኣዛዝነት ብኸመይ ንመሃር፧

• ብስለት ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ንጸገማት ብብስለት ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንምኽሪ የሱስ ብምስዓቦም፡ ህይወቶም ኣድሓኑ