ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ፈጣሪ ምእማን ይከኣል ድዩ፧

ኣብ ፈጣሪ ምእማን ይከኣል ድዩ፧

ኣብ ፈጣሪ ምእማን ይከኣል ድዩ፧

“ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኽሓስብ ከለኹ፡ መከራ ወዲ ሰብ ንምጥፋእ ሓይሊ እናሃለዎ ኽነሱ፡ ክጥቀመሉ ድሉው ዘይኰነ ኣካል ከም ዘሎ ምሕሳበይ የሕርቐኒ እዩ!” ሓደ በቲ ናዚ ዝገበሮ ጃምላዊ ቕትለት ኣባል ስድራ ቤቱ ዝሞቶ፡ ኣቐዲሙ ኢዝሄራዊ ወይ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ዝነበረ ሰብ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በለ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት እተሰምዖ ግን ንሱ በይኑ ጥራይ ኣይኰነን።

ብዙሓት ሰባት ግፍዒ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን የጸግሞም፡ ወይ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ገይሮም ኪሓስቡ ይጅምሩ። ንገሊኦም ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚገብሮም ቀንዲ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ ከምቲ ገሊኦም ዚሓስብዎ፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ወይ ብዘይ ሃይማኖት እንተ ዀኑዶ ይሓይሽ፧ ሓደ ኢዝሄራዊ፡ ፈቃር ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኺኣምን ይኽእልዶ፧

ሃይማኖት ዘስዓቦ ኽሳራ

እቲ ዜገርም፡ ንሰባት ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚገብሮም ቀንዲ ምኽንያት፡ ሃይማኖት እዩ። ኣሊስተር መግራዝ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ንሰባት ልዕሊ ዅሉ ናብ ኢዝሄርነት ዚደፍኦም ነገር፡ ነቲ እተወደበ ሃይማኖት ዚገብሮ ሕሉፍ ተግባራትን ዜስዕቦ ኽሳራን ስለ ዚፍንፍንዎ እዩ” በለ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሃይማኖት ጠንቂ ውግእን ዓመጻን ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ። ሚሸል ኦንፍረይ ዝስሙ ኢዝሄራውን ፈላስፋን፡ ሓደ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ከመይ ገይሩ ኽልተ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ከም ዜፍሪ፡ ማለት ነቲ ሓደ ናብ “ቅድስና” ንኺበጽሕ ኬለዓዕሎ ኸሎ፡ ነቲ ኻልእ ግን ከም ግብረ-ሽበራ ዝኣመሰለ “ኢሰብኣዊ ጭካነ ንኺፍጽም” ከም ዜለዓዕሎ ገለጸ።

ብዙሓት ሰባት ምስ ሃይማኖት ኣብ ዝነበሮም ርክብ ሕማቕ ተዘክሮ ኣለዎም። በርቲል ዝስሙ ስዊድናዊ መንእሰይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህብ ከሎ፡ ቀሺ ሰራዊቶም ነቲ የሱስ ሰይፊ ዜልዕሉ ብሰይፊ ኸም ዚጠፍኡ እተዛረቦ መጠንቀቕታ ጠቒሱ፡ ሓይሊ ምጥቃም ኣድላዪ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ሰምዖ። እቲ ቐሺ፡ ንሰይፊ ዚጥቀመሉ ሰብ ኪህሉ ስለ ዘለዎ፡ ወተሃደር ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገለጸ።—ማቴዎስ 26:52 *

ኣቦኣ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ፈረንሳ ዝሞታ በርናደት፡ ጓል ሓትኖኣ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዕድሚኣ ሞተታ። ኣብ ቀብሪ እታ ጓል ሓትኖኣ፡ ሓደ ቐሺ፡ “ኣምላኽ ነዛ ቘልዓ መልኣኽ ክትከውን ጸዊዕዋ” ኺብል ምስ ሰምዓቶ እተሰምዓ ቝጥዓ ትዝ ይብላ። ጸኒሓ በርናደት ስንኩል ውላድ ወለደት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ካብ ቤተ-ክርስትያን ምጽንናዕ ኣይረኸበትን።

ዓመጻ ኣብ ዝመልኦ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዝዓበየ ኪሬን፡ ንትምህርቲ ገሃነም እሳት ይጸልኦ ነበረ። ንዝዀነ ይኹን ብኸምዚ ዝኣመሰለ እከይ ተሓታቲ ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዚጸልእን ኣምላኽ ብሓቂ እንተሎ ኸኣ ኪቐዝፎን ይዛረብ ነበረ። ብዙሓት ካልኦት ሰባት እውን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ይጸልእዎ እዮም። ወረግ ንኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት መገዲ ዝጸረገስ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ከይዀነ ኣይተርፍን እዩ። ብመሰረት ኣሊስተር መግራዝ፡ ዳርዊን ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ጥርጣረ ኺሓድሮ ዝጀመረ፡ ኣብ ፍልቀት ካብ ዝነበሮ እምነት ዘይኰነስ፡ ንትምህርቲ ገሃነም እሳት ካብ ዝነበሮ “ሓያል ጽልኢ” ተላዒሉ እዩ ነይሩ። መግራዝ ነቲ ዳርዊን “ብሞት ጓሉ ዝነበሮ ዓሚቝ ሓዘን” ገሊጹ ኣሎ።

ገሊኦም ንሃይማኖት ምስ ዕሽነትን ጥሩፍነትን የተሓሕዝዎ እዮም። ባዶ ሃይማኖታዊ ስብከትን ድግምጋም ጸሎትን እተጸልኣ ኢሪና፡ “ሃይማኖተኛታት ዘይሓስቡ ይመስለኒ ነይሩ” በለት። ነቲ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዘስዓቦ ባርባራዊ ተግባራት ዝፈንፈኖ ልዊ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጥሩፍ መትከል ሓዘ፦ “ንሓያሎ ዓመታት ሃይማኖት ዜሰልኪ ዀይኑ ኺስምዓኒ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ዜስካሕክሕ ምዃኑ እውን ተገንዘብኩ። ንዅሉ ሃይማኖት ኣምሪረ ኽጻረር ጀመርኩ።”

ብዘይ ኣምላኽዶ ይሓይሽ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ሃይማኖት ንምዕባለን ሰላምን ደቂ ሰብ ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ገይሮም ምርኣዮም ዜገርም ኣይኰነን። ገሊኦም እሞ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ወይ ብዘይ ሃይማኖት እንተ ዀኑ ኸም ዚሓይሽ ሕቶ ኼበግሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ንሃይማኖታዊ ሓሳባት ብጃምላ ምንጻግ ዜስዕቦ ጸገማት ኣሎዶ፧

ኣብ መበል 18 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ቮልቴኽ ዚበሃል ፈላስፋ፡ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረት ብልሽውቲ ቤተ-ክርስትያን እተስዕቦ ጕድኣት ኣምሪሩ ተቓወመ። ኰይኑ ግን፡ ህልውና ዝለዓለ ኣካል ንስነ-ምግባር ዜድሊ መሰረታዊ ነገር ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ጸኒሑ፡ ፍሪድሪኽ ኒቸ ዚበሃል ጀርመናዊ ፈላስፋ፡ ኣምላኽ ኸም ዝሞተ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ኢዝሄራዊ ኣተሓሳስባ ዜስዕቦ ስነ-ምግባራዊ ባዶሽን ጕድኣትን ግን ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧

ኪት ዎርድ ዚበሃል ደራሲ ኸም ዝገለጾ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ዘመናዊ መዋእል ድሕሪ ምእታዉ፡ ባርባራዊ ተግባር ኣይነከየን፣ መሕልፎ እኳ ደኣስ “ቅድሚኡ ኽትግምቶ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ በጺሑ።” ኢዝሄራዊ ኣተሓሳስባ ንደቂ ሰብ ካብ ከም ብልሽውናን ዘይተጻዋርነትን ዝኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት ኣየድሓኖምን። እዚ ሓቅታት እዚ ኸኣ፡ ንብዙሓት ዚሓስቡ ሰባት፡ እንተላይ ንኢዝሄራውያን፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ስነ-ምግባራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣሚኖም ንኪቕበሉ ደሪኽዎም እዩ።

