ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽውጽዋይ 6፦ ኣምላኽ ብምስልን ስእልን ዚግበር ኣምልኾ ይቕበሎ

ጽውጽዋይ 6፦ ኣምላኽ ብምስልን ስእልን ዚግበር ኣምልኾ ይቕበሎ

መበቈል እዚ ጽውጽዋይ እንታይ እዩ፧

“ጥንታውያን ክርስትያናት ንምስልታት ኣብ ኣምልኾኦም ኣይጥቀሙሉን እዮም ነይሮም። . . . ኣብ 4ይን 5ይን ዘመን ምስልታት ናብ ቤተ-ክርስትያን ኪኣቱ ዝኸኣለ፡ ደናቝርቲ ሰባት ካብ ብስብከት ወይ ብመጻሕፍቲ ንላዕሊ፡ ብእኡ ገይሮም ብዛዕባ ክርስትና ኺመሃሩ ይኽእሉ ብዚብል ምኽንያት እዩ።”—ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል፡ ቲኦሎጂካል፡ ኤንድ ኤክለሲያስቲካል ሊትረቸር፡ ብማክሊንቶክን ስቶሮንግን፡ 4ይ ጥራዝ፡ ገጽ 503, 504።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።” (ዘጸኣት 20:4, 5) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—1 ዮሃንስ 5:21

ከምቲ ኣብያተ-ክርስትያን ዚብላኦ፡ ምስልታት ነቲ ዚውክሎ ነገር ንኽትቀርቦን ንኸተኽብሮን ዚሕግዝ ጥራይ ድዩ፧ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ከምዚ በለ፦ “ኣብ ፈለማ፡ ምስልታት ንትምህርትን ንምምልኻዕን ተባሂሉ ጥራይ የገልግል ነይሩ ይኸውን፣ እንተ ወሓደ፡ ንኸምኡ ጥራይ ከም ዜገልግል ይማጐቱሉ ነይሮም። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ንኣምልኾ ኼገልግል ከም ዝጀመረ ዘይከሓድ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኦርቶዶክስ ብብዝሒ ዚዝውተር ስእልታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ኼገልግል ጀመረ።” ይኹን እምበር፡ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ፧ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧” ዚብል ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።—ኢሳይያስ 40:18

ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ፦ ኢሳይያስ 44:13-19፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26፣ 17:29፣ 2 ቈረንቶስ 5:7

ሓቂ፦

ኣምላኽ ብምስልን ስእልን ዚግበር ኣምልኾ ኣይቅበሎን እዩ

ንጽውጽዋያት ሓዲግካ፡ ናብ ሓቂ ልገብ

ካብዚ ኣሕጽር ኣቢልና ዝረኣናዮ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ዚምህራኦ ዘለዋ ጽውጽዋያት፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል፧ እዚ “እተጣበብዎ ጽውጽዋያት” ምስቲ ቐሊልን ዜጸናንዕን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚወዳደር ኣይኰነን።—2 ጴጥሮስ 1:16

ስለዚ፡ ክፉት ኣእምሮ ሒዝካ፡ ነቲ እተመሃርካዮ ምስቲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ኣረኣእዮ። (ዮሃንስ 17:17) ድሕሪኡ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዚብል መብጽዓ ኣብ ህይወትካ ኽትርእዮ ኢኻ።—ዮሃንስ 8:32