ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ “ዝበለጸ መገዲ” ፍቕሪ ትስዕብዶ ኣለኻ፧

ነቲ “ዝበለጸ መገዲ” ፍቕሪ ትስዕብዶ ኣለኻ፧

ነቲ “ዝበለጸ መገዲ” ፍቕሪ ትስዕብዶ ኣለኻ፧

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” እዘን ሃዋርያ ዮሃንስ እተዛረበን ቃላት፡ ነታ ዓብላሊት ባህርይ ኣምላኽ እየን ዚሕብራ። (1 ዮሃ. 4:8) እታ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ፡ ናብኡ ኽንቀርብን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርትን ተኽእለና። ፍቕሪ ኣምላኽ በየናይ ካልእ መገዲ እያ እትጸልወና፧ “እቲ እነፍቅሮ ነገር ይቐርጸና እዩ” ዚብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓቂ እዩ። እንተዀነ ግን፡ በቲ እነፍቅሮ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቶም እነፍቅሮምን ዜፍቅሩናን እውን ንቕረጽ ኢና። ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጠርና ኸም ምዃንና መጠን፡ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ናይ ምንጽብራቕ ተኽእሎ ኣሎና። (ዘፍ. 1:27) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዝኸኣልና፡ ‘ንሱ ቕድም ስለ ዘፍቀረና’ ምዃኑ ዝጸሓፈ።—1 ዮሃ. 4:19

ንፍቕሪ ዚገልጻ ኣርባዕተ ቓላት

ሃዋርያ ጳውሎስ ንፍቕሪ፡ “ዝበለጸ መገዲ” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። (1 ቈረ. 12:31) ንፍቕሪ በዚ መገዲ እዚ ዝገለጻ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ኣየነይቲ ዓይነት ፍቕሪኸ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ናይዚ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ነታ “ፍቕሪ” እትብል ቃል እስከ ንመርምራ።

ጥንታውያን ግሪኻውያን ንፍቕሪ ዚገልጻ ኣርባዕተ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ዚውዕላ መሰረታውያን ቃላት ነበራኦም፣ እዚኣተን ከኣ ስቶርገ፡ ኤሮስ፡ ፊልያ፡ ከምኡውን ኣጋፐ እየን። ካብዚኣተን እታ ኣጋፐ እትብል ቃል እያ ነቲ “ፍቕሪ” ዝዀነ ኣምላኽ ንምግላጽ እትውዕል። * ፕሮፌሰር ዊልያም ባርክለይ ኣብታ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕባ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸምዚ በለ፦ “ኣጋፐ ምስ ኣተሓሳስባ እተተሓሓዘት እያ፣ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ካብ ልብና እትምንጭው ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን፣ ንህይወትና እትመርሕ ስርዓት እያ። ብቐንዱ ምስ ድሌት እያ እትተሓሓዝ።” ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ እታ “ኣጋፐ” እትብል ቃል፡ ብስርዓት እትምራሕ ፍቕሪ ማለት እኳ እንተ ዀነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስምዒት እውን ትስነ እያ። ጽቡቕን ሕማቕን ስርዓታት እኳ እንተሎ፡ ክርስትያናት በቲ የሆዋ ኣምላኽ ዚህቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ስርዓታት ኪምርሑ ኸም ዘለዎም ንጹር እዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጋፐ ዚገልጸሉ መገዲ ምስቲ ንፍቕሪ ንምግላጽ ዚጥቀመሉ ኻልእ ቃላት ከነወዳድሮ ኸለና፡ ነታ ኸነንጸባርቓ ዚግብኣና ፍቕሪ ብዝያዳ ኽንርድኣ ኢና።

ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እትርአ ፍቕሪ

ኣባል ሓደ ምውቕን ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ስድራ ቤት ምዃንሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ፍቕሪ ንምግላጽ እትውዕል ናይ ግሪኽ ቃል፡ ስቶርገ እትብል እያ። ክርስትያናት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ፍቕሪ ንምርኣይ ይጽዕሩ እዮም። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰባት ብሓፈሻ “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ከም ዚዀኑ ጳውሎስ ተነብዩ ነበረ። *2 ጢሞ. 3:1, 3

እቲ ዜሕዝን፡ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ኪህሉ ዘለዎ ፍቕሪ ይጠፍእ እዩ ዘሎ። ነፍሰ-ጾር ኣዴታት ምንጻል ጥንሲ ዚፍጽማ ስለምንታይ እየን፧ ብዙሓት ስድራ ቤታት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ዘይግደሱሎም ስለምንታይ እዮም፧ ብዝሒ ፍትሕ ሰማይ በጺሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ፍቕሪ ስድራ ቤት ስለ ዘየለ ደይኰነን፧

ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን” ምዃኑ ይምህር እዩ። (ኤር. 17:9) ፍቕሪ ስድራ ቤት ንልብን ስምዒትን እውን ዜጠቓልል እዩ። እቲ ዜገርም ግን፡ ጳውሎስ ነቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኼርእያ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ኣጋፐ እዩ ተጠቒሙ። ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸኣ ምስታ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዜርእያ ፍቕሪ ኣመሳሰላ። (ኤፌ. 5:28, 29) እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ እቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ኣብ ዘውጽኦ ስርዓታት እተመርኰሰት እያ።

ንኣባላት ስድራ ቤትና ዘሎና ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ኽንግደሰሎም ወይ ከኣ ነቲ ንደቅና ብዚምልከት ዘሎና ሓላፍነት ክንስከሞ ኽትድርኸና እያ። ብዘይካዚ፡ ወለዲ ንደቆም ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፍቕራዊ ተግሳጽ ኪህብዎም ትድርኾም እያ፣ ኣብ ስምዒት ጥራይ ተመርኲሶም ስጕምቲ ኸም ዘይወስዱ እውን ትገብሮም። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ደቆም ኣብ ዘለዎም ርክብ ኣመና ልምሉማት ይዀኑ።—ኤፌ. 6:1-4

ፍቕሪ ኣንጻር ጾታን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን

ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ፡ ናይ ብሓቂ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ እዩ። (ምሳ. 5:15-17) ይኹን እምበር፡ እቶም ብመንፈስ እተመርሑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘሎ ፍቕሪ እትገልጽ ኤሮስ እትብል ቃል ኣይተጠቐሙላን። ስለምንታይ፧ ቅድሚ ገለ ዓመታት ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ክትህብ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ሎሚ መላእ ዓለም ነቲ ጥንታውያን ግሪኻውያን ዝገበርዎ ጌጋ እትደግም ዘላ እዩ ዚመስል። ግሪኻውያን ንኤሮስ ከም ኣምላኽ ኣምሊኾምዎ፡ ኣብ መሰውኢኡ ሰጊዶም፡ ከምኡውን መስዋእቲ ኣቕሪቦምሉ እዮም። . . . ታሪኽ ከም ዚሕብሮ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ንጾታዊ ፍቕሪ ዚግበር ኣምልኾ፡ ውርደትን ዕብዳንን ምክፍፋልን ጥራይ እዩ ዜምጽእ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ዚኸውን ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ቓል ዘይተጠቕሙላ።” ኣብ ኣካላዊ ስሕበት ጥራይ ካብ እተመስረት ርክብ ምእንቲ ኽንርሕቕ፡ እቲ ንኣንጻር ጾታ ዘሎና ፍቕሪ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ኺልዝብ ወይ ኪግታእ ኣለዎ። ስለዚ፡ ‘ንኣንጻር ጾታ ዘሎኒ ፍቕሪ ምስቲ ንብጻየይ ዘሎኒ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ይሳነ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ‘ኣዚኻ በጽሒ’ ቕድሚ ምዃንካ ኣብ ዘሎ ግዜ ዜጋጥም ጾታዊ ስምዒት ኣዝዩ ሓያል እዩ፣ ስለዚ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቖም ዚስዕቡ መንእሰያት ብስነ-ምግባር ዝመጸ ንጹሃት ኪዀኑ ኣለዎም። (1 ቈረ. 7:36፣ ቈሎ. 3:5) ንመውስቦ ኸም ቅዱስ ውህበት ኣምላኽ ጌርና ኢና እንርእዮ። የሱስ ብዛዕባ ሰብ ሓዳር ኪዛረብ ከሎ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴ. 19:6) ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዚግበር ቃል ኪዳን፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ስሕበት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብ ሓዳር ጸገም ኬጋጥም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኻብኡ እንሃድም፡ ንስድራ ቤትና ሓጐስ ኬምጽኣላ ዚኽእል ኣምላኻዊ ባህርያት ከነርኢ ኢና እንጽዕር። ከምዚ ዓይነት ጻዕሪ ኸኣ ነባሪ ሓጐስ ኬምጽኣልና እዩ።—ኤፌ. 5:33፣ እብ. 13:4

ኣብ መንጎ ፈተውቲ እትርአ ፍቕሪ

ፈተውቲ እንተ ዘይህልዉ፡ ህይወት ዜሰልኪ ምዀነ ነይሩ! ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳሌ፡ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ይብል። (ምሳ. 18:24) የሆዋ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ወይ ኣዕሩኽ ኪህልዉና ይደሊ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት ኣብ ኵሉ ዚፍለጥ እዩ። (1 ሳሙ. 18:1) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ‘የፍቅሮ’ ምንባሩ እውን ይገልጽ እዩ። (ዮሃ. 20:2) እታ ኣብዚ ‘የፍቅሮ’ ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ፊልያ ማለት ኰይና “ንዕርክነት” እውን ተመልክት እያ። ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ዕርክነት ምምስራት ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:7 ኣብታ “ምፍቃር ኣሕዋት” (በታ ን“ፈታዊ” እተመልክት ፊሎስ እትብል ከምኡውን በታ ን“ሓው” እተመልክት ኣደልፎስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝቘመት ፊላደልፍያ) “ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ” (ኣጋፐ) ክንውስኽ ምትብባዕ ተዋሂቡና ኣሎ። ነባሪ ዕርክነት ንምምስራት፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ‘ንዕርክነት ዘሎኒ ኣረኣእያ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሳነ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ግቡእ እዩ።

