ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

ጴጥሮስ ምሉእ ለይቲ ኺጅልብ ብምሕዳሩ ኣዝዩ ደኺሙ ነበረ፤ ምድረ ሰማይ ጸልሚቱ ስለ ዝነበረ ኸኣ ብዙሕ ኣይርኣዮን እዩ ነይሩ። ብሸነኽ ምብራቕ ቂሐ ጽልሚ ዚመስል ብርሃን ምስ ረኣየ፡ ዚወግሕ ዘሎ መሰሎ። ነዊሕ ሰዓታት ብምጅላቡ ጭዋዳታት ሕቘኡን መንኩቡን ለሽ ኢሉ ነበረ። እቲ ንጸጕሩ ዚብትኖ ዝነበረ ንፋስ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ማዕበል ከም ዚፍጠር ገይሩ ነይሩ እዩ። እቲ ነታ ጃልባ ኣብ ቅድሚኣ ዚወቕዓ ዝነበረ ማዕበል ንጴጥሮስ ዝሑል ማይ ብምግጫብ የጠልቅዮ ነበረ። ንሱ ግን ምጅላቡ ቐጸለ።

ጴጥሮስን ብጾቱን ንየሱስ ኣብቲ ደንደስ ባሕሪ ንበይኑ ሓዲጎምዎ ኸይዶም ነበሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ዝጠመዩ ህዝቢ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኺምግቦም ከሎ ርእዮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ኬንግስዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ንሱ ግን ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኼእቱ ኣይደለየን። ሰዓብቱ እውን ከምቲ ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ኪገብር ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ካብቶም ህዝቢ ብምህዳም ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም ናብቲ ስግር ደንደስ ባሕሪ ኪኸዱ ነገሮም፣ ንሱ ድማ ምእንቲ ኺጽሊ ንበይኑ ናብ ከረን ደየበ።—ማርቆስ 6:35-45፣ ዮሃንስ 6:14, 15

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጕዕዞኦም ኪጅምሩ ኸለዉ፡ እታ ቖሎ እትመስል ወርሒ ብንጹር እያ እትርአ ነይራ፣ ጸኒሑ ግን ቀስ ብቐስ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ገጻ ኽትጠልቕ ጀመረት። እቶም ሃዋርያት ሒደት ኪሎ ሜተራት ጥራይ እዮም ተጓዒዞም። ብሰንኪ እቲ ማዕበልን ንፋስን ድማ ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ጴጥሮስ ብሓሳቡ ገይሹ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ጴጥሮስ ብዙሕ ኪሓስበሉ ዚኽእል ነጥብታት ነይርዎ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰዓቢ የሱስ ብዓል ናዝሬት ካብ ዚኸውን ልዕሊ ኽልተ ዓመት ገይሩ ነይሩ እዩ። ብዙሕ እኳ እንተ ተማህረ፡ ገና ግን ብዙሕ ይተርፎ ነበረ። ምስ ከም ጥርጣረን ፍርህን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት እናተቓለሰ ንኺመሃር ፍቓደኛ ስለ ዝዀነ፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ብሉጽ ኣብነት እዩ። ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ምስ ጥርጣረን ፍርህን ዝገበሮ ቓልሲ እስከ ንርአ።

‘ንመሲህ ረኺብናዮ’

ጴጥሮስ ነታ ምስ የሱስ ብዓል ናዝሬት እተራኸበላ መዓልቲ ፈጺሙ ኣይርስዓን እዩ። እንድርያስ ሓዉ ናብኡ መጺኡ፡ ‘ንመሲህ ረኺብናዮ’ ኢሉ ነገሮ። ነዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ሰምዐ ድማ ህይወቱ ኪቕየር ጀመረ።—ዮሃንስ 1:41

ጴጥሮስ ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ገሊላ ዚበሃል ዘይጨዋም ቀላይ ኣብ እትርከብ ከተማ ቅፍርናሆም እዩ ዚነብር ነይሩ። ንሱን እንድርያስ ሓዉን ምስቶም ደቂ ዘብዴዎስ ዝዀኑ ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ ዕዮ ዓሳ ምግፋፍ መሻርኽቲ እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ምስ ሰበይቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ሓማቱን እንድርያስ ሓዉን እዩ ዚነብር ነይሩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስድራ ቤት ዓሳ እናገፈፍካ ምድጋፍ፡ ኣበርቲዕካ ምዕያይን ጕልበትን ተባላሓትነትን ዚሓትት ነበረ። ነቶም ብዙሕ ሳዕ ለይቲ ለይቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ጀላቡ መርበቦም ደርብዮም ኣብቲ ቐላይ ንዝረኸብዎም ዓሳ ዚእክቡ ሰብኡት ዚገብርዎ ጻዕሪ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና! ነቶም ዓሳ ፈልዮም ኪሸጥዎም ከለዉ ኸምኡውን ነቲ መርበብ ኬተዓራርይዎን ኬጽርይዎን ከለዉ ንዜሕልፍዎ ተካል መዓልቲ እውን ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።

እንድርያስ ወደ መዝሙር ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ጴጥሮስ ነቲ እንድርያስ ብዛዕባ መልእኽቲ ዮሃንስ ዚነግሮ ዝነበረ ወረ ተመሲጡ ይሰምዖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ መዓልቲ፡ ዮሃንስ ናብ የሱስ ብዓል ናዝሬት ብምምልካት፡ “እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ” ኪብል ከሎ እንድርያስ ረኣዮ። ብኡንብኡ ድማ እንድርያስ ሰዓቢ የሱስ ኰነ፡ ንጴጥሮስ ሓዉ ኸኣ እቲ መሲሕ ከም ዝመጸ ነገሮ። (ዮሃንስ 1:35-40) ዳርጋ 4,000 ዓመት ይገብር ኣብ ኤድን ድሕሪ ዘጋጠመ ዕልዋ፡ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ዚህብ ፍሉይ ውልቀ-ሰብ ከም ዚመጽእ የሆዋ ኣምላኽ ተመባጺዑ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:15) እንድርያስ ነዚ መድሓኒ ዝዀነ መሲሕ እዩ ረኺብዎ! ጴጥሮስ እውን ምስ የሱስ ንኺራኸብ ብቕልጡፍ ከደ።

ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጴጥሮስ በቲ ስምኦን ዚብል ስም እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። የሱስ ግን ምስ ረኣዮ፡ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ—ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡—ክትብሀል ኢኻ” በሎ። (ዮሃንስ 1:42) “ኬፋ” ዚብል ስም ልሙድ ኰይኑ፡ “እምኒ” ወይ “ከውሒ” ማለት እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ቃላት የሱስ ትንቢታዊ እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ልክዕ ከም ከውሒ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክርስቶስ ጽኑዕን ድልዱልን ከም ዚኸውን፡ ናይ ሓቂ ጽልዋ ኸኣ ከም ዜሕድር ኣቐዲሙ ፈሊጡ ነበረ። ጴጥሮስ ግን ንርእሱ ኸምኡ ገይሩ ድዩ ዚርእያ ነይሩ፧ ኣፍና መሊእና ኸምኡ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ገሊኦም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣንበብቲ ጸብጻብ ወንጌል እውን እንተ ዀኑ፡ ጴጥሮስ ምስ ከውሒ ዚመሳሰል ባህርያት ከም ዝነበሮ ይጠራጠሩ እዮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ ከም ዘይጽኑዕን ወለቕ ዘለቕ ዚብልን ተወላዋልን ሰብ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ጴጥሮስ ድኽመታት ከም ዝነበሮ ዚከሓድ ኣይኰነን። የሱስ እውን ነዚ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከም የሆዋ ኣቦኡ ኣብቲ ኻልኦት ሰባት ዜርእይዎ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዜተኵር ነይሩ። እወ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ ተኽእሎ ይፈልጦ ኸምኡውን ነዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ ንኼማዕብል ይሕግዞ ነበረ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋን ወዱን ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያትና እዮም ዜተኵሩ። ነቲ ጽቡቕ ባህርያትና ዚረኽቡ ኣይመስለናን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣረኣእያኦም ክንውከል ከምኡውን ልክዕ ከም ጴጥሮስ ንኽንስልጥንን ንኽንቅረጽን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።—1 ዮሃንስ 3:19, 20

“ኣይትፍራህ”

ጴጥሮስ ኣብቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ዕዮ ስብከት የሰንዮ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ንማይ ናብ ወይኒ ብምቕያር ንዝገበራ ናይ መጀመርታ ተኣምር ርእይዋ ኪኸውን ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ የሱስ ብዛዕባ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ዜደንቕን ተስፋ ዝሓዘለን መልእኽቲ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዅሉ ሓዲጉ ናብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ተመልሰ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግን የሱስ እንደገና ምስ ጴጥሮስ ተራኸበ፣ ሽዑ ድማ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ ኺስዕቦ ኺሓቶ እዩ መጺኡ።

ጴጥሮስ ምሉእ ለይቲ ተስፋ ዜቝርጽ ስራሕ ኪሰርሕ እዩ ሓዲሩ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብተደጋጋሚ መርበቦም እኳ እንተ ደርበዩ፡ ዝሓዝዎ ነገር ግን ኣይነበረን። ጴጥሮስ ዓሳ ንምርካብ ተመክሮኡን ዘለዎ ዘበለ ኽእለትን ከም እተጠቕመ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ እቶም ዓሳ ኣበይ ይምገቡ ኸም ዝነበሩ ንምፍላጥ ድማ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እቲ ቐላይ ፈተነ። ልክዕ ከም ካልኦት ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቲ እቶም ዓሳ ተኣኪቦምሉ ዘለዉ ቦታ ኺፈልጥ ወይ ብገለ መገዲ ገይሩ ናብ መርበቡ ኸም ዚመጹ ኺገብሮም ዚህንጠየሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ግን ካብ ተስፋ ምቝራጽ ሓሊፉ ኻልእ ፋይዳ ኣይነበሮን። ከመይሲ፡ ጴጥሮስ ንምዝንጋዕ ወይ ንባህታ ኢሉ ኣይኰነን ዓሳ ዚገፍፍ ነይሩ፡ ንሱ ዚናብዮም ሰባት ነይሮም እዮም። ኣብ መወዳእታ ግን ጥራይ ኢዱ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ተመልሰ። ኣብኡ መርበብ እናሓጸበ ኸሎ ድማ የሱስ ናብኡ መጸ።

የሱስ በቶም ኪሰምዕዎ ተሃንጥዮም ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ተኸቢቡ ነበረ። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ስለ ዝኸበብዎ፡ ናብታ ናይ ጴጥሮስ ጃልባ ደዪቡ ኻብ መሬት ቍሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ሓተቶ። ድምጹ ብንጹር እናተሰምዐ ኸኣ፡ ነቶም ህዝቢ መሃሮም። ጴጥሮስ እውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። የሱስ ብዛዕባ እታ ቐንዲ መልእኽቲ ስብከቱ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ምስማዕ ንጴጥሮስ ፈጺሙ ኣየሰልከዮን። ክርስቶስ ነዚ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ እዚ ኣብታ ዓዲ ብምልእታ ኺሰብኽ ከሎ ምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ኰይኑ ግን፡ ጴጥሮስ ነቲ ዝሰምዖ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ገይሩኸ ብኸመይ እዩ ኺናበር፧ ምናልባት እንደገና ብዛዕባ እታ ዝሓለፈት ዋላ ሓደ ዓሳ ዘይረኸቡላ ለይቲ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 5:1-3

የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ንጴጥሮስ፡ “ናብቲ ዓሚቝ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ” በሎ። ጴጥሮስ ግን ስለ እተጠራጠረ፡ “መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ” ኢሉ መለሰሉ። ኣብቲ ዓሳ ዘይምገቡሉ እዋን መርበቡ ኺድርቢ ኣይደለየን ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ እተባህሎ ገበረ፣ ነቶም ኣብ ካልእ ጃልባ ዝነበሩ መሻርኽቱ ኸኣ ኪስዕብዎ ምልክት ሂብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 5:4, 5

ጴጥሮስ ነቲ መርበብ ኪስሕቦ ኸሎ፡ ዘይተጸበዮ ኽብደት ኣጋጠሞ። ኪኣምን ስለ ዘይከኣለ፡ ጽቡቕ ገይሩ ኺስሕብ ጀመረ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ማእለያ ዘይብሎም ዓሳ ኣብቲ መርበብ ፈለኽለኽ ኪብሉ ረኣየ። ብዉዕዉዕ ስምዒት ድማ ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ሰብኡት መጺኦም ኪሕግዝዎ ኣመልከቶም። ብዙሕ ከይጸንሑ ኸኣ ሓንቲ ጃልባ ንዅሎም እቶም ዓሳ ኽትስከሞም ከም ዘይትኽእል ተገንዘቡ። ክልተ ጀላቡ እኳ እንተ መልኣ፡ እቶም ዓሳ ኣዝዮም ብዙሓት ብምንባሮም ኪጥሕላ ጀመራ። ጴጥሮስ በቲ ዅነታት ኣዝዩ ተገረመ። ቅድሚኡ ንሓይሊ ክርስቶስ ብተግባር ርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ንዕኡ ብብሕቲ ዚትንክፍ ኵነታት እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ የሱስ፡ ጴጥሮስን ብጾቱን ብዙሓት ዓሳ ኸም ዚሕዙ ብምግባር ዜደንቕ ተኣምራት እዩ ፈጺሙ። ጴጥሮስ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሂ ተዋሕጠ። ብብርኩ ተምበርኪኹ ኸኣ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ” በሎ። ምስቲ ንሓይሊ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ናይ ምጥቃም ስልጣን ዘለዎ ሰብ ምቅርራብ ኪኸብዶ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ሉቃስ 5:6-9

