ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሱስ ምሰሎ—ብፍቕሪ ምሃር

ንየሱስ ምሰሎ—ብፍቕሪ ምሃር

ንየሱስ ምሰሎ—ብፍቕሪ ምሃር

“ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን።”—ዮሃ. 7:46

1. ሰባት ንኣመሃህራ የሱስ ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧

 የሱስ ኪምህር ከሎ ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምንባሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ! መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ሰባት ዘሕደሮ ጽልዋ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝነበረ ሉቃስ፡ ኣብታ የሱስ እተወልደላ ዓዲ ዝነበሩ ሰባት “በቲ ኻብ ኣፉ [ኣፍ የሱስ] ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ . . . ይግረሙ” ምንባሮም ጸሓፈ። እቶም የሱስ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ኺዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎ ሰባት ‘ብምህሮኡ ምግራሞም’ ማቴዎስ ጸብጸበ። እቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ እተላእኩ ገላዉ፡ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ብምባል ጥራሕ ኢዶም ከም እተመልሱ ኸኣ ዮሃንስ ገለጸ።—ሉቃ. 4:22፣ ማቴ. 7:28፣ ዮሃ. 7:46

2. የሱስ ነየናይ ሜላታት ኣመሃህራ እዩ ዚጥቀም ነይሩ፧

2 እቶም ገላዉ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሎም ኪዛረቡ ሓቆም እዮም ነይሮም። ከመይሲ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ መምህር ምዃኑ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ብንጹር፡ ብቐሊል መገዲ፡ ከምኡውን ብዘየማትእ መርትዖ ይምህር ነበረ። ምሳሌታትን ሕቶታትን ብውሕሉል መገዲ ይጥቀም ነበረ። ነቶም ልዑል ደረጃ ዝነበሮምን ተራ ሰባትን ብዚሰማማዕ መገዲ እዩ ዚምህር ነይሩ። እቲ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቂ፡ ቀሊል ግን ከኣ ዓሚቝ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ንየሱስ ዓብዪ መምህር ከም ዚኸውን ገይርዎ።

ፍቕሪ—ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ

3. የሱስ ከም መምህር መጠን ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

3 ኣብ መንጎ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ፍልጠት ኰነ ኽእለት ዝነበሮም ኣስተውዓልቲ ሰባት ምንባሮም ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣመሃህራ የሱስ ካብኦም እተፈልየ ዝነበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ተራ ህዝቢ ብዓይኒ ፍቕሪ ዘይኰነስ፡ ከም ‘ርጉም ህዝቢ’ ገይሮም ብምርኣይ ይንዕቅዎም ነበሩ። (ዮሃ. 7:49) ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ፡ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም።” (ማቴ. 9:36) ምቕሉልን ርሕሩሕን ሕያዋይን እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣይነበሮምን። (ዮሃ. 5:42) ይኹን እምበር፡ የሱስ ንኣቦኡ የፍቅሮን ፍቓዱ ኺገብር ይደልን ነበረ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንርእሶም ብዚጥዕሞም መገዲ ንቓል ኣምላኽ ይጠውይዎ ነበሩ፣ የሱስ ግን “ንቓል ኣምላኽ” የፍቅሮ ብምንባሩ፡ ብዛዕባኡ ምሂሩን ገሊጹን እዩ። ብዘይካዚ፡ ይጣበቐሉን ምስኡ ተሰማሚዑ ይነብርን ነበረ። (ሉቃ. 11:28) እወ፡ እቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ፡ ከምኡውን መምርሒ ዚህበሉ መገዲ ብፍቕሪ ይጽሎ ስለ ዝነበረ፡ ፍቕሪ ሓንቲ ኻብተን ባህርያት ክርስቶስ እያ ነይራ።

4, 5. (ሀ) ብፍቕሪ ምምሃር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክንምህር ከለና ፍልጠትን ክእለትን እውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ኣገልግሎትናን ናብራናን ንዕኡ ኽንመስሎ ንደሊ ኢና። (1 ጴጥ. 2:21) ስለዚ፡ ዕላማና ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሕልላፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባህርያት የሆዋ፡ ብሕልፊ ኸኣ ፍቕሩ ኸነንጸባርቕ እዩ። እቲ ዘሎና ፍልጠትን ክእለት ኣመሃህራን ብዙሕ ይኹን ሒደት ብዘየገድስ፡ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት እነርእያ ፍቕሪ ልቦም ንኽንትንክፎም ክትሕግዘና እያ። ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ውጽኢታውያን ምእንቲ ኽንከውን፡ ብፍቕሪ ብምምሃር ንየሱስ ክንመስሎ ኣሎና።

5 ሓቂ እዩ፡ ንፉዓት መምህራን ንኽንከውን ብዛዕባ እቲ እንምህሮ ፍልጠት ኪህልወናን ነዚ ፍልጠት እዚ ንምምሕልላፍ ክእለት ከነጥርን ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሓገዞም፣ ሎሚ ኸኣ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ይሕግዘና ኣሎ። (ኢሳይያስ 54:13፣ ሉቃስ 12:42 ኣንብብ።) ኰይኑ ግን፡ ብኣእምሮና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብልብና እውን ክንምህር ኣሎና። ፍልጠትን ክእለትን ፍቕርን ብሓደ ኣብ ዚዓይየሉ እዋን ዚርከብ ውጽኢት፡ ኣዝዩ ዜዕግብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክንምህር ከለና ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእለሉ መገድታት ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ኣሎና

6. ብዛዕባ እነፍቅሮ ሰብ ብኸመይ ኢና እንዛረብ፧

6 ብዛዕባ እቲ እነፍቅሮ ነገራት ምዝራብ ባህ እዩ ዜብለና። ዘረባና ድማ ኣዝዩ ውዕዉዕ ይኸውን። ብሕልፊ ብዛዕባ እነፍቅሮ ሰብ ክንዛረብ ከለና ኸምኡ ኢና እንገብር። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ እንፈልጦ ሓበሬታ ንኻልኦት ከነካፍሎም ንህንጠ ኢና። ንውድሶን ነኽብሮን ንጣበቐሉን ኢና። ከምዚ እንገብረሉ ምኽንያት ድማ ካልኦት ልክዕ ከማና ናብቲ ሰብን ናብ ባህርያቱን ምእንቲ ኺሰሓቡ እዩ።

7. የሱስ ንኣምላኽ ዝነበረቶ ፍቕሪ እንታይ ኪገብር ደረኸቶ፧

7 ካልኦት ሰባት ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዚሓድሮም ቅድሚ ምግባርና፡ ንሕና ኽንፈልጦን ከነፍቅሮን ኣሎና። ከመይሲ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኣምላኽ ኣብ ምፍቃር እተመርኰሰ እዩ። (ማቴ. 22:36-38) የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ፍጹም ኣብነት እዩ ሓዲጉ። ንየሆዋ ብምሉእ ልቡን ሓሳቡን ነፍሱን ሓይሉን የፍቅሮ ነበረ። ንቢልዮናት ዓመታት ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ስለ ዝነበረ፡ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚፈልጦ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ እየ’ ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃ. 14:31) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸኣ ኣብቲ ዚብሎን ዚገብሮን ትንጸባረቕ ነበረት። ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺገብር ከኣ ደረኸቶ። (ዮሃ. 8:29) ነቶም ንኣምላኽ ከም ዚውክሉ ብግብዝና ዚዛረቡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንኪዅንኖም ደፋፍኣቶ። ብዘይካዚ እውን፡ ብዛዕባ የሆዋ ንኺዛረብ ኰነ ኻልኦት ብዛዕባኡ ኺፈልጡን ኬፍቅርዎን ንኺሕግዞም ደሪኻቶ እያ።

8. ፍቕሪ ኣምላኽ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ኪገብሩ እያ ደሪኻቶም፧

8 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ልክዕ ከም የሱስ ንየሆዋ የፍቅርዎ ነበሩ፣ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸኣ ነቲ ብስራት ብትብዓትን ብቕንኣትን ንኺሰብኩ ደረኸቶም። እቶም ተሰማዕነት ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖት እኳ እንተ ተጻረርዎም፡ ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መልእዋ። ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ምዝራቡ ኺሓድጉ ኣይኰነሎምን። (ግብ. 4:20፣ 5:28) የሆዋ ምስኦም ከም ዝዀነን ከም ዚባርኾምን ይፈልጡ ነበሩ፣ ብሓቂ ኸኣ ባሪኽዎም እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ካብ ዚመውት 30 ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪጽሕፍ ክኢሉ እዩ።—ቈሎ. 1:23

9. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነደልድላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ውጽኢታውያን መምህራን ክንከውን እንተ ደሊና፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነደልድላ ኣሎና። ብኸመይ፧ ንኣምላኽ ብጸሎት ንዛረቦ ኢና። ንቓሉ ብምጽናዕ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብምንባብ፡ ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምክፋል እውን ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ነደልድላ ኢና። ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ልብና ብፍቕሩ ይመልእ። ድሕሪኡ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብቓልን ብግብርን ከነንጸባርቓ ኸለና፡ ካልኦት ኪርእይዎ እዮም፣ ናብ የሆዋ ኸኣ ይሰሓቡ ይዀኑ።—መዝሙር 104:33, 34 ኣንብብ።

ነቲ እንምህሮ ትምህርቲ ኸነፍቅሮ ኣሎና

10. ናይ ሓደ ንፉዕ መምህር መለለዪ እንታይ እዩ፧

10 ናይ ሓደ ንፉዕ መምህር መለለዪ፡ ነቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ዜፍቅሮ ምዃኑ እዩ። እቲ ዚምህሮ ትምህርቲ፡ ሓቅነትን ኣገዳስነትን ጥቕምን ከም ዘለዎ ኺኣምን ኣለዎ። ሓደ መምህር ብዛዕባ እቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ዚግደስ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ብውዕዉዕ ስምዒት እዩ ዜርእዮ፣ ኣብቶም ዚምህሮም ከኣ ሓያል ጽልዋ የሕድር። ብኻልእ ሸነኽ ግን ነቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ኣኽቢሩ ዘይርእዮ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ተመሃሮኡ ነቲ ዚሰምዕዎ ዘለዉ ኬኽብርዎ ዚጽበ፧ ነቲ ኸም መምህር ቃል ኣምላኽ መጠን ዘሎካ ኣብነት ኣንኢስካ ኣይትርኣዮ። የሱስ፡ “ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን” በለ።—ሉቃ. 6:40

11. የሱስ ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ዘፍቀሮ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ የፍቅሮ ነበረ። ንኻልኦት ዜካፍሎም ክቡር ነገር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዚገልጽ ሓቂ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ “ቃል ኣምላኽ፡” ከምኡውን “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ይምህር ነበረ። (ዮሃ. 3:34፣ 6:68) እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቂ ልክዕ ከም ድሙቕ ብርሃን ንሕማቕ የቃልዕ፡ ንጽቡቕ ከኣ የጕልሕ ነበረ። ነቶም ብሓሰውቲ መራሕቲ ሃይማኖት እተታለሉን ብድያብሎስ እተገፍዑን ትሑታት ሰባት፡ ተስፋን ምጽንናዕን ኣምጽኣሎም። (ግብ. 10:38) እታ የሱስ ንሓቂ ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ኣብ ትምህርትታቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ ተግባሩ እውን ተራእያ እያ።

12. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ብስራት እንታይ ይስምዖ ነበረ፧

12 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልክዕ ከም ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባኡን ብዛዕባ የሆዋን ዚገልጽ ሓቂ ኣዝዮም የፍቅርዎ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ተጻረርቶም እውን እንተ ዀኑ ነዚ ሓቂ እዚ ንኻልኦት ከየካፍሉ ኣይዓገትዎምን። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ብናይ ርእሰይሲ . . . ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ። . . . ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 1:15, 16) ንሓቂ ምእዋጅ ከም ክብሪ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። “ንኣይ . . . እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ኤፌ. 3:8) ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን ኪምህሮም ከሎ ዜርእዮ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።

