ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ድዮም፧

ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ድዮም፧

ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ድዮም፧

ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ከም ማራኺ ዛንታ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ሓንቲ ናብ ኣሰናዳኢ መጽሔት ታይም እተላእከት ደብዳበ፡ “ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣባላት ዓበይቲ ሃይማኖታት ዝዀኑ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ከም ናይ ብዓል ኣዳምን ሄዋንን ዝኣመሰለ ታሪኽ፡ ከም ምሳልያዊ ዛንታ ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ” ብምባል ገለጸት። ብዙሓት ምሁራት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኣይሁድን እውን እንተ ዀኑ ምስዚ ይሰማምዑ እዮም። መብዛሕትኡ ኽፋል ዘፍጥረት ምስ ታሪኽ ይኹን ምስ ስነ-ፍልጠት ከም ዘይሰማማዕ ከኣ ይዛረቡ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ድዮም፧ ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧ ንጸብጻብ ዘፍጥረት ከም ተራ ጽውጽዋይ ጌርካ ምርኣይከ እንታይ ትርጕም እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

ጸብጻብ ዘፍጥረት—ብመዳይ ስነ-ፍልጠት ኪእመን ዚከኣል ድዩ፧

ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣብ ዚገልጽ ጸብጻብ ንዘሎ ቐንዲ ፍጻመታት እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዳም ኪገልጽ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:7) እዚ ሓሳብ እዚ ብመዳይ ስነ-ፍልጠት ኪእመን ዚከኣል ድዩ፧

ሓንቲ ናኖመዲስን እትበሃል መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣካል ወዲ ሰብ ብ41 ከሚካዊ ባእታታት ዝቘመ እዩ። እዚ ዅሉ መሰረታዊ ባእታታት እዚ፡ ንኸም እኒ ካርቦን፡ ሓጺን፡ ኦክስጅን፡ ከምኡውን ካልእ ባእታታት ዝሓዘ ዀይኑ፡ ኣብ “ሓመድ ምድሪ” ኺርከብ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ዘፍጥረት እትገልጾ፡ ሰባት ብሓቂ “ኻብ ሓመድ ምድሪ” እዮም ተፈጢሮም።

እዚ ህይወት ዘይብሉ ባእታታት፡ ብሓባር ተኣኻኺቡ ንሓደ ህያው ሰብ ኬቕውም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ነታ ኽሳዕ ሕጂ ኻብ እተነድፈ ማሽናት ኣዝያ ሕልኽልኽ ዝበለት ብትካል ምርምር ጠፈር ናሳ እተሰርሐት መንኰርኰር ጠፈር እስከ ንውሰድ። እዛ ብመዳይ ተክኖሎጂ ኣዝያ እተደንቕ ማሽን፡ 2.5 ሚልዮን ክፋላት ኣለዋ። ብዙሓት ጕጅለታት መሃንድስ፡ ንንድፊ እዛ መንኰርኰር ንምውጻእ ኰነ ንምህናጻ ዓመታት እዩ ወሲዱሎም። ነዚ እስከ ምስ ኣካል ወዲ ሰብ ነወዳድሮ። ኣካል ወዲ ሰብ ብሸውዓተ ኦክቲልዮን ኣቶም፡ ብ100 ትሪልዮን ዋህዮታት፡ ብብዙሕ ኣካላት፡ እንተ ወሓደ ኸኣ ብትሽዓተ ስርዓታት ዝቘመ እዩ። * እዚ ኣዝዩ ዜደንቕ ሕልኽላኻትን ብሉጽ መዋቕርን ዘለዎ ስነ-ህይወታዊ ማሽን፡ ብኣጋጣሚ ድዩ ወይስ ብምስትውዓል ብእተገብረ ንድፊ እዩ መጺኡ፧

