ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ይሃሉኻ’

‘ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ይሃሉኻ’

‘ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ይሃሉኻ’

“የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።”—ቲቶ. 2:14

1. የሱስ ብ10 ኒሳን 33 ድ.ክ. ናብቲ ቤተ መቕደስ ምስ መጸ እንታይ ኣጋጠመ፧

 እዋኑ ብ10 ኒሳን 33 ድ.ክ. ቀቅድሚ ፋስጋ እዩ ነይሩ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ከባቢ እቲ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ህዝቢ ብህንጥዮት ይጽበ ነበረ። የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧ እቶም ሰለስተ ጸሓፍቲ ወንጌል፡ ማለት ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን፡ የሱስ ንኻልኣይ ሳዕ ነቶም ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ሰባት ከም ዘውጽኦም መስኪሮም እዮም። የሱስ ንሰደቓ እቶም ሸረፍትን ሸየጥቲ ርግብን እውን ደንኪልዎ እዩ። (ማቴ. 21:12፣ ማር. 11:15፣ ሉቃ. 19:45) ነቲ ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ዝገበሮ ሕጂ እውን ምድጋሙ፡ ቅንኣት የሱስ ፈጺሙ ኸም ዘይነከየ ዜርኢ እዩ።—ዮሃ. 2:13-17

2, 3. ቅንኣት የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ ምጽራይ ጥራይ እተወሰነ ኸም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ ምጽራይ ጥራይ ኣይኰነን ቅንኣት ኣርእዩ። ነቶም ናብኡ ዚመጹ ዝነበሩ ዕዉራትን ሓንካሳትን እውን ኣሕውይዎም እዩ። (ማቴ. 21:14) ኣብቲ ሉቃስ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ ካልእ የሱስ ዝፈጸሞ ነገራት ተጠቒሱ ኣሎ። “ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ” ዚብል ነንብብ። (ሉቃ. 19:47፣ 20:1) ስለዚ፡ ቅንኣት የሱስ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ እውን ብዝያዳ ይርአ ነበረ።

3 ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ብዛዕባ የሱስ ኪገልጸሉ ኸሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈሉ፦ “የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።” (ቲቶ. 2:14) ሎሚ ‘ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ኪህልወና’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት እቶም እሙናት ነገስታት ይሁዳ ኼተባብዓና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

ንምስባኽን ንምምሃርን ቅንኣት ይሃሉኻ

4, 5. ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

4 ኣሳን ዮሳፋጥን ህዝቅያስን ዮስያስን ንኣምልኾ ጣኦት ካብ ይሁዳ ንምጥፋእ ወፈራ ኣካየዱ። ኣሳ “ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታቱውን ቈራረጾ።” (2 ዜና 14:3) ዮሳፋጥ ንኣምልኾ የሆዋ ኻብ ዝነበሮ ቕንኣት ተበጊሱ፡ “ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን . . . ካብ ይሁዳ ኣርሐቖ።”—2 ዜና 17:6፣ 19:3 *

5 ድሕሪ እቲ ህዝቅያስ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ዓብዪ በዓል ፋስጋ፡ “ኣብኡ እተረኽበ ዘበለ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጹ እሞ ነቲ ኣዕኑድ ሰበርዎ፡ ንኣስታርቴታት ድማ ቈራረጽዎ፡ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ በረኽትን መሰውኢታትን ክሳዕ ዚጥርሱ፡ ኣፍረስዎም።” (2 ዜና 31:1) ዮስያስ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ ንጉስ ኰነ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ሳምነይቲ ዓመት ምንጋሱ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ካብቲ ጽሩብ ምስልታትን ናይ ፍሲ ምስልታትን ኬጽርየን ጀመረ።” (2 ዜና 34:3) እወ፡ እዞም ኣርባዕተ ነገስታት ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ነበሮም።

