ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ሓደ ዕሸል ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኸሎ እንተ ሞይቱ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎዶ፧

ህይወት ኣብ ግዜ ጥንሲ እዩ ዚጅምር። እቶም ዚሞቱ ውልቀ-ሰባት ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ ይንበሩ ብዘየገድስ የሆዋ ኼተንስኦም እዩ፣ ከመይሲ፡ “ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ።” (ማርቆስ 10:27) ይኹን እምበር፡ ኣብ ማሕጸን ከሎ ንዝሞተ ሕጻን ኬተንስኦ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ኣይገልጽን እዩ።—15/4 ገጽ 12, 13።

• ንጻጸ፡ ንጊሐ፡ ንኣንበጣ፡ ከምኡውን ንጠበቕ ብምዕዛብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ኣርባዕቲኦም መርትዖ ናይ ባህረታዊ ጥበብ እዮም። ስለዚ፡ ንጥበብ ኣምላኽ ኣጕሊሖም የርእዩ። (ምሳሌ 30:24-28)—15/4 ገጽ 16-19።

• ዓመተ 2009 ንኣየናይ ቅድሚ 100 ዓመት ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ እያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘኻኺራቶም፧

ብ1909 ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ብዚብል ስም ዚፍለጥ ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ፒትስበርግ፡ ፐንሲልቫንያ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ገዓዘ፣ ኣብኡ ኸኣ ዕዮኡ ቐጸለ።—1/5 ገጽ 22-24።

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንስቕ ምባል ብኣወንታ ዚዛረበሉ ስለምንታይ እዩ፧

ስቕ ምባል፡ ምልክት ኣኽብሮትን ምስትውዓልን ኪኸውን፡ ከምኡውን ንምስትንታን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። (መዝ. 37:7፣ 63:6፣ ምሳ. 11:12)—15/5 ገጽ 3-5።

• ንጆን ዊክሊፍን ዊልያም ቲንደልን ሮበርት ሞሪሰንን ኣዶኒራም ጁድሰንን ዜመሳስሎም እንታይ እዩ፧

ኵሎም ንቓል ኣምላኽ የፍቅሩ ነበሩ፡ ተራ ህዝቢ ኼንብቦ ናብ ዚኽእል ቋንቋ ኸኣ ተርጐምዎ። ጆን ዊክሊፍን ዊልያም ቲንደልን ናብ እንግሊዝኛ፡ ሞሪሰን ናብ ቻይንኛ፡ ከምኡውን ጁድሰን ናብ በርምኛ (ቋንቋ ማያንማር) ተርጐምዎ።—1/6 ገጽ 8-11።

• ንቤት የሆዋ ሓለፍ ዝበለ ቕንኣት ዘርኣዩ ነገስታት ይሁዳ ኽንደይ እዮም፧

ኣብታ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ ዝገዝኡ 19 ነገስታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓለፍ ዝበለ ቕንኣት ዘርኣዩ ግን እቶም ኣርባዕተ ጥራይ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ኣሳን ዮሳፋጥን ህዝቅያስን ዮስያስን እዮም።—15/6 ገጽ 7-11።

• ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ዅሎም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው ይሳተፉ ድዮም፧

ኣይፋልን። ኵሎም እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እተቐብኡ ክርስትያናት ክፍሊ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንኣመሓዳሪ ኣካል ዘቘሙ ሰባት ግን መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው ከም ሓለውቲ ዀይኖም ይመርሑ።—15/6 ገጽ 22-24።

• ዓቀይቲ ሮሜ ንቐምሽ የሱስ ኣዝዮም ዝበሃግዎ ስለምንታይ እዮም፧

እቶም የሱስ ኪቕተል ከሎ ዝነበሩ ዓቀይቲ፡ ንቐምሹ ቐዲዶም ኣይተማቐልዎን። መብዛሕትኡ እዋን ከምዚ ዓይነት ቀምሽ፡ ክልተ ዓለባ ደሪብካ እዩ ዚስራሕ፣ ቀምሽ የሱስ ግን ዋላ ሓንቲ ስፋይ ስለ ዘይነበሮ ኣዝዩ ኽቡር ነበረ።—1/7 ገጽ 22።

• የሱስን እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ንኻልኦት ኣብ ዝሓዙሉ መገዲ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዚህሉ ዝገበረት ፍቕሪ እያ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

እቶም መራሕቲ ነቲ ተራ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዜፍቅርዎ ይንዕቅዎ ነበሩ። ብተወሳኺ፡ ንኣምላኽ ፍቕሪ ኣይነበሮምን። የሱስ ግን ንኣቦኡ የፍቅሮን ነቶም ህዝቢ ይድንግጸሎምን ነበረ። (ማቴ. 9:36) ምቕሉልን ርሕሩሕን ሕያዋይን እዩ ነይሩ።—15/7 ገጽ 15።

• ገንዘብ ብምክዋን ዝመጸ ሰብ ሓዳር እንታይ ብድሆ ኼጋጥሞም ይኽእል፧ ነዚ ንኺዋጽእሉኸ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

መብዛሕትኡ እዋን፡ ቀንዲ ጠንቂ ዘይምስምማዕ፡ እቲ ገንዘብ ብዛዕባ ዚወጽኣሉ መገዲ ዘሎካ ፍርህን ዘይምትእምማንን እዩ፡ ሰብ ሓዳር እውን እተፈላለየ ኣተዓባብያ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ነዚ ኺዋጽእሉ ዚሕግዝ ኣርባዕተ መፍትሕ ዓወት ድማ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ህድእ ኢልካ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ኣታዊኻ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ንመደባትካ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር፡ ከምኡውን ነቲ ዕዮ ምምቓል እዩ።—1/8 ገጽ 10-12።