ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2. ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ

2. ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእለሉ መገድታት

2. ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ

ዓርክኻ ብዛዕባ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ኣሉታዊ ነገራት ነጊሩካዶ ይፈልጥ፧ ነቲ ዘይትፈልጦ ሰብ ምስ ረኸብካዮ፡ እቲ ዓርክኻ ዝነገረካ ኣሉታዊ ነገራት ንተውህቦን ጽቡቕ ባህርያትን እቲ ሰብ ንኸይትርኢ ጽልዋ ኣሕዲሩልካዶ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥም ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ዘይምንባብ ብዛዕባ ዜስዕቦ ጸገም ኣጠንቀቐ። ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ብዚምልከት፡ “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 10:2

ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ መንነት እቲ መሲሕ ዚገልጽ ሓቂ ንምቕባል ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። የሱስ ብዓል ናዝሬት ንነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ መግለጺታትን ትንቢታትን ዜማልእ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ መብዛሕትኦም ደቂ ዓዱ ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮም ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያ ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ ኣይከኣሉን።

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ። ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድን ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያን ንሓደ ኣንባቢ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ንኸይርዳእ ኪዓግቶ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕትታት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣዊ ኣረኣእያ ዝሓዘ፡ ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ፡ ከምኡውን ንመገዲ ህይወትና ዚኸውን ዜተኣማምን መምርሒ ዘይብሉ መጽሓፍ እዩ” ኢሉ ገለጾ። ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም “ሰብኣዊ ኣረኣእያ ዝሓዘ” መጽሓፍ ገይሩ ዜንብቦ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዘይሰማምዓሉ መምርሒ ወይ ስርዓት ንኺነጽጎ ደይኰነን ዚድረኽ፧

ብኣንጻሩ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንቓል ኣምላኽ ብትግሃት ከነጽንዕ የተባብዓና እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ንስኻ እውን ልክዕ ከምዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ምርዳእ ንዚሽፍን ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ወይ ነቐፌታ ኸተወግድ የድልየካ ይኸውን። ስለዚ እምበኣር፡ ናይቲ ደራሲኡ ዜደንቕ መልእኽቲ ኽትፈልጥ ብምህንጣይ ንቓል ኣምላኽ ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ።