ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣበው ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ሰዓብቲ ሃዋርያት ድዮም ነይሮም፧

ኣበው ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ሰዓብቲ ሃዋርያት ድዮም ነይሮም፧

ኣበው ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ሰዓብቲ ሃዋርያት ድዮም ነይሮም፧

ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ነቲ ጽሩይ ማያት ክርስትያናዊ ሓቂ ኺዘርጎ ጀመረ። ልክዕ ከምቲ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢት ዝሓበሮ፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እተወሰኑ ሰባት ነቲ ሓቂ ሓዲጎም ናብ “ጽውጽዋያት” ተመልሱ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4) ኣብ ከባቢ 98 ድ.ክ. እቲ ኻብ ሃዋርያት ንሱ በይኑ ብህይወት ዝነበረ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ትምህርትታትን ብዛዕባ እቶም ‘ዜስሕቱ’ ሰባትን ኣጠንቀቐ።—1 ዮሃንስ 2:26፣ 4:1, 6

ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እቶም ኣበው ቤተ-ክርስትያን ተባሂሎም ዚፍለጡ ሰባት ኪቕልቀሉ ጀመሩ። ብዛዕባ እቲ ሃይማኖታዊ ምትላል እንታይ መትከል ነበሮም፧ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝሃቦ መንፈስ ዝነፈሶ መጠንቀቕታ ኣቕሊቦምሉዶ፧

መን እዮም ነይሮም፧

እታ “ኣበው ቤተ-ክርስትያን” እትብል መግለጺት፡ ምስ ሓደ ኻብ ሃዋርያት የሱስ ንዚፋለጡ ወይ ከኣ ተመሃሮ እቶም ብሃዋርያት እተማህሩ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ንዚኽእሉ ሃይማኖታውያን ጸሓፍቲ ኸተመልክት ትኽእል እያ። ብሓፈሻኡ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ክሳዕ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዘሎ እዋን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። * ገለ ኻብዚኣቶም፡ ቅሌምንጦስ ብዓል ሮማ፡ ኢግናጥዩስ ብዓል ኣንጾክያ፡ ፓፒያስ ብዓል ሂራጶሊስ፡ ከምኡውን ፖሊካርፕ ብዓል ስሚርና ይርከብዎም። እቶም ንኸም ዘ ዲዳቺ፡ ዘ ኢፒስትል ኦቭ ባርናባስ፡ ዘ ማርቲርደም ኦቭ ፖሊካርፕ፡ ከምኡውን ንኻልአይቲ መልእኽቲ ቅሌምንጦስ ዝጸሓፉ ስሞም ዘይተጠቕሰ ጸሓፍቲ እውን ኣለዉ።

ሎሚ፡ ትምህርትታት ኣበው ቤተ-ክርስትያን ክሳዕ ክንደይ ምስ ትምህርትታት የሱስ ይሰማማዕ ከም ዝነበረ ምውሳን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ቀንዲ ዕላማኦም፡ እተወሰነ ዓይነት ክርስትና ምዕቃብ ወይ ምትብባዕ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንኣምልኾ ጣኦትን ርኽሰትን ይዅንንዎ ነበሩ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑን ካብ ሞት ከም ዝተንስአን እውን ይኣምኑ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ናይ ክሕደት ማዕበል ኪዓግትዎ ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መሊሶም ወሰኹሉ።

ቍሩብ ምትዕርራይ ጥራይ ድዮም ገይሮም፧

እተወሰነ ኣተሓሳስባ እቶም ቀዳሞት “ክርስትያናት” ተባሂሎም ዚጽውዑ፡ ካብ ትምህርቲ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ርሒቑ ነበረ። ንኣብነት፡ ደራሲ እታ ዘ ዲዳቺ እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብቲ የሱስ ኣብ ድራር ጐይታ ዘቘሞ ስርዓት ብእተፈልየ መገዲ፡ እቲ ወይኒ ኻብቲ እንጌራ ኣቐዲሙ ኺዘውር ከም ዘለዎ ሓበረ። (ማቴዎስ 26:26, 27) ብዘይካዚ፡ ኣብ ግዜ ጥምቀት ንምሉእ ኣካል ዜጥሕል እኹል ማይ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ማይ ምፍሳስ እኹል ከም ዝዀነ ገለጸ። (ማርቆስ 1:9, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:36, 38) እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ክርስትያናት ከም ኣብ ሰሙን ብግዴታ ኽልተ ግዜ ምጻምን ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ምድጋምን ዝኣመሰለ ልማዳት ኪሕልዉ እውን የተባብዕ ነበረ።—ማቴዎስ 6:5-13፣ ሉቃስ 18:12

ኢግናጥዩስ እውን እንተ ዀነ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብሓድሽ መገዲ ኽትውደብ ከም ዘለዋ፡ “ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይኑ” ኸኣ ሓደ ኣቡን ኪመርሓ ኸም ዘለዎ ይሓስብ ነበረ። እዚ ኣቡን እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካህናት ስልጣን ይህልዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ትምህርትታት ንኼስፋሕፍሕ መገዲ ኸፈተ።—ማቴዎስ 23:8, 9

ምግናንን ሰማእትነትን ኣምልኾ ጣኦትን

ምግናን ንገሊኦም ኣበው ቤተ-ክርስትያን ካብ ሓቂ ኸም ዚዝምብሉ ገበሮም። ፓፒያስ ጽምኢ ሓቂ ነበሮ፡ ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ድማ ይጠቅስ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ብትንቢት እተነግረሉ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ ሓደ ተኽሊ ወይኒ 10,000 ጨናፍር፡ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር 10,000 ጨንገር፡ ነፍሲ ወከፍ ጨንገር 10,000 ጠጥዒ፡ ነፍሲ ወከፍ ጠጥዒ 10,000 ኣስካል፡ ነፍሲ ወከፍ ኣስካል 10,000 ፍረ ወይኒ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍረ ወይኒ ኸኣ 1,000 ሊትሮ ወይኒ ኸም ዚህልዎ ይኣምን ነበረ።

ፖሊካርፕ ንክርስትያናዊ እምነቱ ኻብ ዚኽሕድ፡ ሰማእት ኰይኑ ኺመውት መረጸ። ብሃዋርያትን ንየሱስ ብዚፈልጥዎ ኻልኦት ሰባትን ከም እተማህረ እዩ ዚዝረብ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ ብምንባሩ፡ ብክርስትያናዊ ስርዓታት ኪመላለስ ዚጽዕር ዝነበረ እዩ ዚመስል።

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት ንፖሊካርፕ ዝነበሮም ተወፋይነት ናብ ኣምልኾ ጣኦት ገጹ ዘምበለ። እታ ዘ ማርቲርደም ኦቭ ፖሊካርፕ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ፖሊካርፕ ምስ ሞተ፡ እቶም “እሙናት” ሰባት ንሬሳኡ ኺረኽቡ ይህንጠዩ ነበሩ። ንኣዕጽምቱ “ኻብቲ ብሉጽ ስልማት ዝኸበረ፡ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ኸኣ ዝጸረየ” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ብንጹር እምበኣር፡ ናይ ክሕደት ትምህርትታት የስፋሕፍሕ እዩ ነይሩ።

ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት

ገሊኦም ኣበው ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዚርከብ ጽሑፋት ከም መንፈስ ዝነፈሶ ገይሮም ተቐበልዎ። ንኣብነት፡ ቅሌምንጦስ ብዓል ሮማ ኻብቲ ጥበብ ከምኡውን ዩዲት ዚበሃል ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ጠቐሰ። ጸሓፊ እታ ዘ ኢፒስትል ኦቭ ፖሊካርፕ ዘርእስታ መጽሓፍ እውን፡ ምጽዋት ምሃብ ነቲ ወሃቢ ኻብ ሞት ናይ ምድሓን ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንምግላጽ ካብ ጦቢት ጠቒሱ እዩ።

ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ናይ ሓሶት ወንጌላት ብዛዕባ ህይወት የሱስ ሓቅነት ዘይብሉ ጸብጻባት ከም ዚዝርጋሕ ገበረ፣ እቶም ኣበው ከኣ ነዚ ይቕበልዎን ካብኡ ብተደጋጋሚ ይጠቕሱን ነበሩ። ንኣብነት፡ ኢግናጥዩስ ካብቲ ጎስፕል ኦቭ ዘ ሄብሪውስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ መጽሓፍ ጠቐሰ። ሓደ ምንጪ ድማ ብዛዕባ ቅሌምንጦስ ብዓል ሮማ ኺገልጽ ከሎ፡ “ቅሌምንጦስ ንክርስቶስ ዝፈለጦ፡ ካብ ወንጌላት ዘይኰነስ፡ ካብቲ ቐኖናዊ ዘይኰነ ጽሑፋት እዩ ዚመስል” በለ።

እናገደደ ዝኸደ ጌጋታት

እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንክርስትያናዊ እምነት ንምግላጽ ናብ ጽውጽዋያትን ምስጢራዊ ሓሳባትን ፍልስፍናን ብምምላሶም፡ ጌጋታት እናወሰኸ ንኪኸይድ መገዲ ኸፈቱ። ንኣብነት፡ ቅሌምንጦስ ብዛዕባ ትንሳኤ መርትዖ ንምቕራብ፡ ንዛንታ ፊኒክስ ጠቐሰ። እዛ ፊኒክስ እዚኣ፡ ኣብ ኣፈ-ታሪኽ ግብጺ ምስ ኣምልኾ ጸሓይ ተተሓሒዛ እትጥቀስ ዑፍ ኰይና፡ ንገዛእ ርእሳ ድሕሪ ምንዳድ ካብቲ ሓመዅስቲ ኸም እትትንስእ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ።

እቲ ነታ ኢፒስትል ኦቭ ባርናባስ (መልእኽቲ ባርናባስ) ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ደራሲ፡ ሓደ ኻብቶም ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዘሕሰሩ ጸሓፍቲ እዩ ነይሩ። ንሕጊ ሙሴ ምሳልያዊ ዛንታ ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሩ ገለጾ። ብመሰረት እቲ ንሱ ዝበሎ፡ መጕስዕ ዚመልሱን ሸዀናኦም እተመቕለን እንስሳታት፡ ነቶም ንቓል ኣምላኽ ዜስተንትኑሉ ሰባት እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚ፡ ሸዀናኡ እተመቕለ እንስሳ ነቲ ኣብ ሰማይ ህይወት ኪረክብ ብሃንቀውታ እናተጸበየ “ኣብዛ ዓለም ዚመላለስ” ጻድቕ ሰብ ከም ዜመልክት ገለጸ። ከምዚ ዝኣመሰለ መብርሂታት፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ኣይኰነን።—ዘሌዋውያን 11:1-3

ሃዋርያ ዮሃንስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ዮሃንስ 4:1) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እየን!

ኣብ ከባቢ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ ብዙሓት ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት ንትምህርትታት የሱስን ሃዋርያትን ሓዲጎምዎ ነበሩ። እቶም ኣበው ቤተ-ክርስትያን እውን ነዚ ናይ ክሕደት ማዕበል ኣብ ክንዲ ዚጻረርዎ፡ ብዝያዳ ኣጐሃሃርዎ። ነቲ ሓቂ ኸኣ ምስ መርዛም ትምህርትታት ሓዋወስዎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም፡ “እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን” በለ። (2 ዮሃንስ 9) እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጠንቀቕታ፡ ነቶም ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኺረኽቡ ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት ሕጅን ንመጻእን ንጹር እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 እቶም ብሓፈሻ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ተባሂሎም ዚጽውዑ ጸሓፍትን ስነ-ሃይማኖተኛታትን ፈላስፋታትን፡ ኣብ መንጎ ኻልኣይን ሓምሻይን ዘመን ድ.ክ. እዮም ዚነብሩ ነይሮም።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ከም ብዓል ቅሌምንጦስ ዝኣመሰሉ ኣበው ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ጽሑፋቶም ንጽውጽዋያትን ምስጢራዊ ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ጠቐሱ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ፖሊካርፕ ሰማእት ኰይኑ ኺመውት መረጸ

[ምንጪ ስእሊ]

The Granger Collection, New York