6. ኣገልግሎትና ምስቲ እሙናት ነገስታት ይሁዳ ዘካየድዎ ወፈራ ኺመሳሰል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ካብ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ እንተላይ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ሓራ ኺወጹ ንምሕጋዝ ኣብ ዚግበር ወፈራ ንካፈል ኢና። ካብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎት ምስ እተፈላለዩ ሰባት ከም እንራኸብ ይገብረና። (1 ጢሞ. 2:4) ሓንቲ እስያዊት መንእሰይ፡ ኣዲኣ ነቲ ኣብ ቤቶም ዚርከብ ሓያሎ ምስልታት ተምልኽ ከም ዝነበረት ትዝክር። ኵሉ እቲ ምስልታት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪውክል ከም ዘይክእል ብምሕሳብ፡ ናይ ሓቂ መንነት ኣምላኽ ክትፈልጥ ብተደጋጋሚ ጸለየት። ሓደ እዋን ማዕጾ ተዃሕኲሑ ምስ ከፈተት፡ ስም እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ንኽትፈልጥ ኪሕግዛኣ ድሉዋት ምስ ዝነበራ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ብዛዕባ ጣኦታት እቲ ሓቂ ምፍላጣ እውን ኣዝዩ ኣሐጐሳ። ሕጂ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ንምሕጋዝ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ብትግሃት ብምክፋል ዚነኣድ ቅንኣት ተርኢ ኣላ።—መዝ. 83:18፣ 115:4-8፣ 1 ዮሃ. 5:21

7. ነቶም ብግዜ ዮሳፋጥ ናብ መላእ እታ ሃገር እተላእኩ መምህራን ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧

7 ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና፡ ክሳዕ ክንደይ ኢና ነቲ እተመደበልና ኽሊ ብእተማልአ መገዲ እንሽፍኖ፧ እቲ ዜገርም፡ ዮሳፋጥ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ኵለን ከተማታት ንዚነብሩ ሰባት ሕጊ የሆዋ ምእንቲ ኺምህርዎም፡ ሓሙሽተ መኳንንትን ትሽዓተ ሌዋውያንን ክልተ ኻህናትን ለኣኸ። እቲ ዝገበርዎ ወፈራ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ ንየሆዋ ኺፈርህዎ ጀመሩ። (2 ዜና መዋእል 17:9, 10 ኣንብብ።) ንሕና እውን ኣብ እተፈላለየ ግዜን መዓልትን ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ፡ ምስ እተፈላለዩ ኣባላት ስድራ ቤት ክንዘራረብ ንኽእል ኢና።

8. ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ካብ ዓዶም ናብቲ ቐናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ዜድልዩሉ ቦታ ኺግዕዙ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ናብ ካልእ ቦታ ኽትግዕዝ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ክትምስክረሎም ትኽእል ኢኻ። ሮን ኣብ ክሉ ኻብ እተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝመጹ ሰባት ስለ ዚራኸብ፡ ኣብ 81 ዓመት ዕድሚኡ ብ32 ቋንቋታት ሰላምታ ተማህረ። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣፍሪቃውያን ሰብ ሓዳር ምስ ተራኸበ፡ በቲ ቛንቋ ዓዶም ዝዀነ ዮሩባ ሰላምታ ኣቕረበሎም። ንሳቶም ከኣ ናብ ኣፍሪቃ ኸይዱ ይፈልጥ እንተ ዀይኑ ሓተትዎ። ከይዱ ኸም ዘይፈልጥ ምስ ነገሮም፡ ብኸመይ ነቲ ቛንቋ ኺዛረብ ከም ዝኸኣለ ሓተትዎ። እዚ ኸኣ ንኺምስክረሎም ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ባህ ኢልዎም መጽሔታት ወሰዱ፡ ኣድራሻኦም ድማ ሃብዎ፣ ንሱ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺምርሓሎም፡ ነቲ ኣድራሻኦም ተቐቢሉ ናብታ ኣብ ከባቢኦም እትርከብ ጉባኤ ኣመሓላለፎ።

