ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—ክርስትያናዊ ተስፋ ድዩ፧

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—ክርስትያናዊ ተስፋ ድዩ፧

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር—ክርስትያናዊ ተስፋ ድዩ፧

“ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን።”—ራእ. 21:4

1, 2. ብዙሓት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዝነበሮም ብኸመይ ንፈልጥ፧

 ሓደ ሃብታምን ፍሉጥን መንእሰይ ናብ የሱስ ገጹ ጐይዩ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርክኸ፣ “ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ኸኣ ሓተቶ። (ማር. 10:17) እቲ መንእሰይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወርስ እዩ ዚሓትት ነይሩ፣ ኣበይ እዩ ግን ኪወርስ፧ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት፡ ኣምላኽ ንኣይሁድ ንትንሳኤ ዀነ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ዜጠቓልል ተስፋ ሂብዎም ነበረ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ እውን እንተ ዀኑ፡ እዛ ተስፋ እዚኣ ነበረቶም።

2 እታ ሓንቲ ኻብ ፈተውቲ የሱስ ዝነበረት ማርታ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሓዋ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ አሎኹ” ኽትብል ከላ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ትንሳኤ ኣብ ኣእምሮኣ ሒዛ ኸም ዝነበረት ግሁድ እዩ። (ዮሃ. 11:24) ሓቂ እዩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰዱቃውያን ብትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። (ማር. 12:18) ይኹን እምበር፡ ጆርጅ ፉት ሞር ኣብታ ጁዳይዝም ኢን ዘ ፈርስት ሰንቹሪስ ኦቭ ዘ ክሪስቺያን ኢራ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ኣብ ካልኣይ ወይ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበረ . . . ጽሑፋት፡ ኣብታ ኣብ ታሪኽ ዓለም ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነት እዋን፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዝሞቱ ወለዶታት ኣብዛ ምድሪ እንደገና ህይወት ኪረኽቡ ምዃኖም ንዚሕብር እምነት ዜረጋግጽ እዩ” በለ። እቲ ናብ የሱስ ዝቐረበ ሃብታም መንእሰይ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ እዩ ዚደሊ ነይሩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

3 ሎሚ ብዙሓት ሃይማኖታትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራትን፡ እቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ፡ ትምህርቲ ክርስትና ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይቅበልዎን እዮም። መብዛሕትኦም ሰባት፡ ድሕሪ ሞት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኪነብሩ ተስፋ ይገብሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዜንብቡ ብዙሓት ሰባት፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ዚብል መግለጺ ኺረኽቡ ኸለዉ፡ ኵሉ ሳዕ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ህይወት ዜመልክት ይመስሎም። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ የሱስ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ደቀ መዛሙርቱኸ እንታይ ይኣምኑ ነበሩ፧ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘሎ ይምህር ድዩ፧

ኣብ “ሓድሽ ልደት” ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት

4. ኣብቲ “ሓድሽ ልደት” እንታይ እዩ ኺፍጸም፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ሞት ተንሲኦም ናብ ሰማይ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚገዝኡ ይምህር እዩ። (ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 5:9, 10፣ 14:1-3) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኵሉ ሳዕ ነዞም ጕጅለ እዚኣቶም ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኣይኰነን ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚዛረብ ነይሩ። ነቲ ሃብታም መንእሰይ፡ ዘለዎ ዅሉ ንብረት ሓዲጉ ንዕኡ ኺስዕቦ ዕድመ ኣቕሪብሉ ኽነሱ እናሓዘነ ምስ ከደ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዝበሎም እስከ ንርአ። (ማቴዎስ 19:28, 29 ኣንብብ።) ንሃዋርያቱ ኻብ መንጎ እቶም “ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ዚፈርዱ ፈራዶን ነገስታትን ከም ዝዀኑ ነገሮም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚገዝእ ጕጅለ ሓዲግካ ንዅሎም ደቂ ሰብ ከም ዚፈርዱ ዚሕብር እዩ። (1 ቈረ. 6:2) የሱስ፡ ንዚስዕቦ ዘበለ ዅሉ ብዛዕባ ዚወሃቦ ዓስቢ እውን ተዛሪቡ እዩ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም፡ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወርሱ’ እዮም። እዚ ዅሉ ኣብቲ “ሓድሽ ልደት” እዩ ኺፍጸም።

5. ነታ “ሓድሽ ልደት” እትብል ቃል ብኸመይ ምገለጽካያ፧

5 የሱስ “ሓድሽ ልደት” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እዛ ቓል እዚኣ ኣብቲ ዘ ሆሊ ባይብል—ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ዚበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ” ተባሂላ ኣላ። የሱስ ነዛ ቓል እዚኣ ብዘይ ዝርዝር መግለጺ ስለ እተጠቕመላ፡ ነቲ ኣይሁድ ንዘመናት ተስፋ ዚገብርዎ ዝነበሩ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኵሉ ነገር ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረ ዅነታት ምእንቲ ኺምለስ፡ ሓድሽ ልደት ኪህሉ ወይ ኵሉ ነገር ኪሕደስ ኣለዎ። እቲ ኣምላኽ “ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብዚ ሓድሽ ልደት እዚ ኺፍጸም እዩ።—ኢሳ. 65:17

6. እቲ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ፡ ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብዚምልከት እንታይ ይምህረና፧

6 የሱስ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ኺዛረብ ከሎ እውን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ጠቒስዎ ነበረ። (ማቴ. 24:1-3) “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም” ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ እቶም ፍርዲ ዚግብኦም “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።” እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ “ጻድቃን፡” ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ “ኣሕዋት” ክርስቶስ ብተኣማንነት ዚድግፉ ሰባት ዜመልክቱ እዮም። (ማቴ. 25:31-34, 40, 41, 45, 46) እቶም ቅቡኣት ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪገዝኡ ንእተመርጹ ሰባት ዜመልክቱ ኻብ ኰኑ፡ እቶም “ጻድቃን” ከኣ ነቶም ምድራውያን ተገዛእቲ እዛ መንግስቲ ዜመልክቱ ኪዀኑ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ] ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ” ብምባል ይንበ። (መዝ. 72:8) እዞም ነዚ ንጉስ እዚ ዚግዝእዎ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።

ወንጌል ዮሃንስ እንታይ ትሕብረና፧

7, 8. የሱስ ንኒቆዲሞስ ብዛዕባ ኣየናይ ክልተ እተፈላለየ ተስፋ እዩ ተዛሪብዎ፧

7 ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ተመዝጊቡ ዘሎ፡ የሱስ ነታ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እትብል ቃል ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙላ ኣሎ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እውን ዳርጋ 17 ሳዕ ብዛዕባ ንዘለኣለም ምንባር ከም እተዛረበ ተጠቒሱ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንመርምር።

8 ብመሰረት ወንጌል ዮሃንስ፡ የሱስ ምስቲ ኒቆዲሞስ ዝስሙ ፈሪሳዊ ኺመያየጥ ከሎ እዩ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተዛሪቡ። “ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ ዚኽእል የልቦን” ድማ በሎ። እቶም ናብ መንግስተ-ሰማያት ዚኣትዉ ሰባት፡ ‘ካልኣይ ግዜ ኺውለዱ’ (ትርጕም 1990) ኣለዎም። (ዮሃ. 3:3-5) የሱስ ግን ብዛዕባ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ተዛሪቡ። ቀጺሉ፡ ንመላእ ዓለም ብዛዕባ እተኸፍተላ ተስፋ ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።) ነቲ ቕቡኣት ሰዓብቱ ኣብ ሰማይ ዚረኽብዎ ኸምኡውን ነቲ ኻልኦት ኣብ ምድሪ ዚረኽብዎ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ።

9. የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ ኣየናይ ተስፋ እዩ ነጊርዋ፧

9 የሱስ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኒቆዲሞስ ድሕሪ ምምይያጡ፡ ብሸነኽ ሰሜን ናብ ገሊላ ገጹ ተጓዕዘ። ኣብቲ ኣብ ሰማርያ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሲካር ዚርከብ ዒላ ያእቆብ ምስ በጽሐ ኸኣ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ተራኸበ። “እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ” ድማ በላ። (ዮሃ. 4:5, 6, 14) እዚ ማይ እዚ፡ ነቲ ዅሎም ደቂ ሰብ፡ እንተላይ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ ኣምላኽ ዝገበሮ መሰናድዎ ዜመልክት እዩ። ኣምላኽ፡ “ኣነ ንዝጸምኤ ኻብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ኣሎ። (ራእ. 21:5, 6፣ 22:17) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ነቲ ቕቡኣት ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣመንቲ ደቂ ሰብ ብዛዕባ ዚረኽብዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን እዩ ነጊርዋ።

10. የሱስ ኣብ ቀላይ ቤት-ሄስዳ ንሓደ ሰብኣይ ድሕሪ ምፍዋሱ፡ ነቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንታይ በሎም፧

10 ኣብታ ቐጺላ ዝነበረ ዓመት፡ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ንሓደ ኣብ ቀላይ ቤት-ሄስዳ ዝረኸቦ ሕሙም ሰብኣይ ከኣ ፈወሶ። ነቶም ከምኡ ብምግባሩ ዝወቐስዎ ኣይሁድ ከኣ፡ “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን” በሎም። ኣቦ ‘ኺፈርድ ስልጣን ከም ዝሃቦ’ ድሕሪ ምጥቃሱ ኸኣ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ” ኢሉ ተዛረቦም። ወሲኹ እውን፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ ወዲ ሰብ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም” በለ። (ዮሃ. 5:1-9, 19, 22, 24-29) ነቶም መስጐጕቲ ዜውርዱሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ንሱ ነቲ ኣይሁድ ዝነበሮም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ንኺፍጽም ብኣምላኽ ከም እተቐብአ፡ ነዚ ኸኣ ንምዉታት ካብ ሞት ብምትንሳእ ከም ዚገብሮ እዩ ዚነግሮም ነይሩ።

11. እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 6:48-51 እተዛረቦ ዘረባ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዜጠቓልል ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

11 ኣብ ገሊላ፡ ብተኣምራዊ መገዲ እንጌራ ኺወሃቦም ዝደለዩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንየሱስ ኪስዕብዎ ጀመሩ። የሱስ ግን ብዛዕባ ኻልእ ዓይነት እንጌራ፡ ማለት ብዛዕባ “እንጌራ ህይወት” ተዛረቦም። (ዮሃንስ 6:40, 48-51 ኣንብብ።) “እዚ ኣነ . . . ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” በለ። ምእንቲ እቶም ምስኡ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ዚገዝኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ምእንቲ ህይወት ዓለም፡” ማለት ምእንቲ እቶም ድሕነት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ሰባት እውን እዩ ህይወቱ ሂቡ። “ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ፡” ማለት ኣብቲ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎ ናይ ምድሓን ሓይሊ እምነት ዜሕድር ዘበለ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎ። እወ፡ ‘ንዘለኣለም ምንባር’ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ኣይሁድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ መሲሕ ኪረኽብዎ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዜጠቓልል እዩ።

12. የሱስ ንተጻረርቱ ‘ንኣባጊዑ ህይወት ዘለኣለም ከም ዚህበን’ ኪዛረቦም ከሎ፡ ነየናይ ተስፋ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፧

12 ጸኒሑ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ፡ የሱስ ንተጻረርቱ፡ “ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትአምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን” በሎም። (ዮሃ. 10:26-28) ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ህይወት ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድራዊት ገነት እውን ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ቅድሚኡ ንሰዓብቱ፡ “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም ነበረ። (ሉቃ. 12:32) ይኹን እምበር፡ ኣብቲ በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ እውን፡ “ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን አለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 10:16) ስለዚ፡ ነቶም ተጻረርቱ፡ ብዛዕባ እቲ “ሒደት መጓሰ” ዚረኽብዎ ተስፋ ሰማያዊ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” እውን ዚረኽብዎ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ።

