ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቤት የሆዋ ቕንኣት ይሃሉኻ

ንቤት የሆዋ ቕንኣት ይሃሉኻ

ንቤት የሆዋ ቕንኣት ይሃሉኻ

“ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ።”—ዮሃ. 2:17

1, 2. ብ30 ድ.ክ. የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እንታይ ገበረ፧ ስለምንታይከ፧

 ነዚ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እዋኑ ፋስጋ 30 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፡ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ጀመረ። ናብ የሩሳሌም ድማ መጸ። ኣብቲ ኣጸድ ኣህዛብ ከሎ፡ “ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን” ረኣየ። ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ ነቶም ሸየጥትን ንብምሉኦም እቶም እንስሳታትን ኣውጽኦም። ንገንዘቦም ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም እውን ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ ንብረቶም ሒዞም ኪኸዱ ኣዘዞም።—ዮሃ. 2:13-16

2 እቲ የሱስ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ከም ዚግደስ ዜርኢ እዩ። “ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ ፍጻመታት እዚ ምስ ረኣዩ፡ ነቲ “ቕንኣት ቤትካ በልዓኒ” ዚብል ቅድሚ ዘመናት ብዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተጻሕፈ ቓላት ዘከሩ።—ዮሃ. 2:16, 17፣ መዝ. 69:9

3. (ሀ) ቅንኣት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል፧

3 የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ንኺወስድ ዝደረኾ፡ ንቤት ኣምላኽ ዝነበሮ ተገዳስነት ወይ ቅንኣት እዩ። ቅንኣት ኪበሃል ከሎ፡ ንሓደ ነገር ንምፍጻም ምህንጣይ ወይ ሓያል ድሌት ምሕዳር ኬመልክት ይኽእል እዩ። ኣብዚ መበል 21 ዘመን፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ክርስትያናት ንቤት ኣምላኽ ተገዳስነት ከም ዘለዎም የርእዩ ኣለዉ። ንሕና እውን ብውልቅና፡ ‘ነቲ ንቤት የሆዋ ዘሎኒ ቕንኣት ክውስኸሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ሎሚ ቤት ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ፡ ኣብነት እቶም ንቤት ኣምላኽ ቅንኣት ዘርኣዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ እሙናት ሰባት ክንርኢ ኢና። እቲ ዝሓደግዎ ኣብነት “ንምህሮና” ስለ እተጻሕፈ፡ ዝያዳ ቕንኣት ንኸነርኢ ኺድርኸና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 15:4

ቤት ኣምላኽ—ጥንትን ሕጅን

4. እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ከም ምንታይ ኰይና ተገልግል ነበረት፧

4 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ እዩ ቤት ኣምላኽ ዚበሃል ነይሩ። የሆዋ ቓል ብቓሉ ኣብኡ ይነብር ከም ዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ “ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 66:1) ኰይኑ ግን፡ እታ ብግዜ ሰሎሞን እተሃንጸት ቤተ መቕደስ፡ ጸሎት ዚቐርበላ ማእከል ኣምልኾ የሆዋ ዀይና ተገልግል ነበረት።—1 ነገ. 8:27-30

5. እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ፡ ነየናይ ኣብዚ ግዜና ዘሎ መሰናድዎ እዩ ጽላሎት ኰይንዎ፧

5 ሎሚ ቤት የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ዚርከብ ህንጻ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ተመርኲስና ብኣምልኾ ናብኡ እንቐርበሉ መሰናድዎ እዩ። ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብዛ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኰይኖም ንየሆዋ ብሓድነት የምልኽዎ ኣለዉ።—ኢሳ. 60:4, 8, 13፣ ግብ. 17:24፣ እብ. 8:5፣ 9:24

6. ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓለፍ ዝበለ ቕንኣት ዘርኣዩ ነገስታት ይሁዳ መን እዮም፧

6 እስራኤል ብ997 ቅ.ክ. ናብ ሰሜናዊት መንግስትን ደቡባዊት መንግስትን ተኸፍለት፣ ካብቶም ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ይሁዳ ዝገዝኡ 19 ነገስታት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓለፍ ዝበለ ቕንኣት ዘርኣዩ ግን እቶም ኣርባዕተ ጥራይ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ኣሳን ዮሳፋጥን ህዝቅያስን ዮስያስን እዮም። ካብቲ ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧

ብምሉእ ልቢ ዚግበር ኣገልግሎት በረኸት የምጽእ

7, 8. (ሀ) የሆዋ ንኸመይ ዝበለ ኣገልግሎት እዩ ዚባርኾ፧ (ለ) ካብ ንጉስ ኣሳ እንታይ መለበሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

7 ብግዜ ግዝኣት ንጉስ ኣሳ፡ የሆዋ፡ ህዝቡ ብተኣማንነት ንኺመላለሱ ነብያት ኣተንስኣሎም። ንኣብነት፡ ኣሳ ንነብዪ ኣዛርያ ወዲ ዖቤድ ይሰምዖ ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (2 ዜና መዋእል 15:1-8 ኣንብብ።) እቲ ኣሳ ዝገበሮ ተሓድሶ፡ ንህዝቢ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኺካፈሉ ኢሎም ካብ መንግስቲ እስራኤል ዝመጹ ብዙሓት ሰባትን ከም ዚሓብሩ ገይርዎም እዩ። ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬምልኽዎ ቘራጽነት ከም ዝገበሩ ድማ ብሓድነት ገለጹ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጽን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሐሉሉ። ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘላ ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሐጐሰት፡ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ደለይዎ፡ ንሱውን ተረኽበሎም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሀቦም።” (2 ዜና 15:9-15) ንሕና እውን ንየሆዋ ብምሉእ ልብና እንተ ኣገልጊልናዮ፡ ኪባርኸና እዩ።—ማር. 12:30

8 ጸኒሑ ግን ኣሳ፡ ሃናኒ እቲ ረኣዪ መአረምታ ምስ ሃቦ ተቘጥዐ። (2 ዜና 16:7-10) የሆዋ ብክርስትያን ሽማግለታት ኣቢሉ ምኽሪ ወይ መምርሒ ኺህበና ኸሎ ኸመይ ይስምዓና፧ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምኽሮም ኣብ ልብና ኣሕዲርና ኻብ መፈንጠራ ምዕዝምዛም ንርሕቕ ዲና፧

9. ዮሳፋጥን ህዝቢ ይሁዳን እንታይ ዜስግእ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ እንታይከ ገበሩ፧

9 ዮሳፋጥ ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኰይኑ ገዝአ። ንሱን ኵላ ይሁዳን ካብ ዓሞን፡ ሞኣብ፡ ከምኡውን ካብቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ህዝቢ ዜስግእ ኵነታት ኣጋጠሞም። እቲ ንጉስ ፈሪሁ ኽነሱ፡ እንታይ ገበረ፧ ንሱን ሰቡን ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ንኺጽልዩ ኣብ ቤት የሆዋ ተኣከቡ። (2 ዜና መዋእል 20:3-6 ኣንብብ።) ምስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ሰሎሞን ኣብ ወፈያ እታ ቤተ መቕደስ እተዛረቦ ቓላት ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ዮሳፋጥ ናብ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ፧ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ አለዋ።” (2 ዜና 20:12, 13) ድሕሪ ጸሎት ዮሳፋጥ፡ መንፈስ የሆዋ ንያሓዚኤል እቲ ሌዋዊ “ኣብ ማእከል እታ ማሕበር” ነቶም ህዝቢ ምትእምማን ከም ዚሓድሮም ዚገብራ ቓላት ንኺዛረብ ደረኾ።—2 ዜና መዋእል 20:14-17 ኣንብብ።

10. (ሀ) ዮሳፋጥን መንግስቲ ይሁዳን ብኸመይ መምርሒ ረኸቡ፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ሎሚ ዚህበና መምርሒ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

