ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ዓቀይቲ ሮሜ ንቐምሽ የሱስ ኣዝዮም ዝበሃግዎ ስለምንታይ እዮም፧

እቶም የሱስ ኪቕተል ከሎ ብሓላፍነት ዚከታተሉ ዝነበሩ ኣርባዕተ ዓቀይቲ፡ ንኽዳኑ ተማቐልዎ። ዮሃንስ 19:23፡ “እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን” ትብል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቶም ዓቀይቲ ነቲ ቐምሹ ኣብ ክንዲ ዚቐድዎ፡ ዕጭ ኣውደቑሉ። ከምዚ ዓይነት ቀምሽ ብኸመይ እዩ ዚስራሕ ነይሩ፧

ብሓፈሻኡ፡ ቀምሽ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ወይ ካብ ጸምሪ ንዚስራሕን ክሳዕ ብርኪ ወይ ዓካሪቶ ንዚበጽሕን ክዳን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን እዚ ኽዳን እዚ፡ ክልተ ዓለባ ደሪብካ እዩ ዚስራሕ፣ ኣብ ሰለስተ ሸነኹ ኸኣ ይስፈ። ርእስኻን ኣእዳውካን እተእትወሉ ቐዳድ ድማ ይግበረሉ ነበረ።

ከምታ ጂሰስ ኤንድ ሂዝ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ እቲ ኣዝዩ ኽቡር ዚበሃል ቀምሽ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ዚስራሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ቍሩብ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። ከመይሲ፡ “ንሓደ ምሉእ ዓለባ ዓጺፍካ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜእቱ ቐዳድ ጌርካ” ብምስፋይ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ቀምሽ ብኽልቲኡ ወገኑ ኺስፈ ነበሮ።

ልክዕ ከምቲ የሱስ ዚኽደኖ ዝነበረ ዓይነት ዋላ ሓንቲ ስፋይ ዘይብሉ ቐምሽ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ኣዝዩ ፍሉይ ነበረ። ኣብ ትኽ ዝበለ ማእለማ እዩ ዚእለም ነይሩ፣ እዚ ማእለማ እዚ ኸኣ ንትኹል እተዘርግሐ ኽልተ ቕጥኒ ነበሮ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እቲ ኣላማይ ነቲ ፋእሚ ዘለዎ መደርብዮ ኻብቲ ኣብ ቅድሚት ዚርከብ ቅጥኒ ናብቲ ኻልኣይ ብምሕላፍ ይኣልሞ፣ በዚ ኸምዚ ድማ “መጉኣዊ ቕርጺ ዘለዎ ዓለባ የዳሉ።” ዋላ ሓንቲ ስፋይ ዘይብሉ ቐምሽ ዚኽደኑ ሰባት ሒደት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም እቶም ዓቀይቲ ነቲ የሱስ ዚኽደኖ ዝነበረ ቐምሽ ዝበሃግዎ።

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ መፍረ ንህቢ ዝነበሮም ሰባት ነይሮምዶ፧

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ኣምላኽ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ኸም ዜእትዎም ተመባጺዑሎም ነበረ። (ዘጸኣት 3:8) መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ መዓር፡ ነቲ ብኣናህብ በረኻ ዚዳሎ ዜመልክት እዩ ዚመስል። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል መፍረ ንህቢ ይካየድ እንተ ነይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ቤት ሻን ዚበሃል ስንጭሮ እስራኤል እተረኽበ ርኽበታት ከም ዚሕብሮ፡ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ነበርቲ እቲ ኸባቢ፡ “ንንግዲ ዚኸውን መፍረ ንህቢ” የካይዱ ነበሩ።

ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ዩኒቨርስቲ እብራይስጢ፡ ካብ ትካል ስነ-ጥንቲ ዝመጹ ተመራመርቲ፡ ኣብ ተል ረኮቭ (ኣብ ቤት ሻን ዚበሃል ስንጭሮ ዚርከብ ቦታ) ካብ ዓስራይ ክሳዕ መጀመርታ ታሽዓይ ዘመን ቅ.ክ. መንህብ ወይ መፍረ ንህቢ ዚካየደሉ ዝነበረ ቦታ ረኸቡ፣ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ፡ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ እስራኤል ዝጀመረሉ እዋን እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንመጀመርታ እዋን እተረኽበ ቖፎታት ንህቢ እዩ። እዚ መንህብ እዚ፡ ዳርጋ ሚእቲ ዚኸውን ብመስርዕ እተሰርዐን እንተ ወሓደ በብሰለስተ እተደራረበን ቆፎታት ከም ዝነበሮ እዩ ዚሕሰብ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ብዛዕባ እቲ ርኽበት ኪገልጽ ከሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ቆፎ “ንመጉእ ዚመስል ኰይኑ፡ ብዘይበሰለ ካይላ እተዳለወ . . . 80 ሳንቲ ሜተር ዝንውሓቱን 40 ሳንቲ ሜተር ዝግፍሓቱን እዩ ነይሩ። . . . ኣብቲ ቦታ ምብጻሕ ዝገበሩ ምሁራትን ተመክሮ ዘለዎም መፍረ ንህቢ ዜካይዱ ሰባትን፡ ካብዚ ቖፎታት እዚ ኣብ ዓመት ዳርጋ ፍርቂ ቶን ዚኸውን መዓር ኪብርበር ከም ዚኽእል ይግምቱ።”

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ተል ረኮቭ

[ምንጪ ስእሊ]

Institute of Archaeology/Hebrew University © Tel Rehov Excavations