ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ክርስቶስ እዙዛትን ተባዓትን ኩኑ

ከም ክርስቶስ እዙዛትን ተባዓትን ኩኑ

ከም ክርስቶስ እዙዛትን ተባዓትን ኩኑ

“ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።”—ዮሃ. 16:33

1. የሱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ንኣምላኽ ፍጹም ተኣዛዝነት ኣርእዩ፧

 የሱስ ክርስቶስ ወትሩ ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽም ነበረ። ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘይምእዛዝ ፈጺሙ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን እዩ። (ዮሃ. 4:34፣ እብ. 7:26) ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዘጋጠሞ ዅነታት ቀሊል ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ዕዮ ስብከት ካብ ዚጅምር ኣትሒዙ፡ ጸላእቱ፡ እንተላይ ሰይጣን፡ ተኣማንነቱ ምእንቲ ኼጕድል ኬእምንዎ፡ ኬገድድዎ፡ ወይ ኬታልልዎ ይፍትኑ ነበሩ። (ማቴ. 4:1-11፣ ሉቃ. 20:20-25) ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ስቓይ እውን ኣውረዱሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። (ማቴ. 26:37, 38፣ ሉቃ. 22:44፣ ዮሃ. 19:1, 17, 18) እዚ ዅሉ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ግን፡ “ክሳዕ ሞት . . . ተአዘዘ።”—ፊልጲ 2:8 ኣንብብ።

2, 3. የሱስ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ተኣዛዝነቱ ምሕላዉ፡ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

2 የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዘሕለፎ ህይወት፡ ቅድሚኡ ተመኪርዎ ዘይፈልጥ ዓይነት ፈተና ስለ ዘጋጠሞ፡ ሓድሽ ዓይነት ተኣዛዝነት ተማህረ። (እብ. 5:8) ንየሆዋ ብዛዕባ ምግልጋል ዝያዳ ኺመሃር ዘየድልዮ ኺመስል ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ንማእለያ ዘይብሉ ግዜ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ነበሮ፣ ኣብ ግዜ ፍጥረት ከኣ ወሓለ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ዓይዩ እዩ። (ምሳ. 8:30) ይኹን እምበር፡ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ተኣማንነቱ ምሕላዉ፡ ነቲ ፍጹም ንጽህናኡ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝነበረ የሱስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እናዓበየ ኸደ። ካብቲ ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

3 የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ብርእሱ ኣይኰነን ተኣዛዝነቱ ኺሕሉ ዚጽዕር ነይሩ። የግዳስ፡ ተኣዛዝነቱ ምእንቲ ኺሕሉ፡ ኣምላኽ ኪሕግዞ ይጽሊ ነበረ። (እብራውያን 5:7 ኣንብብ።) ንሕና እውን ተኣዛዝነትና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ ትሑታት ክንከውንን ወትሩ ናብ ኣምላኽ ክንጽልን ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ . . . ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ” ብምባል ንክርስትያናት ዝመኸሮም። (ፊል. 2:5-8) ህይወት የሱስ፡ ሰባት ኣብ ማእከል እኩይ ሕብረተሰብ እናነበሩ ኽነሶም እዙዛት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ዜረጋግጽ እዩ። ሓቂ እዩ፡ የሱስ ከምዚ ኺገብር ከሎ ፍጹም እዩ ነይሩ፣ ንሕና ዘይፍጹማት ሰባትከ ኸምኡ እዙዛት ክንከውን ንኽእል ዲና፧

ዘይፍጽምና እናሃለወ ኽነሱ፡ እዙዝ ምዃን

4. ናይ ምምራጽ ናጽነት ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ከም መስተውዓልቲ ፍጡራትን ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ሰባትን ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ንሕና እውን ዘርኦም ከም ምዃንና መጠን፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ንምግባር ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ኢና ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ እንተ ኽንእዘዞ ወይ ከይንእዘዞ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና ኣሎ። ኰይኑ ግን፡ ምስዚ ናጽነት እዚ ዚመጽእ ሓላፍነት ወይ ተሓታትነት ኣሎ። እወ፡ እቲ እንገብሮ ስነ-ምግባራዊ ውሳነታት ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ እዩ። ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት እውን ይጸልዎም እዩ።

