ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ን“ክርስቶስ” እንስዕቦ ስለምንታይ ኢና፧

ን“ክርስቶስ” እንስዕቦ ስለምንታይ ኢና፧

ን“ክርስቶስ” እንስዕቦ ስለምንታይ ኢና፧

“ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ . . . እሞ ይስዐበኒ።”—ሉቃ. 9:23

1, 2. ን“ክርስቶስ” እንስዕበሉ ምኽንያታት ምምርማርና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣቱም ተገደስትን ንኣሽቱን ዘበልኩም፡ የሆዋ ንዓኻትኩም ኣብ መንጎ ኣምለኽቱ ኺርእየኩም ከሎስ፡ ክንደይ ኰን የሐጕሶ ኪኸውን ኣለዎ! መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ብዝቐጸልኩምን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርኩም ብእተኣከብኩምን በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ህይወት ዚህብ ሓቂ እናዓበኹም ብዝኸድኩምን መጠን፡ ነቲ የሱስ፡ “ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ . . . እሞ ይስዐበኒ” ዝበሎ ጻውዒት ኣብ ልብኹም ከተሕድሩ ኣሎኩም። (ሉቃ. 9:23) ኣብዚ የሱስ፡ ርእስኹም ክትቀብጹን ሰዓብቱ ኽትኰኑን ከም ዘሎኩም እዩ ዚገልጽ ዘሎ። እምበኣር፡ ን“ክርስቶስ” ስለምንታይ ከም እንስዕቦ ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ።—ማቴ. 16:13-16

2 እቶም ድሮ ኣሰር የሱስ ክርስቶስ እንስዕብ ዘበልና ደኣኸ፧ ‘በቲ እንመላለሶ ዘለና ኣዚና ብእኡ ኽንስስን’ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ተሰ. 4:1, 2) ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተቐበልናሉ እዋን ኣብ ቀረባ ግዜ ይኹን ወይ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ንክርስቶስ እንስዕበሉ ምኽንያታት ምስትንታንና፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕልን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንክርስቶስ ብዝያዳ ንኽንስዕቦን ይሕግዘና እዩ። ንክርስቶስ ክንስዕቦ እንደልየሉ ሓሙሽተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንምቕራብ

3. ንየሆዋ በየናይ ክልተ መገድታት ኢና ኽንፈልጦ እንኽእል፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ” ንሰብ ኣቴና ኺዛረቦም ከሎ፡ “[ኣምላኽ] ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም” በለ። (ግብ. 17:22, 26, 27) ንኣምላኽ ክንደልዮን ክንፈልጦን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ፍጥረት ብዛዕባ ባህርያትን ክእለታትን ኣምላኽ ብዙሕ ይነግረና እዩ። ብዛዕባ ፍጥረት ብሞሳ እንተ ኣስተንቲንና፡ ብዛዕባ ፈጣሪ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:20) የሆዋ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝርዝር ነገራት ገሊጹልና ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ‘ንግብርታቱ ብዘስተንተንናን ንዕዮኡ ብዝመርመርናን’ መጠን፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና።—መዝ. 77:12

4. ንክርስቶስ ምስዓብና፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

4 ንየሆዋ ኣጸቢቕና እንፈልጠሉ ብሉጽ መገዲ፡ ንክርስቶስ ምስዓብ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ “ዓለም ከይተፈጥረት” ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ኸሎ ዝነበሮ ኽብሪ እሞ ሕስብ ኣብል! (ዮሃ. 17:5) ንሱ “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” እዩ። (ራእ. 3:14) “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ስለ ዝዀነ፡ ምስ የሆዋ ኣቦኡ ንኣዝዩ ብዙሕ ዘመናት ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ እዩ። ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ምስ ኣቦኡ ኾፍ ኢሉ ግዜ የሕልፍ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ብጻይ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተሓጒሱ እናዓየየ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝደልደለት ፍቕሪ የማዕብል እዩ ነይሩ። የሱስ ንግብርታትን ስምዒታትን ባህርያትን ኣቦኡ ይዕዘብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ኣቦኡ እተማህሮ ነገር ኣብ ልቡ የሕድሮን የስርጾን እውን ነበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እዚ እዙዝ ወዲ እዚ ልክዕ ከም ኣቦኡ ዀነ፣ ቍርጺ ኣቦኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ቈሎ. 1:15) እምበኣር፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና።

ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንመስሎ

5. ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንመስሎ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