ይኹን እምበር፡ የሱስ ብሕያውነት፡ “ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ” በሎ። (ሉቃስ 5:10, 11) እወ፡ ጴጥሮስ ዚጠራጠረሉ ወይ ዚፈርሃሉ ግዜ ኣይነበረን። ከም ምግፋፍ ዓሳ ብዛዕባ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ጕዳያት ኪጠራጠር ኣየድልዮን እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ጕድለትን ድኽመትን ዚፈርሃሉ ምንም ምኽንያት እውን ኣይነበሮን። ከመይሲ፡ የሱስ ንመጻኢ ደቂ ሰብ ዚጸሉ ዓብዪ ዕዮ ኺዓዪ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ኣገልጋሊ እቲ “ኣዝዩ ይቕረ” ዚብል ኣምላኽ ከኣ እዩ። (ኢሳይያስ 55:7) ስለዚ፡ የሆዋ ብኣካላዊ ይኹን ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ኼማልኣሎም ይኽእል ነበረ።—ማቴዎስ 6:33

ከምቲ ያእቆብን ዮሃንስን ዝገበርዎ፡ ጴጥሮስ እውን ቅልጡፍ ምላሽ ሃበ። “ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዅሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ።” (ሉቃስ 5:11) እወ፡ ጴጥሮስ ኣብ የሱስን ኣብቲ ዝለኣኾን እምነት ኣሕደረ። ዝበለጸ ውሳነ ኸኣ እዩ ገይሩ። እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ንፍርህን ጥርጣረን ሰጊሮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ዓይነት እምነት እዮም ዜርእዩ። ኣብ የሆዋ ምውካሎም ንኸንቱ ኣይኰነን።—መዝሙር 22:4, 5

“ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧”

ጴጥሮስ ምስ የሱስ ካብ ዚራኸብ ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ተገሊጹ ዘሎ ኣብቲ ብንፋስ ዚናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ገሊላ ይጅልብ ነበረ። ሓቂ እዩ፡ ብዛዕባ ኣየኖት ተዘክሮታት ይሓስብ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ ብዙሕ ተዘክሮታት እዩ ነይርዎ። የሱስ ንሓማቱ ኣሕውዩሉ እዩ። ኣብ ከረን እውን ስብከት ኣቕሪቡ እዩ። ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ኣቢሉ ሕሩይ የሆዋን መሲሕን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን፡ እቲ ኸም ጥርጣረን ፍርህን ዝኣመሰለ ድኽመታት ጴጥሮስ እናተኣለየ ኸደ። በዚ ድማ ሓደ ኻብቶም የሱስ ዝሓረዮም 12 ሃዋርያት ኰነ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ጸኒሕና እንርእዮ፡ እቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ ፍርህን ጥርጣረን ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍአን።

ኣብታ ራብዐይቲ ሓለዋ ለይቲ፡ ማለት ኣብ መንጎ ኸባቢ ሰዓት 3:00 ናይ ለይትን ጸሓይ እትበርቀሉ እዋንን፡ ጴጥሮስ ምጅላቡ ሓዲጉ ደው በለ። ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ድማ ገለ ዚንቀሳቐስ ነገር ረኣየ። እቲ ናይ ወርሒ ብርሃን ኣብቲ ብማዕበል ዚጋፋዕ ዝነበረ ባሕሪ ዝፈጠሮ ነጸብራቕ ድዩ ዚርኢ ነይሩ፧ ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ እቲ ዚርእዮ ዝነበረ ነገር ትኽ ዝበለ እዩ ነይሩ። እወ፡ ሓደ ሰብኣይ እዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዚኸይድ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ናብኦም እናቐረበ ምስ መጸ፡ ብጥቓኦም ዚሓልፍ እዩ ዚመስል ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዮም ፈሪሆም ስለ ዝነበሩ፡ ምትሃት መሰሎም። ንሱ ግን፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ” በሎም። እቲ ሰብኣይ፡ የሱስ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 14:25-28

ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ናባኻ ኽመጽእ አዝዘኒ” በሎ። ነዚ ተኣምር ምስ ረኣየ፡ ኣብ ፈለማ ትብዓት ተሰምዖ። በዚ ፍልይ ዝበለ ተኣምር ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ እምነቱ ብዝያዳ ኽትድልድል ደለየ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ዚፍጸም ዝነበረ ነገራት ኪካፈል ደልዩ ነበረ። የሱስ ድማ ብሕያውነት ናብኡ ኺመጽእ ፈቐደሉ። ጴጥሮስ ብጐድኒ እታ ጃልባ ነጢሩ ናብቲ ብማዕበል ዚናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ኣተወ። ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ደው ኪብል ብምኽኣሉ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ናብ የሱስ ገጹ ኪኸይድ ከሎ ኣዝዩ ተደኒቑ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኻልእ ስምዒት ኪስምዖ ጀመረ።—ማቴዎስ 14:29

ጴጥሮስ ኣብ የሱስ እዩ ኼተኵር ነይርዎ። ከመይሲ፡ የሱስ እዩ ንሓይሊ የሆዋ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዚኸይድ ገይርዎ። የሱስ ከምዚ ዝገበረሉ ኻልእ ምኽንያት ድማ ጴጥሮስ ኣብኡ እምነት ስለ ዘሕደረ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ኣቓልቦኡ ተሰርቀ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና፡ ፈርሄ” ይብል። ነቲ ምስታ ጃልባ እናተጋጨወ ዓፍራ ዚፈጥር ዝነበረ ማዕበል ምስ ረኣየ ኣዝዩ ፈርሀ። ናብቲ ባሕሪ ኣትዩ ኺጠልቕ ከሎ ኸኣ ተራእዮ። ፍርሁ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ እምነቱ ኸኣ ብእኡ መጠን እናደኸመት ከደት። እቲ ብምኽንያት ጽንዓቱ ምስ ከውሒ እተመሳሰለ ሰብኣይ፡ ብሰንኪ እታ ዘይድልድልቲ እምነቱ ልክዕ ከም እምኒ ኺጥሕል ጀመረ። ጴጥሮስ ንፉዕ ሓምባሲ እኳ እንተ ነበረ፡ ሽዑ ግን ኣብዚ ኽእለቱ ኺውከል ኣይከኣለን። “ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ” ኢሉ ኸኣ ኣእወየ። የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ኣውጽኦ። ገና ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ከሎ ኸኣ ንጴጥሮስ፡ “ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧” ኢሉ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃሮ።—ማቴዎስ 14:30, 31

እታ “ተዋላወልካ” እትብል ቃል ክሳዕ ክንደይ ብቕዕቲ ዀን እያ! ጥርጣረ ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። ከመይሲ፡ እምነትና ኸም እትጠፍእን መንፈሳውነትና ኸም ዜንቈልቍልን እዩ ዚገብር። ኣበርቲዕና ኽንቃለሶ ኣሎና። ብኸመይ፧ ወትሩ ኣብቲ ኣገዳሲ ነገር ብምትኳር ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። ብዛዕባ እቲ ዜፍርሃና፡ ተስፋ ዜቝርጸና፡ ከምኡውን ካብ ኣገልግሎት የሆዋን ወዱን ከም እነስግል ዚገብረና ነገራት ጥራይ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ጥርጣረና እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ይኹን እምበር፡ ኣብ የሆዋን ወዱን፡ ኣብቲ ዝገበርዎን ዚገብርዎ ዘለዉን፡ ከምኡውን ኣብቲ ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ንመጻኢ ዚገብሩሎም ነገራት ነተኵር እንተ ዄንና፡ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ጥርጣረ ኸነወግዶ ኢና።

ጴጥሮስ ንየሱስ ናብታ ጃልባ ኺስዕቦ ኸሎ፡ እቲ ማዕበል ኪሃድእ ከሎ ረኣየ። ባሕሪ ገሊላ ድማ ጸጥ በለ። ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ከኣ ንየሱስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ። (ማቴዎስ 14:33) ወጋሕታ ምስ ኰነ፡ ልቢ ጴጥሮስ ብሓጐስ መልአ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝነበሮ ፍርህን ጥርጣረን ቀንጢጡ ኺድርብዮ ኽኢሉ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተነበዮ ጴጥሮስ ምስ ከውሒ ዚመሳሰል ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ብዙሕ ጻዕሪ ኺገብር ነበሮ። ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዕቤት ኪገብር ቈሪጹ ነበረ። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ቈራጽነት ጌርካዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣስኣሰር እምነት ጴጥሮስ ምስዓብ ረብሓ ኸም ዘለዎ ብርግጽ ክትርኢ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንተኽእሎ እዚ ትሑት ገፋፍ ዓሳ ይፈልጦ ነበረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ”

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና፡ ፈርሄ”