13. ነቲ ብስራት እነፍቅረሉ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

13 እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብስራት፡ ንፈጣሪ ኽንፈልጦን ምስኡ ፍቕራዊ ርክብ ክንምስርትን ይሕግዘና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ህይወት ንዚለዓል ኣገዳሲ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ይህብ፡ ህይወት ይቕይር፡ ከምኡውን ተስፋን ኣብ ግዜ ጸገም ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእል ብርታዐን ይህብ። ብተወሳኺ፡ ናብ ትርጕም ዘለዎ ፈጺሙ ዘየቋርጽ ህይወት ይመርሕ። ካብቲ ብስራት ንላዕሊ ኽቡርን ኣገዳስን ዝዀነ ፍልጠት የልቦን። ከመይሲ፡ ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽኣልና ብዋጋ ዘይሽነን ክቡር ውህበት እዩ። ንኻልኦት ከነካፍሎም ከለና ኸኣ ዝያዳ ሓጐስ ንረክብ።—ግብ. 20:35

14. ነቲ እንምህሮ ትምህርቲ ኸነፍቅሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ነቲ ብስራት ዘሎካ ፍቕሪ ብዝያዳ ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትን። ንኣብነት፡ ንየሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ተሰንዮ ኸም ዘለኻ ወይ ከኣ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ንርእስኻ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣእትዋ፡ ኣብኡ ህይወት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኸም ዚኸውን ድማ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ብስራት ስለ እተኣዘዝካ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ በረኸት ኣስተንትን። ነቲ ብስራት ዘላትካ ፍቕሪ ድልድልቲ እንተ ዀይና፡ እቶም እትምህሮም ሰባት ኬስተብህሉላ እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ኸነስተንትንን ነቲ እንምህሮ ትምህርቲ ኽንጥንቀቐሉን ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 4:15, 16 ኣንብብ።

ንሰባት ከነፍቅሮም ኣሎና

15. ሓደ መምህር ንተመሃሮኡ ኼፍቅሮም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሓደ ንፉዕ መምህር፡ ተመሃሮኡ ንርእሶም ኣብቲ ዚመሃርዎ ዘለዉ ትምህርቲ ምእንቲ ኼእትውዋ፡ ከምኡውን ተሓጒሶም ምእንቲ ኺሳተፉ፡ ፍዅስ ከም ዚብሎም ይገብር። ሓደ ፈቃር መምህር ንተመሃሮኡ ኻብ ልቢ ስለ ዚሓልየሎም፡ ፍልጠት የካፍሎም እዩ። ከከም ዜድልዮምን ናይ ምርዳእ ዓቕሞምን ከኣ ነቲ ትምህርቲ ይቐያይሮ። ንኽእለትን ኵነታትን ተመሃሮኡ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። መምህራን ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኺህልዎም ከሎ፡ እቶም ተመሃሮ ኼስተውዕልዎ እዮም፣ እቲ መጽናዕቲ ኸኣ ባህ ዜብል ይኸውን።

16. የሱስ ንሰባት ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

16 የሱስ ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ኣርኣዩ እዩ። ካልኦት ምእንቲ ኺድሕኑ ኢሉ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጃ ምሕላፉ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 15:13) ኣብ ኣገልግሎቱ ደኺመ ኸይበለ ንሰባት ብኣካላዊ፡ ብሕልፊ ኸኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ይሓልየሎም ነበረ። ሰባት ናብኡ ኺመጹ ኣይተጸበየን፣ የግዳስ፡ ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ብእግሩ ተጓዒዙ ነቲ ብስራት የካፍሎም ነበረ። (ማቴ. 4:23-25፣ ሉቃ. 8:1) ዕጉስን ዚርዳእን እዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቱ መአረምታ ኼድልዮም ከሎ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይእርሞም ነበረ። (ማር. 9:33-37) ውጽኢታውያን ሰበኽቲ ብስራት ከም ዚዀኑ ዘለዎ ምትእምማን ብምግላጽ ኣተባብዖም። ከም የሱስ ዝኣመሰለ ፈቃር መምህር ፈጺሙ የልቦን። ንደቀ መዛሙርቱ ዘርኣዮም ፍቕሪ፡ ንሳቶም እውን ብግዴኦም ኬፍቅርዎን ንትእዛዛቱ ኺሕልዉን ደሪኻቶም እያ።—ዮሃንስ 14:15 ኣንብብ።

17. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኻልኦት ፍቕሪ ዘርኣይዎም ብኸመይ እዮም፧

17 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ነቶም ዝሰበኹሎም ሰባት ኣዝዮም የፍቅርዎም ነበሩ። መስጐጕቲ እናተጻወሩን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ እናኣእተውን ንኻልኦት የገልግሉ ነበሩ፡ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ከኣ ተዓዊቶም እዮም። ነቶም ብመንፈሳዊ ዝሓገዝዎም ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዜፍቅርዎም ነይሮም! እተን ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝጸሓፈን ቃላት ብሓቂ ልቢ ዚትንክፋ እየን፦ “ኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።”—1 ተሰ. 2:7, 8

18, 19. (ሀ) ኣብ ዕዮ ስብከት ንምክፋል መስዋእትታት ክንገብር ፍቓደኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እታ እነርእያ ፍቕሪ፡ ካልኦት የስተብህሉላ ምዃኖም ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

18 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ንኣምላኽ ኪፈልጥዎን ኬገልግልዎን ሃረር ዚብሉ ሰባት ንምርካብ ኣብ መላእ ምድሪ ይሰብኩ እዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ 17 ዓመት ብተኸታታሊ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብምክፋል ኣብ ዓዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፍና ኢና፣ ነዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ሕጂ እውን ንቕጽሎ ኣሎና። እቲ ዕዮ ስብከት ግዜኻን ጕልበትካን ገንዘብካን መስዋእቲ ኽትገብር ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍታው ኢና እንገብሮ። ንሕና እውን ልክዕ ከም የሱስ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚመርሕ ፍልጠት ኪረኽቡ ኸም ዚደሊ ንርዳእ ኢና። (ዮሃ. 17:3፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4) እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ልክዕ ከማና ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ንኽንሕግዞም ፍቕሪ ትድርኸና እያ።

19 እታ እነርእያ ፍቕሪ፡ ካልኦት የስተብህሉላ እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ፈላሚት፡ ፍቑራቶም ብሞት ንእተፈለይዎም ሰባት ዜጸናንዕ ደብዳበ ትልእኽ እያ። ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ደብዳበ ለኣኸላ፦ “ንሓደ ፈጺምኪ ዘይትፈልጥዮ ሰብ ነቲ ጽንኩር እዋን ምእንቲ ኺጾሮ ኢልኪ ደብዳበ ምጽሓፍኪ ኣብ ፈለማ ኣዝዩ እዩ ኣገሪሙኒ። ንብጻይክን ነቲ ንሰባት ናብ መገዲ ህይወት ዚመርሕ ኣምላኽን ፍቕሪ ኸም ዘሎኪ ጥራይ እየ ኽድምድም ዝኽእል።”

20. ብፍቕሪ ምምሃር ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

20 ፍቕርን ክእለትን ብጥምረት ኪዓዪ ኸሎ፡ ብሉጽ ውጽኢት ኪርከብ ከም ዚኽእል ይዝረብ እዩ። ኣብ ኣመሃህራና፡ እቶም ተመሃሮ ንየሆዋ ዚፈልጥ ኣእምሮን ንዕኡ ዜፍቅር ልብን ኬማዕብሉ ኢና እንሕግዞም። ስለዚ፡ ናይ ብሓቂ ውጽኢታውያን መምህራን ንምዃን ሰለስተ ዓይነት ፍቕሪ ኺህልወና ኣለዎ። እወ፡ ንኣምላኽን ንሓቅን ንሰባትን ከነፍቅሮም ኣሎና። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ኽንኵስኵስን ኣብ ኣገልግሎትና ኸነንጸባርቓን ከለና፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሱስ ብምምሳልን ንየሆዋ ብምሕጓስን ዚርከብ ዕግበት እውን ንረክብ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ብስራት ክንምህር ከለና፡ እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ

ነቲ እንምህሮ ትምህርቲ ዘሎና ፍቕሪ

ነቶም እንምህሮም ዘሎና ፍቕሪ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ዝመሃረሉ መገዲ ኻብቲ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እተፈልየ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጽቡቕ ኣመሃህራ፡ ፍልጠት፡ ክእለት፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ፍቕሪ ይሓትት