ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ፧

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ፧

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ፧

ብሰላም ዲኻ ትነብር ዘለኻ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ሰላም ከም ዘይብሎም ይዛረቡ እዮም። ውግእ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ወይ ግብረ-ሽበራ ኣብ ዝበዝሖ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣየጓነፈካን ይኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ብሰንኪ ገበን፡ መጥቃዕቲ፡ ከምኡውን ምስ መሳርሕትን ጐረባብትን ብዜጋጥም ባእሲ ሰላምካ ኺዝረግ ይኽእል እዩ። ስድራ ቤታት እውን ናይ ሰላም ቦታ ኣብ ክንዲ ዝዀና፡ ዓውደ ውግእ እየን ኰይነን ዘለዋ።

ብዙሓት ሰባት ውሽጣዊ ሰላም ኪረኽቡ ሃረር እዮም ዚብሉ። ነዚ ንምርካብ ከኣ ኣብ ሃይማኖትን ብዛዕባ ምስትንታን ኣብ ዚምህሩ ሰሚናራትን ይካፈሉ ወይ ዮጋ የዘውትሩ። ገሊኦም ከኣ ዕረፍቲ ወሲዶም ናብ ኣኽራን፡ በረኻታት፡ ወይ ማይ ውዑይ ናብ ዘለዎ ቦታታት ብምኻድ ካብ ተፈጥሮ ሰላም ኪረኽቡ ተስፋ ይገብሩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ውሽጣዊ ሰላም ዝረኽቡ እኳ እንተ መሰሉ፡ ነባሪ ግን ኣይኰነን።

ናይ ሓቂ ሰላም ደኣ ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ምንጪ ሰላም እዩ። ስለምንታይ፧ “ኣምላኽ ሰላም” ስለ ዝዀነ እዩ። (ሮሜ 15:33) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ድሕሪ ቐረባ ግዜ እትመጽእ መንግስቱ “ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።” (መዝሙር 72:7፣ ማቴዎስ 6:9, 10) እዚ ኻብቲ ደቂ ሰብ ብስምምዕ ኬምጽእዎ ዚጽዕሩ ሰላም ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዜምጽእዎ ሰላም ቀጻልነት የብሉን። ሰላም ኣምላኽ ግን ንዅሉ ጠንቂ ውግእን ህውከትን ኬወግዶ እዩ። አረ ውግእ ዚመሃር እውን ኣይኪህሉን እዩ። (መዝሙር 46:8, 9) ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ሰላም ኪሰፍን እዩ።

እዚ ተስፋ እዚ ኣዝዩ ባህ ዜብል እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ እተወሰነ ሰላም ክትረክብ ግን ሃረር ትብል ትኸውን። ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ እዋን እዚ፡ ውሽጣዊ ሰላም ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እቲ ዜሐጕስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብ እንኽእለሉ መገዲ ይሕብረና እዩ። ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዚርከብ እተወሰነ መምርሒ እስከ ንርአ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኻብ ቍጽሪ 4 ኽሳዕ 13 ኸተንብብ ንዕድመካ።

“ሰላም ኣምላኽ”

ኣብ ቍጽሪ 7፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ዚብል ነንብብ። እዚ ሰላም እዚ፡ ብምስትንታን ወይ ናይ ባህርይ ለውጢ ብምግባር ጥራይ ዚመጽእ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ዚርከብ። እዚ ሰላም እዚ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ “ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ” ተባሂሉ ኣሎ። ብርግጽ ከኣ ካብ ኵሉ ጭንቀትናን ድሩት ፍልጠትናን ግጉይ ኣተሓሳስባናን ዚበልጽ እዩ። ዜጋጥመና ሽግራት መፍትሒ ዘይብሉ ዀይኑ ይረኣየና እኳ እንተ ዀነ፡ ሰላም ኣምላኽ ግን ልብና በቲ ሓደ መዓልቲ ዅሉ ጸገማትና ኺውገድ ምዃኑ ዚገልጽ ጽኑዕ ተስፋ ኸም ዚምላእ ይገብር።

እዝስ ዘይከኣል ድዩ፧ ብሰብ ዘይከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ “ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ።” (ማርቆስ 10:27) ኣብ ኣምላኽ ምእማንን ምውካልን ንጭንቀትና ኽንቈጻጸሮ ይሕግዘና። ሓደ ኣብ ዕዳጋ ዝጠፍአ ቘልዓ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ዝገበረ ገይሩ ነዲኡ ኺረኽባ ኸም ዘለዎ፡ ንዓኣ እንተ ረኺቡ ድማ ምንም ከም ዘይከውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ልክዕ ከምቲ እታ ኣደ ነቲ ቘልዓ ምስ ረኸበቶ ሕቝፍ እተብሎ፡ ኣምላኽ እውን ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ዚሓቝፈና ንተኣማመን ኢና። ኬህድኣና፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንዅሉ ጭንቀትና ኼወግዶ እዩ።