መግለጺ ዘየድልዮ ተስፋ

13. የሱስ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

13 የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ እናተሳቐየ ኸሎ፡ ብዛዕባ ተስፋ ደቂ ሰብ ዚገልጽ ኣሉ ዘይበሃል መረጋገጺ ሃበ። ኣብ ጥቓኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ገባር ክፉእ፡ “ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ ተመባጽዓሉ። (ሉቃ. 23:42, 43) እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይሁዳዊ ብምንባሩ ብዛዕባ ገነት መግለጺ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ይፈልጦ ነበረ።

14. (ሀ) ሃዋርያት ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ኺርድእዎ ኣጸጊምዎም ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ብንጹር እተረድእዎ መዓስ እዮም፧

14 ይኹን እምበር፡ እቲ የሱስ ንሰማያዊ ተስፋ ጠቒሱ እተዛረቦ ዘረባ፡ ዝርዝር መግለጺ የድልዮ ነበረ። ከመይሲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ስፍራ ኼዳልወሎም ናብ ሰማይ ከም ዚኸይድ ምስ ነገሮም፡ ኣይተረድኦምን። (ዮሃንስ 14:2-5 ኣንብብ።) ጸኒሑ ድማ፡ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ . . . ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ” በሎም። (ዮሃ. 16:12, 13) ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ መጻኢ ነገስታት ኪዀኑ ብመንፈስ ኣምላኽ ምስ ተቐብኡ እዮም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ከም ዚገዝኡ ተረዲእዎም። (1 ቈረ. 15:49፣ ቈሎ. 1:5፣ 1 ጴጥ. 1:3, 4) ተስፋ ሰማያዊ ርስቲ፡ ብኣምላኽ እተገልጸ ራእይ ብምንባሩ፡ እተን ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚርከባ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መልእኽትታት ኣብኡ ኣተኰራ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ የደልድላኦ ድየን፧

እተን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መልእኽትታት እንታይ ይብላ፧

15, 16. እታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ናብ እብራውያን እተላእከት መልእኽትን ቃላት ጴጥሮስን ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚሕብራ ብኸመይ እየን፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝሰደዳ መልእኽቱ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣሕዋተይ” ኢሉ ጸውዖም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነታ “እትመጽእ ዓለም” ኣብ ትሕቲ የሱስ ከም ዜግዝኣ እውን ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 2:3, 5፣ 3:1) ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ እታ “ዓለም” ተባሂላ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ኵሉ ሳዕ ነዛ ሰባት ዚነብሩላ ምድሪ እያ እተመልክት። ስለዚ፡ እታ “እትመጽእ ዓለም፡” ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ስርዓት እተመልክት እያ። ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ “ጻድቃን [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብል መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጽሞ እዩ።—መዝ. 37:29

16 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ ኪጽሕፍ ከሎ፡ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ” በለ። (2 ጴጥ. 3:7) እዘን ከም ‘ሰማይ’ ተመሲለን ዘለዋ መንግስትታትን እቲ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብን ብምንታይ ኪቕየር እዩ፧ (2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ።) በቲ “ሓድሽ ሰማያት” ከምኡውን በቲ “ሓድሽ ምድሪ” ኺትካእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዜጠቓልል ጻድቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብን ዜመልክት እዩ።

17. ተስፋ ደቂ ሰብ ኣብ ራእይ 21:1-4 ብኸመይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

17 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኸም ዚበጽሑ ብዚገልጽ ራእይ ኣቢላ፡ ንስምዒትና ተለዓዕሎ። (ራእይ 21:1-4 ኣንብብ።) እዚ ተስፋ እዚ፡ ሰባት ኣብ ገነት ኤድን ፍጽምናኦም ካብ ዜጥፍኡ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ቅኑዓት ሰባት ካብ እርጋን ናጻ ዀይኖም ኣብታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን እተመስረተ እዩ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ሓይሊ ይህቦም ኣሎ።—ራእ. 22:1, 2

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ “ሓድሽ ልደት” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

• የሱስ ንኒቆዲሞስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ተዛሪብዎ፧

• የሱስ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ገባር ክፉእ እንታይ መብጽዓ ኣተወሉ፧

• እታ ናብ እብራውያን እተላእከት መልእኽትን ቃላት ጴጥሮስን ብዛዕባ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜረጋግጻልና ብኸመይ እየን፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተዛረበ