ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ “መዓልቲ ብስራት” ኣቓልቦኻ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት ርሓቕ

ኣብዚ “መዓልቲ ብስራት” ኣቓልቦኻ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት ርሓቕ

ኣብዚ “መዓልቲ ብስራት” ኣቓልቦኻ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት ርሓቕ

እቶም ኣርባዕተ ለምጻማት ብዛዕባ እቲ ዝነበሮም ኣማራጺታት ሓሰቡ። ኣብ ደገ እታ ኸተማ ዋላ ሓደ ዚምጽውተሎም ሰብ ኣይነበረን። ሶርያውያን ንኸተማ ሰማርያ ኸቢቦም ምግቢ ኸይኣቱ ስለ ዝዓገቱ፡ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ጠምዩ ነበረ። ዋጋ ምግቢ ኣዝዩ ኸቢሩ ስለ ዝነበረ፡ ናብታ ኸተማ ምእታው ጥቕሚ ኣይነበሮን። ስጋ ሰብ ከም እተበልዐ እውን ተጸብጺቡ ነበረ።—2 ነገ. 6:24-29

እቶም ለምጻማት፡ ‘ናብ ሰፈር ሶርያውያን ምኻድና ይጠቕመና እምበር ኣይጐድኣናን፡ ስለዚ ናብኡ ንኺድ’ ተበሃሃሉ። ጽልግልግ ምስ በለ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ከዱ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ፡ ኣብቲ ኸባቢ ጸጥታ ሰፊኑ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኣይነበሩን። ኣፍራስን ኣእዱግን ተኣሲሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ወተሃደር ዚበሃል ግን ኣይነበረን። እቶም ኣርባዕተ ለምጻማት ናብ ሓደ ድንኳን ጠመቱ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን፣ ዚብላዕን ዚስተን ግን መሊኡ ነበረ። ኣትዮም ከኣ በልዑን ሰተዩን። ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ካልእ ኣዝዩ ኽቡር ነገራትን ድማ ረኣዩ። ካብቲ ኣቕሑ ወሲዶም ሓብእዎ፣ ካልእ ኪውስኹ ኸኣ ተመሊሶም መጹ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ደሃይ ብዙሕ ሰራዊት ኣስሚዕዎም ስለ ዝነበረ፡ ሶርያውያን ነቲ ሰፈር ራሕሪሖምዎ ኸዱ። መጥቃዕቲ ኸም ዚወርዶም ብምግማት እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም እዮም ሃዲሞም። ንዅሉ ንብረቶም ከኣ ራሕሪሖምዎ ኸዱ!

እቶም ለምጻማት፡ ክቡር ዝዀነ ነገራት እናወሰዱ ኺሓብእዎ ጀመሩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰማርያ ዘለዉ ብጥሜት ዚሳቐዩ ሰባት ኪሓስቡ ምስ ጀመሩ፡ ሕልናኦም ወቐሶም። ንሓድሕዶም ከኣ፡ “እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ” ተበሃሃሉ። ቀልጢፎም ናብ ሰማርያ ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ብስራት ነገሩ።—2 ነገ. 7:1-11

ንሕና እውን፡ “መዓልቲ ብስራት” ኢልና ኽንጽውዖ ኣብ እንኽእል እዋን ኢና ንነብር ዘለና። የሱስ ብዛዕባ “ትእምርቲ . . . መወዳእታ ዓለም” ኪዛረብ ከሎ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴ. 24:3, 14) እዚ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

ብሕታዊ ጉዳያት ኪኸብደና ይኽእል እዩ

እቶም ለምጻማት በቲ ዝረኸብዎ ነገራት ተሓጒሶም ንሰማርያ ንግዜኡ ረሲዖምዋ ነበሩ። ኣብቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ጥራይ ኣተኰሩ። ንዓናኸ ኸምኡ ኼጋጥመና ይኽእልዶ፧ “ጥሜት” ሓደ ኻብቲ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ዜረጋግጽ ቀንዲ ምልክታት እዩ። (ሉቃ. 21:7, 11) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ . . . ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃ. 21:34) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንገብሮ ብሕታዊ ጉዳያት፡ ኣብ “መዓልቲ ብስራት” ንነብር ከም ዘለና ኸም እንርስዕ ከይገብረና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

ብለሲንግ ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ብሕታዊ ጉዳያት ኪኸብዳ ኣይፈቐደትን። ትምህርታ ምስ ወድአት፡ ፈላሚት ኰይና ኣገልገለት፣ ጸኒሓ ኸኣ ንሓደ ቤትኤላዊ ምስ ተመርዓወት፡ ኣባል እቲ ኣብ ቤኒን ዚርከብ ስድራ ቤትኤል ኰነት። “ኣብ ቤትኤል ኣጽራዪት ኰይነ እየ ዚዓዪ፡ ብስርሐይ ከኣ ብሓቂ ሕጉስቲ እየ” በለት። ሎሚ ነቲ ን12 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምግልጋላ ዝረኸበቶ ሓጐስ ምልስ ኢላ ኽትርእዮ ኸላ፡ ኣብቲ ሎሚ እንነብረሉ ዘለና “መዓልቲ ብስራት” ኣቓልቦኣ ኽትገብር ስለ ዝሓገዛ መማሰዊት እያ።

ግዜኻ ንዚወስድ መስገሊታት ተጠንቀቐሉ

የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ኺልእኮም ከሎ፡ “እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ” በሎም። (ሉቃ. 10:2) ከምቲ እኽሊ ኣብ ግዜኡ እንተ ዘይተዓጺዱ ብኽነት ዜጋጥም፡ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ዕሽሽ ምባል እውን ህይወት ሰባት ከም ዚጠፍእ ኪገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ” በለ። (ሉቃ. 10:4) እዛ “ኸመዓልካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ “ሰላም” ወይ “ከመይ ኣለኻ” ጥራይ ካብ ምባል ንላዕሊ እተጠቓልል እያ። ንሓደ ፈታዊኻ ኽትረኽቦ ኸለኻ ምሕቋፍን ምስኡ ነዊሕ ዕላል ምዕላልን እውን ከተጠቓልል ትኽእል እያ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ ዘየድሊ መስገሊታት ኬርሕቑን ንግዜኦም ብዚግባእ ኪጥቀሙሉን ንሰዓብቱ ዝኣዘዞም። እቲ ኺሰብክዎ ዝነበሮም መልእኽቲ ህጹጽ እዩ ነይሩ።

ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራት ማዕረ ኽንደይ ግዜኻ ኺወስድ ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ንብዙሕ ዓመታት፡ ተለቪዥን ኣብ ብዙሕ ቦታታት እታ ዝዓበየት መጥፍኢት ግዜ ዀይና እያ ጸኒሓ። ብዛዕባ ሞባይል ተሌፎን ኰነ ኮምፕዩተራትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ 1,000 በጽሕታት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ “ሓደ ብሪጣንያዊ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም 88 ደቒቕ ኣብ ተሌፎን፡ ተወሳኺ 62 ደቒቕ ኣብ ሞባይል ተሌፎን፡ 53 ደቒቕ ኢ-መይል ኣብ ምልእኣኽ፡ ከምኡውን 22 ደቒቕ ብሞባይል ተሌፎን ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ኣብ ምልእኣኽ የጥፍእ።” ኣብ ወርሒ ምሉእ ኣብዚ ነገራት እዚ ዚጠፍእ ሰዓታት ምስ ዚጽብጸብ፡ ልዕሊ ዕጽፊ እቲ ሓደ ሓጋዚ ፈላሚ ኣብ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ዜሕልፎ ሰዓታት እዩ ዚኸውን! ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ማዕረ ኽንደይ ኢኻ ግዜኻ እተጥፍእ፧

ኤርንስት ዘሊገርን ሂልድጋርት ዘሊገርን ብኣጠቓቕማ ግዜ ዝመጸ ጥንቁቓት ነበሩ። ክልቲኦም ብድምር ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚን ኣብ ናይ ኮምዩኒስት ቤት ማእሰርትን ን40 ዓመት ተኣሲሮም እዮም። ምስ ተፈትሑ ኸኣ ምድራዊ ህይወቶም ክሳዕ ዚውድኡ ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልገሉ።

ብዙሓት ምስ ኤርንስትን ሂልድጋርትን ደብዳበ ኺጸሓሓፉ ይደልዩ ነበሩ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ንመብዛሕትኡ ግዜኦም፡ ደብዳበ ብምጽሓፍን ብምንባብን ኬሕልፍዎ ምኸኣሉ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ህይወቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ሃቡ።

ሓቂ እዩ፡ ኵላትና ምስ እንፈትዎም ሰባት ደብዳበ ኽንጸሓሓፍ ወይ ክንደዋወል ባህ ይብለና እዩ፡ እዚ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብዚግባእ እተሓስበሉ እተፈላለየ ነገራት ምዕማምና ጠቓሚ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብዚ ብስራት ዚስበኸሉ እዋን እዚ፡ ግዜና ንዚወስድ መስገሊታት ልጓም እንተ ገበርናሉ ጥበባዊ እዩ።

ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ስበኽ

ኣብ “መዓልቲ ብስራት” ምንባርሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ከምቶም ኣርባዕተ ለምጻማት ፈለማ ዝገበርዎ ኣይነስግል። እቶም ለምጻማት፡ “እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን” ተበሃሃሉ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ብሕታዊ ጉዳያት ወይ ግዜና ዚወስድ መስገሊታት ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንኸይንካፈል ኪዓግተና ኣይነፍቅደሉ።

በዚ መዳይ እዚ፡ ክንስዕቦ እንኽእል ብሉጽ ኣብነት ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን ቀዳሞት 20 ዓመት ብዛዕባ ዘሕለፎ ኣገልግሎት ምስ ኣስተንተነ፡ “ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 15:19) ጳውሎስ ዝዀነ ይኹን ነገር ንቕንኣቱ ኼጥፍኣሉ ኣይፈቐደን። እምበኣርከስ፡ ልክዕ ከም ጳውሎስ ኣብዚ “መዓልቲ ብስራት” ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንስበኽ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብለሲንግ፡ ብሕታዊ ጕዳያታ ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ኺዓናቕፎ ኣይፈቐደትን

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኤርንስትን ሂልድጋርትን ብኣጠቓቕማ ግዜ ዝመጸ ጥንቁቓት ነበሩ