ብዙሓት ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተናታት እውን እንተ ዀነ፡ ሰላም ኣምላኽ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ናዲን እትብሃል ዘይተወልደ ዕሸል ዝሞታ ኣደ እሞ ንርአ። ከምዚ በለት፦ “ብዛዕባ ስምዒታተይ ምዝራብ ኣዝዩ እዩ ዚኸብደኒ፡ ኵሉ ግዜ ድማ ምንም ከም ዘይኰንኩ ኸምስል እየ ዝፍትን። ይኹን እምበር፡ መዓንጣይ ኵምትር እየ ዝብል። ዳርጋ ዅሉ መዓልቲ፡ የሆዋ ሓገዙ ንኺህበኒ ልበይ ኣፍሲሰ እልምኖ እየ። ኣብ ዝድቈሰሉን ‘ካብዚ ንላዕልስ ክጾሮ ኣይክእልን እየ’ ኢለ ኣብ ዝሓስበሉን እዋን፡ ውሽጣዊ ህድኣትን ሰላምን ስለ ዚስምዓኒ፡ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ርእየዮ እየ። ራህዋን ቅሳነት ከኣ ይስምዓኒ እዩ።”

ንልብኻን ንኣእምሮኻን ዚኸውን ዕቝባ

ንፊልጲ 4:7 እስከ ተመሊስና ንርኣያ። እታ ጥቕሲ፡ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ኪሕልዎ ምዃኑ ትገልጽ። ከምቲ ሓደ ሓላዊ ንሓደ ህንጻ ዚሕሉ፡ ሰላም ኣምላኽ እውን ስጋዊ ፍልስፍናን ዘየድሊ ጭንቀትን እኩይ ሓሳባትን ናብ ልብና ኸይኣቱ ይሕሉ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ሓጐስን ድሕንነትን ንምርካብ ሃብታም ክትከውን ከም ዜድሊ ይኣምኑ እዮም። ክኢላታት ብዚህብዎም ምኽሪ ተደሪኾም በቲ ዝኣከብዎ ገንዘብ ኣክስዮን ይዕድጉ ይዀኑ። እሞኸ ናይ ሓቂ ሰላም ይረኽቡዶ፧ ኣይፋሎምን። ኵሉ ግዜ ናይቲ ትካል ምንቅስቓስ እናተኸታተሉ ኣክስዮን ኪዕድጉ ወይ ኪሸጡ ብምጽዓር ኣብ ጭንቀት ይኣትዉ እዮም። ዋጋ ናይቲ ኣክስዮን ኪወርድ ከሎ ድማ ኣዝዮም ይስምብዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ገንዘብካ ምውፋር ዘይዅንን እኳ እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዚብል ምኽሪ ግን ይህብ፦ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። እቲ ዓያዪ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ፡ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፡ ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን።”—መክብብ 5:10, 12

እቲ ኣብ ፊልጲ 4:7 ዚርከብ ሓሳብ፡ ሰላም ኣምላኽ “ብክርስቶስ የሱስ” ኣቢሉ ንልብናን ሓሳብናን ከም ዚሕልዎ ብምግላጽ ይድምድም። ኣብ መንጎ ክርስቶስ የሱስን ሰላም ኣምላኽን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧ የሱስ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንኼውጽኣና ህይወቱ ሂቡ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪኸውን ድማ ተቐቢኡ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ምፍላጥና ናይ ኣእምሮ ሰላም ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ካብ ልብና እንተ ተነሲሕናን ይቕረታ እንተ ሓቲትናን፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና እዩ፣ እዚ ኸኣ ናይ ኣእምሮን ናይ ልብን ሰላም ንኽንረክብ ኣበርክቶ ይገብር። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) እታ ክርስቶስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ኽሳዕ እትመጽእ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ከነስተማቕራ ኸም ዘይንኽእል እንተ ደኣ ኣስተውዒልና፡ ከምቶም ህይወት እዚ ጥራይ ከም ዝዀነ ዚኣምኑ ሰባት ዓበድበድ ዝመልኦ ናብራ ኣይንነብርን። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ሓቂ እዩ፡ ጸገማት ኣየጋጥመናን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝበለጸ ህይወት ገና ኸም ዚመጽእ ዚገልጽ ዜተኣማምን ተስፋ፡ ምጽንናዕ ኪህበና ይኽእል እዩ።

ሰላም ኣምላኽ እትረኽበሉ መገዲ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰላም ኣምላኽ ክትረክብ እትኽእል፧ ኣብ ፊልጲ 4:4, 5 እተወሰነ ሓሳብ ንረክብ ኢና፣ ከምዚ ትብል፦ “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ። እቲ ለውሃትኩም [ርትዓውነትኩም] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።” ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፈን ከሎ፡ ኣብ ሮሜ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣሲሩ ነበረ። (ፊልጲ 1:13) በቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ኣብ ክንዲ ዜማርር ግን፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዅሉ ሳዕ ብጐይታ ኺሕጐሱ ኣተባብዖም። ሓጐሱ ኣብቲ ዅነታቱ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ኵነታትና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ ብሓጐስ ከነገልግሎ ኣሎና። ንየሆዋ ዝያዳ ብዝፈለጥናዮን ንፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ብዝፈጸምናን መጠን፡ ንዕኡ ምግልጋል ኣዝዩ ዜሐጕስ ኪዀነልና እዩ። እዚ ኸኣ ዕግበትን ውሽጣዊ ሰላምን የምጽኣልና።

ብዘይካዚ፡ ርትዓውያን ክንከውን እውን ተተባቢዕና ኣለና። ከመይሲ፡ ርትዓውያን እንተ ዄንና፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይንፍትንን ኢና። ፍጹማት ዘይምዃንናን ንዅሉ ነገር ብዝበለጸ ኽንፍጽሞ ኸም ዘይንኽእልን እውን ንፈልጥ ኢና። ንምንታይ ደኣ እሞ ኻብ ካልኦት ዝበለጸ ኽንገብር ፋሕተርተር ብምባል ፍጹማት ክንከውን እንጽዕር፧ ካልኦት ሰባት ፍጹማት ኪዀኑ እውን ኣይንጽበን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ዜሕርቐና ነገር ኪገብሩ ኸለዉ፡ ህድእ ንብል። እታ “ርትዓውነት” ተባሂላ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ልእመት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ኣብ ብሕታዊ ምርጫና ልእመት ነርኢ እንተ ዄንና፡ ካብቲ ብዙሕ ፋይዳ ዘይብሉ ባእሲ ንርሕቕ፣ ከምኡ እንተ ዘይጌርና ግን፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዝነበረና ሰላም ኪዘርጎ፡ ንእተወሰነ እዋን ከኣ ንውሽጣዊ ሰላምና ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ።

እታ ኣብ ፊልጲ 4:5 እትርከብ “እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ” እትብል መግለጺት፡ ምስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳብ ዘይትራኸብ ትመስል ትኸውን። ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ነዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ብሓድሽ ስርዓት ኪቕይሮ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን ነቶም ዚቐርብዎ ይቐርቦም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27, 28፣ ያእቆብ 4:8) ኣምላኽ ቀረባና ምዃኑ ምፍላጥና፡ ልክዕ ከምቲ ቝጽሪ 6 እትሕብሮ፡ ንኽንሕጐስ፡ ርትዓውያን ንኽንከውን፡ ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ሎምን ናይ መጻእን ጸገማት ንኸይንጭነቕ ይሕግዘና።

ቍጽሪ 6ን 7ን ክንርኢ ኸለና፡ ሰላም ኣምላኽ ብጸሎት ከም ዚርከብ ነስተብህል ኢና። ገሊኦም ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ጸሎት ንውሽጣዊ ሰላሞም ኪውስኸሉ ኸም ዚኽእል ገይሮም ስለ ዚሓስቡ፡ ከም ሓደ ኽፋል ምስትንታን ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ነቲ ዜፍቅሮ ኣቦኡ ብዛዕባ ዜሐጕሶን ዜጨንቖን ነገራት ዜካፍሎ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዚግበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ዝርርብ ይገልጽ እዩ። ‘ዜድልየና ዘበለ’ ሒዝና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ምኽኣልናስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ዘሎ ዅሉ ነገር ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸነካፍሎ ንኽእል ኢና።

ቍጽሪ 8 ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ከነተኵር እያ እተተባብዓና። ብዛዕባ ኣወንታዊ ነገራት ምሕሳብ ጥራይ ግን እኹል ኣይኰነን። ከምቲ ቝጽሪ 9 እትሕብሮ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ጽሩይ ሕልና ኺህልወና እዩ። “ጽሩይ ሕልና ልስሉስ መተርኣስ እዩ” ዚብል ምስላስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ!

እወ፡ ውሽጣዊ ሰላም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኻብ የሆዋ ኢኻ እትረኽቦ፣ ነቶም ናብኡ ዚቐርቡን መምርሒኡ ዚስዕቡን ድማ እዩ ዚህቦም። ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር ንሓሳባቱ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ንሱ ዚህቦ መምርሒ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ኣምላኽ ሰላም ምሳኻ ስለ ዚኸውን፡’ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ምግባርካ ግቡእ እዩ።—ፊልጲ 4:9

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም . . . ኪሕልዎ እዩ።”--ፊልጲ 4:7

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

‘ዜድልየና ዘበለ’ ሒዝና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ምኽኣልናስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