ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መለኮታዊ ትምህርቲ ዘለዎ ሓለፋ

መለኮታዊ ትምህርቲ ዘለዎ ሓለፋ

መለኮታዊ ትምህርቲ ዘለዎ ሓለፋ

“ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ . . . ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ።”—ፊል. 3:8

1, 2. ገሊኦም ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ምርጫ እዮም ገይሮም፧ ስለምንታይከ፧

 ሮበርት ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ብትምህርቱ ንፉዕ ነበረ። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓንቲ ኻብ መምህራኑ ናብ ገዛኡ ኽትበጽሖ ብምኻድ፡ ኵሉ ነገር ኪገብር ከም ዚኽእል ነገረቶ። ሓደ መዓልቲ ሓኪም ኪኸውን ተስፋ ኸም እትገብር ድማ ገለጸትሉ። እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝረኸቦ ጽቡቕ ውጽኢት ኣብቲ ዓዲ ናብ ዚርከባ ብሉጻት ዩኒቨርሲቲታት ንኺኣቱ የኽእሎ ነበረ። ሮበርት ግን ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ሸቶ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ብዙሓት ሰባት እንደገና ኺርከብ ከም ዘይከኣል ገይሮም ዚሓስብዎ ኣጋጣሚ ሓደጎ።

2 ብዙሓት ክርስትያናት ዝዀኑ ንኣሽቱን ዓበይትን ልክዕ ከም ሮበርት ኣብዚ ስርዓት እዚ ዕቤት ንምርካብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም እዩ። ገሊኦም መንፈሳዊ ሸቶታት ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ከይጥቀምሉ መሪጾም እዮም። (1 ቈረ. 7:29-31) ከም ሮበርት ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ንኺዓዩ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ መለኮታዊ ትምህርቲ ንዘለዎ ሓለፋ እውን ይርድእዎ እዮም። ሓቂ እንተ ዘይትፈልጥ ኔርካ ህይወትካ እንታይ ኪመስል ከም ዚኽእል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ብየሆዋ ሳላ እተመሃርና ብዛዕባ ዝረኸብናዮ በረኸት ምስትንታንና፡ እቲ ብስራት ንዘለዎ ሓለፋ ኣኽቢርና ንኽንርእዮን ንኻልኦት ብቕንኣት ከነካፍሎምን ይሕግዘና።

ብኣምላኽ እተመሃርካ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል

3. የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ኪምህር ፍቓደኛ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 የሆዋ ሰናይ ስለ ዝዀነ ንዘይፍጹማት ሰባት ኪምህር ፍቓደኛ እዩ። ኢሳይያስ 54:13 ብዛዕባ ቕቡኣት ክርስትያናት ክትንበ ኸላ፡ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ትብል። እዘን ቃላት እዚኣተን ብተዘዋዋሪ ኣብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስ እውን ይውዕላ እየን። (ዮሃ. 10:16) እቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ትንቢት ነዚ ንጹር ይገብሮ እዩ። ኢሳይያስ ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተኣከቡ ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺውሕዙ ኸለዉ ብራእይ ርእዩ እዩ። ንሓድሕዶም፡ “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና” ኸም ዚበሃሃሉ ድማ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 2:1-3) ብየሆዋ ኽትመሃርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

4. የሆዋ ነቶም ዚምህሮም እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧

4 ካብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ተጠቀምቲ ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ልዕሊ ዅሉ፡ ሓደ ሰብ ትሑትን ንኺመሃር ፍቓደኛን ኪኸውን ኣለዎ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፡ . . . ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 25:8, 9) የሱስ እውን፡ “ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ . . . ኤመስግነካ አሎኹ” በለ። (ሉቃ. 10:21) እዝስ ናብቲ ‘ንትሑታት ጸጋ ዚህቦም’ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም እትቐርብ ደይኰነን ዚገብረካ፧—1 ጴጥ. 5:5

5. ፍልጠት ኣምላኽ ክንረክብ ዝኸኣልና ብኸመይ ኢና፧

5 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን፡ ሓቂ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና ብኽእለትና ወይ ብጥበብና ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብናይ ገዛእ ርእስና ተበግሶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ኣይምኸኣልናን ኔርና። የሱስ፡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ነቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ዚዀኑ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ብዕዮ ስብከትን ብመንፈስ ቅዱስን ኣቢሉ ናብኡ ይስሕቦም ኣሎ። (ሃጌ 2:7) ሓደ ኻብቶም የሆዋ ናብ ወዱ ዚስሕቦም ምዃንሲ ኣዝዩ ባህ ዜብል ደይኰነን፧—ኤርምያስ 9:23, 24 ኣንብብ።

