ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽል ብምዃን ብኸመይ ሓጐስ ኪርከብ ይከኣል፧

ንጽል ብምዃን ብኸመይ ሓጐስ ኪርከብ ይከኣል፧

ንጽል ብምዃን ብኸመይ ሓጐስ ኪርከብ ይከኣል፧

“ተመርዕዮም ሕጉስ ናብራ ኺነብሩ ጀመሩ።” ሓያሎ ዛንታታት ቈልዑ በዘን ቃላት እዚኣተን እዩ ዚዛዝም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናይ ፍቕሪ ፊልምታትን መጻሕፍትን እውን፡ ሓጐስ ንምርካብ ክትምርዖ ኸም ዘለካ እዩ ዚሕብር። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ባህልታት፡ መንእሰያት ንኺምርዓዉ ሓያል ጸቕጢ ይገብር እዩ። ዴቢ ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሜኣ ኸላ፡ “ሰባት፡ ‘ጓል ንኽትምርዖ ጥራይ እያ ሸቶ ኸተውጽእ እትኽእል፡’ ኢልካ ኸም እትሓስብ እዮም ዚገብሩኻ። ህይወት ድሕሪ መርዓ እዩ ዚጅምር ዚብል ሓሳብ እዮም ዜመሓላልፉ” በለት።

ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ግን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ የብሉን። መውስቦ ኣብ እስራኤላውያን ልሙድ እኳ እንተ ነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እቶም ኣዝዩ ባህ ዜብል ህይወት ዝነበሮም ንጽል ሰብኡትን ኣንስትን ይዛረብ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ክርስትያናት ብምርጫኦም እኳ ንጽል እንተ ዀኑ፡ ብዙሓት ግን ብሰንኪ እተፈላለየ ምኽንያት ንጽል ኰይኖም እዮም። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ‘ሓደ ክርስትያን ንጽል ብምዃን ብኸመይ ሓጐስ ኪረክብ ይኽእል፧’ ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ኺብገስ ይኽእል እዩ።

የሱስ ኣይተመርዓወን፣ ነቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ዕዮ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰዓብቱ ንንጽል ምዃን ‘ከም ዚቕበልዎ’ ወይ ከም ዚኽእልዎ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። (ማቴ. 19:10-12) ስለዚ፡ ንጽል ኴንና ሓጐስ ንምርካብ፡ ንኸምዚ ዓይነት ናብራ ህይወት ብልብናን ብኣእምሮናን ክንቅበሎ ኸም ዘሎና እዩ ዚሕብር ነይሩ።

እቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮ ምእንቲ ኼተኵሩ ንኸይምርዓዉ ዝመረጹ ሰባት ጥራይ ድዩ ዚምልከት፧ (1 ቈረ. 7:34, 35) ኣይኰነን። ብዛዕባ ሓንቲ ኽትምርዖ እናደለየት ዝሰማምዓ መጻምድቲ ዘይረኸበት ክርስትያን እሞ ርአ። ኣብ 30ታት ዕድሜኣ እትርከብ ኣና ዝስማ ንጽል ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ መሳርሕተይ፡ ኪምርዓወኒ ሓተተኒ። ባህ ኢሉኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኡንብኡ ስምዒተይ ተቘጻጸርኩ፣ ከመይሲ፡ ናብ የሆዋ ኸም ዝቐርብ ኪገብረኒ ዚኽእል ሰብ ጥራይ እየ ኽምርዖ ዝደሊ።”

ከም ኣና ዝኣመሰላ ብዙሓት ኣሓት፡ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ንኺምርዓዋ ዘለወን ባህጊ ምስ ዘይኣማኒ ንኸይምርዓዋ ሓጊዝወን እዩ። * (1 ቈረ. 7:39፣ 2 ቈረ. 6:14) ንምኽሪ ኣምላኽ ኣኽብሮት ስለ ዘለወን፡ እንተ ወሓደ ንእተወሰነ ግዜ ንጽል ኪዀና ወሲነን እየን። በዚ መዳይ እዚ ኺዕወታ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

ኣብ ኣወንታዊ መዳያት ኣተኵር

ነቲ ዘይግብራዊ ዚመስል ኵነታት ናይ ምቕባል ክእለት፡ ብዓብዪኡ ኣብ ኣተሓሳስባና እተመርኰሰ እዩ። ኣብ 40ታት ዕድሜኣ እትርከብ ካርመን ዝስማ ንጽል ሓብቲ፡ “በቲ ዘሎኒ እየ ዝሕጐስ እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዘይብለይ ነገር ኣይሓልምን” በለት። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ጽምዋ ወይ ተስፋ ምቝራጽ ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ከምዚ ዓይነት ኵነታት ከም ዜሕልፉ ምፍላጥና፡ ብተኣማንነት ንቕድሚት ንኽንስጕም የተባብዓና እዩ። የሆዋ ንብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንጽል ብምዃን ሓጐስ ኪረኽቡን ንዜጋጥሞም ጸገማት ኪዋጽኡሉን ሓጊዝዎም እዩ።—1 ጴጥ. 5:9, 10

ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ንጽል ብምዃን ብዙሕ ጥቕሚ ረኺቦም እዮም። ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኤስተር ዝስማ ዘይተመርዓወት ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ሓጐስ ኪርከብ ዚኽእል ንኣወንታዊ መዳያት እቲ ዘለኻሉ ዅነታት ካብ ምቕባል ይመስለኒ። እመርዖ ኣይመርዖ ብዘየገድስ፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲመ፡ የሆዋ ጽቡቕ ዝዀነ ነገር ኣይከልኣንን እዩ።” (መዝ. 84:11) ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ህይወተይ ልክዕ ከምቲ ዝመደብክዎ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሕጉስቲ እየ፡ ንሓዋሩ እውን ሕጉስቲ ክኸውን እየ” በለት።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ንጽል ዝነበሩ ሰባት

ጓል ይፍታሕ፡ ንጽል ኰይና ኽትነብር መደብ ኣይነበራን። ይኹን እምበር፡ ብምኽንያት እቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ ቓል ካብ ንእስነታ ጀሚራ ኣብ ቤተ መቕደስ ከተገልግል ነበራ። እዚ ዘይተሓስበ ዕዮ እዚ፡ ንመደባታ ኸም ዝቐየሮን ምስ ባህርያዊ ስምዒታ ዚጻረር ከም ዝነበረን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ክትምርዖን ስድራ ቤት ክትምስርትን ከም ዘይትኽእል ምስ ፈለጠት፡ ንኽልተ ወርሒ ዚኣክል ሓዘነት። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ሓድሽ ኵነታታ ተቐቢላ ምሉእ ህይወታ ብወለንታ ኣገልገለት። ብምኽንያት እቲ ዘርኣየቶ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ይውድሳኣ ነበራ።—መሳ. 11:36-40

ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ገሊኦም ስሉባት፡ ብሰንኪ እቲ ዅነታቶም ጓሂ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስሉባት ዝዀኑሉ ምኽንያት ኣይገልጽን እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኣባል ማሕበር እስራኤል ኪዀኑ ኸምኡውን ኪምርዓዉን ኪወልዱን ኣይክእሉን ነበሩ። (ዘዳ. 23:1) እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ንስምዒቶም ተረዲኡሎምን ብምሉእ ነፍሶም ንኺዳኑ ስለ እተኣዘዙ ንኢድዎምን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቤቱ “ስፍራ” ኸም ዚህልዎምን “ዘለኣለማዊ ስም” ከም ዚህቦምን ነገሮም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እዞም እሙናት ዝዀኑ ስሉባት ኣብ ትሕቲ መሲሓዊ ግዝኣት የሱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም። የሆዋ ፈጺሙ ኣይርስዖምን እዩ።—ኢሳ. 56:3-5

ኵነታት ኤርምያስ ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ነብዪ ኪኸውን ምስ ተመዘዘ፡ ኣምላኽ ንጽል ኰይኑ ኺነብር ኣዘዞ፣ ከምዚ ኺገብር እተኣዘዘ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ዚነብረሉ ዝነበረ ጽንኩር ግዜያትን ዓይነት እቲ እተዋህቦ ዕዮን እዩ። የሆዋ፡ “ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሀልዉኻ” በሎ። (ኤር. 16:1-4) ኤርምያስ፡ እዚ መምርሒ እዚ ምስ ተዋህቦ እንታይ ከም እተሰምዖ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነግረና እኳ እንተ ዀነ፡ ብቓል የሆዋ ይሕጐስ ከም ዝነበረ ግን የረጋግጸልና እዩ። (ኤር. 15:16) ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ነቲ የሩሳሌም ን18 ወርሒ ምስ ተኸበበት ዘጋጠመ ዜስካሕክሕ ኵነታት ምስ ኣሕለፈ፡ ነቲ የሆዋ ንጽል ኰይኑ ንኺነብር ዝሃቦ ትእዛዝ ምሕላዉ ማዕረ ኽንደይ ጥበባዊ ምንባሩ ርእዩ እዩ።—ድጕ. 4:4, 10