ብዘይካዚ፡ ሰባት ብህይወት ከም ዚቕጽሉ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ ምንጪ ህይወትከ እንታይ እዩ፧ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ኸም ዘይፈልጡ እዮም ዚገልጹ። ብዛዕባ ህይወት ዚገልጽ ተቐባልነት ዘለዎ መብርሂ ኣብ ምሃብ እውን እንተ ዀነ ንሓድሕዶም ኪሰማምዑ ኣይከኣሉን። ነቶም ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚኣምኑ ሰባት ግን እቲ መልሲ ግሁድ እዩ። ከመይሲ፡ ምንጪ ህይወት፡ ኣምላኽ እዩ። *

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ፡ ሄዋን ካብ መሰንገለ ኣዳም ከም እተፈጥረት ዚሕብር መግለጺኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ (ዘፍጥረት 2:21-23) ነቲ ጸብጻብ ከም ጽውጽዋይ ጌርካ ብምርኣይ ቅድሚ ምንጻግካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት እስከ ርአ፦ ኣብ ጥሪ 2008 ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብሩ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ናይ ሓደ እኹል ሰብ ዋህዮ ቘርበት ወሲዶም ብፍልሰተ-ተወርሶኣዊ ዋህዮ (ክሎኒን) ገይሮም ድቂ ሰርሑ። ብዘይካዚ፡ ምስዚ ዚመሳሰል ሜላታት ተጠቒሞም፡ እንተ ወሓደ 20 እንስሳታት ብፍልሰተ-ተወርሶኣዊ ዋህዮ ኣራቢሖም እዮም። ልዕሊ ዅሉ እትፍለጥ ግን፡ እታ ብ1996 ብፍልሰተ-ተወርሶኣዊ ዋህዮ እተሰርሐት ዶሊ ዝስማ በጊዕ ኰይና፡ ካብ ዓባይ በጊዕ ብእተወስደ ጽኪ ጡብ እያ ተሰሪሓ። *

እዚ ፈተነ እዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እንታይ ውጽኢት ከም ዚህልዎ ኣይንፈልጥን ኢና። እቲ ቐንዲ ነጥቢ ግን፡ ሰባት ናይ ሓደ እንስሳ ስነ-ህይወታዊ ባእታ ወሲዶም ንዕኡ ዚመስል ካልእ እንስሳ ኺሰርሑ ኻብ ከኣሉ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪኸ ናይ ሓደ ሰብ ኣካል ወሲዱ ኻልእ ሰብ ኪፈጥር ኣይክእልንዶ፧ እቲ ዜገርም ከኣ፡ መሰንገለ እንደገና ኺዓብን ርእሱ ኺትክእን ስለ ዚኽእል፡ መጥባሕቲ ዜካይዱ ሓካይም ንሓደ ኣዝዩ እተጐድአ ኣካል ንምጽጋን ብተደጋጋሚ ናይ መሰንገለ ዓጽሚ ይጥቀሙ እዮም።

ውሽጣዊ መርትዖ መጽሓፍ ቅዱስ

ገሊኦም ሰባት፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሶም ከም ዘለዉ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም እዮም ዚግረሙ። እዚ ጥቕስታት እዚ፡ ንልክዕነት ጸብጻብ ዘፍጥረት ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዜና መዋእል ካብ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 9፡ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ከኣ ኣብ ምዕራፍ 3 ተጠቒሱ ዘሎ ዝርዝር ወለዶ ኣይሁድ እስከ ንርአ። ኣዝዩ ዜደንቕ ብዝርዝር እተጻሕፈ መዛግብቲ ወለዶ ዀይኑ፡ 48 ከምኡውን 75 ወለዶታት ዚሽፍን እዩ። ሉቃስ ንወለዶ የሱስ ክርስቶስ እዩ ጽሒፉ፣ መጽሓፍ ዜና መዋእል ግን ነቲ ናይ ህዝቢ እስራኤል መስመር ወለዶ ንግስናን ክህነትን ዝሓዘት እያ። ክልቲኡ መጻሕፍቲ ድማ ንስም እኒ ሰሎሞን፡ ዳዊት፡ ያእቆብ፡ ይስሃቅ፡ ኣብርሃም፡ ኖህ፡ ከምኡውን ኣዳም ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ክልቲኡ ዝርዝር ዚርከብ ስማት ብሓቂ ንዝነበሩ ሰባት ዜመልክት እዩ፣ ኣዳም ከኣ ኣብ ክልቲኡ ዝርዝራት ፈለማ ተጠቒሱ ዚርከብ ብሓቂ ዝነበረ ሰብ እዩ።

ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንኣዳምን ሄዋንን ከም ናይ ጽውጽዋይ ገጸ ባህርያት ገይሩ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ሰባት ገይሩ እዩ ዚጠቕሶም። ቀጺልና እስከ ገለ ኣብነታት ንርአ፦

• “[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:26

• “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት።—ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ . . . ሰልጠነ።”—ሮሜ 5:12, 14

• “እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ።”—1 ቈረንቶስ 15:45

• “ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን።”—1 ጢሞቴዎስ 2:13

• “ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ አዳም፡ [ነቶም እኩያት] . . . ተነበየሎም።”—ይሁዳ 14

ልዕሊ ዅሉ ግን፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ኺእመን ዚከኣል የሱስ ክርስቶስ፡ ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። ንፍትሕ ዚምልከት ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ። . . . እምብኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማርቆስ 10:6-9) እሞኸ የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሕጋዊ ጥምረት ንምርግጋጽ ምሳልያዊ ዛንታ ምተጠቕመዶ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ሓሳብ ብሓቂ ኸም እተፈጸመ ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ እዩ ኻብኡ ጠቒሱ።

ዘ ኒው ባይብል ዲክሽነሪ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኸተጠቓልሎ ኸላ፡ “እቲ ኣብ ቀዳሞት ምዕራፋት ዘፍጥረት ተጠቒሱ ዘሎ ጸብጻብ ታሪኻዊ ልክዕነት ከም ዘለዎ፡ ሓድሽ ኪዳን የረጋግጽ እዩ” በለት።

ኣብ ካልእ ትምህርትታት ዘለዎ ጽልዋ

ሓያሎ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ቕኑዓት ሰባት፡ ንፉዕ ክርስትያን ንምዃን ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝነበሩ ምእማን ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ገይሮም ይሓስቡ። ላዕሊ ላዕሉ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ እዚ ሓቂ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ናበይ ከም ዜብጽሕ እስከ ንርአ።

ንኣብነት፡ ነቲ ብዙሓት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ሰባት ከም ኣገዳሲ ገይሮም ዚርእይዎ ንበጃ ዚምልከት ሰረተ-እምነት እስከ ንርአ። ብመሰረት እዚ ትምህርቲ እዚ፡ የሱስ ክርስቶስ ንሰባት ካብ ሓጢኣት ንምድሓን ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጃ ገይሩ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) ከም እንፈልጦ ኸኣ በጃ ንሓደ ነገር ከፊልካ ንምውጻእ ወይ ንሓደ ዝጠፍአ ነገር ንምምላስ ዚወሃብ ተመጣጣኒ ወይ ተመዓራራዪ ኽፍሊት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “ተመዓራራዪ በጃ” ኢሉ ዚጽውዖ። (1 ጢሞቴዎስ 2:6 NW) ‘ምስ ምንታይ እዩ ግን ዚመዓራረ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:22) እታ የሱስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ንምድሓን ኢሉ ዝኸፈላ ፍጽምቲ ህይወት፡ ምስታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ኣዳም ዘጥፈኣ ፍጽምቲ ህይወት ትመዓራረ እያ። (ሮሜ 5:12) ብንጹር እምበኣር፡ ኣዳም ብሓቂ እንተ ዘይነብር ነይሩ፡ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ።

ነቲ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ጸብጻብ ዘፍጥረት ምንጻግ ወይ ንኣገዳስነቱ ዕሽሽ ምባል፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀንዲ ትምህርትታት ኣብ ሕቶ ዜእቱ እዩ። * ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸኣ መልሲ ናብ ዘይብሉ ሕቶታትን መሰረት ናብ ዘይብላ እምነትን እዩ ዚመርሕ።—እብራውያን 11:1

ህይወት—ትርጕም ዘለዋ ወይስ ከንቱ፧

‘ንጸብጻብ ዘፍጥረት ምንጻግ፡ ህይወትካ ትርጕምን ዕላማን ከም ዚህልዋ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ድዩ፧’ ንእትብል መሰረታዊት ሕቶ እስከ ንርአ። ብኣረኣእያ እቲ ኣብ ፍልቀት ዚኣምን፡ ኣብ ኣምላኽ ግን ዘይኣምን ሪቻርድ ዳውኪንስ፡ ዩኒቨርስ “ንድፍን ዕላማን ኰነ ሕማቕን ጽቡቕን ዚበሃል ነገር የብሉን፣ ድፉንን ጭካነ ዝመልኦን ፍልልይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ነገር የብሉን።” እዝስ ምስ ባህርይ ደቂ ሰብ ዚጋጮ ኸመይ ዝበለ ተስፋ ዜቝርጽ ኣረኣእያ ዀን እዩ!

ብኣንጻሩ ግን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ይህበሉ እዩ፦ ካበይ ኢና መጺእና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ እከይን መከራን ክሳዕ ክንድዚ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧ እከይ ይጠፍእ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ ኻልእ ብዙሕ ሕቶታት እውን መልሲ ይህብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ እምነት ምግባር፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዚህብ እዩ። እዛ ገነት እዚኣ ኸኣ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ንዝሃቦም ኤድን እትመስል እያ። (መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:3-5) እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! *

እቲ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ጸብጻብ ምስ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ዘይቃዶ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዚርከብ ሓቅታት ግን ይሰማማዕ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ምስቲ ንህይወትካ ትርጕምን ዕላማን ከም ዚህልዋ ዚገብር መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ይሰማማዕ እዩ።

ንምንታይ ደኣ እሞ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ዘይትምርምሮ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሕግዙኻ ድሉዋትን ፍቓደኛታትን እዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 7 እዚ ቍጽሪ እዚ ብናይ ሕ.መ.ኣ. ስርዓተ-ኣሃዝ፡ ሸውዓተ ምስ 27 ዜሮታት ከምኡውን 100 ምስ 12 ዜሮታት ጌርካ እዩ ዚጸሓፍ።

^ ሕ.ጽ. 8 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነተን ኢዝ ዘር ኤ ክርኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ከምኡውን ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክርኤሽን ዘርእስተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ መጻሕፍቲ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 እዞም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ህይወት ኣይኰኑን ዚፈጥሩ ዘለዉ። የግዳስ፡ ነቲ ድሮ ብህይወት ዘሎ ዋህዮ ተጠቒሞም እዮም ዚዓዩ።

^ ሕ.ጽ. 25 እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ልዑላውነት ኣምላኽ፡ ንጽህና ደቂ ሰብ፡ ጽቡቕን ሕማቕን፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ኵነታት ምዉታት፡ መውስቦ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ፡ ገነታዊት ምድሪ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ትምህርትታት ዜጠቓልል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 28 ተወሳኺ ዝርዝር ነጥብታት እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧” ዚብል ምዕራፍ 3፡ ከምኡውን “እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ” ዚብል ምዕራፍ 5 ርአ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብንጹር እምበኣር፡ ኣዳም ብሓቂ እንተ ዘይነብር ነይሩ፡ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ

[ኣብ ገጽ 12,13 ዘሎ ስእሊ]

ኣካል ወዲ ሰብ ልክዕ ከም መንኰርኰር ጠፈር ብጥንቃቐ እተነድፈ እዩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ፡ ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ገለጸ