ቃል ኣምላኽ፡ ምስ ኣዕሩኽና ኣብ ዘሎና ርክብ ኣድልዎ ንኸይነርኢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ምስ ኣዕሩኽና ኣብ እንዀነሉ እዋን ልምሉም መለክዒ፡ ምስ ካልኦት ከኣ እተፈልየን ጥብቅን መለክዒ ብምጥቃም ክልተ ዓይነት መለክዒ ኺህልወና የብሉን። ብተወሳኺ፡ ኣዕሩኽ ንምርካብ ሻሕራ ኣይንጥቀምን ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክንመርጽ ከምኡውን ‘ካብቲ ንጽቡቕ ልማድ ዜጥፍእ ሕማቕ ዕርክነት’ ክንርሕቕ ዜኽእል ምስትውዓል ይህበና።—1 ቈረ. 15:33

ፍሉይ ማእሰር ፍቕሪ!

እቲ ንክርስትያናት ዜሕብሮም ማእሰር ኣዝዩ ፍሉይ እዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። . . . ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:9, 10) እወ፡ ክርስትያናት ‘ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ (ኣጋፐ)’ ኣላቶም። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ስምዒት ጥራይ እተሓጽረት ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እያ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ብዛዕባ “ፍቕሪ ኣሕዋት” (ፊላደልፊያ) ከምኡውን ብዛዕባ ‘ብለውሃት ምፍቓር’ (በተን ፊሎስ ከምኡውን ስቶርገ ዚብላ ናይ ግሪኽ ቃላት ዝቘመት ፊሎስቶርገስ) ተዛሪቡ እዩ። ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ፡ “ፍቕሪ ኣሕዋት” ኪበሃል ከሎ፡ “ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ሕያውነት ምርኣይ፡ ድንጋጽ፡ ሓገዝ ምሃብ” ማለት እዩ። ምስ ኣጋፐ ኽትተሓሓዝ ከላ፡ ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ሓቂ ዕርክነት ከም ዚህሉ ትገብር። (1 ተሰ. 4:9, 10) እታ “ብለውሃት ተፋቐሩ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሓረግ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ እያ ተጠቒሳ እትርከብ፣ ነቲ ኣብ ስድራ ቤት ዚርአ ዓይነት ጥብቂ ርክብ ድማ ተመልክት።

እቲ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜሕብሮም ማእሰር፡ ፍቕሪ ስድራ ቤትን ፍቕሪ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽን ዘጠቓለለ እዩ፣ ኵሉ እዚ ርክባት ከኣ በታ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰት ፍቕሪ እዩ ዚጽሎ። ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ማሕበራዊ ኽበብ ወይ ዓለማዊ ውድብ ዘይኰነትስ፡ ብኣምልኾ የሆዋ ዝሓበረት ንሓድሕዳ እትቀራረብ ስድራ ቤት እያ። ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸም ስድራ ቤትና ጌርና ስለ እንርእዮም፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢልና ኢና እንጽውዖም። ኣባላት መንፈሳዊ ስድራ ቤትና እዮም፡ ልክዕ ከም ፈተውቲ ድማ ነፍቅሮም ኢና፣ ወትሩ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚሰማማዕ መገዲ ኸኣ ኢና ምስኦም እንመላለስ። እምበኣር፡ ኵላትና ኣብቲ ንናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድነት ዜምጽእን መለለዪኣ ዝዀነን ማእሰር ፍቕሪ ኣበርክቶ ንግበር።—ዮሃ. 13:35

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 5 ኣጋፐ ብኣሉታዊ መገዲ እተጠቕሰትሉ እዋን እውን ኣሎ።—ዮሃ. 3:19፣ 12:43፣ 2 ጢሞ. 4:10፣ 1 ዮሃ. 2:15-17

^ ሕ.ጽ. 7 እታ ኣብዚ “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሓረግ፡ ስቶርገ ዘይብሎም ማለት እያ፣ ነዚ ዚሕብር ቅድመ-ጥብቆ ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ናይ ግሪኽ ቃል ኣሎ።—ሮሜ 1:31 እውን ርአ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብቲ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ማእሰር ፍቕሪ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