ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ ድየን ዜብጽሓ፧

ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ ድየን ዜብጽሓ፧

ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ ድየን ዜብጽሓ፧

“ናተይ እምነት ኣለኒ፡ እምነተይ ከኣ ኣይቅይርን እየ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሃይማኖትካ እንታይ ምዃኑ ኣየገድስን እዩ፣ ምኽንያቱ ዅለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ እየን ዜብጽሓ።”

ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ርእይቶኡ ኺገልጽ ከሎ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ክትፈልጦን ትርጕም ህይወት ክትርዳእን ኪሕግዛኻ ኸም ዚኽእላ እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሃይማኖት ጽቡቕን ሕማቕን ከም ዘሎ፡ ንበይና ሓቂ ዝዀነትን ናብ ኣምላኽ እትመርሕን ሓንቲ ሃይማኖት ድማ ከም ዘየላ ዚገልጽ ኣረኣእያ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ፡ ኣብዚ ሰፊሕ ኣእምሮ ኸም ዘለዎ ወይ ከኣ ንእተፈላለየ ጕጅለታት እምነት ከም ዚቕበል ዚንገረሉ ሕብረተሰብ ህቡብ እዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘይብሎም እሞ ኸኣ ከም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ደረቐኛታትን ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ ዜብጽሓ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ሓደ ሰብ ዚስዕቦ ሃይማኖት የገድስ ድዩ፧

ሰፊሕ ፍልልይ ኣለወን ድዩ፧

ብመሰረት ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ኣብ መላእ ዓለም 9,900 ዝዀና ሃይማኖታት ኣለዋ፣ ገሊአን እሞ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ዚርከባ ዀይነን፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣባላት ኣለዉወን። ዳርጋ 70 ሚእታዊት ደቂ ሰብ ኣባላት እተን ሓሙሽተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ከም ዝዀኑ ይግመት፣ እዚኣተን ከኣ ሂንዱነት፡ ቡድህና፡ ኣይሁድነት፡ እስልምና፡ ከምኡውን ክርስትና እየን። እምበኣር፡ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዜብጽሓ እንተ ዀይነን፡ እዘን ሓሙሽተ ሃይማኖታት ኣብ ትምህርትታተን፡ ንኣምላኽ ኣብ ዚገልጻሉ መገዲ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ዚህባኦ መግለጺ ዜሰማምዕ ሓባራዊ ነጥቢ ኺህልወን ኣለዎ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧

ሃንስ ኩንግ ዚበሃል ናይ ሮማ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ምስ ሰባት ኪህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ተመሳሳሊ መትከል ከም ዘለወን ገለጸ። ንኣብነት፡ መብዛሕትአን ሃይማኖታት፡ ምቕታል፡ ምሕሳው፡ ምስራቕ፡ ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ጌጋ ምዃኑ፡ ከምኡውን ንወለድኻ ኸተኽብርን ንደቅኻ ኸተፍቅርን ከም ዚግባእ ይምህራ እየን። ኣብ ካልእ መዳያት፡ ብሕልፊ ኸኣ ንኣምላኽ ኣብ ዚገልጻሉ መገዲ ግን ሰፊሕ ፍልልይ ኣለወን።

ንኣብነት፡ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱ ብዙሓት ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ፣ ቡድሃውያን ግን ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ከም ዝዀነ ይጠራጠሩ እዮም። ሃይማኖት እስልምና ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎ እዩ ዚምህር። እተን ክርስትያናት ከም ዝዀና ዚዛረባ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ከምኡ ዚምህራ እኳ እንተ ዀና፡ መብዛሕትአን ግን ኣምላኽ ስላሴ ምዃኑ እየን ዚኣምና። ኣብ መንጎ እተን ኣብያተ-ክርስትያን ከይተረፈ፡ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነት እዩ ዘሎ። ካቶሊክ ንማርያም ኣደ የሱስ ኣኽቢሮም ይርእይዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ ፕሮተስታንት ግን ከምኡ ገይሮም ኣይርእይዋን እዮም። ኣብ ካቶሊክ መከላኸሊ ጥንሲ ብሓፈሻኡ ኽልኩል እዩ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ፕሮተስታንት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ፕሮተስታንት እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎኦም ብዛዕባ ግብረ-ሶዶም ኣይሰማምዑን እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ እምነት ዘለወን ሃይማኖታት ንሓደ ኣምላኽ እየን ዜምልኻ ኢልካ ምሕሳብሲ ርትዓዊ ድዩ፧ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባ መንነት ኣምላኽን ካብቶም ዜምልኽዎ ብዛዕባ ዚጽበዮ ብቕዓትን ሕንፍሽፍሽ ኪፈጥር ይኽእል እዩ።

