ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ኣብ ሃይማኖት ዝነበራ እምነት ዘጥፍአት ሰበይቲ፡ ሎሚ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ ግዜኣ እተሕልፍ ዘላ ስለምንታይ እያ፧ ሓደ ዓመጽ ዝበዝሖ ስፖርት ዚፈቱ ዝነበረ ሰብ፡ ሰላማዊ ኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሓደ ሓሽሽ ዚጥቀም፡ ሰኽራም፡ ኣብ ጐደናታት ዚበኣስ ዝነበረ ሰብ፡ መገዲ ህይወቱ ኺልውጥ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ኣንብብ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ፐነሎፒ ቶፕሊቸስኩ

ዕድመ፦ 40

ሃገር፦ ኣውስትራልያ

ታሪኽ፦ ብሃይማኖት ዝጐሃየት

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ እኳ እንተ ተወለድኩ፡ ጓል ክልተ ዓመት ከለኹ ግን ምስ ስድራ ቤተይ ናብ ኒው ጊኒ ገዓዝና። ንኽልተ ዓመት ዚኸውን ኣብ ራቡል ደሓር ከኣ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ቡገንቪል ተቐመጥና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ኒው ጊኒ ተለቪዥን ዚበሃል ኣይነበረን፣ ስለዚ፡ ኣነን ሓወይን ካብ ገዛ እናወጻእና ብምሕምባስን ኣብ ደገ ድንኳን ተኺልና ብምሕዳርን ንዘናጋዕ ነበርና።

ጓል ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ከሕድር ጀመርኩ። ኣደይ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ እያ ነይራ፡ ስለዚ ድማ ሓንቲ ኻብተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ደናግል ኣብ እተገብሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንኽካፈል ሓሳብ ኣቕረበትለይ። ጓል ዓሰርተ ዓመት ከለኹ እምነት ካቶሊክ ተቐቢለ ተጠመቕኩ።

ይኹን እምበር፡ ናብ ኣውስትራልያ ምስ ተመለስናን ኣብ ዕድመ ጕርዝውና ኣብ ዝነበርኩሉ እዋንን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነታተይ ክጠራጠር ጀመርኩ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ተመሃርኩ፡ ኣነን ኣቦይን ከኣ ብዛዕባ ምንጪ ሃይማኖትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽውጽዋይን ኣፈ-ታሪኽን ከም ዝዀነ እንሓስቦ ነገራትን ብዙሕ ንመያየጥ ነበርና። ድሕሪ ግዜ፡ ንእምነት ካቶሊክ ሓደግክዎ።

ጓል 16 ዓመት ከለኹ፡ ወለደይ ተፋትሑ። ኣደይ ብዙሕ ተሸገረት፡ ኣነ ኸኣ ጸኒሐ ምስ ኣቦይን ምስ ሕጽይቱን ክነብር ጀመርኩ። ሓወይ ምስ ኣደይ ተረፈ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ድማ ገዓዙ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጽምዋ ተሰምዓኒ። ምስ ኣደይ ዝነበረኒ ጽቡቕ ርክብ ንኸሐድስ ክልተ ዓመት ወሰደለይ። መስተ ኽሰትን ሓሽሽ ክወስድን ናብ ፓርቲ ክኸይድን ጀመርኩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺአ ስራሕ ክሰርሕ ጀመርኩ፡ ናይ መጀመርታ 20ታት ዕድመይ ከኣ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ናብራ ህይወት ብምንባር ኣባኸንክዎ።

ጓል 25 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ እንደገና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክሓስብ ጀመርኩ። ሓድሽ ስራሕ ምስ ረኸብኩ፡ ምስ ሊና ዝስማ ምጭውቲ ጓል ተራኸብኩ፣ እቲ ኣስራሒኣ ብዘይእሩም መገዲ ይዛረባ እኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ ሳዕ ትሕትና ተርእዮ ነበረት። ስለምንታይ ንሳ እውን ብዘይእሩም መገዲ ኸም ዘይትዛረቦ ምስ ሓተትክዋ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸተውዕል ትጽዕርን ከም ዘላ ነገረትኒ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም እንኽእል ከኣ ሓበረትኒ። ብጌጋ ስለ እተረዳእክዋ ግን፡ ኵሉ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትፈልጦ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰዓት ክትምህረኒ እትኽእል መሰለኒ። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ንሰለስተ ሰዓት ዚኸውን ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ሕቶታት መለሰትለይ። ኵሉ እቲ ዝሃበትኒ መልሲ ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ብምንባሩ ኣዝየ ተገረምኩ።

ኣብታ ምሸት እቲኣ ምስ ሊና ድሕሪ ምምይያጥና ብማኪና ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ ኣቐዲመ ብዛዕባኡ ኽፈልጥ ብዘይምፍቃዱ ብኣምላኽ ክሓርቕ ትዝ ይብለኒ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስነ-ምግባር ዝመጸ ንጹህ ናብራ ኸም ዚነብሩ ስለ ዝፈልጥ፡ ነቲ ሕማቕ ልማዳተይ ክቕይሮ ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። ልክዕ ከምኦም ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ ኽሰብኽ ከም ዘይክእል እውን ሓሰብኩ። ምስኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባረይ እኳ እንተ ቐጸልኩ፡ ቀንዲ ዕላማይ ግን ገለ ጌጋ ኽረክብ እሞ ሕልናይ ከይወቐሰኒ ኻብኦም ክርሕቕ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን፡ መመኽነይታ ኽረክብ ከም ዘይክእል ተረዳእኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን፡ ሕልናይ እውን ብዝያዳ ይርብሸኒ ነበረ። ሰላም ምእንቲ ኽረክብ ኢለ ድማ ሓሽሽ ምውሳድ ኣቋረጽኩ። ሽዑ ግን ንእተወሰነ ግዜ ናብ ካልእ ዓዲ ገዓዝኩ፡ እንደገና ኸኣ ናብ ፓርቲ ክኸይድን መስተ ኽሰትን ጀመርኩ። ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዐ ኽነብር ጻዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ መመሊሱ ይደግሰኒ ነበረ። ብሕፍረት ናብ የሆዋ እጽሊ እኳ ነበርኩ፡ ሕማቕ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ።

ነቲ ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ነገራትን የሆዋ ንዕኦም ብምሕረት ዝሓዘሉ መገድን ምፍላጠይ ሓገዘኒ። ዳዊት ምኽሪ ምስ ተዋህቦ፡ ከየመኻነየ ብትሕትና ንጌጋኡ ተቐበሎ። (2 ሳሙኤል 12:1-13) ክጋገ ኸለኹ ነዚ ጸብጻብ እዚ ስለ ዝዝክር፡ ንየሆዋ ኸም እተጋገኹ ንምንጋር ቀሊል ይዀነለይ። ስለዚ፡ ኣብ ፈተና ድሕሪ ምእታወይ ካብ ምጽላይ፡ ቅድሚኡ ኽጽሊ ወሰንኩ፣ እዚ ኸኣ ዓብዪ ለውጢ ኣምጽኣለይ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኵሉ ግዜ ብቐሊሉ እቝጣዕ ነበርኩ። እታ ኣብ ኤፌሶን 4:29-31 እትርከብ ጥቕሲ ግን፡ ካብ “መሪርን ነድርን ኵራን” ክርሕቕ ሓገዘትኒ። በዚ ኸምዚ ቝጥዓይ ክቈጻጸርን ልሳነይ ክገትእን ከኣልኩ። ብዘይካዚ፡ እቲ የሱስ ዝሃቦ፡ “ነገርኩምሲ፤ እወ፡ እወ፡ . . . ይኹን” ዚብል ምኽሪ፡ ኣብ ውሳነይ ንኽጸንዕ ሓገዘኒ።—ማቴዎስ 5:37

እታ ኣብ ፈለማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምቅርራበይ ዘይተሓጐሰት ኣደይ፡ ጸኒሓ ብኣይ ከም እትሕበን ነገረትኒ። “ከምዚ ሕጂ ዄንክዮ ዘለኺ ዓይነት ሰብ ክትኰኒ ዝኸኣልኪ፡ ሳላ ኣተዓባብያኺ ዘይኰነስ፡ ሳላ እቲ ብዛዕባ የሆዋ እተመሃርክዮ ትምህርቲ ምዃኑ እፈልጥ እየ” ድማ በለትኒ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ።

ሕጂ ህይወተይ ዕላማን ትርጕምን ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኣነን ሰብኣየይን ናይ ምሉእ ግዜ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ኴንና ኣገልጊልና ኢና። እወ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ እሰብኽ ኣለኹ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወተይ ካብ ዝዓየኽዎ ንላዕሊ ኣዝዩ ዜዕግብ ዕዮ እዩ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ደኒስ ቡዚገን

