ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ

‘እቲ ፍጥረት ብተስፋ ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ።’—ሮሜ 8:20

1, 2. (ሀ) ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣዝዩ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧

 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ሰባት ከም ዘይኣርጉን ከም ዘይሞቱን፡ ኣብ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ንፈለማ እዋን ምስ ፈለጥካ ንእተሰምዓካ ሓጐስ ትዝክሮ ትኸውን። (ዮሃ. 17:3፣ ራእ. 21:3, 4) ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ እዚ ንኻልኦት ኣብ ምክፋል ተሳቲፍካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣገዳሲ ኽፋል እቲ እንሰብኮ ብስራት እዩ። ብዛዕባ ህይወት ንዘሎና ኣረኣእያ እውን ይቐርጾ እዩ።

2 ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ፡ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዕሽሽ ኢለናኦ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ኸም እትመውት እኳ እንተ መሃረ፡ መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያን ግን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይተመስረተ፡ ድሕሪ ሞት ካብ ሰብ ወጺኣ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እትነብር ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ዚሕብር ሰረተ-እምነት ይምህራ እየን። (ህዝ. 18:20) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ይጠራጠሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንሓትት ንኸውን፦ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ተስፋ እዚ ብሓቂ ይድግፎ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ንሰባት ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ንመጀመርታ እዋን ዝገለጸሎም መዓስ እዩ፧

‘ብተስፋ ንኸንቱ ተገዚኡ’

3. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ንጹር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ንጹር ኰነ። ኣዳም እዙዝ እንተ ዀይኑ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ኣምላኽ ብንጹር ነጊርዎ ነበረ። (ዘፍ. 2:9, 17፣ 3:22) ቀዳሞት ዘርኢ ኣዳም፡ ሰብ ብኸመይ ካብ ፍጽምና ኸም ዝረሓቐ ብዘይ ጥርጥር ይፈልጡ ነበሩ፣ ነዚ ኸኣ ብዓይኖም ኪርእይዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ከመይሲ፡ ሰባት ናብ ገነት ኤድን ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይኣርጉን ይሞቱን እውን ነይሮም እዮም። (ዘፍ. 3:23, 24) ድሕሪ ግዜ፡ ዕምሪ ሰባት እናሓጸረ ኸደ። ዕድመ ኣዳም 930 ዓመት ነበረ። እቲ ኻብ ማይ ኣይሂ ዝደሓነ ሴም ን600 ዓመት፡ ወዱ ኣርፋክሳድ ከኣ ን438 ዓመት ጥራይ ብህይወት ጸንሑ። ታራ ኣቦ ኣብራሃም እውን እንተ ዀነ፡ 205 ዓመት ገይሩ እዩ ሞይቱ። ኣብራሃም ን175 ዓመት፡ ወዱ ይስሃቅ ን180 ዓመት፡ ከምኡውን ያእቆብ ን147 ዓመት ብህይወት ጸንሑ። (ዘፍ. 5:5፣ 11:10-13, 32፣ 25:7፣ 35:28፣ 47:28) ብዙሓት ሰባት፡ ዕድመ ሰባት እናሓጸረ ዝኸደሉ ምኽንያት፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስለ ዝጠፍአ ምዃኑ ተረዲእዎም ኪኸውን ኣለዎ። ነዚ ተስፋ እዚ እንደገና ኸም ዚረኽብዎ ንኺኣምኑ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎምዶ፧

4. ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡት፡ ኣምላኽ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ በረኸት ከም ዚመልሶ ንኺኣምኑ እንታይ መሰረት ነበሮም፧

4 ቃል ኣምላኽ፡ ‘እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ብተስፋ ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ’ ይብል። (ሮሜ 8:20) እዚ ተስፋ እዚ እንታይ እዩ፧ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ናይ መጀመርታ ትንቢት፡ ‘ንርእሲ እቲ ተመን ዚጭፍልቕ’ “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ትሕብር እያ። (ዘፍጥረት 3:1-5, 15 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዚገልጽ መብጽዓ፡ እሙናት ሰባት፡ ኣምላኽ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዘይሓድጎ ተስፋ ንኺገብሩ መሰረት ኰኖም። ንኸም እኒ ኣቤልን ኖህን ዝኣመሰሉ ሰባት እውን፡ ኣምላኽ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ በረኸት እንደገና ኸም ዚመልሶ ንኺኣምኑ ምኽንያት ኰይንዎም እዩ። ‘ምንካስ ሸዀና እቲ ዘርኢ፡’ ምፍሳስ ደም ከም ዜጠቓልል ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዘፍ. 4:4፣ 8:20፣ እብ. 11:4

5. ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ እምነት ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብነት ኣብርሃም እውን ንርአ። ምስ ተፈተነ፡ ‘ነቲ ሓደ ወዱ ዝነበረ ይስሃቅ ወፈዮ።’ (እብ. 11:17) ከምዚ ኺገብር ፍቓደኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (እብራውያን 11:19 ኣንብብ።) ኣብ ትንሳኤ ይኣምን ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብ ትንሳኤ ዚኣምነሉ ምኽንያት ከኣ ነበሮ። ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ናይ ምፍራይ ክእለቶም ብምምላስ፡ ንሱን ሰበይቱ ሳራን ኣብ ግዜ እርጋኖም ወዲ ኸም ዚወልዱ ገይርዎም እዩ። (ዘፍ. 18:10-14፣ 21:1-3፣ ሮሜ 4:19-21) ብዘይካዚ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዚጽውዓልካ” ኢሉ ቓል ኣትዩሉ ነበረ። (ዘፍ. 21:12) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ንይስሃቅ ኬተንስኦ ንኺጽበ እኹል ምኽንያት ነበሮ።

6, 7. (ሀ) የሆዋ ምስ ኣብርሃም እንታይ ኪዳን እዩ ገይሩ፧ (ለ) የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ንደቂ ሰብ ተስፋ ዝዀኖም ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብርሃም ሓለፍ ዝበለት እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ የሆዋ ‘ንዘርኢ’ ኣብርሃም ብዚምልከት ምስኡ ኺዳን ገበረ። (ዘፍጥረት 22:18 ኣንብብ።) ቀንዲ ኽፋል እቲ ‘ዘርኢ፡’ የሱስ ክርስቶስ ነበረ። (ገላ. 3:16) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ‘ዘርኡ’ “ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን” ኬብዝሖም ምዃኑ እኳ እንተ ነገሮ፡ ኣብርሃም ግን ቍጽሮም ክንደይ ከም ዚኸውን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 22:17) ይኹን እምበር፡ እቲ ቝጽሪ ጸኒሑ ተገልጸ። የሱስ ክርስቶስ ኰነ እቶም ኣብ መንግስቱ ምስኡ ዚገዝኡ 144,000፡ ነቲ “ዘርኢ” ኸም ዜቝሙ ተፈልጠ። (ገላ. 3:29፣ ራእ. 7:4፣ 14:1) በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሎም “ህዝብታት ኵላ ምድሪ . . . ኪባረኹ እዮም።”

7 ኣብርሃም ንኣገዳስነት እቲ ምስ የሆዋ ዝገበሮ ኺዳን ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ነታ “መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ” ነበረ። (እብ. 11:10) እዛ ኸተማ እዚኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ። ኣብርሃም ኣብ ትሕቲ እዛ መንግስቲ እዚኣ በረኸት ንምርካብ፡ ካብ ሞት ኪትንስእ ኣለዎ። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብር ዚኽእል፡ ትንሳኤ እንተ ረኺቡ ጥራይ እዩ። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ዀነ ኻብ ሞት ዚትንስኡ ምዉታት እውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ራእ. 7:9, 14፣ 20:12-14

“መንፈስ ይድርኸኒ አሎ”

8, 9. መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ሓደ ሰብኣይ ዘሕለፎ ፈተናታት እትገልጽ ጸብጻብ ጥራይ ዘይኰነት ስለምንታይ እያ፧

8 ኣብ መንጎ እቲ ንወዲ ኣብርሃም ወዲ ወዱ ዝዀነ ዮሴፍን ነብዪ ሙሴን ዝነበሩሉ እዋን፡ እዮብ ዝስሙ ሰብኣይ ይነብር ነበረ። እታ ብሙሴ ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ፡ የሆዋ ስለምንታይ እዮብ ኪሳቐ ኸም ዝፈቐደን ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዘጋጠሞን ትገልጽ። ይኹን እምበር፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ሓደ ሰብኣይ ዘሕለፎ ፈተናታት እትገልጽ ጸብጻብ ጥራይ ኣይኰነትን፣ የግዳስ፡ ኣብ ሓደ ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ኣምላኽ ዚምልከት ኣገዳሲ ጕዳይ እተተኵር እያ። የሆዋ ብጽድቃዊ መገዲ ኸም ዚገዝእ ትሕብር፣ ንጽህናን ህይወትን ኵሎም ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ጕዳይ ዚተሓሓዝ ምዃኑ እውን ትገልጽ። እዮብ ነቲ ጕዳይ እኳ እንተ ዘይተረድኦ፡ እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹ ንጽህናኡ ብምሕላዉ ዝመጸ ኸም ዘይተዓወተ ዀይኑ ንኺስምዖ ኺገብሩ ኣይፈቐደሎምን። (እዮ. 27:5) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንጽህናና ኽንሕሉን ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍን ከም እንኽእል ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ኣለዎ፣ ንእምነትና እውን ኼደልድላ ይግባእ።

9 እቶም ሰለስተ መጸናናዕቲ እዮብ ዘረባኦም ምስ ወድኡ፡ “ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ” ኺዛረብ ጀመረ። ንኺዛረብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ “ቃላት መሊኡኒ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ይድርኸኒ አሎ” በለ። (እዮ. 32:5, 6, 18) እቲ ኤሊሁ ብመንፈስ ተደሪኹ እተዛረቦ ዘረባ፡ ፈተናታት እዮብ ምስ ተዛዘመ እኳ እንተ ተፈጸመ፡ ቃላቱ ንኻልኦት እውን ትርጕም ኣለዎ። ከመይሲ፡ ነቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ተስፋ ዚህብ እዩ።

10. ሓድሓደ እዋን እቲ የሆዋ ንውልቀ-ሰባት ዚህቦ መልእኽቲ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዚምልከት ስፍሕ ዝበለ ትርጕም ከም ዚህልዎ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

10 ሓድሓደ እዋን እቲ የሆዋ ንውልቀ-ሰባት ዚህቦ መልእኽቲ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዚምልከት ስፍሕ ዝበለ ትርጕም እውን ይህልዎ እዩ። እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባ ምቝራጽ ሓንቲ ዓባይ ኦም ንዝሓለሞ ሕልሚ ብዚምልከት ዳንኤል እተነበዮ ትንቢት ሓደ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ዳን. 4:10-27) እዚ ሕልሚ እዚ ብመጀመርታ ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጻምነት እኳ እንተ ረኸበ፡ ካልእ ካብኡ ዝሰፍሐ ትርጕም ግን ነበሮ። እታ ኣምላኽ ብእኣ ኣቢሉ ንምድሪ ዚገዝኣላ ብመስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት እትመጽእ መንግስቲ፡ ካብ 607 ቅ.ክ. ጀሚሩ ድሕሪ 2,520 ዓመት ከም እትግለጽ ዜመልክት እዩ ነይሩ። * ብ1914 የሱስ ክርስቶስ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ምስ ተሸመ፡ ግዝኣት ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ጀመረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንተስፋ እዙዛት ደቂ ሰብ ኪፍጽሞ ኸሎ እሞ ሕስብ ኣብል!

“ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ”

11. እቲ ኤሊሁ እተዛረቦ ቓላት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

11 ኤሊሁ ንእዮብ ኪምልሰሉ ኸሎ፡ ብዛዕባ “ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ ካብ ኣሽሓትሲ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ” ወይ መልእኽተኛ ተዛረበ። እዚ መልእኽተኛ እዚ፡ ‘ምእንቲ ጸጋ ኺህቦ ንኣምላኽ እንተ ለመኖኸ፧’ ኤሊሁ ኸምዚ በለ፦ “ሽዑ ንሱ [ማለት ኣምላኽ]፤ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ። ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ።” (እዮ. 33:23-26) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቶም እተነስሑ ሰባት፡ “ካሕሳ” ወይ በጃ ኪቕበል ፍቓደኛ ምዃኑ እየን ዚሕብራ።—እዮ. 33:24

12. ኤሊሁ እተዛረቦ ቓላት፡ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ እንታይ ተስፋ እዩ ዚህቦም፧

12 ልክዕ ከምቲ ነብያት ንዅሉ እቲ ዚጽሕፍዎ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድእዎ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ እውን ነቲ ብዛዕባ በጃ እተዛረቦ ዘረባ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዳን. 12:8፣ 1 ጴጥ. 1:10-12) ኰይኑ ግን፡ ቃላት ኤሊሁ፡ ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ንበጃ ተቐቢሉ ንሰባት ካብ እርጋንን ሞትን ናጻ ኸም ዚገብሮም ተስፋ ዚህብ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዜደንቕ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ እዮብ፡ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ እውን ትገልጽ እያ።—እዮ. 14:14, 15

13. ቃላት ኤሊሁ ንክርስትያናት ከመይ ዝበለ ትርጕም ዝሓዘለ እዩ፧

13 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ቃላት ኤሊሁ ነቶም ካብ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ኺድሕኑ ተስፋ ዚገብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ትርጕም ኣለወን። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኻብዚ ጥፍኣት እዚ ዚድሕኑ ሰባት፡ ናብ መዓልትታት ጕብዝናኦም ኪምለሱ እዮም። (ራእ. 7:9, 10, 14-17) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ እቶም እሙናት ሰባት ነቶም ካብ ሞት ተንሲኦም ናብ ንእስነቶም ዚምለሱ ብምርኣይ ባህ ኪብሎም እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ንኺወርሱ፡ እቶም ናይ የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እምነት ኬሕድሩ ኣለዎም።—ዮሃ. 10:16፣ ሮሜ 6:23

ሞት ኪወሓጥ እዩ

14. እስራኤላውያን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ኻብ ሕጊ ሙሴ ንላዕሊ የድልዮም ከም ዝነበረ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

14 ዘርኢ ኣብርሃም፡ ምስ ኣምላኽ ኣብ ኪዳን እተመርኰሰ ርክብ ምስ መስረቱ፡ ርእሶም ዝኸኣሉ ህዝቢ ዀኑ። የሆዋ ነቲ ሕጊ ኺህቦም ከሎ፡ “ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉ፡ እቲ ዝገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን” በሎም። (ዘሌ. 18:5) ኰይኑ ግን፡ እስራኤላውያን ምስቲ ፍጹም መለክዒታት እቲ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ስለ ዘይከኣሉ፡ በቲ ሕጊ ተዀነኑ፣ ካብዚ ዅነኔ ሓራ ዚገብሮም ከኣ የድልዮም ነበረ።—ገላ. 3:13

15. ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ ኣየናይ ኣብ መጻኢ ዚህሉ በረኸት እዩ ዝጸሓፈ፧

15 የሆዋ፡ ድሕሪ ሙሴ ንዝነበሩ ኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። (መዝ. 21:4፣ 37:29) ንኣብነት፡ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነታ ብዛዕባ ሓድነት እቶም ኣብ ጽዮን ዚህልዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እትገልጽ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወት ንዘለኣለምን አዚዙ እዩ” ብምባል ዛዘማ።—መዝ. 133:3

16. የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ዝኣተዎ ብዛዕባ “ዅላ ምድሪ” ዚገልጽ መብጽዓ እንታይ እዩ፧

16 የሆዋ ንኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪንበ ብመንፈሱ ደረኾ። (ኢሳይያስ 25:7, 8 ኣንብብ።) ሓጢኣትን ሞትን ንደቂ ሰብ ልክዕ ከም “መጋረጃ” እኳ እንተ ጋረዶም፡ የሆዋ ግን ንህዝቡ ሓጢኣትን ሞትን “ካብ ኵላ ምድሪ” ኸም ዚውገድ ኣረጋጊጹሎም ኣሎ።

17. ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብትንቢት እተነግረ ኣየናይ ግደ እዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ መገዲ ዚኸፍተልና፧

17 ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ንዓዛዜል ዚኸውን ድቤላ ዚገልጽ ስርዓት እውን እስከ ንርአ። ኣብ ዓመት ሓንሳእ፡ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ‘ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ድቤላ ይገብር፡ ብዅሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤል ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ ነበረ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፣ እቲ ድቤላ ኸኣ ንዅሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ሒዙ ናብ ጽምዊ ምድሪ ጸይርዎ ይኸይድ ነበረ።’ (ዘሌ. 16:7-10, 21, 22) ልክዕ ከምዚ ድቤላ እዚ፡ ‘ንሕማም፡’ ‘ንስቓይ፡’ ከምኡውን ን“ሓጢኣት ብዙሓት” ዚጸውር መሲሕ ከም ዚመጽእ ኢሳይያስ ተነብዩ ነበረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ መሲሕ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ መገዲ ኸፈተልና።—ኢሳይያስ 53:4-6, 12 ኣንብብ።

18, 19. ኣብ ኢሳይያስ 26:19 ኸምኡውን ኣብ ዳንኤል 12:13 ኸመይ ዝበለ ተስፋ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

18 የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን፡ “ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ” በሎም። (ኢሳ. 26:19) ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚህሉ ህይወትን ብንጹር ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ዳንኤል ዳርጋ ወዲ 100 ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ፡ “ክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ።—ዳን. 12:13

19 ማርታ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ትኣምን ስለ ዝነበረት፡ ንየሱስ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሓዋ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ አሎኹ” በለቶ። (ዮሃ. 11:24) ትምህርትታት የሱስን እቲ ደቀ መዛሙርቱ ብመንፈስ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ ጽሑፋትን ነዚ ተስፋ እዚ ቐይርዎ ድዩ፧ የሆዋ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ይህቦም ድዩ፧ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንምርምሮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሰብኣዊ ፍጥረት ብመሰረት ኣየናይ ተስፋ እዩ “ንኸንቱ ተገዚኡ፧”

• ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ እምነት ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ኣየናይ ኤሊሁ ንእዮብ እተዛረቦ ቓላት እዩ ንደቂ ሰብ ተስፋ ዚህቦም፧

• ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንተስፋ ትንሳኤን ነቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኤሊሁ ንእዮብ እተዛረቦ ቓላት፡ ሰብ ካብ እርጋንን ሞትን ናጻ ኸም ዚኸውን ተስፋ ይህብ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል ‘በቲ መወዳእታ መዓልትታት ናብ ግዴኡ ኺትንስእ’ ምዃኑ መረጋገጺ ተዋህቦ