ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ብጻይካ ሓቂ ተዛረብ

ምስ ብጻይካ ሓቂ ተዛረብ

ምስ ብጻይካ ሓቂ ተዛረብ

“ንሓሶት ንየው በልዎ፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።” —ኤፌ. 4:25

1, 2. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

 ሓቂ ንብዙሕ ዘመናት ኣከራኻሪ ጕዳይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብ መበል ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ኣልሲየስ ዝስሙ ገጣሚ፡ “ኣብ ወይኒ ሓቂ ኣሎ” በለ። ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ብወይኒ ሰኺሩ ብዙሕ ኪዛረብ ምስ ጀመረ እዩ እቲ ሓቂ ዚወጽእ ማለቱ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ እውን ንየሱስ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ብሕጫጨ ምሕታቱ፡ ብዛዕባ ሓቂ ቔናን ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ዜርኢ እዩ።—ዮሃ. 18:38

2 ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ሓቂ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ብዙሕ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት፡ እታ “ሓቂ” እትብል ቃል ብዙሕ ትርጕም ከም ዘለዋ ወይ ከኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም እትፈላለ ይገልጹ። ገሊኦም ከኣ ኪጥዕሞም ከሎ ጥራይ እዮም ሓቂ ዚዛረቡ። ዘ ኢምፖርታንስ ኦቭ ላይን ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “ሓቂ ምዝራብ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ንምርካብ ኣብ ዚግበር ናይ ሞትን ህይወትን ቃልሲ ግን ዋጋ የብሉን። ሰብ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ምርጫ ስለ ዘይብሉ፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር ኪሕሱ ኣለዎ።”

3. ሓቂ ብምዝራብ ዝመጸ፡ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኣመለኻኽታ ዀን እዩ ነይርዎም! የሱስ ብዛዕባ ሓቂ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣብ ፍልስፍና እተመስረተ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ኵሉ ሳዕ ሓቂ ይዛረብ ነበረ። ጸላእቱ እውን ከይተረፉ፡ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር፡ ንፈልጥ አሎና” ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። (ማቴ. 22:16) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ሓቂ ኻብ ምዝራብ ድሕር ኣይብሉን እዮም። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዝሃቦም ምሕጽንታ ብምሉእ ልቦም ይሰማምዑሉ እዮም። (ኤፌ. 4:25) ንሰለስተ መዳያት ቃላት ጳውሎስ እስከ ንመርምር። ቀዳማይ፡ ብጻይና መን እዩ፧ ካልኣይ፡ ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሳልሳይ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ብጻይና መን እዩ፧

4. የሱስ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ኣይሁድ ብእተፈልየ መገዲ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መንነት ብጻይና ዘለዎ ኣረኣእያ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ገሊኦም መራሕቲ ኣይሁድ፡ “ብጻይ” ኪበሃል ዚኽእል፡ ከማኻ ኣይሁዳዊ ወይ ከኣ ዓርክኻ ጥራይ ከም ዝዀነ ይምህሩ ነበሩ። የሱስ ግን ንባህርያትን ኣተሓሳስባን ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባረቐ። (ዮሃ. 14:9) ኣምላኽ ንሓደ ዓሌት ወይ ህዝቢ ኻብ ካልእ ኣብሊጹ ኸም ዘይርኢ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣርኣዮም። (ዮሃ. 4:5-26) ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ገለጸሉ። (ግብ. 10:28, 34, 35) ስለዚ፡ ንዅሎም ሰባት ከም ብጾትና ጌርና ኽንርእዮም፡ ንጸላእትና እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኸነርእዮም ኣሎና።—ማቴ. 5:43-45

5. ምስ ብጻይና ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

5 ጳውሎስ ምስ ብጻይና ሓቂ ኽንዛረብ ከም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ ግን እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ፡ ቅኑዕን ዝዀነ ይኹን ምትላል ዘይብሉን ሓበሬታ ምሃብ ማለት እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኻልኦት ኬታልሉ ኢሎም ንሓቅታት ኣይጠውይዎን ወይ ብጌጋ ኣየቕርብዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንኽፍኣት ይፍንፍንዎ፡ ኣብ ሰናይ ከኣ ይለግቡ።’ (ሮሜ 12:9) ን“ኣምላኽ ሓቂ” ብምምሳል፡ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ክንከውን ክንጽዕር ኣሎና። (መዝ. 15:1, 2፣ 31:5) ንቓላትና ተጠንቂቕና ብምምራጽ፡ ዜሕፍር ወይ ዜሸቝርር ንዚመስል ኵነታት እውን ከይተረፈ፡ ከይሓሰና ብሜላ ኽንፈትሖ ንኽእል ኢና።—ቈሎሴ 3:9, 10 ኣንብብ።