ህይወት ሰባት ንምቕያር ዘለዎ ሓይሊ

6. “ፍልጠት እግዚኣብሄር” ኣብ ሰባት ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧

6 ትንቢት ኢሳይያስ፡ ነዚ ኣብዚ ግዜና ሰባት ዚገብርዎ ዘለዉ ናይ ባህርይ ለውጥታት ባህ ብዜብል ስእላዊ ዘረባ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ዓመጸኛታት ዝነበሩ ሰባት ሎሚ ሰላማውያን ኰይኖም እዮም። (ኢሳይያስ 11:6-9 ኣንብብ።) ብሰንኪ ዓሌት፡ ዜግነት፡ ቀቢላ፡ ወይ ባህሊ ዚጻልኡ ዝነበሩ ሰባት ብሓባር ኪነብሩ ኽኢሎም እዮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት” ሰርሕዎ። (ኢሳ. 2:4) ከምዚ ዓይነት ዜደንቕ ለውጢ ኺገብሩ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ “ፍልጠት እግዚኣብሄር” ስለ ዝረኸቡን ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓልዎን እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ግን ኣለዎም። ስለዚ፡ እቲ ብስራት ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነት ምርካቡን ጽቡቕ ፍረ ምፍራዩን፡ መለኮታዊ ትምህርቲ ሓለፋ ኸም ዘለዎ ዜርኢ እዩ።—ማቴ. 11:19

7, 8. (ሀ) መለኮታዊ ትምህርቲ ኻብ ኣየናይ “ጽኑዕ ዕርድታት” እዩ ንሰባት ሓራ ዜውጽኦም፧ (ለ) መለኮታዊ ትምህርቲ ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዜምጽኣሉ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚዓይዎ ዕዮ ምስክርነት ምስ መንፈሳዊ ውግእ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡— ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 10:4, 5) መለኮታዊ ትምህርቲ ኻብ ኣየናይ “ጽኑዕ ዕርድታት” እዩ ንሰባት ሓራ ዜውጽኦም፧ ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ማሪትን ሰብኣዊ ፍልስፍናን ካብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን እዩ ሓራ ዜውጽኦም። (ቈሎ. 2:8) ሰባት ነቲ ሕማቕ ተግባራቶም ሓዲጎም ኣምላኻዊ ባህርያት ኬማዕብሉ ይሕግዞም። (1 ቈረ. 6:9-11) ናብራ ስድራ ቤት እውን የመሓይሽ። ነቶም ተስፋ ዘይነበሮም ሰባት ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ከም ዚህልዎም ይገብር። ሎሚ ኸምዚ ዓይነት ትምህርቲ እዩ ዜድሊ።

8 ካብዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮ ኸም እንርእዮ፡ ሓቀኛነት ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ኼማዕብልዎ ዚሕግዞም ባህርያት እዩ። (እብ. 13:18) ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረላ ተሰማምዐት፡ ድሕሪ ግዜ ድማ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኰነት። ሓደ መዓልቲ ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰርሕ ጸኒሓ ናብ ቤታ ኽትምለስ ከላ፡ ኣብ ጥቓ መዕረፍ ኣውቶቡስ ሸሞንተ ሚእቲ ዶላር ኣመሪካ ዝዋግኡ ስልማት ወርቂ ወዲቑ ረኸበት። ድኻ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ ስልማት ኣልዒላ ናብ መደበር ፖሊስ ኣብጽሓቶ። እቲ ፖሊስ በቲ ዝረኣዮ ነገር ኣዝዩ ደንጸዎ! ጸኒሑ ኻልእ ፖሊስ፡ “ነቲ ስልማት ክትመልስዮ ዝወሰንኪ ስለምንታይ ኢኺ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ኸኣ፡ “ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ ኸም ዝኸውን ስለ ዝገበረኒ እዩ” በለቶ። እቲ ፖሊስ በዚ ተግባር እዚ ተተንኪፉ ነቲ ምስኣ ዝኸደ ክርስትያን ሽማግለ፡ “ኣብዚ ግዝኣት እዚ ልዕሊ 38 ሚልዮን ሰባት ኣለዉ። ንዓሰርተ ሰባት ከምዛ ሰበይቲ ኪዀኑ እንተ ሓጊዝኩምዎም፡ ዓብዪ ዓወት እዩ” በሎ። ብዛዕባ እቶም ብመለኮታዊ ትምህርቲ ህይወቶም እተቐየረ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ክንሓስብ ከለና፡ ንየሆዋ ኽንውድሶ እንኽእለሉ ብዙሕ ምኽንያት ደይኰነን ዘሎና፧

9. ሰባት ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

9 ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ምስቲ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ዜዳልዎ ሓገዝ ተደሚሩ፡ ሰባት ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ ይሕግዞም። (ሮሜ 12:2፣ ገላ. 5:22, 23) ቈሎሴ 3:10፡ “ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ [ልበሱ]” ትብል። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ፡ ውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ ከም ዚግለጽ ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ፣ ኣተሓሳስባኡን ንነገራት ዘለዎ ስምዒትን እውን ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። (እብራውያን 4:12 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ቅኑዕ ዝዀነ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥራይን ንህይወቱ ምስ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ብምስምማዕን ዓርኪ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህልዎ ይገብር።

ንመጻኢ የዳልወና

10. (ሀ) ንመጻኢ ኽንዳሎ ኺሕግዘና ዚኽእል የሆዋ ጥራይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ድሕሪ ቐረባ እዋን ኣብ መላእ ምድሪ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ እዩ ኼጋጥም፧

10 የሆዋ ድሕሪ ቐረባ እዋን እንታይ ከም ዜጋጥም ስለ ዚፈልጥ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ንመጻኢ ኽንዳሎ ኺሕግዘና ዚኽእል። መጻኢ ደቂ ሰብ እንታይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚውስን ንሱ እዩ። (ኢሳ. 46:9, 10) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር . . . ቀሪባ” ኢሉ ይገልጽ። (ጸፎ. 1:14) “ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ” ዚብል ኣብ ምሳሌ 11:4 ዚርከብ ቃላት እውን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኺፍጸም እዩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍርዱ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ኣቕዋም እዩ። ገንዘብ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ኣይኪህልዎን እዩ። ህዝቅኤል 7:19፡ “ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ” ትብል። ነዚ ነገር እዚ ኣቐዲምና ምፍላጥና፡ ሕጂ ብጥበብ ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

11. ሓደ ኻብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ንመጻኢ ኸም እንዳሎ ዚገብረሉ መገዲ እንታይ እዩ፧

11 ሓደ ኻብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ንምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ኸም እንዳሎ ዚገብረሉ ፍሉይ መገዲ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ብግቡእ ክንሰርዕ ብምሕጋዝ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም” ኢሉ ጸሓፈሉ። ዋላ እውን ሃብታማት ኣይንኹን፡ ካብዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ስጋዊ ነገራት ክንእክብ ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ‘ገበርቲ ሰናይ ክንከውንን ብሰናይ ግብሪ ኽንህብትምን’ ኣሎና። ኣብ ህይወትና ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ‘ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስና ንኣክብ።’ (1 ጢሞ. 6:17-19) የሱስ፡ “ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧” ስለ ዝበለ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርእሰ-መስዋእታዊ ህይወት፡ ግብራዊ ጥበብ ዜንጸባርቕ እዩ። (ማቴ. 16:26, 27) ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ‘ኣበይ እየ መዝገብ ዝእክብ ዘለኹ፧ ንኣምላኽ ድየ ወይስ ንገንዘብ እየ ዝግዛእ ዘለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።—ማቴ. 6:19, 20, 24

12. ገሊኦም ሰባት ንኣገልግሎትና ዘለዎም ንዕቐት ካብ ምግልጋል ኪዓግተና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

12 ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ክርስትያናት ዚገብርዎ “ሰናይ ግብሪ፡” እቲ ህይወት ሰባት ዜድሕን ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዘጋጠመ፡ ገሊኦም ሰባት ንኣገልግሎትና ይንዕቕዎ ይዀኑ። (1 ቈረንቶስ 1:18-21 ኣንብብ።) እዚ ግን እቲ መልእኽትና ንዘለዎ ጥቕሚ ዀነ በቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ንዅሎም ሰባት ኣብኡ እምነት ኬሕድሩ ኣጋጣሚ ምሃብ ንዘለዎ ኣገዳስነት ኣይንክዮን እዩ። (ሮሜ 10:13, 14) ካልኦት ካብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኺጥቀሙ ምስ እንሕግዞም፡ ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

መስዋእቲ ብምግባር ዚርከብ በረኸት

13. ሃዋርያ ጳውሎስ ምእንቲ ብስራት ኢሉ እንታይ መስዋእትታት እዩ ዝገበረ፧

13 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ስርዓት ኣይሁድ ዕውት ንኪኸውን ዜኽእሎ ስልጠና ረኺቡ ነበረ። ዳርጋ ወዲ 13 ዓመት ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍሉጥ መምህር ሕጊ ዝነበረ ገማልኤል ኰይኑ ምእንቲ ኺምሃር ካብታ ዝዓበየላ ኸተማ ጠርሴስ ናብ የሩሳሌም ገዓዘ። (ግብ. 22:3) ድሕሪ ግዜ፡ ካብቶም ብጾቱ ጸብለል ኪብል ጀመረ፡ በዚ እንተ ዚቕጽል ነይሩ ኸኣ ኣብ ኣይሁድነት ዝና ምረኸበ ነይሩ። (ገላ. 1:13, 14) ነቲ ብስራት ምስ ተቐበለን ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ ተጸምደን ግን ነዚ ዅሉ ሓደጎ። በቲ ዝገበሮ ምርጫ ተጣዒሱዶ፧ ኣይፋሉን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ “ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊል. 3:8

14, 15. ከም “መዓይይቲ ኣምላኽ” መጠን፡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኢና እንረክብ፧

14 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከም ጳውሎስ ምእንቲ ብስራት ኢሎም መስዋእትታት ይገብሩ እዮም። (ማር. 10:29, 30) ከምዚ ብምግባርና ዜምልጠና ነገር ኣሎዶ፧ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ሮበርት ከምዚ ብምባል ናይ ብዙሓት ሰባት ስምዒት ገለጸ፦ “በቲ ዝገበርክዎ ውሳነ ፈጺመ ኣይጠዓስን እየ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓጐስን ዕግበትን ኣምጺኡለይ እዩ፡ ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ኽጥዕምን ክርእን’ ድማ ክኢለ እየ። መንፈሳዊ ሸቶታት ንኽስዕብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ መስዋእትታት ክገብር ከለኹ፡ የሆዋ ልዕሊ እቲ ዝገበርክዎ መስዋእቲ ብምሃብ ባሪኹኒ እዩ። ብዙሕ በረኸት ስለ ዝረኸብኩ፡ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ መስዋእቲ ዘይገበርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—መዝ. 34:8፣ ምሳ. 10:22

15 ኣብቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ትካፈል እንተ ዄንካ፡ ንስኻ እውን የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ኽትጥዕምን ክትርእን ከም ዝኸኣልካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ብስራት ከተካፍል ከለኻ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝሓገዘካ ዀይኑ እተሰምዓካ እዋን ኣሎዶ፧ የሆዋ ንሰባት ኣብቲ መልእኽቲ ኣቓልቦ ምእንቲ ኺገብሩ ልቦም ምስ ከፈተሎም፡ ገጾም ኪበርህ ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ (ግብ. 16:14) የሆዋ ንጸገማት ክትዋጽኣሉ ሓጊዙካ፡ ምናልባት እውን ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ እትኽእለሉ ኣጋጣሚ ኸፊቱልካዶ ይፈልጥ፧ ብሰንኪ ሽግር ሓይልኻ ተጸንቂቑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዕኡ ምግልጋልካ ኽትቅጽል ሓጊዙካዶ፧ (ፊል. 4:13) ኣገልግሎትና ኣብ እንፍጽመሉ እዋን፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ሓገዝ የሆዋ ኽንረክብ ከለና፡ ብዝያዳ ህያው ይዀነልና፡ ናብኡ ኸኣ ንቐርብ። (ኢሳ. 41:10) ኣብቲ ዓብዪ ዕዮ መለኮታዊ ትምህርቲ፡ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ምዃን በረኸት ደይኰነን፧—1 ቈረ. 3:9

16. ብዛዕባ እቲ ምስ መለኮታዊ ትምህርቲ ብዚተሓሓዝ እትገብሮ ጻዕርን መስዋእትታትን ከመይ ይስምዓካ፧

16 ብዙሓት ሰባት፡ ብህይወቶም ከለዉ ገለ ነባሪ ነገር ኪገብሩ ይፍትኑ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርከብ ዜደንቕ ዚበሃል ዓወት እውን እንተ ዀነ፡ ቀልጢፉ ኺርሳዕ ከሎ ርኢና ኢና። እቲ የሆዋ ምስ ምቕዳስ ስሙ ብዚተሓሓዝ ኣብዚ ግዜና ዚፍጽሞ ዘሎ ዕዮ ግን፡ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ታሪኽ ንዘለኣለም ከም ዚዕቀብ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ፡ ንዘለኣለም እናተዘከረ ኺነብር እዩ። (ምሳ. 10:7፣ እብ. 6:10) እምበኣር፡ ኣብቲ ታሪኻዊ ዕዮ መለኮታዊ ትምህርቲ ኽንካፈል ንእተዋህበና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ንርኣዮ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ነቶም ዚምህሮም እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧

• መለኮታዊ ትምህርቲ ንህይወት ሰባት ዚቕይሮ ብኸመይ እዩ፧

• ካልኦት ካብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ንኺጥቀሙ ኽንሕግዞም ከለና ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ብየሆዋ እተማህሩ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“መዓይይቲ ኣምላኽ” ምዃን በረኸት ደይኰነን፧