ዕድመ፦ 30

ሃገር፦ ሩስያ

ታሪኽ፦ ካራተ ዚፈቱ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ከተማ ፐርም እኳ እንተ ተወለድኩ፡ ኣብታ ፈርማኖቭ እትበሃል 40,000 ነበርቲ ዘለውዋ ኣብ ከባቢ ኢቫኖቭ፡ ሩስያ እትርከብ ከተማ እየ ዓብየ። ከተማ ፈርማኖቭ፡ ባህ ዜብልን ኣብ ግዜ ቐውዒ ናብ ብጫን ቀይሕን ዚቕየር ዚምስጥ ብዙሕ ኣእዋም ዝመልአትን እያ። ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ግን ቍጽሪ ገበን እናወሰኸ ኸደ። ስድራ ቤትና ብሒደት ኣታዊ እያ እትመሓደር ነይራ። ኣነን ወለደይን ምንኣሰይ ሓወይን ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ንነብር ነበርና።

ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ካራተ ኽመሃር ጀመርኩ። ስፖርት ኣዝየ እፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ ህይወተይ ኣብኡ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ንትርፊ ግዜይ ኣብ ጂምናዝዩም አሕልፎ ነበርኩ፡ ኵሎም ኣዕሩኸይ ከኣ ስፖርተኛታት ነበሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብካራተ ቐይሕ ቅናት ተቐበልኩ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ቡናዊ ቕናት ረኸብኩ። ኣባል ሓንቲ ኣብ ሩስያን ኤውሮጳን እስያን እትወዳደር ጕጅለ ድማ ነበርኩ። መጻኢ ህይወተይ፡ ብሩህ ይመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ ግን ኵሉ ነገር ተቐየረ።

ኣነን ኣዕሩኸይን ሓደ ገበን ፈጺምና ተተሓዝና። ንኽልተ ዓመት ክእሰር ከኣ ተፈርደኒ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍክዎ ህይወት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብኡ ኸለኹ እየ ንፈለማ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ርእየ። ኦሪት ዘፍጥረትን መጽሓፍ መዝሙርን ሓድሽ ኪዳንን ድማ አንብብ ነበርኩ። ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት ሸምደድክዋ፣ ዚሕግዘኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ ኸኣ ቅድሚ ምድቃሰይ ነዛ ጸሎት እደግማ ነበርኩ።

ብ2000 ካብ ማእሰርቲ ተፈታሕኩ፣ ህይወተይ ግን ዕላማ ኣይነበሮን። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣደይ ሞተት። ኣዝየ አፍቅራ ብምንባረይ፡ እቲ ሓዘን ኣዝዩ ኸበደኒ። ኰይኑ ግን፡ ሓሽሽ ምውሳድ ኣቋረጽክዎ፡ እንደገና ኸኣ ናብ ጂምናዝዩም ኪኸይድ ጀመርኩ። ናብ ከተማ ኢቫኖቭ ግዒዘ ድማ ኣብ ሓደ ምግቢ ዝሽየጠሉ መደብር ስራሕ ረኸብኩ። ምስ ሓንቲ ኣብኡ እትሰርሕ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ተራኸብኩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ሓቅታት ገለጸትለይ፣ ብስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚመርሓለይ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ኣራኸበትኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ንምግባር ዘውጽኦ ዕላማ ብምፍላጠይ ኣዝየ ተተንከፍኩ፣ ኣብኡ ንኽህሉ ዜኽእለኒ ብቕዓታት ከማልእ ከኣ ደለኹ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ሰባት ኪምርሑሉ ዚግባእ ልዑል መለክዒታት ከም ዘለዎ ተረዳእኩ። ንመብዛሕትኡ ህይወተይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ እናሓሰብኩ ጥራይ እየ ኣሕሊፈዮ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብዛዕባ ኻልኦት ክሓስብ ከምኡውን ከም እኒ ሕያውነትን ሰላምን ዝኣመሰለ ባህርያት ከማዕብል ከም ዚደልየኒ ፈለጥኩ።

የሆዋ ንሓጢኣተይ ንምድምሳስ ንሓደ ወዱ ብምሃብ ብዛዕባ ዝገበረለይ ነገራት ክሓስብ ጀመርኩ፣ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘለኒ ሞሳ ኸኣ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ንኽገብር ደረኸኒ። ንኣብነት፡ ካብ መዝሙር 11:5 የሆዋ ዓመጽ ከም ዚጸልእ ተመሃርኩ። ስለዚ፡ ዓመጽን ጽልእን ዜተባብዕ መደባት ተለቪዥን ምርኣይ ኣቋረጽኩ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ድማ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ዓይነት ስፖርት ገደፍክዎ። እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ እቶም ዝመርጾም ኣዕሩኽ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዜሕድሩለይ ንኽፈልጥ ሓገዘኒ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲረ ምንባረይ እውን ነዚ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ምስቶም ዓመጽ ዝመልኦ ስፖርት ዚፈትዉ ሰባት ዝነበረኒ ርክብ ከቋርጽ ወሰንኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምቅርራበይን መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንዐይን ሓቀኛ ሰብ ንክኸውን ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ እብራውያን 13:5 በቲ ዘሎኒ ኽዓግብን ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ክርሕቕን ከም ዚግብኣኒ ተመሃርኩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓለይ ከኣ ካብ ሓሶትን ስርቅን ክርሕቕ ሓገዘኒ።

