ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ሰቢኹ ኽነሱ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣይሁድን መራሕቶምን ንየሱስ “ብዘይ ፍልጠት” ከም ዘቕተልዎ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧—ግብ. 3:17

ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ነቲ መሲሕ ኣብ ምቕታል ብዛዕባ ዝነበሮም እጃም ንኣይሁድ ኪዛረቦም ከሎ፡ “ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ አሎኹ” በሎም። (ግብ. 3:14-17) ገሊኦም ኣይሁድ ንየሱስን ንትምህርትታቱን ኣይተረድእዎን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ግን፡ ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ባህጊ ስለ ዘይነበሮምን ዘይፍትሓውያን ስለ ዝዀኑን ከምኡውን ቅንእን ክቱር ጽልእን ስለ ዝነበሮም እዮም ነቲ መሲሕ ዕሽሽ ኢሎምዎ።

ብዙሓት ንየሆዋ ኼሐጕሱ ባህጊ ዘይምሕዳሮም፡ ንትምህርትታት የሱስ ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ብኸመይ ከም ዝጸለዎም እስከ ንርአ። የሱስ መብዛሕትኡ እዋን ብምሳሌታት ይምህር፡ ነቶም ዝያዳ ኺመሃሩ ዚደልዩ ዝነበሩ ኸኣ ትርጕሙ ይገልጸሎም ነበረ። ገሊኦም ግን ብዛዕባ እቲ ዝበሎ ኺርድኡ ኣይጽዕሩን እዮም ነይሮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እሞ ኸኣ ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ እውን ከይተረፉ፡ በቲ የሱስ እተዛረቦ ስእላዊ ዘረባ ጕህዮም እዮም። (ዮሃ. 6:52-66) እቲ የሱስ እተዛረቦ ምስላ፡ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ንኪቕይሩ ማዕረ ኽንደይ ቅሩባት ከም ዝዀኑ ዚፍትን ምንባሩ ኣይተረድእዎን። (ኢሳ. 6:9, 10፣ 44:18፣ ማቴ. 13:10-15) እቲ መሲሕ ኪምህር ከሎ ምሳሌታት ከም ዚጥቀም ንዚገልጽ ትንቢት እውን ዕሽሽ በልዎ።—መዝ. 78:2

ገሊኦም ንትምህርትታት የሱስ ዝነጸግዎ፡ ብሰንኪ እቲ ንዕኡ ዝነበሮም ጽልኢ እዩ። ኣብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት ኣብ ዝነበረት ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ፡ እቶም ህዝቢ ብእኡ “ተገረሙ።” ንየሱስ ከም መሲሕ ኣብ ክንዲ ዚቕበልዎ ግን፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኡ ኸምዚ ዚብል ሕቶታት ኣቕረቡ፦ “ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ . . . እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧” (ማር. 6:1-3) የሱስ ኣብ ትሑት መነባብሮ ምዕባዩ፡ ሰብ ናዝሬት ንትምህርትታቱ ዋጋ ዘይብሉ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ገበሮም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖትከ፧ መብዛሕትኦም በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያታት ንየሱስ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። (ዮሃ. 7:47-52) የሱስ ካብቶም ህዝቢ ብዙሕ ተቐባልነት ብምርካቡ ስለ ዝቐንኡ እውን ንትምህርትታቱ ነጸግዎ። (ማር. 15:10) ነቶም ተፈላጥነት ዝነበሮም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዜርእይዎ ዝነበሩ ግብዝነትን ምትላልን ምስ ኰነኖም፡ ኣዝዮም ሓረቑ። (ማቴ. 23:13-36) ደይ መደይ ኢሎም ሸለልትነት ስለ ዘርኣዩ፡ “ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም [ናብ መንግስቲ ኣምላኽ] ኣይአቶኹምን፡ ነቶም ኪአትዉ ዝደልዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም” ኢሉ ኺወቕሶም እምበኣር ሓቁ እዩ ነይሩ።—ሉቃ. 11:37-52

የሱስ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ነቲ ብስራት ኣብታ ሃገር ሰበኸ። ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓዩ ኸኣ ንብዙሓት ኣሰልጠነ። (ሉቃ. 9:1, 2፣ 10:1, 16, 17) ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዮም ውጽኢታውያን ብምንባሮም፡ ፈሪሳውያን፡ “እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ” ኢሎም ብምረት ተዛሪቦም እዮም። (ዮሃ. 12:19) ስለዚ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት ኣይነበሮምን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ኣብ ምቕባል ዝመጸ፡ “ብዘይ ፍልጠት” ነይሮም ወይ ምሉእ ፍልጠት ኣይነበሮምን ኪበሃል ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝነበሮም ፍልጠትን ንዕኡ ዘለዎም ፍቕርን ዝያዳ ኼስፍሑ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምኡ ግን ኣይገበሩን። ገሊኦም የሱስ ንኪቕተል ተሓባበሩ። ስለዚ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ “እምብኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን” ኢሉ ኣተባብዖም። (ግብ. 3:19, 20) ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ፡ እንተላይ “ብዙሓት ካብ ካህናትውን” ነዚ ኼድህብሉ ምጅማሮም ዜደንቕ እዩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ብዘይ ፍልጠት ኣይተመላለሱን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ተነሲሖም ስምረት የሆዋ ረኸቡ።—ግብ. 2:41፣ 4:4፣ 5:14፣ 6:7