ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንዓቃላት ኣኽቢሩ ይርእዮም

የሆዋ ንዓቃላት ኣኽቢሩ ይርእዮም

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ንዓቃላት ኣኽቢሩ ይርእዮም

ዘሁልቍ 12:1-15

ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ህርፋን። እቶም ኣብ ዓለም ኣሳልጦ ዝረኸቡ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት እዮም ዜርእዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ባህርያት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከም እንቐርብ ይገብረና ድዩ፧ ኣይገብረናን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ የሆዋ ነታ ኣምለኽቱ ዜንጸባርቕዋ ዓቕሊ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእያ። እቲ ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 12 ዚርከብ ዛንታ ነዚ መርትዖ ይኸውን እዩ። እቲ ዛንታ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም ኣብ በረኻ ሲና ኸለዉ ዘጋጠመ እዩ።

እቶም ዓበይቲ ኣሕዋት ሙሴ ዝነበሩ ሚርያምን ኣሮንን “ነቐፍዎ።” (ቍጽሪ 1 ትርጕም 1990) እቲ ነገሮም ንሙሴ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ዚነግርዎ፡ ምናልባት ብዛዕባ እቲ መረረኦም ኣብቲ ሰፈር ብምውራይ ኣንጻሩ ተዛረቡ። እታ መጀመርታ እተጠቕሰት ሚርያም ኣብዚ ነገር እዚ መሪሕነት ወሲዳ ኽትከውን ትኽእል እያ። ቀንዲ ጠንቂ እቲ ምጕርምራም፡ ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ምእታዉ እዩ ነይሩ። ሚርያም ብሰንኪ እዛ እስራኤላዊት እውን ዘይኰነት ሰበይቲ ነቲ ዝነበራ ተፈላጥነት ከይትስእን ስለ ዝቐንአት ክትከውን ትኽእልዶ፧

ሱር እቲ ምጕርምራም እናሰፍሐ ኸደ። ሚርያምን ኣሮንን፡ “እግዚኣብሄርሲ ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧” በሉ። (ቍጽሪ 2) ቀንዲ ጠንቂ እቲ ምጕርምራም ዝያዳ ስልጣንን ተፈላጥነትን ንምርካብ ዝነበሮም ባህጊ ድዩ፧

እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ሙሴ ነቲ ምጕርምራም ባዕሉ መልሲ ኣይሃበሉን። የግዳስ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ነቐፌታ ስቕ ኢሉ ብትዕግስቲ ጾሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ዚብል። * (ቍጽሪ 3) የሆዋ ነቲ ምጕርምራም ይሰምዖ ስለ ዝነበረን ኣብ ጐድኑ ስለ ዝቘመን፡ ሙሴ ንርእሱ ኺከላኸለላ ኣየድለዮን።

የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዘጕረምረሙ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ከመይሲ፡ ንሙሴ ዝሸሞ ባዕሉ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ነቶም መጕረምረምቲ ገንሖም፡ ንሙሴ “ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ” ኢሉ ብምግላጽ ድማ ምስኡ ፍሉይ ርክብ ከም ዘለዎ ኣዘኻኸሮም። “ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈራህኩም፧” ኢሉ ኸኣ ሓተቶም። (ቍጽሪ 8) ኣንጻር ሙሴ ምዝራቦም፡ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ኸም ዚሓጥኡ እዩ ገይርዎም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ንዕቐት፡ መለኮታዊ ቝጥዓ ኸም ዚወርዶም ዝገብር እዩ ነይሩ።

እታ ቐንዲ መለዓዓሊት እቲ ምጕርምራም ዝነበረት ሚርያም ብለምጺ ተወቕዐት። ብኡንብኡ ኣሮን ምእንታኣ ኺልምን ንሙሴ ሓተቶ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ድሕንነት ሚርያም ኣብቲ ዘጕረምረሙሉ ሰብ እተመርኰሰ ነበረ! ሙሴ ብትሕትና ኸምቲ ዝሓተትዎ ገበረሎም። ኣብዚ ዛንታ እዚ ንፈለማ እዋን ብምዝራብ ከኣ፡ ምእንቲ ሓብቱ ንየሆዋ ለመኖ። ሚርያም ሓወየት፣ እንተዀነ ግን፡ ምእንቲ ኽትሓፍር ንሸውዓተ መዓልቲ ኽትዕጾ ነበራ።

እዚ ዛንታ እዚ፡ ነቲ የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮን ዚጻረሮን ባህርያት ንኸነስተውዕል ይሕግዘና። ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንተ ደሊና፡ ነቲ ኣባና እውን ኪርአ ዚኽእል ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ህርፋን ካብ ሱሩ ንምምሓው ክንጽዕር ኣሎና። የሆዋ ንዓቃላት ወይ ንትሑታት የፍቅሮም እዩ። “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ኢሉ እውን ተመባጺዑ ኣሎ።—መዝሙር 37:11፣ ያእቆብ 4:6

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ዓቕሊ፡ ሓደ ሰብ ንዘይፍትሓዊ ነገራት ብትዕግስትን ሕነ ኸይፈደየን ንኺጻወሮ እተኽእሎ ሓያል ባህርይ እያ።