ኪት ዎርድ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘለዎ ጽቡቕ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “እምነት ቀጻሊ ስነ-ምግባራዊ ሕቶ የበገስ፡ ማለት ነታ ኣምላኽ ዝፈጠራ ዓለም ንኽትከናኸን ሓላፍነት የሰክም” በለ። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ሓያሎ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ሃማኖተኛታት ብዝያዳ ኬር ኣለዎም። ኬር ምህላው ብግዲኡ ድማ፡ እተወሰነ ዕግበት የምጽእ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽበታት፡ ንኣገዳስነት እቲ የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል ዝሰርዖ ስርዓት ዜራጕድ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሓደ ኢዝሄራዊ ዝነበረ ማሕበራዊ ሓገዝ ዚህብ ሰራሕተኛ፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ንምጽላው ዘለዎ ኽእለት ኣድንቖቱ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ሰባት ነቲ ንዓታቶም ኰነ ንኻልኦት ዚጐድእ ባህርዮም ንኪቕይሩ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፈ ኣሳልጦ ስለ ዘይረኸብኩ፡ ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ኺመሓየሹ ኸም ዚኽእሉ ምርኣየይ ኣደኒቑኒ እዩ። እቲ ዝገበርዎ ለውጢ ነባሪ ምዃኑ እውን ፈሊጠ እየ።”

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኢዝሄራውያን፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ካብቲ ዜምጽኦ ሰናይን ኬርን ንላዕሊ፡ ጃምላዊ ቕትለትን ግጭትን ከም ዘፍረየ ይኣምኑ እዮም። እምነት ኣብ ገሊኦም ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዘለዎ እኳ እንተ ዘይከሓዱ፡ ንሳቶም ንባዕሎም ግን ጥርጣረታት ኣለዎም። ስለምንታይ፧

ንኸይኣምኑ ዚድርኾም ተወሳኺ ምኽንያታት

ብዙሓት ሰባት፡ ፍልቀት ድልዱል መሰረት ዘለዎ ሓቂ ኸም ዝዀነ እዮም ተማሂሮም። ንኣብነት፡ ኣኒላ ኣብታ ኢዝሄራዊ እምነት እትስዕብ ዝነበረት ሃገረ ኣልባንያ እያ ተማሂራ። “ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዕሽነትን ድሕረትን ምዃኑ ኢና ተማሂርና” በለት። ብተወሳኺ እውን፡ “ብዛዕባ ኣትክልትን ህይወትን በብግዜኡ ዜደንቕ ነገራት እመሃር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኵሉ ብፍልቀት ከም ዝመጸ ይመስለኒ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ከምኡ ምባልና፡ ምስ ስነ-ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ዜሰማምዓና ይመስለና ነይሩ” በለት። ሕጂ ግን፡ ነቲ ዚቐርብ መርትዖ ብዕሙታ ትቕበሎ ምንባራ ተኣሚና እያ።

ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ዜማርር ነገር፡ ኣብ ኣምላኽ ንኸይኣምኑ ዕንቅፋት ይዀኖም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኼካፍሉ ኸለዉ፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ብዙሕ ግዜ የጋጥሞም እዩ። ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ቤት ናብ ቤት ኪኸይድ ከሎ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ በርቲል ተራኸበ። በርቲል ብልቡ፡ ‘መስኪናይ። ናብ ጌጋ ቦታ ኢኻ መጺእካ!’ ኢሉ ኺሓስብ ትዝ ይብሎ። ድሕሪኡ፡ “ናብ ገዛ ኣእትየ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ሃይማኖትን ዘሎኒ መረረት ደርጓሕኩሉ” በለ።

ኣብ ስኮትላንድ ዚነብር ገስ፡ ብምጕዳል ፍትሒ ይርበሽ ነበረ። ኣብ ፈለማ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ምይይጣት ተኸራኻርን ዘይቅበልን እዩ ነይሩ። ምስቲ ኣንባቆም ዚበሃል እብራዊ ነብዪ፡ “ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧” ኢሉ ዝሓተቶ ዚመሳሰል ሕቶታት የበገስ ነበረ።—ኣንባቆም 1:3

ኣምላኽ፡ እከይ ርእዩ ስቕ ዚብል ምምሳሉ፡ ንነዊሕ እዋን ንደቂ ሰብ ኪርብሾም ጸኒሑ እዩ። (መዝሙር 73:2, 3) ሓደ ግዜ፡ ሲሞን ደ ቦቭዋር ዝስማ ፈረንሳዊት ጸሓፊት፡ “ንዓይ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ናይ ዓለም ግርጭታትት እተሰከመ ፈጣሪ ኻብ ዝሓስብ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ፈጣሪ ዘይብላ ዓለም ክሓስብ ይቐለኒ” በለት።

