ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እተፈጸመ ተኣምር

ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እተፈጸመ ተኣምር

ንመንእሰያትና

ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እተፈጸመ ተኣምር

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።ግብሪ ሃዋርያት 2:1-21, 38-41 ኣንብብ።

ብዛዕባ እቲ “ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ”ን “ልሳን ሓው”ን ዚገልጽ ጸብጻብ ከተንብብ ከለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧

․․․․․

እቶም ህዝቢ ነቶም ብቛንቋታት ዚዛረቡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብምግራም ኪሰምዕዎም ከለዉ፡ እንታይ ዚብሉ ዝነበሩ ይመስለካ፧

․․․․․

ኣብ ገጽ እቶም ኣብ ቍጽሪ 13 ተገሊጾም ዘለዉ ተጠራጠርቲ ሰባት እንታይ ዚንበብ ዝነበረ ይመስለካ፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እንታይ ዚግበረሉ ግዜ እዩ ነይሩ፧ እዚ በዓል እዚ ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ (ዘዳግም 16:10-12)

․․․․․

ጴጥሮስ ንሰማዕቱ ኺዛረብ ከሎ ኣኽብሮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ምስኦም ዜሰማምዖ ሓባራዊ ነጥቢ ዘልዓለኸ ብኸመይ እዩ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 2:29)

․․․․․

ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዘርኣዮ ትብዓት፡ ካብቲ ቕድሚኡ ኣብ ቀጽሪ ሊቀ ኻህናት ዘርኣዮ ኣዝዩ እተፈለየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴዎስ 26:69-75)

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትና ኽንዛረብ ከለና፡ ምስ ሰማዕትና ዜሰማምዓና ሓባራዊ ነጥቢ ብዛዕባ ምልዓልን ብኣኽብሮት ብዛዕባ ምዝራብን።

․․․․․

ሕጂ ትፈርህ እኳ እንተ ዀንካ፡ ተባዕ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ብዛዕባ ዘሎካ ተኽእሎ።

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ ኣየናይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ተወሳኺ ምርምር ንምግባር፡ ኣብታ ናይ 15 መስከረም 1996 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 8-9 ርአ።