ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርዳእ

ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርዳእ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርዳእ

ዘሌዋውያን 5:2-11

ሓንቲ ሰበይቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ብዛዕባ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኽትዛረብ ከላ፡ “ብሓቂ ኣበርቲዐ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ እኹል ከም ዝዀነ ግን ፈጺሙ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን” በለት። የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣምለኽቱ ዚገብርዎ ጻዕሪ የስተብህለሉ ድዩ፧ ዓቕሞምን ኵነታቶምን ኣብ ግምት የእቱ ድዩ፧ ናይዚ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 5:2-11 ዚርከብ፡ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ገሊኡ መስዋእትታት ዚገልጾ ነገር ምምርማር ሓጋዚ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ንሓጢኣት ዜተዓርቕ እተፈላለየ መስዋእቲ ኪቐርብ ኣምላኽ ይሓትት ነበረ። እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 5:2-11 ተጠቒሱ ዘሎ ጕዳይ ብዛዕባ ኸይፈለጠ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ እዩ ዚገልጽ። (ቍጽሪ 2-4) ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ምስ ተገንዘበ፡ ኪናዘዝ ከምኡውን ንመስዋእቲ በደሉ “ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ” ኬቕርብ ነበሮ። (ቍጽሪ 5, 6) ድኻ ብምዃኑ ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ኬቕርብ ዘይክእል እንተ ዀይኑኸ፧ ተለቂሑ እንስሳ ኬቕርብ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ዕዳ ኺኣቱ ድዩ እቲ ሕጊ ዚሓትት ነይሩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ እንስሳ ኽሳዕ ዚረክብ ኪዓዪ፡ ብሰንኪ እዚ ኸኣ እቲ ምትዕራቕ ሓጢኣቱ ኺደናጐ ድዩ ትጽቢት ዚግበረሉ ነይሩ፧

እቲ ሕጊ፡ “ንበጊዕ ዚአክል ዓቕሚ እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ . . . ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ” ብምባል ሓልዮት የሆዋ የንጸባርቕ። (ቍጽሪ 7) ሓደ እስራኤላዊ፡ ኣዝዩ ድኻ ብምዃኑ በጊዕ ኬቕርብ እንተ ዘይክኢሉ እሞ ብዓቕሙ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ምስ ዚህብ፡ ኣምላኽ ባህ ኢልዎ ይቕበሎ ነበረ።

ሓደ ሰብ ክልተ ርግቢ ኬቕርብ ዘይክእል እንተ ዀይኑኸ፧ እቲ ሕጊ፡ “ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ [ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ኹባያ] ድኹም ሓርጭ የምጽእ” ይብል። (ቍጽሪ 11) የሆዋ ነቶም ኣዝዮም ድኻታት፡ ደም ዘይብሉ መስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርቡ ፈቒዱሎም ነበረ። * ኣብ እስራኤል፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድኻ ብምዃኑ ነቲ ምስ ኣምላኽ ብምትዕራቕ ዚርከብ በረኸት ወይ ምስኡ ሰላም ናይ ምፍጣር ፍሉይ መሰል ኣይተርፎን ነበረ።

እቲ ንመስዋእቲ በደል ዚምልከት ሕጊ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ ንድሩት ዓቕሚ ናይ ኣምለኽቱ ዚርዳእ ርሕሩሕ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዜርኢ። (መዝሙር 103:14) ከም እርጋን፡ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ናይ ስድራ ቤት ወይ ካልእ ሓላፍነታት ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለወና እውን ከይተረፈ፡ ናብኡ ኽንቀርብን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ከነማዕብልን እዩ ዚደልየና። ዓቕምና ዝፈቕዶ ዅሉ ኽንገብር ከለና የሆዋ ኸም ዚሕጐስ ምፍላጥና፡ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ደም ናይ ሓደ ንመስዋእቲ ዚቐርብ እንስሳ እዩ ኼተዓርቕ ዚኽእል ነይሩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ቅዱስ ገይርካ ይርአ ነበረ። (ዘሌዋውያን 17:11) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቲ ድኻታት ዜቕርብዎ ሓርጭ ዋጋ ኣይነበሮን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ዚርአ መንፈስ ትሕትናን ፍቓደኛነትን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ሓጢኣት ናይቲ ህዝቢ፡ እንተላይ ናይቶም ድኻታት፡ በቲ ኣብ ዓዓመት ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ዝነበረ ደም ናይ እንስሳታት ይሽፈን ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:29, 30