ሓድነት ዜምጽኣ ድየን ወይስ ዚኸፋፍላ፧

ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዜብጽሓ እንተ ዚዀና፡ ንደቂ ሰብ ሰላም ብምምጻእ ሓድነት ከም ዚህልዎም ኣብ ምግባር ጽልዋ መሕደራ ነይረን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧ ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ሃይማኖት ንደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ ዜሕብሮም፡ ምክፍፋልን ህውከትን እዩ ኣምጺኡሎም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ካብ መበል 11 ኽሳዕ መበል 13 ዘመን፡ ህዝበ-ክርስትያን ምስ እስልምና ተኸታታሊ ውግእ መስቀላውያን ገበሩ። ኣብ መበል 17 ዘመን ኣብ ኣውሮጳ፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ንሰላሳ ዓመት ተዋግኡ። ብ1947 ህንዲ ኻብ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ናጻ ኸም ዝዀነት ምስ ተኣወጀ፡ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱን እስላምን ንሓድሕዶም ተዋድኡ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ንዓመታት ተዋጊኦም እዮም። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብሩ ኣይሁድን እስላምን እውን ሰላም ስኢኖም ኣለዉ። ልዕሊ ዅሉ ዚጥቀስ ግን፡ እቲ ንኣባላት ሓሙሽቲአን ዓበይቲ ሃይማኖታት ዘዋግአ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኣባላት ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ከም ዚቃተሉ ዝገበረ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እዩ።

ስለዚ፡ ሃይማኖታት፡ ሰላምን ሓድነትን ከም ዘየምጽኣ፡ ናብ ሓደ ኣምላኽ እውን ከም ዘየብጽሓ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንደቂ ሰብ ከፋፊለናኦም፡ ብዛዕባ መንነት ኣምላኽን ብኸመይ ኪምለኽ ከም ዘለዎን ከኣ ንሰባት ምድንጋር ፈጢረናሎም እየን። ስለዚ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈልጦ ዚደሊ ሰብ፡ መገዱ ብጥንቃቐ ኺመርጽ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ምስቲ ሓደ ኻብቲ ጥንታዊ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ።

ንመን ከም እተገልግል ምረጽ

ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚመርሕ መገዲ ንምርካብ፡ ተጠንቂቕካ ምሕሳብን ምርጫ ምግባርን ከም ዚሓትት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር የርኢ እዩ። እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበረ እያሱ፡ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል፡ “ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በሎም። ዓመታት ጸኒሑ፡ ነብዪ ኤልያስ እውን ነቶም ህዝቢ፡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—እያሱ 24:15, 16፣ 1 ነገስት 18:21

እዝን ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ብንጹር ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኬገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ተጠንቂቖም ኪመርጹ ኣለዎም። ሎሚ እውን እቲ ዅነታት ተመሳሳሊ እዩ። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከነምልኾን ከነገልግሎን እንተ ደሊና፡ ቅኑዕ ምርጫ ኽንገብር ኣሎና። ንኣምልኾ ዚምልከት ምርጫ ኽንገብር ግን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲኸ ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብፍሪኦም ይልለዩ

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምለኽቲ ንሰዓብቱ ኺዛረቦም ከሎ ኸምዚ በሎም፦ “ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። . . . እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብፍሪኦም ወይ ብግብሮም እዮም ዚልለዩ። እዚ ፍረ እዚ እንታይ እዩ፧—ማቴዎስ 7:16-20

ቀዳማይ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ነቶም ኣመንቲ ብፍቕሪ የሕብሮም እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምዃኖም ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ከም ዚልለዩ ዚገብሮም ፍቕሪ ኼርእዩ ኣለዎም።—ዮሃንስ 13:34, 35

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣጽዋር ኣልዒሎም ንሓድሕዶም ኣይዋግኡን እዮም። ኣባላት ኣብያተ-ክርስትያንከ ነዚ ይፍጽሙ ድዮም፧ ዝመጸ እንተ መጸ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምክፋል ዝኣበዩ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ጕጅለ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም። ኣቡን ናይቲ ኣብ ሃኖቨር፡ ጀርመን ዚርከብ ቤተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት ዝነበረ ዶክተር ሃንስ ሊልየ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ነቲ ሳልሳይ ራይኽ ብምኽንያት ሕልናኦም እተቓወምዎ ንሳቶም ጥራይ ምዃኖም እንተ ተዛረቡ ዜገርም ኣይኰነን” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ውግእ ካብ ምድንፋዕ ወይ ምድጋፍ፡ ስቓይ ኪወርዶም መረጹ።

የሱስ እንታይ ካልእ መለለዪ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ እዩ ዝጠቐሰ፧ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂሉ ዚፍለጥ ጸሎት፡ የሱስ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ። ንምቕዳስ እቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ቀዳምነት ሃቦ። ፍቓድ የሆዋ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ኺፍጸም ዘለዎ ባህጊ እውን ገለጸ። ንስም የሆዋ እተፍልጥ፡ ከምኡውን ኣብ ምድሪ ሰላም ከተምጽእ እትኽእል እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና እትእውጅ ሃይማኖት ኣየነይቲ እያ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 236 ሃገራትን ክልታትን ብልዕሊ 470 ቋንቋታት ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣርኣያ የሱስ ብምስዓብ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጐንጽታት ኣይካፈሉን እዮም። የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዚቕበልዎ፣ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ንዚብል ሓሳብ ድማ ይኣምኑሉ እዮም።—ዮሃንስ 17:14, 17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ፍልይቲ እያ

እዚ ፍረታት እዚ፡ ማለት ጥቕሚ ርእስኻ ኸም እትስውእ እትገብር ፍቕሪ፡ ንስም የሆዋ ናይ ምቕዳስ ድሌት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ስብከት፡ ካብ ዓለም ምፍላይ፡ ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእማን፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እዩ። እዚ ኸኣ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ካልኦት ሃይማኖታት እተፈለዩ ይገብሮም። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ምይይጥ ዝገበረት ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ብዙሓት ሃይማኖታት እፈልጥ እየ፡ ንሓድሕደን ከኣ ይመሳሰላ እየን። ንስኻትኩም ግን ምሉእ ብምሉእ እተፈለኹም ኢኹም” ኢላ ብምዝራብ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ በጽሐት።

ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘየብጽሓ ዚከሓድ ኣይኰነን። ካብ ካልኦት እተፈልዩ ጕጅለ ግን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ እቶም ሕጂ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ኰይኖም ዘለዉ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምድጋፍን ንዕኡ ብምእዛዝን እተፈላለየ ዜግነትን ቋንቋን ዓሌትን ንዘለዎም ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብሓድነት ከም ዜምልኽዎ ገይሮም እዮም፣ ነዚ ኸኣ ካልእ ጕጅለ ወይ ውድብ ኪገብሮ ኣይከኣለን። ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ካባኻ ዚደልዮ ብቕዓትን ክትፈልጥ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዚሰምሮ መገዲ ብምምላኽ ዚርከብ ሰላምን ድሕንነትን ድማ ክትረክብ ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ እዮም። እዝስ ጠቓሚ ሸቶ ደይኰነን፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብ2004 ሓደ ቐሺ ኦርቶዶክስ ንሓደስቲ ሰራዊት ዩክረይን ኪባርኽ ከሎ

[ምንጪ ስእሊ]

GENIA SAVILOV/AFP/Getty Images

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ኪመሃሩ ይሕግዝዎም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Page 12: Buddhist woman: © Yan Liao/Alamy; Hindu holy man: © imagebroker/Alamy; page 13: Man reading Koran: Mohamed Amin/Camerapix; Jewish man: Todd Bolen/Bible Places.com