6, 7. (ሀ) ሓቀኛ ምዃን ኪበሃል ከሎ፡ ንዝሓተና ዘበለ ዅሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኽንህቦ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) ኵሉ ነገር ኪንገሮም ዚግባእ መን እዮም፧

6 ሓቀኛ ምዃን ኪበሃል ከሎ፡ ንዝሓተና ዘበለ ዅሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኽንህቦ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገሊኦም ሰባት ቀጥታዊ መልሲ ወይ ከኣ ገለ ዓይነት ሓበሬታ ኺወሃቦም ከም ዘይግባእ ኣርኣየ። ግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖት፡ በየናይ ስልጣን ተኣምራት ይገብር ከም ዝነበረ ምስ ሓተትዎ፡ “ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም አሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ” በሎም። እቶም ጸሓፍትን ዓበይትን ምምላስ ምስ ኣበዩ፡ የሱስ፡ “ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ” ኢሉ መለሰሎም። (ማር. 11:27-33) ነቲ ብልሹው ተግባራቶምን እምነት ዝጐደሎ ኣብነቶምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኪምልሰሎም ግዴታ ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። (ማቴ. 12:10-13፣ 23:27, 28) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ህዝቢ የሆዋ ኻብቶም ንስሱዕ ዕላማታት ኢሎም ምትላልን ጕርሕን ዚጥቀሙ ኸሓድትን እኩያት ሰባትን ኪጥንቀቑ ኣለዎም።—ማቴ. 10:16፣ ኤፌ. 4:14

7 ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኵሉ ነገር ኪንገሮም ዘይግባእ ሰባት ከም ዘለዉ ሓበረ። ከመይሲ፡ ‘መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን’ ዝዀኑ ሰባት፡ ‘ዘይግባእ እዮም ዚዛረቡ።’ (1 ጢሞ. 5:13) ገሊኦም ሰባት ነቶም ኣብ ዘየእትዎም ጕዳያት ዚኣትዉን ምስጢር ዘይዓቝሩን ሰባት፡ ገለ ዓይነት ውልቃዊ ሓበሬታ ኺነግርዎም ኣይደልዩን ይዀኑ። ነቲ ጳውሎስ፡ “ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን” ኢሉ ዝሃቦ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ኽንስዕብሲ ኽሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! (1 ተሰ. 4:11, 12) ሓድሓደ ግዜ ግን፡ ሽማግለታት ጉባኤ ነቲ እተዋህቦም ሓላፍነት ንምፍጻም ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ኪሓቱና የድልዮም ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሓቂ ብምዝራብ እነርእዮ ምትሕብባር፡ ዚነኣድን ኣዝዩ ሓጋዝን እዩ።—1 ጴጥ. 5:2

ንስድራ ቤት ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ሓቂ ተዛረብ

8. ሓቂ ምዝራብ ንኣባላት ስድራ ቤት ዜቀራርቦም ብኸመይ እዩ፧

8 ብሓቂ ኺርአ ኸሎ፡ ምስ ስድራ ቤትና እዩ ስጡም ርክብ ዘሎና። ነዚ ርክብ እዚ ንምድልዳል፡ ንሓድሕድና ሓቂ ኽንዛረብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዝርርብና ግልጽን ሓቀኛታትን ሕያዎትን እንተ ዄንና፡ ብዙሕ ጸገምን ዘይምርድዳእን ከነወግድ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ጌጋ እንተ ፈጺምና፡ ንመጻምድትና፡ ንደቅና፡ ወይ ንናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትና ሓቂ ኻብ ምዝራብ ሰጋእ መጋእ ንብል ዲና፧ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይቕረታ ምሕታት፡ ኣብታ ስድራ ቤት ሰላምን ሓድነትን ከም ዚሰፍን እዩ ዚገብር።—1 ጴጥሮስ 3:8-10 ኣንብብ።