ኵሉ ግዜ ንዕርክነት ኣኽቢረ እየ ዚርእዮ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ዕርክነት ብሰንኪ ስስዐን ፍርህን ኪፈርስ ከሎ ርእየ እየ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ከም ዜኽብሩን ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ንምኽርታቱ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኸም ዚጽዕሩን ፈለጥኩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ካብ መንጎኦም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ረኺበ ኣለኹ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይመሃር ነይረ፡ ህይወተይ ከመይ ከም ዚመስል ንምግማቱ የጸግመኒ እዩ። ምናልባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ምኣተኹ ወይ ከኣ ንኻልኦት ሰባት ስቓይን መከራን መምጻእኩሎም ነይረ። ሕጂ ግን ፍቕርቲ ሰበይትን ክልተ ውሉዳትን ኣለዉኒ፣ ካልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ብስድራ ቤት ኴንና ብምሕጋዝ ከኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንረክብ ኣለና።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ሆሴ ካርሎስ ፐሬራ ዳ ሲልቫ

ዕድመ፦ 31

ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ተባኣሳይ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብቲ ርስሓት ዝመልኦ ኣመሪካና ዚበሃል ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዚርከብ ሰፈር ድኻታት እየ ዓብየ። ጽሩይ ማይ ኰነ ግቡእ ጽሬት ኣይነበረናን። እቲ ቦታ ኸኣ ብዓመጽን ገበንን ፍሉጥ ነበረ።

ሓራቕን ቍጡዕን ኰይነ እየ ዓብየ። ኵሉ ግዜ እበኣስ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት ይፈርሁኒ ነበሩ። ኣከዳድናይን ኣመለኻኽዓይን ጠባየይን ዕዋላ ምዃነይ ዜርኢ ነበረ። ክሳዕ ሃለዋተይ ዘጥፍእ እሰቲ፡ ከምኡውን ልክዕ ከም ኣሕዋተይ ሓሽሽ እወስድ ነበርኩ። አረ ሓደ ሓወይሲ ኻብ ዓቐን ንላዕሊ ሓሽሽ ወሲዱ እዩ ሞይቱ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸብኩ፡ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ ገነት ከም ዚገብራ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዩኒ። (ሉቃስ 23:42, 43፣ ራእይ 21:3, 4) ብዘይካዚ፡ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጡን ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዘየቃጽሎምን ተመሃርኩ። (መክብብ 9:5, 6) እዚ ኸኣ ዓብዪ ዕረፍቲ ኣምጽኣለይ። እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ ኣነባብራይ ንክቕይር ሓያል ባህጊ ኣሕደረለይ። ኰይኑ ግን፡ ሓሽሽ፡ ብዙሕ መስተ፡ ባእሲ፡ ከምኡውን ዘይእሩም ኣዘራርባ ሓዲገ ለውጢ ኽገብር ቀሊል ኣይነበረን።

ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ዚርከብ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣዝዩ ኣተባብዓኒ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ገለ እዋን ምስቲ ናተይ ዚመሳሰል ሕማቕ ልማዳት ከም ዝነበሮም ትሕብር። ኰይኑ ግን፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” ትብል። እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣነ እውን ንኣምላኽ ንምሕጓስ ኣድላዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዝኽእል ተስፋ ሃባኒ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘለዎም ኣመንኩ። ብዛዕባ እቲ ዓመጽን ቍጥዐን ዝመልኦ ጠባየይ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብምዉቕ ስምዒትን ብፍቕርን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበሉኒ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ ህይወተይ እንተ ዘይቅይር ነይረ፡ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ኣይምሃለኹን። ኰይኑ ግን፡ ንሓደ ኻብቶም ኣሕዋተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጥን ንዝነበሮ ወልፊ ሓሽሽ ኪሓድጎን ክሕግዞ ኸኣልኩ። ካልኦት ኣዝማደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጅምሩ እውን ኣተባቢዐዮም እየ። ህይወተይ ነቲ ዚሓልየልና ኣምላኽ ክውፊ ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብ ፈተና ድሕሪ ምእታወይ ካብ ምጽላይ፡ ቅድሚኡ ኽጽሊ ወሰንኩ፣ እዚ ኸኣ ዓብዪ ለውጢ ኣምጽኣለይ”