ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝነት ምሃብ ስለምንታይን ብኸመይን፧

መዝነት ምሃብ ስለምንታይን ብኸመይን፧

መዝነት ምሃብ ስለምንታይን ብኸመይን፧

መዝነት ምሃብ፡ ምድርና ኸይተፈጥረት ከላ ኣትሒዙ ዝጀመረ እዩ። የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ንዕኡ ኸም “ሰራሕተኛ” ገይሩ ብምጥቃም ንዅሉ ፍጥረት ፈጠረ። (ምሳ. 8:22, 23, 30፣ ዮሃ. 1:3) ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም፡ “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ኢሉ ነገሮም። (ዘፍ. 1:28) ንብምልእቲ ምድሪ ኸም ገነት ኤድን ኪገብርዋ እዩ መዝነት ሂብዎም። እወ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ መዝነት ምሃብ ወይ ሓላፍነት ምክፋል መለለዪ ውድብ የሆዋ ዀይኑ እዩ ጸኒሑ።

መዝነት ምሃብ እንታይ የጠቓልል፧ ክርስትያን ሽማግለታት እተወሰነ ሓላፍነታት ጉባኤ ንኻልኦት ኬካፍልዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ነዚኸ ብኸመይ ኪገብርዎ ይኽእሉ፧

መዝነት ምሃብ እንታይ ማለት እዩ፧

“ምምዛዝ” ኪበሃል ከሎ፡ “ሓላፍነት ምሃብ፣ ንሓደ ሰብ፡ ሓደ ነገር ንኺፍጽም ትእዛዝ ምሃብ፣ ምምዳብ” ማለት እዩ። (ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ) ስለዚ እምበኣር፡ መዝነት፡ ካልኦት ኣብ ሓደ ዕማም እጃሞም ከም ዜበርክቱ ምግባር የጠቓልል። እዚ ኸኣ ስልጣን ናብ ምክፋል ይመርሕ።

እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ መዝነት እተዋህቦም ሰባት፡ ዕዮኦም ኪፍጽሙ፡ ብዛዕባኡ ጸብጻብ ኪህቡ፡ ከምኡውን መብዛሕትኡ እዋን ነቶም መዝነት ዝሃብዎም ኬማኽሩ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ዕዮ ንኺዕየ መዝነት ዝሃበ እተሸመ ሓው እዩ ብሓላፍነት ዚሕተት። እቲ ዕዮ ማዕረ ኽንደይ ከም እተዓየየ ኺከታተልን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምኽሪ ኺህብን ኣለዎ። ገሊኦም ሰባት ግን፡ ‘እቲ ዕዮ ባዕልኻ ኽትገብሮ እናኸኣልካ ንኻልኦት መዝነት ምሃብ ስለምንታይ ኣድለየ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ።

መዝነት ምሃብ—ስለምንታይ፧

የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ኺፈጥሮ ኸሎን ኣብቲ ናይ ፍጥረት ዕዮ ምስኡ ንኺካፈል ኪምዝዞ ኸሎን እሞ ሕስብ ኣብሎ። እወ፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ . . . ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ።” (ቈሎ. 1:16) ፈጣሪ ንዅሉ ነገር ባዕሉ ኺገብሮ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ወዱ ነቲ ውጽኢታዊ ዝዀነ ዕዮ ብምዕያይ ምስኡ ኺሕጐስ ወሰነ። (ምሳ. 8:31) በዚ ኸምዚ እቲ ወዲ ብዛዕባ ባህርያት ኣቦኡ ዝያዳ ኺመሃር ከኣለ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሓደ ወዱ ንምስልጣን፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቕመሉ።

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ኣብነት ኣቦኡ ብምቕዳሕ ንኻልኦት መዝነት ሃበ። ንደቀ መዛሙርቱ ቐስ ብቐስ ኣሰልጠኖም። ፈለማ ን12 ሃዋርያቱ፡ ጸኒሑ ኸኣ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ቐቅድሚኡ ኺሰብኩ ለኣኾም። (ሉቃ. 9:1-6፣ 10:1-7) ኣብቲ ደቀ መዛሙርቱ ኣቐዲሞም እተላእኩሉ ቦታታት ምስ በጽሐ ድማ ጽቡቕ መሰረት ተነቢሩ ይጸንሖ ነበረ። ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ ነቶም ዘሰልጠኖም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እውን ዜጠቓልል ከቢድ መዝነት ሃቦም።—ማቴ. 24:45-47፣ ግብ. 1:8

