ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ

1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእለሉ መገድታት

1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ

ኒንፋ እትብሃል ኣብ ኢጣልያ እትነብር ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “ቅድሚ ምድቃሰይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብበሉ እዋን ነይሩ እዩ። ቃል ኣምላኽ ምዃኑ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ እየ ኸምዚ ዝገብር ነይረ፣ ምንባብ ዘይፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝጸሓፈ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ። ንብምሉኡ ኸንብቦ ኸኣ ሓሰብኩ። ኣብ ፈለማ ምንባቡ ቐሊል ኰይኑለይ ነበረ፡ ንምርዳኡ ኸቢድ ዝዀነ ጸብጻባት ምስ ረኸብኩ ግን ምንባብ ኣቋረጽክዎ።”

ንስኻኸ ምስ ናይ ኒንፋ ዚመሳሰል ተመክሮ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ከምዚ የጋጥሞም እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንቓሉ ኽትርድኦ ይደልየካ እዩ። እሞኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምርዳእ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ምሕታት እዩ።

ሃዋርያት የሱስ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ራቢ ሃይማኖታዊ ስልጠና ስለ ዘይወሰዱ፡ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ጌርካ ይረኣዩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) የሱስ ግን ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋገጸሎም። ብኸመይ፧ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም . . . እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 14:26) ኣምላኽ ነዚ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ተጠቒሙ ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉ ነገራትን ፈጠረ። (ዘፍጥረት 1:2) ብዘይካዚ፡ ኣርብዓ ዝዀኑ ጸሓፍቲ፡ ሓሳባቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼስፍሩ ብመንፈስ ቅዱሱ ደረኾም። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) እዚ መንፈስ እዚ፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኡ ዚደልዩ ሰባት እውን ይሕግዞም እዩ።

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ክትቅበል ትኽእል፧ ብእምነት ክትልምን ኣሎካ። አረ ብቐጻሊ ምልማን እውን ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ለምኑ ኺውሀበኩም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ኢሉ ተዛረበ። (ሉቃስ 11:9, 13) የሆዋ ነቶም ብቕንዕና ዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም እዩ። እዚ ንጡፍ ሓይሊ እዚ፡ ንትርጕም እቲ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓያል መልእኽቲ ኣብ ህይወትካ ተግባራዊ ኽትገብሮ ዚሕግዝ ጥበብ እውን ኪህበካ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 4:12፣ ያእቆብ 1:5, 6

ስለዚ፡ ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ቃሉ ንኺርድኣካ ዚሕግዝ መንፈስ ቅዱስ ኪህበካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ።