ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቶም ንየሱስ ዚጻረርዎ ዝነበሩ ጸሓፍቲ እንታዎት እዮም ነይሮም፧

የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ የሩሳሌም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታትን ገጠራትን እውን ጸሓፍቲ የጓንፍዎ ነበረ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ኣብ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣይሁድ እውን ከይተረፈ ዝተሓተ ስልጣን ዝነበሮም ብሕጊ ፈላጣት እዮም ነይሮም፣ ከም ቀዳሕቲ ወይ ከም ፈራዶ ዀይኖም እውን ኣገልጊሎም እዮም።—ማርቆስ 2:6፣ 9:14፣ ሉቃስ 5:17-21

እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ምምሕዳር ኣይሁድ ብቐረባ ይዓዩ ነበሩ። (ማቴዎስ 16:21) ዘ ኣንኮር ባይብል ዲክሽነሪ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮም ግደ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትን ፍርዳዊ ስጕምትታትን እቲ ዋዕላ፡ ከምኡውን ልምድን ሕግን ኣይሁድ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ኣብ ምግባር ነቶም ካህናት ዚሕግዝዎም ዝነበሩ እዩ ዚመስል” በለት። ገሊኦም ጸሓፍቲ፡ ፍሉጣት መምህራን ሕጊ ብምንባሮም፡ ኣባላት ዋዕላ ኣይሁድ፡ ማለት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ነበሩ። ኣብ ጐድኒ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ኰይኖም ድማ የገልግሉ ነበሩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም፡ ንየሱስ ከም ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ዀይኖም ይቐርብዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ገሊኦም ግን ኣይጻረርዎን እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ፡ “ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ” በሎ። የሱስ እውን ንኻልእ ጸሓፊ፡ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” በሎ።—ማቴዎስ 8:19፣ ማርቆስ 12:28-34

ደ ሰብ ቅቡእ ኰይኑ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ንርእሲ ሓደ ሰብ ብዘይቲ ምልካይ፡ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ ዚሕብር እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ጋሻ ናይ ምቕባል ምልክት እውን እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ዘይቲ፡ ዘይቲ ኣውልዕ ኰይኑ ቕዱይ ወይ ምዑዝ ጨና ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እብራውያን ንሓደ ፍሉይ ስልጣን ንኺሕዝ እተመርጸ ሰብ ንምሻም ኣብ ርእሱ ዘይቲ የፍስሱሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣሮን ከም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ ተሸመ፡ ብዘይቲ ተቐብአ። (ዘሌዋውያን 8:12) ብተመሳሳሊ፡ ሳሙኤል ንንጉስ ዳዊት “ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ . . . ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲአ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ።”—1 ሳሙኤል 16:13

ብቛንቋ እብራይስጢ፡ እታ ንኸምዚ ዓይነት ምቕባእ እተመልክት ቃል ማሻኽ እትብል ኰይና፡ እታ ማሺኣኽ ወይ መሲሕ እትብል ቃል ካብኣ እያ ተወሲዳ። እታ ምስኣ እትመሳሰል ናይ ግሪኽ ቃል ድማ ኽሪዮ እትብል ኰይና፡ እታ ኽሪስቶስ ወይ ክርስቶስ እትብል ቃል ካብኣ እያ መጺኣ። ስለዚ፡ ኣሮንን ዳዊትን መሲሕ ወይ ቅቡእ ኪበሃሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ተወካሊኡ ዀይኑ ንኼገልግል ስለ ዝሸሞ፡ ክርስቶስ ወይ ቅቡእ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—እብራውያን 11:24-26

የሱስ ብዓል ናዝሬት ዓብዪ ስልጣን ንኺሕዝ ዝሸሞ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ቃል ብቓሉ ብዘይቲ ዘይኰነስ፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተቐቢኡ። (ማቴዎስ 3:16) ቅቡእ የሆዋ ኸም ምዃኑ መጠን፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 4:18