ህይወትካ ኸተመሓይሽ እትኽእለሉ መገድታት

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባት ንጽል እዮም ነይሮም፣ ኰይኑ ግን፡ ደገፍ የሆዋ ረኺቦምን ኣብ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ተኻፊሎምን እዮም። ሎሚ እውን፡ ትርጕም ኣብ ዘለዎ ንጥፈታት ምክፋልና ህይወትና ንኸነመሓይሽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እተን ብስራት ዚነግራ ኣንስቲ፡ ዓብዪ ጭፍራ ኸም ዚዀና መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነበረ። (መዝ. 68:11) ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ ጭፍራ ብኣሽሓት ዚቝጸራ ንጽል ኣሓት ኣለዋ። ኣገልግሎተን ፍረ ኼፍሪ ኸሎ፡ ብዙሓት መንፈሳውያን ኣወዳትን ኣዋልድን ብምርካብ ይባረኻ እየን።—ማር. 10:29, 30፣ 1 ተሰ. 2:7, 8

ሎሊ ን14 ዓመት ኣብ ዕዮ ፈላምነት ድሕሪ ምክፋላ ኸምዚ በለት፦ “ፈላምነት ንህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልዎ ገይሩ እዩ። ንጽል ሓብቲ ብምዃነይ፡ ህይወተይ ብስራሕ ትሑዝ እዩ፣ እዚ ኸኣ ጽምዋ ንኸይስምዓኒ ሓጊዙኒ እዩ። ሰባት ብኣገልግሎተይ ናይ ሓቂ ሓገዝ ኪረኽቡ ኽርኢ ኸለኹ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕግበት ይስምዓኒ። እዚ ኸኣ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣለይ።”

ብዙሓት ኣሓት ሓድሽ ቋንቋ ተማሂረን፡ ቋንቋ ወጻኢ ንዚዛረቡ ሰባት ብምስባኽ ከኣ ኣገልግሎተን ኣስፊሐን እየን። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣና፡ “ኣብታ ዝነብረላ ኸተማ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወጻእተኛታት ኣለዉ” በለት። ነቶም ፈረንሳይኛ ዚዛረቡ ሰባት ምስባኽ ባህ እዩ ዜብላ። “ምስ ብዙሓት ክዘራረብ ዘኽእለኒ ሓድሽ ቋንቋ ስለ እተመሃርኩ፡ ሓድሽ መዳይ ኣገልግሎት ከፊቱለይን ዕዮ ስብከት ባህ ዜብል ኰይኑለይን እዩ” ኢላ ተዛረበት።

ንጽል ሰብ ብዙሕ ሓላፍነት ስለ ዘይብሉ፡ ገሊኦም ነዚ ዅነታቶም ተጠቒሞም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ የገልግሉ ኣለዉ። ሊድያና ዝስማ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሜኣ እትርከብን ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ሃገራት ከይዳ እተገልግልን ንጽል ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ዕዮ የሆዋ ዝያዳ ብዝዓየኻ መጠን፡ ብቐሊሉ ናይ ቀረባ ፈተውቲ እተጥርን ተፈቃርን ከም ዚገብረካ ኣጸቢቐ እኣምን እየ። ምስ እተፈላለየ ኣተዓባብያን ዜግነትን ዘለዎም ሰባት ተመሓዝየ እየ፣ እዚ ኸኣ ህይወተይ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ገይሩ እዩ።”

ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ፡ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ከም ዝነበራኦ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ግብ. 21:8, 9) ንሳተን እውን ከም ኣቦአን ኣብ ኣገልግሎት ቅንኣት ነይርወን ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ እተዋህበን ናይ ምንባይ ክእለት ንጥቕሚ እቶም ኣብ ቂሳርያ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾተን ተጠቒመናሉ ኪዀና ይኽእላ እየን። (1 ቈረ. 14:1, 3) ሎሚ እውን ብዙሓት ንጽል ኣሓት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲረን ብምእካብን ሓሳብ ብምሃብን ንኻልኦት ይሃንጻኦም እየን።

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ልድያ ዝስማ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ክርስትያን፡ ተቐባሊት ጋሻ ብምንባራ መጽሓፍ ቅዱስ ይንእዳ እዩ። (ግብ. 16:14, 15, 40) እዛ ንጽል ወይ መበለት ክትከውን እትኽእል ሓብቲ ናይ ልግሲ መንፈስ ተርኢ ነበረት፣ እዚ ኸኣ ምስ ከም እኒ ጳውሎስን ሲላስን ሉቃስን ዝኣመሰሉ ገየሽቲ ሓለውቲ ጽቡቕ ምሕዝነት ከም ዚህልዋ ገበረ። ሎሚ እውን ከምዚ ዓይነት መንፈስ ምንጽብራቕ ተመሳሳሊ በረኸት እዩ ዜምጽእ።

ነቲ ኽትፍቀር ናይ ምድላይ ስምዒት ምዕጋብ

ህይወትና ትርጕም ከም ዚህልዎ ዚገብር ንጥፈታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቕሪ ኽንረክብ እውን ንደሊ ኢና። ንጽል ዝዀኑ ሰባት ፍቕሪ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ቅድም ቀዳድም፡ የሆዋ ኼፍቅረናን ኬበርትዓናን ኪሰምዓናን ወትሩ ድሉው እዩ። ንጉስ ዳዊት ሓድሓደ እዋን ‘በይኑን ሽጉርን’ ከም ዝዀነ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ኵሉ ግዜ ኻብ የሆዋ ደገፍ ኪረክብ ከም ዚኽእል ግን ይፈልጥ ነበረ። (መዝ. 25:16፣ 55:22) “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 27:10) ኣምላኽ ንዅሎም ኣገልገልቱ ናብኡ ኪቐርቡን ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ኪዀኑን ዓዲምዎም ኣሎ።—መዝ. 25:14፣ ያእ. 2:23፣ 4:8

ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ንህይወትና ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ዚገብሩ መንፈሳውያን ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ ኣሕዋት፡ ከምኡውን ኣሓት ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 19:29፣ 1 ጴጥ. 2:17) ብዙሓት ንጽል ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ኣብነት እታ “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ዝነበረት ዶርቃስ ብምስዓብ፡ ዓብዪ ዕግበት ይረኽቡ እዮም። (ግብ. 9:36, 39) ሎሊ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ ዚፈትዉንን ክድቈስ ከለኹ ዚድግፉንን ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኣብ ጉባኤ አናዲ እየ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምሕዝነት ንምድልዳል ንኻልኦት ፍቕርን ተገዳስነትን ከርኢ እጽዕር እየ። ኣብ ሸሞንተ ጉባኤ ኣገልጊለ እየ፡ ኵሉ ግዜ ድማ ናይ ሓቂ ፈተውቲ እረክብ እየ። መብዛሕትኡ ግዜ መሳቱአይ ኣይኰናን፣ ገሊአን ክንዲ እኖሓጎታተይ ኪዀና ኸለዋ፡ ገሊአን ከኣ ጐራዙት እየን።” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ፍቕርን ምሕዝነትን ዜድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ልባዊ ተገዳስነት ምርኣይ፡ ዓብዪ ሓገዝ ኪዀኖም ይኽእል እዩ፣ ነቲ ንኸነፍቅርን ንኽንፍቀርን ዘሎና ድሌት ድማ የዕግበልና።—ሉቃ. 6:38

ኣምላኽ ኣይርስዕን እዩ

ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጽንኩር ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵሎም ክርስትያናት ብእተፈላለየ መገዲ መስዋእቲ ኪኸፍሉ ኸም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (1 ቈረ. 7:29-31) እቶም ብጐይታ ጥራይ ኪምርዓዉ ንእተዋህቦም መለኮታዊ ትእዛዝ ኪእዘዙ ብምውሳኖም ንጽል ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ፍሉይ ኣኽብሮትን ናእዳን ይግብኦም እዩ። (ማቴ. 19:12) ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዚነኣድ መስዋእቲ ስለ ዝገበሩ፡ ብሓቂ ሕጉሳት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም ማለት ኣይኰነን።

ሊድያና ኸምዚ በለት፦ “ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብን ኣገልግሎቱን እተመስረተ ዜሐጕስ ህይወት እየ ዝነብር። ሕጕሳት ዝዀኑን ዘይኰኑን ሰብ ሓዳር እፈልጥ እየ። እዚ ኸኣ ሓጐሰይ ኣብ ምምርዓወይን ዘይምምርዓወይን እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ኣእሚኑኒ እዩ።” ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ሓጐስ ብቐንዱ ንኻልኦት ኣብ ምሃብን ኣብ ምግልጋልን እተመርኰሰ እዩ፣ እዚ ድማ ኵሎም ክርስትያናት ኪገብርዎ ዚኽእሉ እዩ።—ዮሃ. 13:14-17፣ ግብ. 20:35

ቀንዲ ምንጪ ሓጐስና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ምስ እንገብር፡ የሆዋ ኸም ዚባርኸና ምፍላጥና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ የረጋግጸልና።—እብ. 6:10

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብዚ ንክርስትያናት ኣሓት እኳ እንተ ጠቐስና፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግን ኣብ ኣሕዋት እውን ይውዕል እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“በቲ ዘሎኒ እየ ዝሕጐስ እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዘይብለይ ነገር ኣይሓልምን።”—ካርመን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሎሊን ሊድያናን ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ የገልግላ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንዅሎም ኣገልገልቱ ናብኡ ኪቐርቡ ይዕድሞም