5. ኵልና ኸመይ ዝበለ ቓልሲ ኢና እንቃለስ፡ ብኸመይከ ኽንዕወት ንኽእል፧

5 ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ተኣዛዝነት ብተፈጥሮ ዚመጽእ ነገር ኣይኰነን። ስለዚ፡ ወትሩ ንሕግታት ኣምላኽ ምኽባር ቀሊል ኣይኰነን። ጳውሎስ፡ እዙዝ ንኪኸውን ኪቃለስ ነበሮ። “ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 7:23) ሓቂ እዩ፡ እቲ እነርእዮ ተኣዛዝነት፡ መስዋእቲ ምግባር፡ ስቓይ፡ ወይ ጸገም ዜጠቓልል እንተ ዘይኰይኑ፡ ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ እዙዛት ናይ ምዃን ባህግና ምስ “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን” ኪጋጮ ኸሎ፡ እንታይ ምላሽ ኢና እንህብ፧ እዚ ኣሉታዊ ባህጊ እዚ፡ ካብ ዘይፍጽምና ኸምኡውን ካብቲ “መንፈስ ዓለም” ዜሕድሮ ጽልዋ ዚመጽእ እዩ፣ ኣዝዩ ኸኣ ሓያል እዩ። (1 ዮሃ. 2:16፣ 1 ቈረ. 2:12) ነዚ መንፈስ እዚ ኽንቃወሞ እንተ ደሊና፡ ምስ ዜጸግም ኵነታት ወይ ፈተና ቕድሚ ምግጣምና ‘ልብና ቐጥ ከነብል’ ወይ ከነዳሉ ኣሎና፣ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ቘራጽነት ክንገብር ይግብኣና። (መዝ. 78:8) ልቦም ሳላ ዘዳለዉ ኣሳልጦ ዝረኸቡ ብዙሓት ኣብነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—እዝ. 7:10፣ ዳን. 1:8

6, 7. ብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ጥበባዊ ውሳነ ኣብ ምግባር ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ብምሳሌ ኣረድእ።

6 ሓደ ኻብቲ ንልብና ኸነዳልዎ እንኽእለሉ መገዲ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብትግሃት ምጽናዕ እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብሕታዊ መጽናዕቲ እትገብረላ ምሸት እያ ንበል። ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርካዮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ምእንቲ ኺሕግዘካ ናብ የሆዋ ጸሊኻ ኢኻ። ንጽባሒቱ ምሸት ሓንቲ ፊልም ክትርኢ መደብ ኣሎካ። እዛ ፊልም እዚኣ ብዙሕ ክትነኣድ እኳ እንተ ሰማዕካ፡ እተወሰነ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራትን ዓመጽን ከም ዘለዋ ግን ትፈልጥ ኢኻ።

7 ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:3 ዚርከብ፡ “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም” ዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ተስተንትነሉ። ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:8 ዚርከብ ምዕዶ እውን ትዝክሮ። (ኣንብብ።) ነዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ እዚ ኽትሓስበሉ ኸለኻ፡ ‘ደይመደይ ኢለ ንልበይን ንኣእምሮይን ናብዚ መደብ እዚ እንተ ኣቃሊዐዮ፡ ነቲ ንኣምላኽ ፍጹም ተኣዛዝነት ብምርኣይ ዝመጸ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስዕቦ ድየ ዘለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እሞኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧ ነታ ፊልም ክትርእያ ዲኻ፧

8. ልዑል ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መለክዒታት ክንዕቅብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 እቲ ዓመጽን ርኽሰትን ንዝመልኦ መዘናግዒታት እውን ዜጠቓልል ሕማቕ ዕርክነት፡ ኣሉታዊ ጽልዋ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንዕኡ ንምክልኻል ዓቕሚ ኸም ዘሎና ጌርና ብምሕሳብ ንስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መለክዒታትና ኣትሒትካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንርእስናን ንደቅናን ካብቲ መንፈስ ሰይጣን ዜሕድሮ ዜበላሹ ጽልዋታት ከነዕቍብ ኣሎና። ሰባት ኮምፕዩተሮም በቲ ንሓበሬታ ዜጥፍእ፡ ንኣሰራርሓ እታ ኮምፕዩተር ዜበላሹ፡ ከምኡውን በቲ ንኻልኦት ኮምፕዩተራት ከም እተጥቅዕ ዚገብራ ቫይረስ ከይትጥቃዕ ንምክልኻል ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም። ንሕናኸ ንርእስና ኻብ “ፍሕሶ ሰይጣን” ንምዕቋብ ካብዚ ንላዕሊ ኽንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧—ኤፌ. 6:11, 12

9. መዓልታዊ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ዳርጋ መዓልታዊ፡ ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ኽንገብሮ እንተ ዄንና ወይ እንተ ዘይኴንና ኽንመርጽ ኣሎና። ድሕነት ንኽንረክብ፡ ንኣምላኽ ክንእዘዞን ምስ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንነብርን ኣሎና። ነቲ የሱስ “ክሳዕ ሞት” እውን እንተ ዀነ ተኣዛዝነት ብምርኣይ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘላትና ነርኢ። የሆዋ ኸኣ ንተኣማንነትና ኪኽሕሶ እዩ። የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ማቴ. 24:13) ስለዚ፡ ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ናይ ሓቂ ትብዓት ከነማዕብል ኣሎና።—መዝ. 31:24

የሱስ—ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት ትብዓት

10. እንታይ ዓይነት ጸቕጥታት እዩ ዜጋጥመና፧ ብኸመይከ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧

10 ብናይዛ ዓለም እዚኣ ኣረኣእያን ኣካይዳን ተኸቢብና ስለ ዘለና፡ ብእኡ ምእንቲ ኸይንብከል ትብዓት የድልየና። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ካብ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ኸም እንወጽእ ኪገብረና ዚኽእል ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ጸቕጥታት ይወርደና እዩ። ብዙሓት ከኣ ካብ ስድራ ቤቶም ምጽራር የጋጥሞም እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ፍልቀት ይምህራ ኣለዋ፡ ኣምላኽ የለን ዚብል እምነት ድማ ዝያዳ ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ጸቕጥታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ዕሽሽ ብምባል ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኾፍ ኣይንብልን ኢና። የግዳስ፡ ነዚ ጸቕጢ እዚ ንኽንጻወሮን ርእስና ንኸነዕቍብን ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ክንዕወት ከም እንኽእል ይሕብረና እዩ።

11. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስትንታን፡ ዝያዳ ትብዓት ዚህበና ብኸመይ እዩ፧

11 ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም። (ዮሃ. 16:33) ንሱ ፈጺሙ ንጽልዋ እዛ ዓለም እዚኣ ኢዱ ኣይሃበን። እዛ ዓለም እዚኣ፡ ዕዮ ስብከቱ ኸም ዜቋርጽን ንመለክዒታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣትሒቱ ኸም ዚርእን ንኽትገብሮ ኣይፈቐደላን፣ ንሕና እውን ከነፍቅደላ የብልናን። የሱስ ኪጽሊ ኸሎ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃ. 17:16) ብዛዕባ እቲ የሱስ ንትብዓት ብዚምልከት ዝሓደጎ ኣብነት ምጽናዕን ምስትንታንን፡ ካብዛ ዓለም ንኽንፍለ ዜኽእለና ትብዓት ኪህበና ይኽእል እዩ።

ካብ የሱስ ትብዓት ተምሃር

12-14. የሱስ ትብዓት ዘርኣየሉ ኣብነታት ጥቐስ።

12 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ነቲ ኸም ወዲ ኣምላኽ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ብትብዓት “ናብ መቕደስ ኣምላኽ አተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።” (ማቴ. 21:12) ኣብታ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ዓቀይቲ ኺሕዝዎ ምስ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንምዕቋብ፡ “ንኣይ ትደልዩ እንተ አሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ ብትብዓት ተዛረቦም። (ዮሃ. 18:8, 9) ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣጽዋር ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ኸም ዚተኣማመን ንምሕባር፡ ጴጥሮስ ንሰይፉ ናብ ቤታ ኺመልሳ ነገሮ።—ዮሃ. 18:11

13 የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ጨካናት መራሕቲ ሃይማኖትን ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታቶምን ብትብዓት ኣቃልዖ። “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ . . . ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም” ድማ በሎም። ወሲኹ እውን፡ “እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። . . . ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ” በሎም። (ማቴ. 23:13, 23, 25) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ በዞም ናይ ሓሶት መራሕቲ ሃይማኖት መስጐጕቲ ስለ ዚወርዶምን ገሊኦም ብኣታቶም ስለ ዚቕተሉን፡ ተመሳሳሊ ትብዓት የድልዮም ነበረ።—ማቴ. 23:34፣ 24:9

14 የሱስ ንኣጋንንቲ እውን እንተ ዀነ፡ ብትብዓት ይቃወሞም ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣጋንንቲ ምስ ዝሓዝዎ ሰብኣይ ተራኸበ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ ብሰንሰለት ኪኣስሮ ዝኸኣለ ሰብ ኣይነበረን። የሱስ ግን ዋላ ሓንቲ ኸይፈርሀ፡ ነቶም ኣጋንንቲ ኣውጽኦም። (ማር. 5:1-13) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ንክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ተኣምራት ኪገብሩ ዜኽእሎም ሓይሊ ኣይህቦምን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ክንሰብኽን ክንምህርን ከለና፡ ምስቲ ‘ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ዘዖሮ’ ሰይጣን መንፈሳዊ ውግእ ንዋጋእ ኢና። (2 ቈረ. 4:4) ልክዕ ከም ናይ የሱስ፡ ኣጽዋርና “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን።” (2 ቈረ. 10:4) ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ነዚ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ኣጽዋር ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።

15. ትብዓት የሱስ ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ፧

15 እቲ የሱስ ዘርኣዮ ትብዓት፡ ኣብ ኣጕል ድፍረት ዘይኰነስ፡ ኣብ እምነት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ናትና እውን ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ። (ማር. 4:40) ናይ ሓቂ እምነት ከነጥሪ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብነት የሱስ ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ንሱ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ፍልጠት ከም ዘለዎን ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኸም ዚተኣማመንን ኣርእዩ እዩ። ቃል ብቓሉ ኣጽዋር ዘይኰነስ፡ ነቲ ሰይፊ መንፈስ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ ይድግፎ ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ‘እተጻሕፈ ምዃኑ’ ብምጥቃስ እዩ ዘረባኡ ዚጅምር ነይሩ። *

16. ድልድልቲ እምነት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ነቲ ወደ መዝሙር ምስ ምዃን ዚመጽእ ፈተናታት ክንዋጽኣሉ እተኽእለና ድልድልቲ እምነት ንምህናጽ፡ መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦን ከነጽንዖን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ክንካፈል ኣሎና፣ በዚ ኸምዚ ነቲ መሰረት እምነት ዝዀነ ሓቅታት ኣብ ኣእምሮና ነስርጾ። (ሮሜ 10:17) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ኣዕሚቝና ኸነስተንትንን ንልብና ኺጸልዎ ኸነፍቅደሉን ኣሎና። ህያው ዝዀነት እምነት እንተ ኣልያትና እዩ ትብዓት ዝመልኦ ስጕምቲ ኽንወስድ እንኽእል። (ያእ. 2:17) ብተወሳኺ እውን፡ እምነት ሓንቲ ኽፋል ፍረ መንፈስ ስለ ዝዀነት፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኽንጽሊ ኣሎና።—ገላ. 5:22

17, 18. ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትብዓት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

17 ኪቲ ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ፡ ናይ ሓቂ እምነት ብኸመይ ትብዓት ከም ዚህብ ተመኪራቶ እያ። ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ‘ብወንጌል ክትሓፍር ከም ዘይብላ’ ትፈልጥ ነይራ፣ ንመማህርታ ጽቡቕ ምስክርነት ክትህቦም ድማ ትደሊ ነበረት። (ሮሜ 1:16) ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ብስራት ክትነግሮም ትፍትን እኳ እንተ ነበረት፡ ሰኣን ትብዓት ግን ከምኡ ኽትገብር ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ቤት ትምህርቲ ቐየረት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ሕጅስ ነቲ ዝሓለፈኒ ኣጋጣሚታት ክጥቀመሉ ኣሎኒ” ኢላ ሓሰበት። ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነቱ ትብዓትን ምስትውዓልን ጽቡቕ ኣጋጣምን ክትረክብ ድማ ጸለየት።

18 ኣብታ ትምህርቲ ዝጀመረትላ መዓልቲ፡ እቶም ተመሃሮ ንርእሶም ኬፋልጡ ተሓተቱ። ብዙሓት ድማ ብዛዕባ ሃይማኖቶም ተዛረቡ፡ ኣብ እምነቶም ብዙሕ ተገዳስነት ከም ዘይብሎም ድማ ገለጹ። ኪቲ ነቲ እትጽልየሉ ዝነበረት ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸበቶ ተረድአት። ተራኣ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብምትእምማን፡ “ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እየ፡ ንመንፈሳዊ ይኹን ንስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ብዚምልከት ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ እየ ዝምራሕ” ኢላ ተዛረበት። ዘረባኣ ምስ ቀጸለት፡ ገሊኦም ተመሃሮ ብሕጫጨ ኺርእይዋ ጀመሩ። ገሊኦም ግን ጽን ኢሎም ሰምዕዋ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሕቶታት ሓተትዋ። እታ መምህር ንኪቲ ኣብ እምነታ ጸኒዓ ደው ብምባላ ኸም ጽቡቕ ኣብነት ገይራ ጠቐሰታ። ኪቲ ነቲ ትብዓት ዝመልኦ ኣብነት የሱስ ስለ እተማህረት ኣዝያ ሕጕስቲ እያ።

ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት እምነትን ትብዓትን ኣርኢ

19. (ሀ) ናይ ሓቂ እምነት ምጥራይ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ሃዋርያት እውን እንተ ዀኑ፡ እቲ ትብዓት ዝመልኦ ስጕምቶም ኣብ እምነት እተመርኰሰ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጡ ነበሩ። ንየሱስ ድማ፡ “እምነት ወስኸና” ኢሎም ለመንዎ። (ሉቃስ 17:5, 6 ኣንብብ።) እምነት ምህላው ኪበሃል ከሎ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማን ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ሓደ ሕያዋይን ፈቃርን ኣቦ ምስ ንእሽቶ ውሉዱ ዘለዎ ርክብ ዚመሳሰል እዩ። ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ፡ እወ፡ ከናፍርካ ቕንዕና እንተ ተዛረባ፡ ኰላሊተይ ደስ ይብለን” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 23:15, 16) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጐድኒ ጽድቃዊ ስርዓታት ብትብዓት ደው ምባልና፡ ንየሆዋ የሐጕሶ፣ ነዚ ምፍላጥና ኸኣ ዝያዳ ተባዓት ይገብረና። ስለዚ፡ ብትብዓት ኣብ ጐድኒ ጽድቂ ደው ብምባል፡ ወትሩ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንቕድሓዮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ እዙዛት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ምንታይ እተመርኰሰት እያ፧ እዚኸ ተባዓት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• እዙዛት እንተ ዄንናን ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ትብዓት እንተ ኣርኢናን እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንዜጋጥመካ ፈተናታት ንኽትዋጽኣሉ ልብኻ ተዳሉዶ ኣለኻ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም የሱስ፡ ኣብ እምነት እተመርኰሰ ትብዓት ከነርኢ ንኽእል ኢና