ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅንዕቲ ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ኣኽብሮት ቃል ኣምላኽ

ቅንዕቲ ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ኣኽብሮት ቃል ኣምላኽ

የሱስ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ብድያብሎስ ኪፍተን ከሎ ዝሃቦ ምላሽ ኪርአ ይከኣል እዩ። (ማቴዎስ 4:4-11) ንኣብነት፡ ሰይጣን ንየሱስ ነቲ ኣእማን ናብ እንጌራ ኪቕይሮ ምስ ሓተቶ፡ እንታይ ኢሉ መለሰ፧ ነቲ ኣብ ዘዳግም 8:3 ዚርከብ ሙሴ ዝጸሓፎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ብምጥቃስ፡ ከምኡ ምግባር ኣበየ። ድያብሎስ፡ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ ግዝኣት መንግስትታት ኵላ ዓለም ከም ዚህቦ ንየሱስ ምስ ነገሮ፡ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ኣብ ዘዳግም 6:13 ንዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ብምጥቃስ ነቲ ዘቕረበሉ ዕድመ ነጸጎ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሱስ ወዲ ኣምላኽ ክነሱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ስልጣን ዘለዎ ገይሩ ብምርኣይ፡ ኪምህር ከሎ ኣብኡ ይምርኰስ ነበረ። ምእንቲ ሰብኣዊ ልምድታት ኢሉ ንቓል ኣምላኽ ዕሽሽ ኣይበሎን። (ዮሃንስ 7:16-18) ይኹን እምበር፡ እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዚ ዓይነት ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። ስለምንታይ፧ ንሰብኣዊ ልምድታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንላዕሊ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። የሱስ ድማ ብግህዶ ኸምዚ በሎም፦ “ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።”—ማቴዎስ 15:6-9

ብዙሓት ኣብዛ ዓለም ዘለዋ ክርስትያን ዝዀናን ዘይኰናን ሃይማኖታት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜኽብራኦ ይዛረባ እየን። ኰይኑ ግን፡ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ንጹር ትምህርቲ ኺጋጮ ኸሎ ንሰብኣዊ ልምድታት ዚነጽጋኦ ሃይማኖታት ክንደይ እየን፧ ክልተ ኻብዚ ሰብኣዊ ልምድታት እስከ ንርአ።

ርእሰ ነገር፦ ሃይማኖታዊ መዓርግ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብመዓርግ ኪጽውዑን ተፈላጥነት ኪረኽቡን ይደልዩ ብምንባሮም ኰነኖም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ።” የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ” በሎም።—ማቴዎስ 23:1-10

ሕቶ፦ መራሕቲ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ብናይ ክብሪ መዓርግ ኪጽውዑን ተፈላጥነት ኪረኽቡን ድዮም ዚደልዩ፡ ወይስ ነቲ ኸምኡ ኸይገብሩ ዚሕብር ትእዛዝ የሱስ ይእዘዝዎ እዮም፧

ርእሰ ነገር፦ ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ምጥቃም።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን።”—ዘጸኣት 20:4, 5

ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት፡ “ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—1 ዮሃንስ 5:21

ሕቶ፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንኣምላኽ ብስእልን ብምስልን ከነምልኾ ኸም ዘይብልና ዚገልጽ ንጹር ትእዛዝ ተኽብር ድያ፧

ነታ ቕንዕቲ መገዲ ኽትረኽባ ትኽእል ኢኻ

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ይሃልዋ ብዘየገድስ፡ ነታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽትረኽባ ትኽእል ኢኻ። ነቲ “ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ” ኸተለልዮ እትኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። (ያእቆብ 1:27) እቲ ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት፡ ናብዛ ሃይማኖት እዚኣ ኺመርሓካ ዚኽእል ምልክት እዩ።

ነቲ ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ዘሎ ሕቶታት ኪምልሱልካ ንምንታይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይትሓቶም፧ ነቲ ዚብልዎ ኽትምርምር ከለኻ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ከተማ ቤርያ ዝነበሩ ሰባት ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ስዓብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኪሰብኽ ከሎ ድሕሪ ምስማዖም፡ “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት [ይምርምርዎ]” ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ንስኻ እውን ልክዕ ከም ሰብ ቤርያ ንቓል ኣምላኽ ተኽብሮን ብትግሃት ተጽንዖን እንተ ዄንካ፡ ነታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽትረኽባ ኢኻ። ድሕሪኡ፡ በዛ መገዲ እዚኣ ኽትመላለስ ዲኻ ኣይክትመላለስን ናትካ ምርጫ እዩ።

ሰባት፡ እቲ ዚመሃርዎ ዘለዉ ሓቂ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬጽንዑ እተተባብዕ ሃይማኖት ኣየነይቲ እያ፧