ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትብደል ከለኻ

ክትብደል ከለኻ

ክትብደል ከለኻ

ብዙሓት ሰባት፡ ሕነ ምፍዳይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። ከምዚ ዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብገለ መገዲ ኽንብደል ወይ ክንጕዳእ ከለና ስለ እንቝጣዕ እዩ። ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለት ስለ ዘለና፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ኪእረም ኢና እንደሊ። ብኸመይ፧

ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ይብድሉና እዮም፣ እዚ ኸኣ ካብ ምጽፋዕን ምጕናጽን ምጽራፍን ጀሚሩ ኽሳዕ ምውራድን ኣካላዊ መጥቃዕትን ዘረፋን ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ዜዋርድ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ ኸመይ ይስምዓካ፧ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ‘ሕነ እንተ ዘይፈድየ ኣነ ኣይኰንኩን’ ዚብል ምላሽ እዮም ዚህቡ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚመሃሩ ብዙሓት ተመሃሮ፡ ነቶም ዝገሰጽዎም መምህራን ሕነ ንምፍዳይ ብሓሶት ከሲሶምዎም እዮም። ፕረዚደንት ማሕበር መምህራን ኒው ኦርሊንስ ዝዀነት ብረንዳ ሚሸል፡ “እቲ መምህር ሓንሳእ ምስ ተኸሰሰ፡ ስሙ ይጽልም እዩ” በለት። ጸኒሑ እቲ ዝቐረበ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ እኳ እንተ ተረጋገጸ፡ እቲ ዜስዕቦ ጕድኣት ግን ነባሪ እዩ።

ኣብ ቦታታት ስራሕ እውን እንተ ዀነ፡ ሓያሎ እተቘጥዑ ሰራሕተኛታት ነቲ ኣብ ኮምፕዩተራት ዚርከብ ናይታ ትካል ኣገዳሲ ሓበሬታ ብምብልሻው ወይ ብምስራዝ ንኣስራሕቶም ሕነ ይፈድዩ። ገሊኦም ከኣ ንምስጢር እታ ትካል ሰሪቖም ንኻልእ ይህብዎ ወይ ይሸጥዎ። ኒው ዮርክ ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ ኸም ዝጸብጸበቶ፡ ኤለክትሮኒካዊ ፋይላት ምስራቕ ሓደ መገዲ ዀይኑ፡ “ዝዀነ ይኹን ንብረት እታ ትካል ምስራቕ እውን ሓደ ኻብቲ ሰራሕተኛታት ሕነ ዚፈድዩሉ መገዲ እዩ።” ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥም፡ ብዙሓት ትካላት ሓደ ኻብ ስራሑ እተባረረ ሰራሕተኛ ንብረቱ ጠርኒፉ ኻብቲ ቦታ ኽሳዕ ዚወጽእ ምስኡ ዀይኖም ዜሰንይዎ ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ይምድባ እየን።

መብዛሕትኡ እዋን ሕነ እንፈዲ ምስ ከም ፈተውትናን መሳርሕትናን ኣባላት ስድራ ቤትናን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ እዩ። ሕያውነት ዘይብሉ ቓላት ወይ ብሸለልትነት እተገብረ ተግባር ስምዒት ስለ ዚጐድእ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ኸም እትወስድ ኪገብር ይኽእል እዩ። ሓደ ፈታዊኻ ሓልዮት ብዘይብሉ መገዲ እንተ ተዛሪቡካ፡ ንስኻኸ ኸምኡ ጌርካ ዲኻ እትምልሰሉ፧ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ብገለ መገዲ እንተ ኣቘጢዑካ፡ ሕነ ንኽትፈዲ ዲኻ እትውጥን፧ እቲ ዝበደለና ሰብ ብቐረባ እንፈልጦ ኪኸውን ከሎ እሞ ኸኣ ብቐሊሉ ኢና ሕነ ኽንፈዲ እንድረኽ።

ሕነ ምፍዳይ ዜምጽኦ ሳዕቤን

መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰባት ነቲ ብሰንኪ በደል ዝወረዶም ስምዒታዊ ስቓይ ንምህዳእ ኢሎም እዮም ሕነ ዚፈድዩ። ንኣብነት፡ ደቂ እቲ እብራዊ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ፡ እቲ ኸነኣናዊ ዝነበረ ሴኬም ንሓብቶም ዲና ኸም ዘነወራ ምስ ፈለጡ፡ “ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ።” (ዘፍጥረት 34:1-7) ክልተ ደቂ ያእቆብ ከኣ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሴኬምን ቤተሰቡን ውዲት ኣለሙ። ስምኦንን ሌዊን ነቶም ከነኣናውያን ኣታሊሎም ንሴኬምን ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮን ቀተልዎም።—ዘፍጥረት 34:13-27