ኰይኑ ግን፡ ሓያሎ ሃይማኖታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግርጭታት ምኽንያት ኪህባሉ ብዘይምኽኣለን፡ ዜዕግብ ምኽንያት የለን ማለት ድዩ፧ ገስ ኣብ መወዳእታ፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ንእተወሰነ ግዜ ሰባት መከራ ኺጸግቡ ዝፈቐደሉ ዜዕግብ ምኽንያት” ከም ዝረኸበ ገለጸ። ነዚ ምርዳኡ፡ “ንዓይ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ነይሩ” በለ። *

ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚገልጹ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ኣብ ፍልቀት እውን ምጥርጣራት ኬሕድሩ፡ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ኬስተውዕሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ኢዝሄራውያንን ኢፈሊጣውያንን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣዕሚቖም ንኺሓስቡን ምስ ፈጣሪኦም ጥብቂ ርክብ ንኺምስርቱን ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ኣብ ፈጣሪ ኺኣምኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

እቲ ንበርቲል ኪበጽሖ ዝኸደ መንእሰይ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትናን ኣብ መንጎ እቲ ብስም ጥራይ ክርስትያናት ዚበሃሉ ሰባት ዚስዕብዎ ሃይማኖትን ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ኣረድኦ። በርቲል ኣብ ርእሲ እቲ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዝቐረበሉ መርትዖ፡ ንዕኡ ዝመሰጦ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ብንቕጽና እኳ እንተ ቐረብክዎ፡ ንሱ ግን ዕጉስ ምዃኑ ኣድነቕክዎ። . . . ህዱእ እዩ ነይሩ፡ ወትሩ ጽሑፍ የምጽኣለይ ነበረ፡ ብግቡእ ድማ ተዳልዩ ይመጽእ ነበረ” በለ። *

ብፍልቀትን ብኮምዩኒዝምን እተጸልወት ስቭየትላና፡ ነቲ ዝሓየለ ኸም ዚነብር ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ኣሚናትሉ ነይራ እያ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ብዛዕባ ህይወት ዚገልጽ ሕማቕ ኣረኣእያ ይርብሻ ነበረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና እተማህረቶ ነገር ድማ መሊሱ ኣደናገራ። “ብዛዕባ ኢዝሄርነት ኣብ እተመሃርናዮ ትምህርቲ፡ ዝሓየለ ኸም ዚነብር ተማሂርና። ኣብ ትምህርቲ ሕክምና ግን፡ ንድኹማት ክንሕግዞም ከም ዘሎና ተማሂርና” በለት። ካብ ህበይ ተመሓይሾም ዝመጹ ዚበሃሉ ሰባት ስምዒታዊ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኣህባይ ግን ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገም ስለምንታይ ከም ዘይብሎም ትሓስብ ነበረት። ካብ ዘይተጸበየቶ ሸነኽ ግን ነዚ ግርጭታት እዚ ዜረድእ መግለጺ ተዋህባ። ብዛዕባ እዚ፡ “ኣሉታዊ ስምዒታት ዜምጽኣልና ዘይፍጽምናና ምዃኑ፡ ዓባየይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለጸትለይ” በለት። ስለምንታይ ቅኑዓት ሰባት መከራ ኸም ዜጓንፎምን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታትን፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኽትረኽበሉ ብምኽኣላ እዋን ተሓጒሳ እያ።

መበቈላዊ ዓዱ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ዝዀነ ሌፍ፡ ኣብ ፍልቀት ኣጸቢቑ ይኣምን ነበረ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ከም መጽሓፍ ጽውጽዋይ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግን ዓርኩ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ኸይፈለጥካ፡ ካልኦት ዝበልዎ ትደግም ከም ዘለኻ ትፈልጥዶ ኣለኻ፧” በሎ። ሌፍ፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ዘሕደራሉ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንፍልቀት ኣብ ሕቶ ኸየእተኹ ኸም ዘለዎ ኸም እተቐበልክዎ ተገንዘብኩ። . . . ሓደ ኻብቲ ንኢዝሄራዊ ምሕሳብ ንኺጅምር ኪሕግዞ ዚኽእል ነገራት፡ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ፍጻመታቱን ምፍላጥ ይመስለኒ” በለ።—ኢሳይያስ 42:5, 9

ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኪሬን፡ በቲ ንዓመታት ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮ ተሳትፎ ጕህዩ ነበረ። ብዛዕባ ህይወት ኪሓስብ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸገማት ኪፈትሖን ካብ ሕሰሙ ድማ መውጽኢ ኼርእዮን ዚኽእል ሓያልን ፈቃርን ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ሓሳብ መጸሉ። ‘ከምዚ ዓይነት ኣምላኽ እሞ ኣበይ ይርከብ!’ ኢሉ ኣስተማሰለ። ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ፡ “ትሰምዓኒ እንተ ኣለኻ፡ ብገለ ኣርእየኒ፣ ካብዚ ሕሰመይ ኰነ ካብ መከራ ደቂ ሰብ ድማ መውጽኢ ኣርእየኒ” ኢሉ ጸለየ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤቱ መጺኡ ዃሕኵሐ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንሰብኣውያን መንግስትታት ዚድርኽ እኩይ ጽልዋ እንታይ ከም ዚምህር ገለጸሉ። (ኤፌሶን 6:12) እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ኪሬን እተዓዘቦ ዜረጋግጸሉ ስለ ዝነበረ፡ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታኡ ተለዓዓለ። ተወሳኺ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ ፈቃር ፈጣሪ ዘለዎ እምነት ደልደለ።

ፈጣሪ ደቂ ሰብን ምስኡ ዘሎካ ርክብን

ሃይማኖታዊ ግብዝናን ከም ፍልቀት ዝኣመሰለ ኢዝሄራዊ ትምህርትታትን ምስፍሕፋሕ እከይን ንብዙሓት ሰባት ጥርጣረ ንኺሓድሮም ወይ ህልውና ፈጣሪ ንኪኽሕዱ ደሪኽዎም እዩ። ንስኻ ግን ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ፈቒድካሉ፡ ንሕቶታትካ ዜዕግብ መልሲ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትምህርቲ፡ ሓሳብ ኣምላኽ፡ ማለት ‘ተስፋ ዚህብ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን።’ (ኤርምያስ 29:11) እታ ስንኩል ውሉድ ዝወለደትን ብህልውና ፈጣሪ እተጠራጠረትን በርናደት፡ ተስፋ ምርካባ፡ ከምቲ ንቝስላ ዚጅንን ፋሻ እዩ ዀይኑላ።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዘፍቀደ ዚህቦ መግለጺ፡ ንኣእምሮን ልብን ብዙሓት ኢዝሄራውያን ዝነበሩ ሰባት ተንክዩ እዩ። ግዜ ወሲድካ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሕቶታት ዘለዎ መልሲ እንተ ረኺብካ፡ ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ኽትኣምን ትኽእል ትኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 6 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ውግእ ኪኣትዉ ግቡእ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምፍላጥ፡ ኣብ ገጽ 29-31 እትርከብ፡ “ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 22 ኣምላኽ፡ እከይ ኪህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ብዚምልከት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 106 ክሳዕ 114 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 25 ንፍጥረት ዚድግፍ ሓሳብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ “ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧” ዘርእስታ ናይ መስከረም 2006 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ፍልቀት መልሲ ዘይህበሉ ሕቶታት

ካብ ህይወት ዘይብሉ ነገር ከመይ ኢሉ ህይወት መጺኡ፧መዝሙር 36:9

እንስሳታትን ኣትክልትን በብዓይነቶም ጥራይ ዚፈርዩ ስለምንታይ እዮም፧ዘፍጥረት 1:11, 21, 24-28

ሰባት ካብ ዝተሓቱ ኣህባይ ዝመጹ እንተ ዀይኖም፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም ንሰብ ዝፈረዩ ዚበሃሉ ዝበለጹ ኣህባይ ሕጂ ዘየለ ስለምንታይ እዩ፧—መዝሙር 8:5, 6

ኣብቲ ዝሓየለ ይነብር ዚብል ክልሰ-ሓሳብ ተመርኲስካ፡ ኬር ናይ ምህላው ባህርይ ብኸመይ ኪግለጽ ይከኣል፧ሮሜ 2:14, 15

ወዲ ሰብ ንመጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣለዎዶ፧—መዝሙር 37:29

[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ]

ፈቃር ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ሕጻናት ዚሳቐዩላ ዓለም ኺፈጥር ክኢሉ፧

ሃይማኖታዊ ግብዝና ንብዙሓት ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቁ ገይርዎም