9. ዚመስለካ እትድርጕሕን ዘይእሩምን ምዃን ንሓቂ ዘየራጕዶ ስለምንታይ እዩ፧

9 ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ፡ ዚመስለካ እትድርጕሕን ሜላ ዘይብልካን ምዃን ማለት ኣይኰነን። ንሓቂ ብዘይእሩም መገዲ ምዝራብ እውን፡ ነቲ ሓቂ ኣየራጕዶን እዩ። ጳውሎስ፡ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” በለ። (ኤፌ. 4:31, 32) ሕያውነትን ኣኽብሮትን ብዘለዎ መገዲ ምስ እንዛረብ፡ ንዘረባና ኽብ የብሎ፣ ነቶም እንዛረቦም ዘለና ኸም እነኽብሮም ከኣ የርኢ።—ማቴ. 23:12

ንጉባኤ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ሓቂ ተዛረብ

10. ሓቂ ብምዝራብ ዝመጸ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ካብ የሱስ እንታይ ብሉጽ ኣብነት ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ቐሊልን ግልጽን ብዝዀነ መገዲ ይዛረቦም ነበረ። ኵሉ ግዜ ኣብ ፍቕሪ ተመርኲሱ ይመኽሮም ነበረ፣ ሰማዕቱ ንምሕጓስ ኢሉ ግን ነቲ ሓቂ ኣየነኣሶን። (ዮሃ. 15:9-12) ንኣብነት፡ እቶም ሃዋርያት ኣብ መንጎኦም መን ከም ዚበልጽ ብተደጋጋሚ ኺከራኸሩ ምስ ረኣየ፡ ኣድላይነት ትሕትና ምእንቲ ኺርድኡ፡ ኣትሪሩ ግን ከኣ ብዓቕሊ ሓገዞም። (ማር. 9:33-37፣ ሉቃ. 9:46-48፣ 22:24-27፣ ዮሃ. 13:14) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ብጽድቂ ዝመጸ ጽኑዓት እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ልዕሊ መጓሰ ኣምላኽ ግን ኣይጕይተቱን እዮም። (ማር. 10:42-44) ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ “ተላዋህትን ተዳናገጽትን” ብምዃን ንየሱስ ይመስልዎ።

11. ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ መልሓስና እንታይ ክንገብር እያ ኽትድርኸና ዘለዋ፧

11 ንኣሕዋትና ኸየጕሃና፡ ነቲ ኽንብሎ ዝደለና ነገር ብግልጺ ግን ከኣ ብዘይጐድእ መገዲ ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ዚሃስን ዜዋርድን ዘረባ ብምዝራብ ንመልሓስና ልክዕ “ከም በሊሕ መላጸ” ንምቝሳል ክንጥቀመላ የብልናን። (መዝ. 52:2፣ ምሳ. 12:18) ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ‘መልሓስና ኻብ እከይ፡ ከናፍርና እውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ክንሕሉ’ ኽትድርኸና ኣለዋ። (መዝ. 34:13) በዚ ኸምዚ፡ ንኣምላኽ ነኽብሮ፡ ኣብታ ጉባኤ ድማ ሓድነት ነስፍን።

12. ሓሶት ምዝራብ፡ ኣብ ፍርዲ ኪቐርብ ዜድልዮ መዓስ እዩ፧ ግለጽ።

12 ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኻብቶም ብኽፍኣት ሓሶት ዚዛረቡ ንምዕቋብ ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም። (ያእቆብ 3:14-16 ኣንብብ።) ብኽፍኣት ዚዝረብ ሓሶት፡ ንኻልእ ንምህሳይ ኢልካ እዩ ዚዝረብ፣ ዕላማኡ ኸኣ እቲ ሰብ ብገለ መገዲ ኸም ዚሳቐ ወይ ከም ዚጕሂ ምግባር እዩ። ዘይረብሕ ወይ ዜታልል ነገር ካብ ምዝራብ ወይ ከኣ ንሓቅታት ካብ ምግናን ንላዕሊ የጠቓልል። ኵሉ ሓሶት ጌጋ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ሓቂ ዘይኰነ ዅሉ ኣብ ፍርዲ ይቐርብ እዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ሽማግለታት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ፍርዲ ኪቐርብ ዚኽእል ደይመደይ ኢሉ ብኽፍኣት ሓሶት ናይ ምዝራብ ልምዲ እንተ ኣልይዎ ንምውሳን፡ ርትዓውነትን ናይ ምምዝዛን ክእለትን ኪጥቀሙ ኣለዎም። ምናልባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሪርን ፍቕራውን ምኽሪ ምሃብ ጥራይ እኹል ኪኸውን ይኽእልዶ፧

