ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅንዕቲ ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት

ቅንዕቲ ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት

ቅንዕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ንጹህ ነገራት ከም እንሓስብ ትገብረና፣ ኣካይዳና ኸነመሓይሽ እንኽእለሉ መገዲ ኸኣ ተርእየና። ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ኣብ እንቃለሰሉ እዋን ትድግፈና፡ ጽቡቕ ባህርያትና ኸም ዚወጽእ ድማ ትገብር። እታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ከምዚ ኸም እትገብር ብኸመይ ንፈልጥ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ፡ ግሪኽ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈሎም እሞ ኣስተብህል። እዛ ጥንታዊት ከተማ እዚኣ፡ በቲ ርኽሰት ዝመልኦ ኣነባብራ ፍልጥቲ ነበረት። ጳውሎስ፡ “ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ወሲኹ ድማ፡ “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” በለ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ቅንዕቲ ሃይማኖት ነቶም ቅድሚኡ ብዘይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ንጹሃትን ቅኑዓትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኪዀኑ ሓጊዛቶም እያ።

ብኣንጻሩ ግን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት “ከመይ ኣእዛኖም ኣሳሕይዎም ደኣ ነቲ ኪሰምዕዎ ዚትምነዩ ነገር ዚነግርዎም መምህራን ኪእክቡ እምበር ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ ዘይሰምዑሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ” ኢሉ የጠንቅቕ።—2 ጢሞቴዎስ 4:3 ትርጕም 1990።

እተን እትፈልጠን ሃይማኖታት ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ እየን፧ ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክብ ኣቢለን ድየን ዚርእያኦ፧ ንሰባት ነቲ “ኺሰምዕዎ ዚትምነዩ” ብምንጋር ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዚርከብ ንጹር ምኽሪ የፍኵሳኦ ድየን፧

ሓንቲ ሃይማኖት ጽቡቕ ፍረ ተፍሪ እንተ ዀይና ኣብ ምውሳን ንኺሕግዘካ፡ ንምንታይ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ዘይትምርምሮ፧

ርእሰ ነገር፦ መውስቦ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን።”—እብራውያን 13:4

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣባላታ ንመውስቦኦም ሕጋዊ ኺገብርዎ ትጠልብ ድያ፧

ርእሰ ነገር፦ ፍትሕ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ የሱስ ንፍትሕ ዚኸውን መሰረት እንተ ኣልዩ ምስ ተሓትተ፡ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” በለ።—ማቴዎስ 19:9

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ንመምርሒ የሱስ ብምስዓብ ብምኽንያት ጾታዊ ርኽሰት ጥራይ ክትፋታሕ ወይ መሊስካ ኽትምርዖ ትፈቅድ ድያ፧

ርእሰ ነገር፦ ጾታዊ ስነ-ምግባር።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።”—1 ቈረንቶስ 6:18

“ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ እቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።”—ሮሜ 1:26, 27

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ጾታ ዘለዎም ይኹን ኣብ መንጎ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ዚግበር ጾታዊ ርኽሰት ሓጢኣት ምዃኑ ትምህር ድያ፧

ርእሰ ነገር፦ ኣባላታ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬኽብሩ ተተባብዕ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ።” (1 ቈረንቶስ 5:11) እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ፡ ግን ከኣ ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት እንታይ ኪግበሩ ኣለዎም፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 5:13

ኣየነይቲ ሃይማኖት እያ ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምኽባር እትፍለጥ፧

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ ነቶም ደይመደይ ኢሎም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሸለል ዚብሉ ኣባላታ ትውግዶም ድያ፧