10 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮሳፋጥን መንግስቲ ይሁዳን ብያሓዚኤል ኣቢሎም ካብ የሆዋ መምርሒ ተቐበሉ። ሎሚ እውን በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢልና ምጽንናዕን መምርሕን ንረክብ ኢና። እቶም እተሸሙ ሽማግለታት ንዓና ኺጓስዩን ነቲ ኻብ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚመጽእ መምርሒ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን ስለ ዚጽዕሩ፡ ምስኦም ክንተሓባበርን ከነኽብሮምን ኣሎና።—ማቴ. 24:45፣ 1 ተሰ. 5:12, 13

11, 12. ካብቲ ንዮሳፋጥን ንህዝቢ ይሁዳን ዘጋጠሞም እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

11 ልክዕ ከምቲ ዮሳፋጥን እቶም ህዝብን መምርሒ የሆዋ ንምርካብ ብሓደ እተኣከቡ፡ ንሕና እውን ወትሩ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንተኣከብ። ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢሙና እንገብሮ ኺጠፍኣና ኸሎ፡ ነቲ ዮሳፋጥን ህዝቢ ይሁዳን ዝሓደግዎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወኪልና ብጸሎት ናብኡ ንቕረብ። (ምሳ. 3:5, 6፣ ፊል. 4:6, 7) ካብ ኣሕዋትና ኣብ እተፈለናሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ እቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ ልመና ምስቶም ‘ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና’ የሕብረና እዩ።—1 ጴጥ. 5:9

12 ዮሳፋጥን እቶም ህዝብን ነቲ ኣምላኽ ብያሓዚኤል ኣቢሉ ዝሃቦም መምርሒ ሰዓቡ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ኣብቲ ዝገበርዎ ውግእ ተዓወቱ፡ “ብሓጐስ” ከምኡውን “ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር” ከኣ ተመልሱ። (2 ዜና 20:27, 28) ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ብመትረቡ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ነኽብሮ፡ ንየሆዋ ድማ ብሓባር ንውድሶ ኢና።

ንቦታታት ኣምልኾ ተኸናኸን

13. ህዝቅያስ ኣብ መጀመርታ ንግስነቱ እንታይ ገበረ፧

13 ህዝቅያስ ኣብታ ናይ መጀመርታ ወርሒ ንግስናኡ፡ ነታ ቤተ መቕደስ እንደገና ብምኽፋትን ብምሕዳስን ንኣምልኾ የሆዋ ቕንኣት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። ንቤት ኣምላኽ ዜጽርይዋ ኻህናትን ሌዋውያንን ድማ ወደበ። ኣብ ውሽጢ 16 መዓልቲ ድማ ኣጽረይዋ። (2 ዜና መዋእል 29:16-18 ኣንብብ።) እዚ ጻዕሪ እዚ፡ ነቲ እንእከበሉ ቦታታት ንኣምልኾ የሆዋ ቕንኣት ከም ዘሎና ብዜርኢ መገዲ ንምሓዝ፡ ክንከናኸኖን ክንጽግኖን ከም ዘሎና ዜዘኻኽር እዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ዕዮ እዚ ኺካፈሉ ኸለዉ ዜርእይዎ ቕንኣት ንኻልኦት ከም ዚስሕቦም ዜርኢ ተመክሮታት ኣይሰማዕካንዶ ኢኻ፧ እቲ ዚገብርዎ ጻዕርታት ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዜምጽኣሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

14, 15. ሎሚ ኣየናይ ዕዮ እዩ ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽኣሉ ዘሎ፧ ኣብነት ሃብ።

14 ኣብ ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እትርከብ ከተማ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኺግበር እተሓስበ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተጻረሮ። እቶም ኣሕዋት ግን ነቲ ዅነታት ሕያውነት ብዜንጸባርቕ መገዲ ሓዝዎ። እቲ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ንቤት እቲ ሰብኣይን ዚፈሊ መንደቕ ጽገና ኸም ዜድልዮ ምስ ኣስተብሃሉ፡ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ኽፍሊት ኬዐርይዎ ተሰማምዑ። ንመብዛሕትኡ ኽፋል እቲ መንደቕ ድማ ከም ብሓድሽ ሃነጽዎ። እቲ ዝገበርዎ ጽቡቕ ተግባር ንኣረኣእያ እቲ ሰብኣይ ቀየሮ። ሕጂ ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ናቱ ንብረት ገይሩ ይሕልዎ ኣሎ።

