ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

ዘዳግም 10:12, 13

ንኽትእዘዝ ወይ ንኸይትእዘዝ እትገብሮ ውሳነ ዅሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን። ንሓደ ተሪር ወይ ካልኦት ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ዚጽበ ሰብ፡ እቶም ብትሕቲኡ ዘለዉ ሰባት እናጕረምረሙ ይእዘዝዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እቶም ኣምለኽቱ ብፍቓዶም እዮም ዚእዘዝዎ። ስለምንታይ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ፡ ነተን ኣብ ዘዳግም 10:12, 13 ዚርከባ ቓላት ሙሴ እስከ ንመርምረን። *

ሙሴ ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚጽበየና ብቕዓታት ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጾ ኸሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ዚብል ዜመራምር ሕቶ ሓተተ። (ቍጽሪ 12) ኣምላኽ ካባና ዝዀነ ይኹን ነገር ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎ። ከመይሲ፡ ልዑላዊ ጐይታ ኸምኡውን ምንጭን ሓብሓብን ህይወት እዩ። (መዝሙር 36:9፣ ኢሳይያስ 33:22) የሆዋ ተኣዛዝነትና ይግብኦ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብግዴታ ኽንእዘዞ ኣይደልን እዩ። ካባና እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ‘ካብ ልቢ ኽንእዘዞ’ እዩ ዚደሊ።—ሮሜ 6:17, 18

ንየሆዋ ብፍቓድና ኽንእዘዞ ኺድርኸና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ሙሴ ነቲ ሓደ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ” በለ። * (ቍጽሪ 12) ንየሆዋ እንፈርሆ፡ ንዕኡ ዘይምእዛዝና ሕማቕ ሳዕቤን ከየምጽኣልና ስለ እንሰግእ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽን ንመገድታቱን ጥዑይ ፍርሂ ስለ ዘለና እዩ። ንኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት እንተ ኣልዩና፡ ንዕኡ ዘየሐጕሶ ነገር ከነወግድ ንደሊ ኢና።

እሞኸ ንኣምላኽ ክንእዘዞ ዚድርኸና ቐንዲ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ሙሴ፡ ንየሆዋ “ኸተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ” ኢሉ ገለጸ። (ቍጽሪ 12) ካብ ስምዒት ተበጊስና ጥራይ ኣይኰንናን ንኣምላኽ እነፍቅሮ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “እቲ ንስምዒታት ዚገልጽ ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ሓድሓደ እዋን ነቲ ኻብ ስምዒት ዚምንጭው ተግባራት እውን የመልክት እዩ” በለ። እዚ ጽሑፍ እዚ ወሲኹ፡ ንኣምላኽ ምፍቃር ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ንሱ ዚብሎ “ብፍቕሪ ምግባር” ማለት ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ በቲ ንዕኡ ዜሐጕሶ መገድታት ኢና እንመላለስ።—ምሳሌ 27:11

ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢና ኽንእዘዞ ዘሎና፧ ሙሴ፡ “ብዅሉ መገዱ [ብመገዲ ኣምላኽ] ኽትመላለስ” በለ። (ቍጽሪ 12) የሆዋ ነቲ ኻባና ዚጽበዮ ዅሉ ኽንገብር ይደልየና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ተኣዛዝነት ይጐድኣናዶ ይኸውን፧ ፈጺሙ ኣይጐድኣናን እዩ።

ብፍታው ምእዛዝና በረኸት የምጽኣልና እዩ። ሙሴ፡ ‘ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት ሓሉ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ቍጽሪ 13) እወ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ኽንእዘዞ ዚደሊ ትእዛዛት ምእዛዝና ንጥቕምና እዩ። ፈጺሙ ኺጐድኣና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ዚህበና ዘለኣለማዊ ድሕንነት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ነቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገራት ምግባር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ብዙሕ ጭንቀት የድሕነና፡ ናብቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ግዝኣት መንግስቱ ዚርከብ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ድማ ይመርሓና። *

ነቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገር ንኽንእዘዞ ወይ ንኸይንእዘዞ ምርጫ ኪቐርበልና ኸሎ፡ ሓደ ጥበባዊ ምርጫ ጥራይ እዩ ዘሎ። ምሉእ ብምሉእ ፈቲና ምእዛዝና፡ ወትሩ ዝበለጸ እዩ። ከምዚ ዓይነት ተኣማንነት ናብቲ ወትሩ ጽቡቕና ዚደሊ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም እንቐርብ እዩ ዚገብረና።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 4 እተን ሙሴ እተዛረበን ቃላት ንጥንታዎት እስራኤላውያን ዚምልከታ እኳ እንተ ዀና፡ ብመሰረቱ ግን ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ይምልከታ እየን።—ሮሜ 15:4

^ ሕ.ጽ. 6 ሙሴ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ዘዳግም፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ንህይወቶም ብፍርሂ ኣምላኽ ኪመርሕዋ ኸም ዘለዎም እዩ ኣጕሊሑ።—ዘዳግም 4:10፣ 6:13, 24፣ 8:6፣ 13:4፣ 31:12, 13

^ ሕ.ጽ. 9 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 3 ዘላ፡ “ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧” እትብል ኣርእስቲ ተወከስ።