ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓደ ገና መንእሰይ ከሎ ማሪዋናን ሽጋራን ኬትክኽ ዝጀመረ ሰብኣይ፡ ነዚ ልማዱ ኼቋርጾ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ዓመጸኛ ዝዀነ ዕዋላ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሕርቃኑ ኺቈጻጸርን ነቲ ዝነበሮ ዓሌታዊ ጽልኢ ኺሓድጎን ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ሃይንሪኽ ማር

ዕድመ፦ 38

መበቈል ሃገር፦ ካዛኪስታን

ታሪኽ፦ ወልፊ ማሪዋናን ሽጋራን ዝነበሮ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ካብ ከተማ ታሽከንት 120 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ደቡባዊ ካዛኪስታን እየ ተወሊደ። እዚ ኸባቢ እዚ፡ ኣብቲ ሙቐት ዚዀነሉ እዋን ክሳዕ 45 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዚበጽሕ ደረቕን ውዑይን ኵነታት ኣየር እዩ ዘለዎ፣ ኣብቲ ቘራሪ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 10 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ እዩ ዚበጽሕ፣ እዚ ኸኣ ወይንን ማሪዋናን ንምፍራይ ዚኸውን ምሹእ ኵነታት ኣየር እዩ።

ወለደይ ጀርመን ዝመበቈሎም እዮም ነይሮም። ኣባላት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ንኽሽምድዳ ምሂሮምኒ እዮም። ወዲ 14 ዓመት ከለኹ፡ ኣደይን ምዕባየይ ሓብተይን ንእተወሰነ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓ። ሓደ እዋን፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣደይ ካብ መጽሓፍ ቅዱሳ ነቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ክነግራኣ ኸለዋ ሰማዕክወን። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ተንከፈኒ። ኣደይ ነቲ መጽናዕቲ ስለ ዘቋረጸቶ፡ እቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዝነበረኒ ተገዳስነት ከይዓበየ ተረፈ። ይኹን እምበር፡ ጸኒሑ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መምህርና ብዛዕባ እቶም ኣንቈራ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰምዓቶ ናይ ሓሶት ወረታት ብተደጋጋሚ ትነግረና ነበረት። ምስ ሓብተይ ኰይነ ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፊለ ስለ ዝፈልጥ፡ እቲ እትዛረቦ ዝነበረት ጌጋ ምዃኑ ነገርክዋ።

ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሓደ ሞያ ንኽመሃር ናብታ ኣብ ሩስያ እትርከብ ለኒንግራንድ፡ ሕጂ ሰይንት ፒተርስበርግ እትበሃል ከተማ ተለኣኽኩ። ነቲ መዳቕስተይ ድማ ነታ ብዛዕባ የሆዋ ዝፈልጣ ንእሽቶ ፍልጠት ኣካፈልክዎ። ይኹን እምበር፡ ሽጋራ ኸትክኽ ጀመርኩ። ንስድራይ ክበጽሖም ኢለ ናብ ካዛኪስታን ምስ ተመለስኩ፡ ሕጋዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብቐሊሉ ማሪዋና ኽዕድግ እኽእል ነበርኩ። ቮድካ ዚበሃል ዓይነት መስተን ኣብ ገዛ ዚስራሕ ወይንን ድማ ብብዝሒ እሰቲ ነበርኩ።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ንኽልተ ዓመት ኣባል ሰራዊት ሶቭየት ኰንኩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ንእሽቶ ኸለኹ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ትምህርቲ ኣይረሳዕክዎን። ኣጋጣሚ ኽረክብ ከለኹ ድማ ነቶም ወተሃደራት ብዛዕባ የሆዋ እነግሮም፣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሶት ኪዝረብ ከሎ ከኣ እከላኸለሎም ነበርኩ።

ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ወዳእኩ፡ ናብ ጀርመን ገዓዝኩ። ኣብቲ ንስደተኛታት ተባሂሉ እተዳለወ ሰፈር ከለኹ ድማ ሓንቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትኸውን መጽሓፍ ተቐበልኩ። ብልዑል ተገዳስነት ምስ ኣንበብክዋ፡ እቲ ኣብኡ እተገልጸ ሓቂ ምዃኑ ፈለጥኩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዝነበረኒ ወልፊ ሽጋራን ማሪዋናን ከቋርጾ ኣይከኣልኩን። ድሕሪ ግዜ፡ ናብ ጥቓ ከተማ ካርልስሩል ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኪመርሓለይ ጀመረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ንነዊሕ ዓመታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ነይረ እየ። ነታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትኸውን መጽሓፍ ምስ ኣንበብክዋ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ኣብ ህይወት ዚለዓል ኣገዳሲ ሕቶታት ከም ዚምልሶ ኣመንኩ። ኰይኑ ግን፡ ልማዳተይ ክሓድጎ እተወሰነ ግዜ ወሰደለይ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:1 ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ልበይ ብምሕዳር፡ “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ” ርእሰይ ከንጽህ ወሰንኩ። እዚ ኸኣ ማሪዋናን ሽጋራን ዘይምትካኽ ዜጠቓልል ነበረ።

ማሪዋና ምትካኽ ቀልጢፈ ኣቋረጽክዎ። ሽጋራ ምትካኽ ንኼቋርጾ ግን፡ ሽዱሽተ ወርሒ ወሰደለይ። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ዕላማ ህይወትካ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝነበረኒ ወልፊ ሽጋራ ኸም ዝሓስብ ገበረኒ። ብዙሕ ሳዕ ሽጋራ ምትካኽ ክሓድጎ ፈቲነ እየ። ካብ ሽዑ ንደሓር ግን፡ ድሕሪ ምትካኸይ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ምትካኸይ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ወሰንኩ። ብ1993፡ ሽጋራ ምትካኽ ዘቋርጸላ መዓልቲ ወሰንኩ። ሳላ ሓገዝ የሆዋ፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ሽጋራ ትበሃል ኣይተንከፍኩን።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ኻብቲ ጐዳእን ብዙሕ ወጻኢ ኸም ዘውጽእ ዝገብረኒ ዝነበረን ወልፊ ማሪዋናን ሽጋራን ሓራ ስለ ዝዀንኩ፡ ጥዕናይ ይመሓየሽ ኣሎ። ሎሚ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ወለንታ ሰራሕተኛ ዄንካ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበ ኣለኹ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ኣብ ህይወተይ ኣብ ግብሪ ምውዓለይ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ! ከመይሲ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ምፍላጠይ፡ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማ ኸም ዚህልዋ ገይሩ እዩ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ስም፦ ታይተስ ሻንጋዲ

ዕድመ፦ 43

መበቈል ሃገር፦ ናሚብያ

ታሪኽ፦ ዕዋላ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ናሚብያ ዚርከብ ኦሃንግዌና ዚበሃል ገጠር እየ ዓብየ። ኣብዚ ቦታ እዚ ዚነብሩ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ብ1980ታት ኣብዚ ኸባቢ እተገብረ ውግእ ተቐጥቂጦምን ተቐቲሎምን እዮም። ኣብታ ኣነ ዚነብረላ ዝነበርኩ ገጠር፡ ሓደ ወዲ ንኻልኦት ኣወዳት ብምስዓር ንፉዕ ተበኣሳይ እንተ ዀይኑ እዩ “ሰብኣይ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ስለዚ፡ ብኸመይ ከም እትበኣስ ተማሂረ እየ።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ምስ ኣኮይ ክነብር ናብታ ኣብ ገማግም እትርከብ ስፋኮፕሙንት እትበሃል ከተማ ገዓዝኩ። ኣብቲ ቦታ ድሕሪ ምብጻሐይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምስ ዓመጸኛታት ዓዋሉ ተጸምበርኩ። ናብቲ ጸለምቲ ሰባት ኪኣትውዎ ዘይፍቀደሎም ከም ሆቴልን ቤት መስተን ዝኣመሰለ ቦታ እናኸድና ንበኣስ ነበርና። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ምስ ሓለውትን ፖሊስን ኢና ንበኣስ ኔርና። ነፍሲ ወከፍ ምሸት፡ ኬጥቅዓኒ ንዝመጸ ሰብ ንምክልኻል ሓንቲ በላሕን ነዋሕን ካራ እሕዝ ነበርኩ።

ሓደ ምሸት፡ ምስ ካልኦት ዓዋሉ ኽንበኣስ ከለና፡ ካብ ሞት ኣምለጥኩ። ሓደ ኻብቶም ኣንጻርና ዝነበሩ ዓዋሉ ኽሳደይ ክቘርጸኒ ኢሉ ብድሕረይ መጸ፣ ኰይኑ ግን ሓደ ኻብቶም ጕጅለና ሃለዋቱ ኽሳዕ ዜጥፍእ ዘበጦ። በዚ ኸምዚ ኻብ ሞት እኳ እንተ ኣምለጥኩ፡ ህይወተይ ግን ዓመጽ ዝመልኦ ዀይኑ ቐጸለ። ምስ ሰብኣይ ይኹን ምስ ሰበይቲ ክከራኸር እንተ ጀሚረ፡ ወትሩ ቐዳመይቲ መጥቃዕቲ ዚፍኑ ኣነ እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ንመጀመርታ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸብኩ፡ እታ ዝረኸበትኒ ሰበይቲ ኻብ መዝሙር 37 እተወሰነ ጥቕስታት ድሕሪ ምንባብ፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ እውን ካልእ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ መብጽዓ ኸም እትጠቅስ ነገረትኒ። ኰይኑ ግን፡ እዚ መብጽዓታት እዚ ኣብ ምዕራፍ ክንደይ ከም እተገልጸ ስለ ዘይነገረትኒ፡ ምሉእ ለይቲ ንመጽሓፍ ራእይ ከንብባ ሓደርኩ። ነቲ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ዘንበብክዎ “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል መብጽዓ ድማ ፈተኽዎ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሊሰን ምስ መጻ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓለይ ፍቓደኛ ዀንኩ።

ንኣተሓሳስባይን ተግባራተይን ምቕያር ኣዝዩ ኸበደኒ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ፈለጥኩ። ነቲ ኣብ ሮሜ 12:18 ዚርከብ፡ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ እውን ኣበርቲዐ ጸዓርኩ።

ሕርቃነይ ክቈጻጸር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንወልፊ ምትካኽ ሽጋራ እውን ክሓድጎ ነበረኒ። መብዛሕትኡ እዋን፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ቕጽርጽር እናበለኒ ናብኡ እጽሊ ነበርኩ። ኣብ ፈለማ ግን፡ “እዚኣ ናይ መወዳእታ ሽጋራ እያ” ኢለ ድሕሪ ምትካኸይ ናብ የሆዋ እጽሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣተሓሳስባይ ጌጋ ምንባሩ ግሁድ እዩ። እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓለይ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር፡ ነታ ሽጋራ ቕድሚ ምልዓልካ ምጽላይ ንዘለዎ ጥቕሚ ኽርዳእ ሓገዘትኒ። ካብቶም ሽጋራ ዜትክኹ እውን ክርሕቕ ነበረኒ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ምሳይ ዚሰርሑ ሰባት፡ ሽጋራ ምትካኽ ብዛዕባ ዜምጽኦ ጕድኣት ክነግሮም ንዝቐረበለይ ርእይቶ እውን ሰዓብክዎ። ከምዚ ስለ ዝገበርኩ፡ ካልኦት ሽጋራ ዜትክኹ መሳርሕተይ ሽጋራ ኣይህቡንን እዮም፣ እዚ ኸኣ ሓገዘኒ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንምትካኽ ሽጋራ ኸቋርጾን ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ክሓድጎን ከኣልኩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝመሃርን ኣብ ግብሪ ኻብ ዘውዕሎን ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኽጥመቕ ከኣልኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓሌት ኰነ ሕብሪ ቘርበት ከይፈለዩ ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኸም ዘላቶም ምስ ረኣኹ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዚስዕቡ ኣመንኩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ቕድሚ ምጥማቐይ እውን ከይተረፈ፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ሓደ ጻዕዳ ሓው ናብ ቤቱ ዓደመኒ። ዝሓልም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ቅድሚኡ ይትረፍዶ ናብ እንዳ ሓደ ጻዕዳ ሰብ ከይደ ምስኡ ምግቢ ኽበልዕሲ፡ ብሰላም እኳ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢለ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግን ኣባል እቲ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኰይነ እየ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሓለውትን ፖሊስን ብግዲ ኣተሓሳስባይን ተግባራተይን ኬቐይሩኒ ፈቲኖም ነበሩ፣ ኰይኑ ግን ኣይተዓወቱን። መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ባህርያተይ ክቕይርን ሕጉስ ሰብ ክኸውንን ሓጊዙኒ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“መብዛሕትኡ እዋን፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ቕጽርጽር እናበለኒ ናብኡ እጽሊ ነበርኩ”