15 ህዝቢ የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚግበር ዕዮ ህንጸት ይካፈሉ እዮም። ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ወለንተኛታት ምስቶም ኣህጉራውያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓበይቲ ኣዳራሻትን ኣባይቲ ቤትኤልን ኣብ ምህናጽ እውን ይካፈሉ እዮም። ሳም፡ ናይ መውዓዪን መዝሓሊን እኹል ኣየር ዚህብ መሳርሒን ክኢላ መሃንድስ እዩ። ንሱን ሩት ሰበይቱን ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት ንምሕጋዝ ናብ እተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ተጓዒዞም እዮም። ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ምስቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣሕዋት ኣብ ስብከት ይካፈሉ። ሳም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ዕዮ ህንጸት ንኺካፈል ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዜገልግሉ ቤትኤላውያን ኣተባቢዖምኒ እዮም። እቲ ዜርእይዎ ቕንኣትን ዚረኽብዎ ሓጐስን ክርኢ ኸለኹ፡ ንኸገልግል ደረኸኒ” በለ።

ንመለኮታዊ መምርሒ ተኣዘዝ

16, 17. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ንጥፈት እዮም ተኻፊሎም፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኸቡ፧

16 ህዝቅያስ ንቤተ መቕደስ ኣብ ርእሲ ምጽጋኑ፡ ነቲ ብትእዛዝ የሆዋ እተዋህበ በዓል ፋስጋ እውን ኣብዓለ። (2 ዜና መዋእል 30:1, 4, 5 ኣንብብ።) ንሱን ነበርቲ የሩሳሌምን ድማ ንብምሉኦም እቶም ህዝቢ፡ እንተላይ ነቶም ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝነበሩ ዓደምዎም። ልኡኻት ከኣ ደብዳበታት ዕድመ ሒዞም ናብ ምልእቲ እታ ሃገር ከዱ።—2 ዜና 30:6-9

17 ንሕና እውን ኣብዘን ቀረባ ዓመታት፡ ምስዚ ኣብ ዚመሳሰል ዕዮ ተኻፊልና ኢና። ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ንትእዛዝ የሱስ ብምኽባር ምሳና ድራር ጐይታ ምእንቲ ኼብዕሉ፡ ዚስሕብ መዐደሚ ተጠቒምና ኢና። (ሉቃ. 22:19, 20) ነቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት እተዋህበና መምርሒ ብምቕባል፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ብቕንኣት ተሳቲፍና ኢና። የሆዋ ነዚ ጻዕርና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባሪኽዎ! ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ ሸውዓተ ሚልዮን እንኸውን ኣስፋሕቲ፡ ወረቐት ዕድመ ብምዕዳልና 17,790,631 ዝቝጽሮም ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈሉ።

18. ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ብዛዕባ ህዝቅያስ ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተአመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኵሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን። ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛቱውን ሐለወ።” (2 ነገ. 18:5, 6) ንሕና እውን ኣብነቱ እንስዕብ ይግበረና! ንቤት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እናተጸበና ‘ኣብ የሆዋ ንኽንጠብቕ’ ኪሕግዘና እዩ።—ዘዳ. 30:16

ንመምርሒታት ቅልጡፍ ምላሽ ሃብ

19. ኣብ ግዜ በዓል ዝኽሪ እንታይ ቅንኣት ዝመልኦ ጻዕሪ እዩ ዚግበር፧

19 ዮስያስ ንጉስ ምስ ኰነ፡ ሰፊሕ ምድላው ብምግባር ፋስጋ ኸም ዚበዓል ገበረ። (2 ነገ. 23:21-23፣ 2 ዜና 35:1-19) ንሕና እውን ንኣኼባ ኣውራጃ፡ ንኣኼባ ወረዳ፡ ንመዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ከምኡውን ንበዓል ዝኽሪ ብግቡእ ክንዳሎ ኣሎና። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ንሞት ክርስቶስ ይዝክሩ እዮም። ቅንኣት ዘለዎም ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ዋላ ሓደ ሰብ ዕሽሽ ከይበሃል ይጥንቀቑ እዮም። እቶም ኣረጋውያንን ዝሓመሙን እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኺካፈሉ ሓገዝ ይወሃቦም እዩ።