መዝነትን ስልጠናን ምሃብ መለለዪ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀነ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም” በሎ። (2 ጢሞ. 2:2) እወ፡ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት ንኻልኦት ኬሰልጥኑ፡ እቶም ዝሰልጠኑ ኸኣ ብግዴኦም ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም።

ሓደ ሽማግለ ገለ ኻብቲ እተዋህቦ ዕዮ ኺዓይዎ ንኻልኦት መዝነት ብምሃብ፡ ካብቲ ብምምሃርን ብጕስነትን ዚርከብ ሓጐስ ከም ዚካፈሉ ኺገብር ይኽእል እዩ። ሽማግለታት፡ ሰባት ዘለዎም ክእለት ድሩት ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው እውን፡ ካልኦት ኣብ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ኪሕግዝዎም ኪሓቱ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ይብል። (ምሳ. 11:2) ትሕትና፡ ዓቕምኻ ምፍላጥ ተጠቓልል። ኵሉ ነገር ባዕልኻ ኽትገብሮ እንተ ደኣ ፈቲንካ፡ ኣዚኻ ኽትደክምን ምስ ስድራኻ እተሕልፎ ግዜ ኽትስእንን ትኽእል ኢኻ። ብርግጽ እምበኣር፡ ሓላፍነትካ ንኻልኦት ምክፋል ጥበባዊ እዩ። ንሓደ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኰይኑ ዜገልግል ሓው እሞ ኸም ኣብነት ንርአ። ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሩ ንኻልኦት ሽማግለታት ይሓትት ይኸውን። እቶም ሽማግለታት ነዚ ኺምርምሩ ኸለዉ፡ ንገንዘባዊ ዅነታት እታ ጉባኤ ኺፈልጡ ይሕግዞም።

መዝነት ምሃብ፡ ካልኦት ኣድላዪ ኽእለትን ተመክሮን ንኺረኽቡ የኽእሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓላፍነት ዜካፍል ሰብ ንዓቕሚ እቶም መዝነት እተዋህቦም ኣሕዋት ንኺዕዘብ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ሓላፍነታቶም ብምክፋል፡ እቶም ኣገልገልቲ ጉባኤ ንኪዀኑ ትጽቢት ዚግበረሎም ኣሕዋት ብቑዓት እንተ ዀይኖም ይምርምሩ።—1 ጢሞ. 3:10

ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ሓላፍነቶም ኬካፍሉ ኸለዉ፡ ንኻልኦት ከም ዚኣምንዎም እዮም ዜርእዩ። ጳውሎስ ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ምስ ጢሞቴዎስ ሓቢሩ ብምዕያይ ኣሰልጠኖ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ጥብቂ ርክብ ማዕበለ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ” ኢሉ ጸውዖ። (1 ጢሞ. 1:2) ብተመሳሳሊ፡ የሆዋን የሱስን ንዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ሓቢሮም ብምዕያዮም፡ ድልዱል ርክብ መስሪቶም እዮም። ሽማግለታት እውን ሓላፍነታቶም ብምክፋል፡ ምስ ካልኦት ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኦም ሰጋእ መጋእ ዚብልሉ ምኽንያት

ገሊኦም ሽማግለታት፡ ንኻልኦት መዝነት ምሃብ ዘለዎ ጥቕሚ ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓላፍነቶም ዚንኪ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ከምኡ ምግባር ይፈርሁ። ኵሉ ነገር ንሳቶም ጥራይ ኪቈጻጸርዎ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ኰይኑ ግን፡ የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብቲ ንሱ ዝገበሮ ንላዕሊ ኸም ዚፍጽሙ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘሰከሞም ዘክር።—ማቴ. 28:19, 20፣ ዮሃ. 14:12

ገሊኦም ሽማግለታት ቅድሚ ሕጂ ንኻልኦት መዝነት እኳ እንተ ሃቡ፡ ዜዕግብ ውጽኢት ኣይረኸቡን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ባዕሎም ብዝሓሸን ብዝቐልጠፈን መገዲ ኺዓይዎ ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ኣብነት ጳውሎስ እስከ ንርአ። መዝነት ምሃብ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ዚስልጥን ሰብ ወትሩ ኸምቲ እተጸበዮ ኪኸውን ከም ዘይክእል እውን ይፈልጥ ነበረ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ፡ ነቲ ማርቆስ ዚበሃል መንእሰይ መገላግልቱ ኣሰልጠኖ። ማርቆስ ዕዮኡ ሓዲጉ ናብ ቤቱ ስለ እተመልሰ፡ ጳውሎስ ኣዝዩ ጐሃየ። (ግብ. 13:13፣ 15:37, 38) እዚ ዅነታት እዚ ግን ንኻልኦት ካብ ምስልጣን ኣይዓገቶን። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ነቲ መንእሰይ ክርስትያን ዝነበረ ጢሞቴዎስ መጋይሽቱ ኪኸውን ዓደሞ። ጢሞቴዎስ ከቢድ ሓላፍነታት ንኺስከም ድሉው ምስ ኰነ፡ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ሓደጎ፣ ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንኺሸይም ድማ መዝነት ሃቦ።—1 ጢሞ. 1:3፣ 3:1-10, 12, 13፣ 5:22

ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ገሊኦም ጽቡቕ ምላሽ ብዘይምሃቦም ንኻልኦት ኣሕዋት ካብ ምስልጣን ድሕር ምሕር ኪብሉ የብሎምን። ንኻልኦት ምእማን ኰነ ምስልጣን ኣገዳስን ጥበባውን እዩ። እሞኸ ሽማግለታት ንኻልኦት መዝነት ኪህቡ ኸለዉ ኣብ ግምት ኬእትውዎ ዘለዎም ነገር እንታይ እዩ፧

መዝነት እትህበሉ መገዲ

ሓላፍነት ከተካፍል ከለኻ፡ ንብቕዓት እቶም ሓላፍነት እተካፍሎም ኣሕዋት ኣብ ግምት ኣእቱ። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ምምቃል ምግቢ ዕለት ዚኣልዮ ምስ ኣድለየ፡ እቶም ሃዋርያት፡ “ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ” ሓረዩ። (ግብ. 6:3) እሙን ንዘይኰነ ሰብ ሓደ ዕዮ እንተ ሂብካዮ፡ ብዚግባእ ኪፍጽሞ ኣይክእልን ይኸውን። ስለዚ፡ ፈለማ ንኣሽቱ ዕዮታት ሃብ። ሓደ ሰብ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዮታት እሙን ምዃኑ እንተ ኣመስኪሩ፡ ካልእ ተወሳኺ ሓላፍነታት ኪስከም ይኽእል ይኸውን።

ካልእ ኣብ ግምት ዚኣቱ ነገር እውን ኣሎ። ባህርያት፡ ክእለት፡ ከምኡውን ተመክሮ ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ሓደ ተቐራብን ፍሽሑውን ዝዀነ ሓው፡ ኣአንጋዲ ዀይኑ ኺዓዪ፡ ሓደ ጽፉፍን ስሉጥን ዝዀነ ኣሰራርሓ ዚሰርሕ ሓው ከኣ ንጸሓፊ ጉባኤ ኺሕግዞ ይኽእል ይኸውን። ናይ ምጽብባቕ ክእለት ዘለዋ ሓብቲ ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን ዕምባባታት ኣብ ምድላው ክትሕግዝ ትኽእል እያ።

ሓላፍነት ከተካፍል ከለኻ፡ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ብግልጺ ሓብር። ዮሃንስ መጥምቕ ናብ የሱስ ልኡኻት ቅድሚ ምልኣኹ፡ እንታይ ኪፈልጥ ከም ዚደልን እንታይ ኢሎም ኪሓቱ ኸም ዘለዎምን ነገሮም። (ሉቃ. 7:18-20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ የሱስ ንተረፍ እቲ ብተኣምራዊ መገዲ እተረኽበ ምግቢ ኺእክብዎ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግሮም ከሎ፡ ዝርዝር ነገራት ኣይተዛረበን። (ዮሃ. 6:12, 13) ስለዚ፡ ነቲ ዅነታት ዚውስኖ፡ ባህርይ እቲ ዕዮን ክእለት እቲ መዝነት ዚወሃቦ ሰብን እዩ። እቲ ሓላፍነት ዜካፍል ሰብ ኰነ ነቲ ዕዮ ዚዓዪ ሰብ፡ እንታይ ኪዕየ ተደልዩ ኸም ዘሎን ክንደይ ሳዕ ጸብጻብ ኪወሃበሉ ኸም ዘለዎን ኪፈልጡ ኣለዎም። ነቲ ዕዮ ዝዓዮ ሰብ ዘለዎ ውሳነ ናይ ምግባር ናጽነት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ እውን ኪፈልጡ ኣለዎም። ኣብ ሓደ ምዱብ ዕለት ኪውዳእ ዘለዎ ዕማም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ዕዮ ዚዛዘመሉ ዕለት ባዕልኻ ኻብ ምምዳብ፡ ምስቲ ዚሰርሖ ሰብ ተመያይጥካ ምውሳን ዜተባብዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ መዝነት እተዋህቦ ሰብ፡ ዜድልዮ ገንዘብን ናውትን ሓገዝን ኪረክብ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ እተዋህበ መዝነት ንኻልኦት ምንጋር ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ እውን እንተዀነ ንጴጥሮስ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ዝሃቦ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ እዩ። (ማቴ. 16:13-19) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ንሓደ ዕዮ ብሓላፍነት ዝመርሖ መን ምዃኑ ነታ ጉባኤ ምንጋር፡ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ጥንቁቕ ምዃን እውን ኣድላዪ እዩ። ነቲ ንሓደ ሰብ ብሓላፍነት ዝሃብካዮ ዕዮ ባዕልኻ ኽትቈጻጸሮ ትጽዕር እንተ ደኣ ዄንካ፡ “ኣይኣምነካን እየ” ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ እዋን እቲ ውጽኢት ከምቲ እተጸበኻዮ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ሓላፍነት ዘካፈልካዮ ሓው እተወሰነ ናጽነት እንተ ሂብካዮ፡ ምትእምማንን ተመክሮን ኬጥሪ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ግዲ ዘይብልካ ትኸውን ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ንወዱ ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ንኺዓዪ መዝነት ሂብዎ ኽነሱ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ዕዮ ተኻፊሉ እዩ። ነቲ ወሓለ ሰራሕተኛ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” በሎ። (ዘፍ. 1:26) ስለዚ፡ ብቓልካን ብተግባርካን ነቲ ዕዮ ደግፎ፡ ነቲ ሰብ ከኣ ስለቲ ዝገበሮ ጻዕሪ ንኣዶ። ብዛዕባ እቲ እተረኽበ ውጽኢት ኣሕጽር ኣቢልካ ምንጋርካ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። እቲ ዕዮ ብዚግባእ እንተ ደኣ ዘይተዓይዩ፡ ተወሳኺ ምኽርን ሓገዝን ንምሃብ ሰጋእ መጋእ ኣይትበል። ወሃብ እቲ መዝነት ንስኻ ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ መወዳእታ ተሓታቲ ምዃንካ ኣይትረስዕ።—ሉቃ. 12:48

ብዙሓት ኣሕዋት፡ እቶም ዚግደሱሎም ሽማግለታት ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ስለ ዘካፈልዎም፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺቦም እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ሽማግለታት ንኣርኣያ የሆዋ ብምስዓብ፡ ስለምንታይን ብኸመይን መዝነት ከም ዚህቡ ኺፈልጡ ኣለዎም።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

መዝነት ምሃብ፦

• ካልኦት ዕውት ስራሕ ካብ ምስራሕ ሓጐስ ኪረኽቡ መገዲ ይኸፍት

• ዝያዳ ዕዮ ንኺዕየ ኣጋጣሚ ይህብ

• ጥበብን ትሕትናን የንጸባርቕ

• ንኻልኦት ንምስልጣን መገዲ ይኸፍት

• ንኻልኦት ከም እትኣምኖም ከተርኢ ኣጋጣሚ ይህብ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

መዝነት እትህበሉ መገዲ

• ነቲ ዕዮ ዚበቅዕ ሰብ ሕረ

• ብግልጺ ተዘራረብ

• እንታይ ኪዕየ ኸም እተደልየ ብንጹር ግለጽ

• ዜድሊ ነገራት ኣማልእ

• ብዛዕባ እቲ ዕዮ ተገደስ፡ ነቲ ሰብ ከም እትኣምኖ ኸኣ ኣርኢ

• ሓላፍነት ክትወስድ ፍቓደኛ ኹን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

መዝነት ምሃብ፡ ሓደ ዕዮ ንኻልእ ምምዳብን ነቲ እተገብረ ዕቤት ምክትታልን የጠቓልል