9. ኣብ ኣገልግሎት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

9 እቶም ብትእዛዝ ዮሳፋጥ ናብ ምልእቲ ሃገር እተላእኩ መምህራን፡ “መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር” ነበሮም። ንሕና እውን ንሰባት ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ኢና እንጽዕር። ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ኸነርእዮም ጻዕሪ ንገብር ኢና። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሊንዳ ንዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ካብቲ ሕማም ወቕዒ ዘለዎ ሰብኣያ ኽትፍለ ኸም ዘይብላ ነገረታ። “ኣምላኽ እንታይ በዲለዮ እየ ኸምዚ ኸጋጥመኒ ዝፈቐደ፧” ኢላ ድማ ኣስቈርቈረት። ሊንዳ፡ “ሓደ ነገር ክነግረክዶ፧” ኢላ ሓተተታ። ያእቆብ 1:13 ድማ ኣንበበትላ፣ ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኵሉ እቲ ንዓናን ነቶም እነፍቅሮም ሰባትን ዜጋጥም መከራ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መቕጻዕቲ ኣይኰነን” በለታ። ሽዑ እታ ሰበይቲ ንሊንዳ ሓቘፈታ። ሊንዳ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተጠቐምኩ እየ ምጽንናዕ ክህብ ክኢለ። ሓድሓደ ግዜ እቲ እነንብቦ ጥቕስታት፡ እቲ ብዓል ቤት ቅድሚኡ ፈጺሙ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ እዩ” በለት። እዚ ምይይጥ እዚ ድማ ነታ ሰበይቲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓላ መገዲ ኸፈተ።

ብቕንኣት ዜገልግሉ መንእሰያት

10. ዮስያስ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት ሰናይ ኣብነት ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧

10 ናብቲ ዮስያስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንመለስ፣ መንእሰይ ከሎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሰዓበ፡ ኣምልኾ ጣኦት ንምጥፋእ ሰፊሕ ወፈራ ኺጅምር ከሎ ድማ ወዲ 20 ዓመት ኣቢሉ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 34:1-3 ኣንብብ።) ሎሚ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት እውን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ቕንኣት የርእዩ ኣለዉ።

11-13. ካብቶም ኣብዚ ግዜና ንየሆዋ ብቕንኣት ዜገልግልዎ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

11 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሃና ዝስማ መንእሰይ፡ ጓል 13 ዓመት ከላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈረንሳይኛ ትመሃር ነበረት፣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ከተማ ሓንቲ ናይ ፈረንሳይኛ ጕጅለ ኸም እተመስረተት ድማ ሰምዐት። ኣቦኣ ኸኣ ኣሰንዩዋ ናብቲ ኣኼባ ኪኸይድ ተሰማምዐ። ሕጂ ጓል 18 ዓመት እያ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸኣ ብፈረንሳይኛ ብቕንኣት ትምስክር ኣላ። ንስኻኸ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ንኽትሕግዞም፡ ካልእ ቋንቋ ኽትመሃር ትኽእልዶ፧

12 ሬቸል ነታ ፐርስዩ ጎልስ ዛት ኦነር ጎድ (ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት ስዓብ) ዘርእስታ ቪድዮ ብምርኣያ ባህ ኢልዋ እዩ። ብ1995 ንየሆዋ ምግልጋል ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ብዛዕባ ዝነበራ ኣተሓሳስባ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንሓቂ ናተይ ዝገበርክዋ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ነዛ ድራማ ምስ ረኣኽዋ ግን፡ ንብዙሕ ዓመታት ዓሚቝ ፍልጠት ከም ዘይነበረኒ ኣስተውዓልኩ። ምእንቲ ሓቂ ኢለ ኽቃለስ፡ ኣብ ኣገልግሎትን ብሕታዊ መጽናዕትን ድማ ጻዕሪ ኽገብር ነበረኒ” ኢላ ተዛረበት። ሕጂ ንየሆዋ ብልዑል ቅንኣት ተገልግሎ ዘላ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ። እንታይ ውጽኢትከ ረኸበት፧ “ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ደልደለ። ጸሎተይ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ዀነ፡ ዕምቈት ዘለዎን ዝያዳ ዜዕግብን መጽናዕቲ ኽገብር ከኣልኩ፡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጋህዲ ዀነለይ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብኣገልግሎት እሕጐስ ኣለኹ፣ ቃል የሆዋ ንኻልኦት ኬጸናንዖም ክርኢ ኸለኹ ኸኣ ናይ ሓቂ ዕግበት እረክብ” በለት።