20. (ሀ) ዮስያስ ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ኣጋጠመ፧ እንታይከ ገበረ፧ (ለ) ነየናይ ትምህርትታት ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

20 ኣብቲ ንጉስ ዮስያስ ዝገበሮ ዕዮ ምሕዳስ፡ ሒልቂያ እቲ ሊቀ ኻህናት “ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ።” ነቲ ናይ ንጉስ ጸሓፊ ዝነበረ ሻፋን ድማ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ንዮስያስ ኬንብበሉ ጀመረ። (2 ዜና መዋእል 34:14-18 ኣንብብ።) እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ብኡንብኡ እቲ ንጉስ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ፡ እቶም ሰባት ንየሆዋ ኼማኽርዎ ድማ ኣዘዘ። ኣምላኽ ብነብዪት ሁልዳ ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር ዝነበረ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ተግባራት ዚዅንን መልእኽቲ ለኣኸ። ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ መዓት ከም ዚወርድ ብትንቢት እኳ እንተ ተነግረ፡ የሆዋ ነቲ ዮስያስ ንኣምልኾ ጣኦት ንምውጋድ ዝገበሮ ጻዕሪ ስለ ዘስተብሃለሉ፡ ስምረቱ ሃቦ። (2 ዜና 34:19-28) ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ባህግና ኸምቲ ዮስያስ ዝነበሮ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። ክሕደትን ዘይተኣማንነትን ንኣምልኾና ኺዕንቅፎ ምስ እነፍቅደሉ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ንዜርኢ መጠንቀቕታ ኣብ ልብና ብምሕዳር፡ ንመምርሒ የሆዋ ቕልጡፍ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ንዮስያስ ዝገበረሉ፡ ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ቕንኣት ከም ዚሰምሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

21, 22. (ሀ) ንቤት የሆዋ ቕንኣት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

21 እዞም ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ፡ ማለት ኣሳ፡ ዮሳፋጥ፡ ህዝቅያስ፡ ዮስያስ ንቤትን ኣምልኾን ኣምላኽ ብዝነበሮም ቅንኣት ሰናይ ኣብነት እዮም ሓዲጎምልና። ቅንኣትና ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ንዕኡ ኣብ ምምላኽ ጻዕሪ ኽንገብርን ኪድርኸና ኣለዎ። ንመለኮታዊ መምርሒታት እንተ ተኣዚዝና፡ ነቲ ብጉባኤን ብሽማግለታትን ኣቢሉ ዚወሃበና ሓልዮትን መአረምታን ድማ ምላሽ እንተ ሂብናሉ፡ መገዲ ጥበብ ንስዕብ ኣለና ማለት እዩ፣ ሓጐስ እውን የምጽኣልና።

22 እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ናብቲ ኣብ ኣገልግሎት ከነርእዮ ዘሎና ቕንኣት ከነተኵር ክሕግዘና እያ፣ መንእሰያት ነቲ ፈቃር ኣቦኦም ብቕንኣት ኬገልግልዎ ድማ ምትብባዕ ክትህብ እያ። ሰይጣን ካብ ዜሕድሮ ሕማቕ ጽልዋ ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና። ነቲ ኻብ የሆዋ ዚወሃበና መዘኻኸሪታት ብቕንኣት ምስ እንዓየሉ፡ ነቲ “ቕንኣት ቤትካ በሊዑኒ” ዝበለ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕብ ኢና።—መዝ. 69:9፣ 119:111, 129፣ 1 ጴጥ. 2:21

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ንኸመይ ዝበለ ኣገልግሎት እዩ ዚባርኾ፧ ስለምንታይከ፧

• ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ቅንኣት፡ መለኮታዊ መምርሒ ንኽንእዘዝ ዚድርኸና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣሳን ዮሳፋጥን ህዝቅያስን ዮስያስን ንቤት የሆዋ ቕንኣት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