ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት

ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት

ስድራ ቤታት ሕጉሳት ንኪዀና፡ ንሓዳር ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኺህልወን ኣለዎ፧

መውስቦ ቕዱስ ማእሰር እዩ። ፍትሕ ዚፍቀድ እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ምስ ተሓተተ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። . . . እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ።” (ማቴዎስ 19:4-6, 9) ሰብ ሓዳር ንምኽሪ የሱስ እንተ ስዒቦምን ንሓድሕዶም እሙናት እንተ ዀይኖምን፡ ብምልእታ ስድራ ቤት ቅሳነትን ሓጐስን ትረክብ።

ፍቕሪ ንኣምላኽ፡ ንስድራ ቤታት ሕጉሳት ዚገብረን ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” ኢሉ ገለጸ። እታ ኻልአይቲ ዓባይ ትእዛዝከ እንታይ እያ፧ የሱስ፡ “ንብጻይካ [ንኣባል ስድራ ቤትካ እውን] ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:37-39) እምበኣር፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንኻልኦት ከነፍቅር ስለ እትድርኸና፡ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ምምስራትና ኣብ ስድራ ቤትና ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።

ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ኪተሓጓጐሱ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሰብኡት ኣብነት የሱስ እንተ ስዒቦም፡ ንኣንስቶም የሐጕስወን እዮም። የሱስ ነታ ብሰበይቲ እተመሰለት ማሕበር ካብ ዘለዎ ፍቕሪ እተላዕለ፡ ርእሱ በጃኣ ሂቡ እዩ። (ኤፌሶን 5:25) ብዛዕባ ርእሱ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግል . . . እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በለ። (ማቴዎስ 20:28) ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ብጭቈና ወይ ብሕማቕ መገዲ ኣይሓዞምን፣ የግዳስ፡ ዕረፍቲ የምጽኣሎም ነበረ። (ማቴዎስ 11:28) ስለዚ፡ ሰብኡት ንስልጣኖም፡ ንብምልእታ ስድራ ቤት ብዚጠቅም መገዲ ኺጥቀምሉ ኣለዎም።

ኣንስቲ እውን ካብ ኣብነት የሱስ ኪጥቀማ ይኽእላ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ” ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) የሱስ፡ ንኣምላኽ ተገዛኢ ምዃኑ ኸም ውርደት ገይሩ ኣይረኣዮን። ንኣቦኡ ዓብዪ ኣኽብሮት ነበሮ። “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ኸኣ በለ። (ዮሃንስ 8:29) ንኣምላኽ ካብ ዘለዋ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተላዒላ ንርእስነት ሰብኣያ እተኽብር ሰበይቲ፡ ኣብ ስድራ ቤታ ብዙሕ ሓጐስ እያ እተምጽእ።

ወለዲ ኻብቲ የሱስ ብዛዕባ ቘልዑ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

የሱስ ምስ ቘልዑ ግዜ የሕልፍ፡ ብዛዕባ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ከኣ ይግደስ ነበረ። “ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ” ኸም ዝበለ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ሉቃስ 18:15, 16) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ የሱስ እምነት ከም ዘላቶም ንዝገለጹ ቘልዑ ነቐፍዎም። የሱስ ግን ነቶም ነቐፍቲ፡ “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” ብምባል፡ ነቶም ቈልዑ ነኣዶም።—ማቴዎስ 21:15, 16

ውሉዳት ካብ የሱስ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

የሱስ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ብምሕዳር፡ ንውሉዳት ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ “ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን” ተረኽበ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ “ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።” (ሉቃስ 2:42, 46, 47) ኰይኑ ግን፡ ብፍልጠቱ ኣይተዓበየን። የግዳስ፡ ንወለዱ የኽብሮም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ይእዘዞምውን ነበረ” ይብል።—ሉቃስ 2:51

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 ርአ።*

[እግረ-ጽሑፍ]

* ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።