ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ዝነበሮ ሰብኣይ

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ዝነበሮ ሰብኣይ

ንመንእሰያትና

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ዝነበሮ ሰብኣይ

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።ዘፍጥረት 12:1-4፣ 18:1-15፣ 21:1-5፣ 22:15-18

ኣብርሃም ኣቦሓጎ እቲ ንምልእቲ ዓለም ዚጠቅም “ዘርኢ” ኸም ዚኸውን ኣምላኽ ኪመባጽዓሉ ኸሎ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት ግለጽ።

․․․․․

ትርኢት እቶም ኣብ ዘፍጥረት 18:2 ተገሊጾም ዘለዉ ናብ ኣብርሃም ዝመጹ በጻሕቲ ኸመይ ይመስለካ፧

․․․․․

እቲ ኣብ ዘፍጥረት 18:6-8 ተጠቒሱ ዘሎ ንጥፈት ከመይ ዝነበረ ይመስለካ፧ (ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት ኣቢሉ ኸም ዝነበረ ኣስተብህል)

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ካብቲ የሆዋ ንኣብርሃም ወዲ ኸም ዚወልድ እተመባጽዓሉ እዋን ክሳዕ እቲ ይስሃቅ እተወልደሉ ክንደይ ግዜ ሓሊፉ፧ (ዘፍጥረት 12:4 ከምኡውን 21:5 እንደገና ኣንብብ።)

․․․․․

ኣብርሃም ወዲ ኺረክብ እናተጸበየ ኸሎ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝኣመሰለ መረጋገጺ ሃቦ፧ (ዘፍጥረት 12:7፣ 13:14-17፣ 15:1-5, 12-21፣ 17:1, 2, 7, 8, 15, 16 ኣንብብ።)

․․․․․

ኣብርሃም ወዲ ኸም ዚወልድ ምስ ተጠራጠረ፡ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ (ዘፍጥረት 15:3-5, 12-21 እንደገና ኣንብብ።)

․․․․․

የሆዋ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ቐስ ብቐስ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ብዛዕባ ምግባር።

․․․․․

የሆዋ ንፍቓዱ ቐስ ብቐስ ብዛዕባ ዚገልጸሉ መገዲ።

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․