5 ‘ብመልክዕ ኣምላኽ፡ ከም ምስሉ ስለ እተገበርና፡’ ባህርያት ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ኣሎና። (ዘፍ. 1:26) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (ኤፌ. 5:1) የሱስ ንኣተሓሳስባን ስምዒታትን ባህርያትን ኣምላኽ ስለ ዜንጸባርቕን ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ብእተማልአ መገዲ ስለ ዚገልጾን፡ ንዕኡ ምስዓብና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ንኽንመስሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ስም የሆዋ ጥራይ ኣይኰነን ኣፍሊጡ። የግዳስ፡ ኣምላኽ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎ ኣርእዩና እዩ። (ማቴዎስ 11:27 ኣንብብ።) ነዚ ድማ ብቓልን ብግብርን፡ ማለት ብትምህርትታቱን ብኣብነታቱን እዩ ገይርዎ።

6. ትምህርትታት የሱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

6 የሱስ ብትምህርትታቱ ኣቢሉ፡ ኣምላኽ እንታይ ብቕዓታት ከነማልእ ከም ዚደልየናን ብዛዕባ ኣምለኽቱ ኸመይ ከም ዚስምዖን ኣርእዩ እዩ። (ማቴ. 22:36-40፣ ሉቃ. 12:6, 7፣ 15:4-7) ንኣብነት፡ ነታ፡ “ኣይትዘሙ” እትብል ሓንቲ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ሰብ ዝሙት ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዚኸውን ነገራት ብኸመይ ከም ዚርእዮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ። (ዘጸ. 20:14፣ ማቴ. 5:27, 28) ነቲ፡ “ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ” ዚብል ፈሪሳውያን ንሕጊ ሙሴ ዝሃብዎ ትርጕም ድሕሪ ምጥቃሱ ድማ፡ “ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” ብምባል ሓሳባት የሆዋ ኣፍለጠ። (ማቴ. 5:43, 44፣ ዘጸ. 23:4፣ ዘሌ. 19:18) ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሓስብን ከመይ ከም ዚስምዖን እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየናን ምፍላጥና፡ ብዝያዳ ንኽንመስሎ የዕጥቐና እዩ።

7, 8. ካብ ኣብነት የሱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢና እንመሃር፧

7 የሱስ ብኣብነቱ ኣቢሉ እውን ባህርያት ኣቦኡ ገሊጹልና እዩ። ኣብ ወንጌላት፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንእተሸገሩ ዘርኣዮ ርሕራሐ፡ ንእተሳቐዩ ዘርኣዮ ድንጋጸ፡ ከምኡውን ነቶም ንቘልዑ ዝገንሕዎም ደቀ መዛሙርቱ እተቘጥዖም ቍጥዓ ኸነንብብ ከለና፡ ኣቦኡ ኸምኡ ኸም ዚስምዖ ደይኰንናን እንግንዘብ፧ (ማር. 1:40-42፣ 10:13, 14፣ ዮሃ. 11:32-35) ተግባራት የሱስ ንቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ንኽንርዳእ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እሞ ሕስብ ኣብል። እቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምራት ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ደይኰነን ዚሕብር፧ ግናኸ፡ ሓይሉ ንብሕታዊ ረብሓኡ ወይ ንኻልኦት ንምጕዳእ ከቶ ኣይተጠቕመሉን። (ሉቃ. 4:1-4) ንስሱዓት ነጋዶ ኻብታ ቤተ መቕደስ ምስጓጉ፡ ንፍትሑ ብንጹር እዩ ዜጕልሓልና። (ማር. 11:15-17፣ ዮሃ. 2:13-16) ንኣልባብ ሰባት ዝተንከፈ ትምህርትታቱን ማራኺ ዘረባኡን፡ ብጥበብ “ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ” ምዃኑ ይሕብረና። (ማቴ. 12:42) ብዛዕባ እታ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ኻልኦት በጃ ብምሕላፍ ዘርኣያ ፍቕሪ፡ “ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ካብ ምባል ሓሊፍና እንታይ ኢና እሞ ኽንብል፧—ዮሃ. 15:13

8 ወዲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ንየሆዋ ብልክዕ ወኪሉ ስለ ዝቐረበ፡ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኺብል ከኣለ። (ዮሃንስ 14:9-11 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ንክርስቶስ ምስዓብ፡ ማዕረ ንየሆዋ ምምሳል ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።

የሱስ፡ ቅቡእ የሆዋ እዩ

9. የሱስ መዓስን ብኸመይን እዩ ቕቡእ ኣምላኽ ዝዀነ፧

9 ኣብ ቀውዒ 29 ድ.ክ.፡ የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ እሞ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ከደ፡ እንታይ ከም እተፈጸመ እሞ ንርአ። “የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ።” ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ኰነ። የሆዋ ባዕሉ ድማ፡ የሱስ ቅቡኡ ምዃኑ ንኼፍልጥ ኢሉ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴ. 3:13-17) እዝስ ንክርስቶስ ንኽንስዕቦ ዚድርኸና ኸመይ ዝበለ ጽቡቕ ምኽንያት ኰን እዩ!

10, 11. (ሀ) እቲ “ክርስቶስ” ዚብል መዓርግ ንየሱስ ብዚምልከት ብኸመይ ተዓይዩሉ ኣሎ፧ (ለ) ንየሱስ ክርስቶስ ክንስዕቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ “ክርስቶስ” ዚብል መዓርግ ንየሱስ ብዚምልከት፡ ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ተዓይዩሉ ዘሎ። እዚ ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ከምኡውን ክርስቶስ ዚብል እዩ። ነቲ “የሱስ ክርስቶስ” ዚብል፡ መጀመርታ ንስም፡ ድሕሪኡ ንመዓርግ ዚረቍሕ ስያመ ንፈለማ ግዜ እተጠቕመሉ፡ የሱስ ባዕሉ እዩ። ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃ. 17:3) እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ናብቲ ብኣምላኽ እተላእከን ቅቡኡ ዝዀነን ፍጡር ብንጹር ከም እተተኵር እዩ ዚገብር። እቲ መዓርግ ቅድሚ እቲ ስም ኪርቋሕ ከሎ፡ ማለት “ክርስቶስ የሱስ” ኪበሃል ከሎ፡ ዝያዳ ኣትኵሮ ናብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ወይ ስልጣን ይግበር። (2 ቈረ. 4:5) እቲ “ክርስቶስ” ዚብል መዓርግ በይኑ ኺጽዋዕ ከሎ ድማ፡ ነቲ የሱስ ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ስልጣን ዜጕልሕ ካልእ መገዲ እዩ።—ዮሃ. 4:29

11 እቲ “ክርስቶስ” ዚብል መዓርግ ንየሱስ ብዚምልከት ዚዕየየሉ እተፈላለየ መገድታት ብዘየገድስ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዜጕልሕ፦ ወዲ ኣምላኽ ከም ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ እኳ እንተ መጸን ፍቓድ ኣቦኡ እኳ እንተ ኣፍለጠን፡ ተራ ሰብ ወይ ነብዪ ጥራይ ኣይነበረን፣ ቅቡእ የሆዋ እዩ ነይሩ። ነዚ ቕቡእ እዚ ኽንስዕቦ ኣሎና።

ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ፡ የሱስ ጥራይ እዩ

12. የሱስ ንሃዋርያ ቶማስ እንታይ ኣገዳሲ ነገር እዩ እተዛረቦ፧

12 ንመሲሕ እንስዕበሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ ኣብቲ የሱስ ካብቲ ዝሞተሉ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ ንእሙናት ሃዋርያቱ እተዛረቦ ቓላት ይርከብ። የሱስ ብዛዕባ ምኻዱን ስፍራ ምድላውን ምስ ተዛረበ እሞ፡ ቶማስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘይተረድኦ ነገር ምስ ሓተቶ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 14:1-6) ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ተዛረቦም። ኣብ ሰማይ ስፍራ ኸም ዜዳልወሎም ተመባጽዓሎም፣ ቃላቱ ግን ነቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ዚደልዩ እውን ትርጕም ኣለዎ። (ራእ. 7:9, 10፣ 21:1-4) ብኸመይ፧

13. የሱስ “መገዲ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ ክርስቶስ “መገዲ” እዩ። እዚ ማለት፡ ብእኡ ኣቢልና ጥራይ ኢና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል። ኣቦ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና እንልምኖ ዝዀነ ይኹን ነገር ዚህበና፡ ብየሱስ ኣቢልና እንተ ቐሪብናዮ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ጕዳይ እዚ ንጸሎት ይምልከት እዩ። (ዮሃ. 15:16) ይኹን እምበር፡ የሱስ ብኻልእ መዳይ እውን “መገዲ” እዩ። ደቂ ሰብ ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ርሒቖም እዮም። (ኢሳ. 59:2) የሱስ ግን፡ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኣሕለፈ።’ (ማቴ. 20:28) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ደም የሱስ ክርስቶስ . . . ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። (1 ዮሃ. 1:7) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽ እንዕረቐሉ መገዲ ኸፈተልና። (ሮሜ 5:8-10) ኣብ የሱስ ብምእማንን ንዕኡ እዙዛት ብምዃንን እዩ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ዚኽእል።—ዮሃ. 3:36

14. የሱስ “ሓቂ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ “ሓቂ” እዩ። ከምኡ ዝዀነ ድማ፡ ወትሩ ሓቂ ስለ ዚዛረብን ብሓቂ ስለ ዚመላለስን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ እተጻሕፈ ብዙሕ ትንቢታት ኣብኡ ስለ እተፈጸመ እውን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 1:20) ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ተፈጺሙ እዩ። (እብ. 10:1፣ ቈሎ. 2:17) ኵሉ ትንቢታት ኣብ የሱስ እዩ ኣተኲሩ፣ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ድማ የብርሃልና። (ራእ. 19:10) ካብቲ ኣምላኽ ንዓና ዝዓለሞ ዕላማ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ንመሲሕ ክንስዕቦ ኣሎና።

15. የሱስ “ህይወት” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

15 የሱስ ንሰባት ብደሙ ስለ ዝዓደጎም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ኣምላኽ “ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና” ኣቢሉ ዚህቦ ውህበት ስለ ዝዀነ፡ የሱስ “ህይወት” እዩ። (ሮሜ 6:23) ነቶም ዝሞቱ እውን “ህይወት” እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸም ሊቀ ኻህናት መጠን እንታይ ከም ዚገብር እሞ ሕስብ ኣብል። ንምድራውያን ተገዛእቱ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ንዘለኣለም ሓራ ኼውጽኦም እዩ።—እብ. 9:11, 12, 28

16. የሱስ እንስዕበሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

16 እምበኣር፡ እቲ የሱስ ንቶማስ ዝሃቦ መልሲ፡ ንዓና ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለዎ። የሱስ መገድን ሓቅን ህይወትን እዩ። ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድሕን ኢሉ፡ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ንዕኡ እዩ። (ዮሃ. 3:17) ብዘይ ብእኡ ኸኣ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” ይብለና። (ግብ. 4:12) እምበኣር፡ ኣቐዲምና እንኣምነሉ ዝነበርና ነገር ብዘየገድስ፡ ኣብ የሱስ ምእማንን ንዕኡ ምስዓብን ብእኡ ኣቢልና ህይወት ምርካብን፡ ንዓና መገዲ ጥበብ እዩ።—ዮሃ. 20:31

ንክርስቶስ ክንሰምዖ ተኣዚዝና ኢና

17. ንወዲ ኣምላኽ ክንሰምዖ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ነቲ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ እተቐየረሉ ኣጋጣሚ ርእዮምዎ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ሰማይ፡ “እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ” ዚብል ድምጺ ሰምዑ። (ሉቃ. 9:28, 29, 35) ንመሲሕ ክንእዘዝ እተዋህበና ትእዛዝ ምሕላውና፡ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:22, 23 ኣንብብ።

18. ንየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ክንሰምዖ ንኽእል፧

18 ንየሱስ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ፡ ‘ናብኡ ምጥማትን ኣብነቱ ምዝካርን’ የጠቓልል። (እብ. 12:2, 3) ስለዚ፡ ናብቲ ብዛዕባኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ እተዳለወ ጽሑፋትን እነንብቦ ነገራት፡ ከምኡውን ናብቲ ብዛዕባኡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንሰምዖ ነገራት “ኣዚና ኸነቕልብ” ይግብኣና። (እብ. 2:1፣ ማቴ. 24:45) ኣባጊዑ ስለ ዝዀንና፡ ንየሱስ ብሃንቀውታ ንስምዓዮን ንስዓቦን።—ዮሃ. 10:27

19. ንክርስቶስ ብቐጻሊ ንኽንስዕቦ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

19 ዝመጸ እንተ መጸ፡ ንክርስቶስ ብቐጻሊ ኽንስዕቦ ንኽእልዶ፧ ነቲ ብዛዕባ “ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን” ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል እንተ ሒዝና፡’ እወ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 1:13

እንታይ ተማሂርካ፧

• ን“ክርስቶስ” ምስዓብ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኬቕርበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ንየሱስ ምምሳል፡ ማዕረ ንየሆዋ ምምሳል ጌርካ ኺርአ ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

• የሱስ “መገድን ሓቅን ህይወትን” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• ንቕቡእ የሆዋ ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ትምህርትታት የሱስ ነቲ ዝለዓለ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኣንጸባረቐ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ንቕቡእ የሆዋ ብተኣማንነት ክንስዕቦ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ፡ “ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ” በለ