ንንግዲ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ሓቂ ተዛረብ

13, 14. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ምስ ኣስራሒኦም ብሓቂ ዘይመላለሱ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብ ስራሕ ሓቀኛ ምዃን እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ፧

13 ሓሶት ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ እዋን ንነብር ስለ ዘለና፡ ሓደ ሰብ ምስ ኣስራሒኡ ኣብ ዘለዎ ርክብ ሓቀኛ ምዃን የጸግሞ ይኸውን። ብዙሓት ሰባት ንስራሕ ኬመልክቱ ኸለዉ፡ ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶት ይሕስዉ። ንኣብነት፡ ዝሓሸ ወይ ከኣ ብዙሕ ዚኽፈሎ ስራሕ ንምርካብ፡ ኣብቲ ንብቕዓቶም ዚገልጽ ወረቐት፡ ተመክሮኦም ወይ ደረጃ ትምህርቶም ኣጋኒኖም ይጽሕፉ ይዀኑ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት፡ ንስርዓታት እቲ ትካል ዚጥሕስ ብሕታዊ ጕዳያቶም እናገበሩ ኽነሶም፡ ዚሰርሑ ዘለዉ የምስሉ። ምስ ስራሖም ዘይራኸብ ጽሑፍ የንብቡ፡ ንውልቃዊ ጕዳያቶም ተሌፎን ይድውሉ፡ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ ይለኣኣኹ፡ ወይ ከኣ ብዘይ ዕላማ ኢንተርነት ይርእዩ ይዀኑ።

14 ሓቀኛ ምዃን ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ ምርጫ ጕዳይ ኣይኰነን። (ምሳሌ 6:16-19 ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ “ብዅሉ [“ሓቀኛነት፡” NW] ክንነብር እናደሌና” ኢሉ ተዛረበ። (እብ. 13:18) ስለዚ፡ ክርስትያናት ካብ ኣስራሒኦም ናይ ምሉእ መዓልቲ ደሞዝ ንምቕባል፡ ምሉእ መዓልቲ እዮም ዚሰርሑ። (ኤፌ. 6:5-8) ብሕልና ምስራሕ፡ ንሰማያዊ ኣቦና እውን ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ። (1 ጴጥ. 2:12) ንኣብነት፡ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ሓደ ኣስራሒ፡ ሓቀኛን ሓላፍነት ዚስምዖን ሰራሕተኛ ብምዃኑ ንሮበርቶ ነኣዶ። ብምኽንያት እቲ ሮበርቶ ዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይ፡ እቲ ትካል ንኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይተረፈ ስራሕ ቈጸሮም። እዚኣቶም እውን እንተ ዀኑ፡ ንፉዓት ሰራሕተኛታት ኰኑ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ሮበርቶ ን23 ጥሙቓት ኣሕዋትን ን8 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ስራሕ ረኸበሎም።

15. ሓደ ንግዳዊ ትካል ዘለዎ ክርስትያን፡ ሓቂ ኸም ዚዛረብ ኬርኢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ናይ ርእስና ስራሕ እንተ ኣልዩና፡ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያትና ሓቀኛታት ዲና፡ ወይስ ሓድሓደ ግዜ ምስ ብጻይና ሓቂ ዘይንዛረበሉ እዋን ኣሎ፧ ሓደ ንግዳዊ ትካል ዘለዎ ክርስትያን፡ ብቕልጡፍ ገንዘብ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ብዛዕባ ሓደ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ግጉይ ሓበሬታ ኺህብ የብሉን፣ ጉቦ ኺህብን ኪቕበልን እውን የብሉን። ከምቲ ኻልኦት ንዓና ኺሕዙና እንደልዮ ጌርና ኢና ንኻልኦት ክንሕዞም ዚግባእ።—ምሳ. 11:1፣ ሉቃ. 6:31

ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሓቂ ተዛረብ

16. (ሀ) ክርስትያናት ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዚእዘዝዎም ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ክርስትያናት ንየሆዋ ዚእዘዝዎ ብኸመይ እዮም፧

16 የሱስ፡ “እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ። (ማቴ. 22:21) ንቄሳር፡ ማለት ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ እንታይ ኢና እንህቦም፧ የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ምይይጥ ኣብ ግብሪ ምኽፋል ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ንጹህ ሕልና ምእንቲ ኺህልዎም፡ ንሕግታት እታ ሃገር፡ እንተላይ ነቲ ንምኽፋል ግብሪ ዚምልከት ጕዳያት ይእዘዙ እዮም። (ሮሜ 13:5, 6) ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን እነፍቅሮ ልዑላዊ ገዛእን በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምዃኑ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። (ማር. 12:30፣ ራእ. 4:11) ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ኣሎና።—መዝሙር 86:11, 12 ኣንብብ።

17. ህዝቢ የሆዋ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምቕባል እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

17 ብዙሓት ሃገራት ነቶም ብስጋዊ መዳይ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይህባ እየን። ሓደ ክርስትያን ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ምውሳዱ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። ኣብዚ መዳይ እዚ ምስ ብጻይካ ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ እምበኣር፡ ነዚ ሓገዝ እዚ ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግጉይ ወይ ዜታልል ሓበሬታ ዘይምሃብ የጠቓልል።

ሓቀኛ ብምዃን ዚርከብ በረኸት

18-20. ምስ ብጻይና ሓቀኛታት ምዃንና እንታይ በረኸት የምጽኣልና፧

18 ሓቀኛ ብምዃን ዚርከብ በረኸት ብዙሕ እዩ። ናይ ኣእምሮ ሰላምን ህዱእ ልብን ዚህብ ንጹህ ሕልና ይህልወና። (ምሳ. 14:30፣ ፊል. 4:6, 7) ንጹህ ሕልና ምህላው ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኵሉ ነገራት ሓቀኛታት እንተ ዄንና፡ ብኻልኦት ከይንቃላዕ ኣይንሰግእን ኢና።—1 ጢሞ. 5:24

19 ካልእ እንረኽቦ በረኸት እስከ ንርአ። ጳውሎስ፡ ‘ብቓል ሓቂ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣለና’ በለ። (2 ቈረ. 6:4, 7) እዚ ኣብ ሓደ ብሪጣንያዊ ናይ የሆዋ ምስክር ተራእዩ እዩ። ሓንቲ ማኪና ኺሸይጥ ከሎ፡ ነቲ ዓዳጊ ብዛዕባ ጽቡቕን ሕማቕን ጐድኒ እታ ማኪና ምንም ከይሓብአ ነገሮ። እቲ ዓዳጊ ነታ ማኪና ንኺፍትና ኢሉ ድሕሪ ምዝዋሩ፡ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይኑ ነቲ ሓው ሓተቶ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ዝበጽሐ ስለምንታይ እዩ፧ ንሓቀኛነትን ጽሩይ ኣከዳድናን እቲ ሓው ኣስተብሂልሉ ነበረ። እቲ ስዒቡ ዝገበርዎ ምይይጥ ድማ ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ኸፈተ።

20 ንሕናኸ በቲ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ጠባይና ንፈጣሪና ውዳሰ ነምጽኣሉ ዲና፧ ጳውሎስ፡ “ብተንኰል ከይተመላለስና፡ . . . ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና” ኢሉ ተዛረበ። (2 ቈረ. 4:2) ስለዚ፡ ምስ ብጻይና ሓቂ ንምዝራብ ዝከኣለና ንግበር። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ንሰማያዊ ኣቦናን ንህዝቡን ክብሪ ነምጽኣሎም።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብጻይና መን እዩ፧

• ምስ ብጻይካ ሓቂ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ሓቀኛ ምዃን ንኣምላኽ ክብሪ ኼምጽኣሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ሓቀኛ ብምዃን እንታይ በረኸት ይርከብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ንንኣሽቱ ጌጋታት ድሕር ምሕር ከይበልና ንእመነሉ ዲና፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ስራሕ ንምእታዉ ኸተመልክት ከለኻ ሓቂ ትዛረብ ዲኻ፧