13 ሉክ እውን በታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ፧ (መንእሰያት ዚሓትዎ—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ተተባቢዑ እዩ። ነዛ ቪድዮ ምስ ረኣያ፡ “ንህይወተይ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ ተደረኽኩ” ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ ኢሉ ድማ ተኣመነ፦ “መጀመርታ ዝለዓለ ትምህርቲ ተማሂረ ቝጠባዊ ውሕስነት ከረጋግጽ፡ ድሕሪኡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተኵር ጸቕጢ ይወርደኒ ነበረ። ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ፡ ብመንፈስ ከም እትዓቢ ዘይኰነስ፡ ከም እትዳኸም እዩ ዚገብረካ።” ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ልክዕ ከም ሃና ኣገልግሎትኩም ንምስፋሕ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተመሃርኩምዎ ኽትጥቀሙሉ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ንምንታይ ዘይትምርምሩ፧ ንኣምላኽ ብሓቂ ዜኽብር ሸቶታት ብምውጻእ ዝመጸ ንምንታይ ንኣብነት ሬቸል ዘይትስዕቡ፧ ካብቲ ንብዙሓት መንእሰያት መፈንጠራ ዝዀኖም ሓደጋታት ብምርሓቕ እውን ንኣብነት ሉክ ስዓቡ።

ንመጠንቀቕታታት ብቕንኣት ኣቕልበሉ

14. የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ እዩ ዚቕበል፧ ሎሚ ኸምኡ ምግባር ኣጸጋሚ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

14 ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምልኾ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ ንጹሃት ኪዀኑ ኣለዎም። ኢሳይያስ፡ “ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ፡ ካብ ማእከል [ባቢሎን] ውጹ፡ ንጽሁ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ኢሳ. 52:11) ኢሳይያስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ቅድሚ ምጽሓፉ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ኣሳ ንርኽሰት ካብ ይሁዳ ንምጥፋእ ወፈራ ኣካየደ። (1 ነገስት 15:11-13 ኣንብብ።) ዘመናት ጸኒሑ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ብምንጻህ “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ” ኸም ዝገበሮም ነገሮ። (ቲቶ. 2:14) ኣብ ማእከል ብነውሪ ዝመልአ ሕብረተሰብ እናነበርካ ንጽህናኻ ምሕላው፡ ብፍላይ ንመንእሰያት ከቢድ እዩ። ንኣብነት፡ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ብዘየገድስ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ሰሌዳታት ምልክታ፡ ኣብ ቲቪ፡ ኣብ ፊልም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢንተርነት ዚርአ ስእለ-ጽዩፍ ንኺርሕቁ ኺቃለሱ ኣለዎም።

15. እከይ ንኽንጸልእ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 ንመጠንቀቕታታት ኣምላኽ ብቕንኣት እንተ ኣቕሊብናሉ፡ እከይ ንኽንጸልእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (መዝ. 97:10፣ ሮሜ 12:9) ከምቲ ሓደ ክርስትያን ዝገለጾ፡ “ካብቲ ሓያልን ልክዕ ከም ማግነት ዝዀነ ስሕበቱን ሓራ ንምውጻእ” ንስእለ-ጽዩፍ ክንፍንፍኖ ኣሎና። ንሓደ ምስ ማግነት እተጣበቐ ነገር ንምፍላይ፡ ካብቲ ማግኔታዊ ሓይሊ ዚዛይድ ብርታዐ የድሊ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ መፈንጠራ ስእለ-ጽዩፍ ንምርሓቕ ብርቱዕ ጻዕሪ የድሊ። ስእለ-ጽዩፍ ክሳዕ ክንደይ ኪጐድኣና ኸም ዚኽእል ምርዳእና፡ ንኽንጽየፎ ኺሕግዘና እዩ። ሓደ ሓው ነቲ ኣብ ኢንተርነት ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማዱ ንኺሓድግ ሓያል ጻዕሪ ገበረ። ንኮምፕዩተሩ ዅሎም ስድራ ቤቱ ኺርእይዋ ኣብ ዚኽእሉሉ ቦታ ኣቐመጣ። ብዘይካዚ፡ ርእሱ ንኼንጽህን ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ኪህልዎን ቈረጸ። ካልእ ስጕምቲ እውን ወሰደ። ምስ ስራሕ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኢንተርነት ኪጥቀም ስለ ዘለዎ፡ ሰበይቱ ምስኡ ኽትህሉ ኸላ ጥራይ ኢንተርነት ኪኸፍት ወሰነ።

ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎ ረብሓ

16, 17. እቲ ጽቡቕ ጠባይና ኣብ ተዓዘብቲ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ ኣብነት ሃብ።

16 ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ከመይ ዝበለ ሰናይ ባህሪ ዀን እዩ ዚርአ! እዚ ንተዓዘብቲ ይምስጦም እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።) ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዚርከብ ቤትኤል ንሓንቲ ሓታሚት ማኪና ኼዐሪ ምስ ወዓለ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ ኣረኣእያ ተቐየረ። እታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዝነበረት ሰበይቱ፡ ኣረኣእያ ሰብኣያ ኸም እተቐየረ ኣስተብሃለት። ቅድሚኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቱ ኺመጽዎ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ኣብ ቤትኤል ውዒሉ ምስ መጸ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዝሓዙሉ ሕያውነት ዝመልኦ መገዲ ተዛረበ። ዋላ ሓደ ሰብ ጽዩፍ ኣዘራርባ ኸም ዘይዛረብ፡ ኵሉ ሰብ ዕጉስ ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እቲ ሃዋህው ሰላማዊ ምዃኑ ገለጸ። ብፍላይ ዝተንከፍዎ ግን፡ እቶም ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ዚሕግዙ፡ ብዘይ ክፍሊት ድማ ግዜኦምን ጕልበቶምን ወፍዮም ዚዓዩ ቐናኣት መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም።

17 እቶም ንስድራ ቤቶም ንምእላይ ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን እንተ ዀኑ፡ ብምሉእ ነፍሶም እዮም ዚዓዩ። (ቈሎ. 3:23, 24) እዚ ኸኣ ዜተኣማምን ስራሕ ከም ዚህልዎም እዩ ዚገብር፣ ከመይሲ፡ ኣስራሕቲ ነቲ ትግሃት ዝመልኦ ዕዮኦም ኣኽቢሮም ይርእይዎ፡ ኪኸድዎም ከኣ ኣይደልዩን እዮም።

18. ‘ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ኪህልወና’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብ የሆዋ ብምውካል፡ ንመምርሒታቱ ተኣዛዝነት ብምርኣይ፡ ከምኡውን ንቦታታት ኣምልኾና ብምክንኻን ንቤት የሆዋ ዘሎና ቕንኣት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ብእተኻእለና መጠን ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ዕዮ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክንካፈል ኣሎና። ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ ብዘየገድስ፡ ነቲ ምስ ኣምልኾና ዚተሓሓዝ ንጹህ መለክዒታት ንምስዓብ ጻዕሪ እንተ ጌርና፡ ብዙሕ በረኸት ክንዓጽድ ኢና። “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ” ህዝቢ ድማ ክንከውን ኢና።—ቲቶ. 2:14

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ኣሳ ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተተሓሓዘ በረኽቲ ደኣ እምበር፡ ነቲ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ንምምላኽ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣየፍረሶን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ እዚ በረኽቲ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዘመን ግዝኣቱ እተሰርሐን ብወዱ ዮሳፋጥ እተወገደን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ነገ. 15:14፣ 2 ዜና 15:17

ካብቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ተማሂርካ፧

• ክትሰብኽን ክትምህርን ከለኻ ቕንኣት እተርእየሉ መገዲ

• ክርስትያን መንእሰያት ‘ንሰናይ ግብሪ ቕንኣት ኬርእዩሉ’ ዚኽእሉ መገዲ

• ካብ ሕማቕ ጽልዋ ሓራ ኽትኰነሉ እትኽእል መገዲ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀም ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸለኻ ኻልእ ቋንቋ እንተ ተማሂርካ፡ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ይሕግዘካ ይኸውን