እሞኸ እዚ ዅሉ ደም ድሕሪ ምፍሳሱ፡ እቲ ጕዳይ ተፈቲሑዶ፧ ያእቆብ ነቲ ደቁ ዝገበርዎ ምስ ፈለጠ፡ “ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ . . . ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ። . . . ንሳቶም ከኣ ተአኪቦም ይቐትሉኒ፡ ኣነን ቤተይን ከኣ ንጠፍእ” ኢሉ ገንሖም። (ዘፍጥረት 34:30) እቲ ዝገበርዎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ዜደቅሶ፡ መሊሱ እዩ ኣጋዲድዎ፣ ከመይሲ፡ ስድራ ቤት ያእቆብ በቶም እተቘጥዑ ጐረባብቲ መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸይወርዳ ኽትጥንቀቕ ነበራ። ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸይወርዶም፡ ኣምላኽ ንያእቆብ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ቤትኤል ኪግዕዝ መምርሒ ሃቦ።—ዘፍጥረት 35:1, 5

እቲ ዲና ምስ ተዓመጸት ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ንሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዜጕልሕ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ካልእ ሕነ ምፍዳይ እዩ ዜስዕብ፣ እዚ ኸኣ ፈጺሙ ኣየቋርጽን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ “ውዒሉ ሓዲሩ ሕነ ዘይፈዲ የለን” ዚብል ምስላ ጀርመናውያን ሓቂ እዩ።

ዘየቋርጽ ስቓይ

ኣእምሮናን ጕልበትናን ነቲ ዝበደለና ሰብ ሕነ ኣብ ምፍዳይ እንተ ኣተኵሩ፡ ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እታ ፎርጊቭነስ—ሃው ቱ ሜክ ፒስ ዊዝ ዮር ፓስት ኤንድ ጌት ኦን ዊዝ ዮር ላይፍ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ሓርቖት የማህምነካ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍካዮ መሪር ተመክሮ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ነቶም ዝበደሉኻ ሰባት ብውሽጥኻ ኽትረግሞም ከለኻ፡ ከምኡውን ሕነ እትፈድየሉ መገዲ ኽትምህዝ ከለኻ፡ ግዜኻን ጕልበትካን ይጽንቀቕ እዩ” በለት። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ቅንኢ . . . ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ” ብምባል ብንጹር ይገልጽ እዩ።—ምሳሌ 14:30

ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጡ ጽልእን ጐዳኢ ስምዒትን ሒዙ ኺሕጐስ ዚኽእል፧ ሓደ ወሃብ ርእይቶ፡ “ሕነ ምፍዳይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ጌርካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ንገጽ እቶም ንብዙሕ ዓመታት ሕነ ዝፈደዩ ሰባት ርአ” በለ።

ኣብቲ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ጐንጺ ዝበዝሓሉ ኽፋል ዓለም እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ እስከ ንርአ። መወዳእታ ዘይብሉ ምቅትታል እዩ ዜስዕብ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዘየቋርጽ ጽልእን ሞትን መመሊሱ የጐሃህሮ። ንኣብነት፡ ግብረ-ሽበራውያን ብሰንኪ ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ቦምብ፡ 18 መንእሰያት ምስ ተቐትሉ፡ ሓንቲ ዝሓዘነት ሰበይቲ፡ “ዓሰርተ ዕጽፊ ጌርና ኽንፈድዮም ኣሎና” በለት። ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ምግባር ጭካነ ኸም ዚውስኽን ብዙሓት ሰባት ናብቲ ጐንጺ ኸም ዚኣትዉን እዩ ዚገብር።

“ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ”

ገሊኦም ሰባት፡ እቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባሮም ቅኑዕ ምዃኑ መመኽነይታ ንምቕራብ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቕሱ። “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ’ ደይኰነን ዚብል፧” ኢሎም ከኣ ይዛረቡ። (ዘሌዋውያን 24:20) ላዕሊ ላዕሉ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ እቲ “ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ሕነ ምፍዳይ ዚፈቅድ እዩ ዚመስል። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን፡ ነቲ ብዓይኒ ዕሙተይ ዚግበር ሕነ ምፍዳይ ዚገትእ እዩ ነይሩ። ብኸመይ፧

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ልዕሊ ብጻዩ መጥቃዕቲ ብምውራድ ዓይኑ እንተ ኣጥፊእዎ፡ እቲ በዳሊ ብፍትሓዊ መገዲ ኪቕጻዕ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ እቲ ግዳይ ብኢደ ወነኑ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራ ቤቱ ስጕምቲ ኺወስድ ኣይግብኦን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ነቲ ጕዳዩ ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣን፡ ማለት ኣብ ቅድሚ እቶም እተሸሙ ደያኑ ኬቕርቦ ነበሮ። ከምዚ እንተ ተገይሩ፡ እቲ ደይ መደይ ኢሉ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ኢዱ ስለ ዚረክብ፡ ሕነ ምፍዳይ ኣይህሉን። ይኹን እምበር፡ ካልእ ምኽንያት እውን ነይሩ እዩ።

የሆዋ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ዚገልጽ ሕጊ ቕድሚ ምሃቡ፡ ብሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል፡ “ንሓውኻ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ፡ . . . ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን” ኢሉ ተዛሪብዎም ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:17, 18) እወ፡ እቲ “ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ” ዚብል ሓሳብ ኣብ ዙርያ እቲ ሕጊ ኺዳን ምስ ዘሎ ኻልእ ሓሳባት ኪሰማማዕ ኣለዎ፣ የሱስ ነዚ ሕጊ ኺዳን እዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኸምኡውን “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:37-40) እሞኸ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

መገዲ ሰላም ስዓብ

የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሰላም” ምዃኑ፡ ንኣምለኽቱ ድማ ‘ንሰላም ድለይዋን ስዓብዋን’ ኢሉ ኸም እተላበዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 13:20, 21፣ 1 ጴጥሮስ 3:11, 12) ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ብሓቂ ይዓዪ ድዩ፧

የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ጡፍ ተባሂሉሉ፡ ተገሪፉ፡ ብጸላእቱ ተሰጒጉ፡ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ኸዲዖምዎ፡ ሰዓብቱ እውን ከይተረፉ ገዲፎምዎ ሃዲሞም እዮም። (ማቴዎስ 26:48-50፣ 27:27-31) እሞኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፋራርሄ” ኢሉ ብዛዕባ የሱስ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:23

ብዘይካዚ፡ ጴጥሮስ፡ “ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ገሊጹ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) እወ፡ ክርስትያናት ንየሱስን ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ምስ ኣጋጠሞ ዝገበሮ ነገራትን ኪቐድሕዎ ተተባቢዖም ኣለዉ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ “ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ” በለ።—ማቴዎስ 5:44, 45

እቶም ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ ዘላቶም ሰባት፡ ካልኦት ኪብድልዎም ከለዉ ወይ እተበደሉ ዀይኑ ኺስምዖም ከሎ እንታይ ምላሽ እዮም ዚህቡ፧ ነቲ ኣብ ምሳሌ 19:11 ዚርከብ፡ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ዚብል ሓሳብ የቕልቡሉ እዮም። “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ንዚብል ምዕዶ እውን ኣብ ልቦም የሕድርዎ እዮም። (ሮሜ 12:21) እዝስ ካብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ሕነ ናይ ምፍዳይ መንፈስ ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ነቲ ሕነ ንኽንፈዲ ዚስምዓና ድራኸ ንኸነሰንፎን ‘ንበደል ክንሓልፍን’ ክትሕግዘና ትኽእል እያ፣ ከመይሲ፡ ፍቕሪ “ኣይትቕየምን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:5

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኣደዳ ገበን ክንከውን ከለና ወይ ብገለ መገዲ ምጕብዕባዕ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ስቕ ኢልና ኽንቅበሎ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ፡ “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ” ኪብል ከሎ፡ ሓደ ክርስትያን ሰማእት ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ መጥቃዕቲ ኺወርደና ኸሎ፡ ንርእስና ናይ ምክልኻል መሰል ኣሎና። ኣብ ኣካልና ወይ ኣብ ንብረትና ጕድኣት እንተ ወሪዱ፡ ፖሊስ ክንጽውዕ ንኽእል ኢና። እቲ ጸገም ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥም እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ናብ ዚምልከቶም ሰበ-ስልጣን ክንከይድ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 13:3, 4

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ናይ ሓቂ ፍትሒ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ብዙሓት ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ንነዊሕ እዋን ከምዚ ዓይነት ፍትሒ ኺረኽቡ ጽዒሮም እዮም፣ ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ዝደለይዎ ስለ ዘይኰነሎም፡ ኣደዳ ጓህን ቂምን ጥራይ እዮም ኰይኖም።

ሰይጣን፡ ሰባት ንሓድሕዶም ብሕነ ምፍዳይን ብጽልእን ከም ዚፈላለዩ ኻብ ምግባር ንላዕሊ ዜሐጕሶ ነገር የልቦን። (1 ዮሃንስ 3:7, 8) ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዚስዕብ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ምቕላብ ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ፦ “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” (ሮሜ 12:19) ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ እንተ ሓዲግናዮ፡ ንርእስና ኻብ ብዙሕ ስቓይን ሕርቃንን ዓመጽን ነዕቍባ።—ምሳሌ 3:3-6

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኸምኡውን “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ “ኣይትቕየምን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:5