ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ”

“ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ”

“ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ”

“ስቕ ዝበለ፡ ካብ መዓት ገለለ” ዚብል ኣበሃህላ ኣሎ። ብመሰረት ብሪወርስ ዲክሽነሪ ኦቭ ፍሬዝ ኤንድ ፋብል፡ “ቃል ክንዲ ሓደ ሲቃል እንተ ዀይኑ፡ ስቕታ ኸኣ ክንዲ ኽልተ ሲቃል እዩ” ዚብል ተመሳሳሊ ናይ እብራይስጢ ምሳሌ እውን ኣሎ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን ድማ፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ። . . . ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” በለ።—መክ. 3:1, 7

ካብ ምዝራብ፡ ስቕ ምባል ዝሓሸ ዚኸውን ደኣ እሞ መዓስ እዩ፧ እታ “ስቕ” እትብል ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። ኣብ ከባቢ እዛ ቓል እዚኣ ዚርከብ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ መዳያት ህይወት፡ ስቕ ምባል ግቡእ እዩ። ስቕ ምባል ብኸመይ ምልክት ኣኽብሮትን ምስትውዓልን ከም ዝዀነ ኸምኡውን ብኸመይ ንምስትንታን ከም ዚሕግዝ እስከ ንርአ።

ምልክት ኣኽብሮት

ስቕታ ምልክት ኣኽብሮት እዩ። ነብዪ ኣንባቆም፡ “እግዚአብሔር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፡ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል” በለ። (ኣን. 2:20) ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እውን፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ ኪብሉ’ ተነጊርዎም ኣሎ። (ዘካ. 2:13) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጸፎንያስ 1:7፡ “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፡ . . . ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ” ይብል።

ንየሆዋ ብዘይ ቃላት ክንውድሶ ንኽእልዶ፧ ሓድሓደ ግዜ ዜደንቕ ጽባቐ ፍጥረት ምስ ረኣና፡ እንብሎ ደይኰንናን እንስእን፧ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ምሕሳብ፡ ብልብና ንፈጣሪ እንውድሰሉ ሓደ መገዲ ደይኰነን፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ፍጥረት ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ አመስግናኦ፡ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፡ አመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፡ አመስግንዎ። ንሱ አዚዙ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ” በለ።—መዝ. 148:3-5

ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣኽብሮት ዚግብኦ፡ ቃሉ እውን ኣኽብሮት ይግብኦ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ናይ መወዳእታ መደረኡ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ንሱን እቶም ካህናትን ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ፡ “ስቕ ኢልካ . . . ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ” በልዎም። ደቂ እስራኤል ንሕጊ ኣምላኽ ኬንብቡ ብሓደ ኣብ ዚእከቡሉ እዋን፡ እቶም ቈልዑ እውን እንተ ዀኑ ጽን ኢሎም ኪሰምዑ ነበሮም። ሙሴ፡ ‘ምእንቲ ኺመሃሩ ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣክቦም’ በለ።—ዘዳ. 27:9-11፣ 31:11, 12

ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ እንተላይ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚወሃቦም መምርሒ ብኣኽብሮት ምስማዖም ክሳዕ ክንደይ ግቡእ ኰን እዩ! ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገደስቲ ሓቅታት ካብ መድረኽ እናቐረበ ኸሎ ንሓድሕድና ምስ እነዕልል፡ ንቓል ኣምላኽን ንውድቡን ከም ዘይነኽብሮም ዜርኢ ደይኰነን፧ እዚ መደብ እዚ ኪቐርብ ከሎ፡ ስቕ ኢልና ኽንሰምዕ ኣሎና።

ምስ ውልቀ-ሰብ ኣብ እንዘራረበሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንፉዕ ሰማዒ ምዃን ምልክት ኣኽብሮት እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ ነቶም ከሰስቱ፡ “ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ” በሎም። ንሳቶም ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ጽን ኢሉ ኺሰምዖም ፍቓደኛ ነበረ። ንኺዛረብ ተራኡ ምስ በጽሐ ድማ፡ “ስቕ በሉ፡ ክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ” ኢሉ ሓተቶም።—እዮ. 6:24፣ 13:13

መርትዖ ምስትውዓል

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ፡” ከምኡውን “ለባም ግና ስቕ ይብል” ብምባል ይገልጽ። (ምሳ. 10:19፣ 11:12) የሱስ ስቕ ብምባሉ ምስትውዓል ዘርኣየ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ። ኣብቲ ብጸላእቱ እተፈጥረ ጽንኩር ሃዋህው ምዝራብ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ምስ ኣስተውዓለ፡ “ስቕ በለ።” (ማቴ. 26:62) ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንፍርዲ ምስ ቀረበ እውን፡ “ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን።” የግዳስ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጋህዲ ዝገበሮ ተግባራቱ ኺምስክረሉ ብምስትውዓል መረጸ።—ማቴ. 27:11-14

ንሕና እውን ብፍላይ ኣብ እንቝጥዓሉ እዋን ከናፍርና ምግታእና ጥበባዊ እዩ። ሓደ ምሳሌ፡ “እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ አለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ” ይብል። (ምሳ. 14:29) ኣብ ሕማቕ ኵነታት ብሃወኽ ምዝራብ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰና ቓላት ከም እነውስእ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ናይ ዕሽነት ቃላት ክንዛረብ፡ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ኣእምሮኣዊ ሰላም ክንስእን ንኽእል ኢና።

ምስ እኩያት ሰባት ኣብ እንራኸበሉ እዋን ከናፍርና ምግታእና፡ መስተውዓልቲ ምዃንና እነርእየሉ መገዲ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና መላገጽቲ ኼጋጥሙና ኸለዉ፡ ስቕ ምባልና ቕኑዕ ምላሽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ሓድሓደ ግዜ መማህርትና ወይ መሳርሕትና ብዕሉግ ዋዛ ኺዋዘዩ ወይ ጽዩፍ ዘረባ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ነቲ ነገር ከም ዘይተሰማማዕናሉ ንምምልካት ስቕ ምባልናስ ጥበባዊ ደይኰነን፧ (ኤፌ. 5:3) እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፡ ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝ. 39:1

“ለባም” ሰብ ምስጢር ኣይቀልዕን እዩ። (ምሳ. 11:12) ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ከናፍሩ ብምግታእ ምስጢራዊ ዝዀነ ነገራት ኣየውጽእን እዩ። ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት ኣብዚ መዳይ እዚ ጥንቁቓት ኪዀኑ ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብኣባላት ጉባኤ ትውክልቲ ይግበረሎም።

ስቕ ክትብል ከለኻ ቓላት ዘይተውስእ እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣወንታዊ ጽልዋ ግን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሲድኒ ስሚዝ ዝስሙ እንግሊዛዊ ጸሓፊ ብዛዕባ ሓደ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሰብ ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣብ መንጎ ዘረባኡ ስቕ ይብል ምንባሩ፡ ነቲ ዝርርቡ ዝያዳ መቐረት ወሰኸሉ” በለ። ብርግጽ፡ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ዚግበር ዕላል፡ ክልተኣዊ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ዘለዎ ኪኸውን ይግባእ። ንፉዕ ተዛራቢ፡ ንፉዕ ሰማዒ ኪኸውን ኣለዎ።

ሰሎሞን፡ “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ” በለ። (ምሳ. 10:19) ስለዚ፡ እቲ ዚዝረብ ቃላት ብዝወሓደ መጠን፡ ዘይጥበባዊ ነገራት ናይ ምዝራብ ኣጋጣሚ ጸቢብ እዩ ዚኸውን። “ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።” (ምሳ. 17:28) እምበኣርከስ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢልና፡ “ደገ ኸናፍረይ ሐሉ” ኢልና ንለምኖ።—መዝ. 141:3

ንኸተስተንትን ይሕግዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ብመገዲ ጽድቂ ዚመላለስ ሰብ ኪዛረብ ከሎ፡ “ነቲ ሕጉውን [ሕጊ ኣምላኽ] ለይትን መዓልትን፡ ዜስተንትኖ” ይብል። (መዝ. 1:2 ትርጕም 1990) ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ንኸነስተንትን ዚሕግዘና፧

ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም፡ “ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ።” (ዘፍ. 24:63) ንምስትንታን ዚሕግዞ ጸጥ ዝበለ ግዜን ቦታን መረጸ። ንጉስ ዳዊት ንምስትንታን ዝሓረዮ ግዜ ድማ ለይቲ እዩ ነይሩ። (መዝ. 63:6) እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ እውን ንምስትንታን ዚዀኖ ጽምዊ ቦታ ምእንቲ ኺረክብ፡ ካብቶም ያዕያዕ ዚብሉ ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ኣኽራንን በረኻን ካልእ ቦታታትን ኪኸይድ ይጽዕር ነበረ።—ማቴ. 14:23፣ ሉቃ. 4:42፣ 5:16

ስቕ ምባል ዜሐድስ እውን እዩ። ብዘይካዚ፡ ርእስና ብዝግባእ መርሚርና ንኽንመሓየሽ ዜኽእለና ዅነታት ይፈጥር። ስቕታ፡ ኣእምሮኣዊ ሰላም ንኽንረክብ የኽእለና። ኣብ ህዱእ እዋን ዚግበር ምስትንታን፡ ትሑታት ንኽንከውን ኪሕግዘናን ኣብ ህይወት ኣገደስቲ ንዝዀኑ ነገራት ኣድንቖት ከም ዚህልወና ኺገብርን ይኽእል እዩ።

ስቕ ምባል ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ “ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ።” (መክ. 3:7) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ብዘላ ዓለም” ኣብ ምስባኽ ትሑዛት እዮም። (ማቴ. 24:14) እቲ ዜስምዕዎ ናይ ሓጐስ ድምጺ ድማ፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ብዓውታ ይስማዕ ኣሎ። (ሚክ. 2:12) ሃየ እምበኣር፡ ሓደ ኻብቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ዚእውጁን ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታት የሆዋ ዚዛረቡን ሰባት ንኹን። ነዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዚ ኽንዓዪ ኸለና ድማ፡ እቲ ብወርቂ እተመሰለ ስቕታ ዘለዎ ኣገዳስነት ከም እንግንዘቦ ኣብ ናብራና ነርኢ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽንሰምዕን ክንመሃርን ኣሎና

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዜጋጥመና ጸርፊ፡ ስቕታ ግቡእ ምላሽ ኪኸውን ይኽእል

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ስቕታ ንምስትንታን ይሕግዝ