ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኽፋል ፕሮተስታንት ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኽፋል ፕሮተስታንት ድዮም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኽፋል ፕሮተስታንት ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንርእሶም ከም ሓደ ኽፋል ፕሮተስታንት ገይሮም ኣይርእይዋን እዮም። ስለምንታይ፧

እምነት ፕሮተስታንት ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ ኣውሮጳ እዩ ተመስሪቱ፣ ዕላማኡ ኸኣ ንሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምሕዳስ እዩ ነይሩ። እታ “ፕሮተስታንት” እትብል ቃል፡ ፈለማ ብ1529 ነቶም ኣብ ዋዕላ ስፓየር ዝነበሩ ሰዓብቲ ማርቲን ሉተር ንምጽዋዕ እያ እተገልግል ነይራ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ ንዅሎም እቶም ንስርዓታትን ሸቶታትን እቲ ተሓድሶ ዚስዕቡ ሰባት ብሓፈሻ ንምጽዋዕ ተገልግል ኣላ። ሚርያም-ወብስተርስ ኮሊጂየት ዲክሽነሪ፡ መበል 11 ሕታም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ፕሮተስታንት እትብል ቃል ከምዚ ዚስዕብ መግለጺ ይህብ፦ “ኣባል እተን ንስልጣን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚነጽጋ እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያን ኰይኑ ስርዓታት ተሓድሶ ብእምነት ጥራይ ከም ዚረጋገጽ ከምኡውን ኵሎም ኣመንቲ ካህናት ከም ዝዀኑ ዚኣምን፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እንኮ ምንጪ እቲ እተገልጸ ሓቂ ኸም ዝዀነ ገይሩ ብቐዳምነት ዚጠቅስ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስልጣን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚነጽግዎን መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ዚቕበሉን እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብተን ክፍሊ ፕሮተስታንት ዝዀና ሃይማኖታት ብብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት እተፈልዩ እዮም። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን እውን እንተ ዀነት፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም “ፍሉያት” ገይራ ጠቒሳቶም ኣላ። ፍሉያት ዝዀኑሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ቀዳማይ፡ እምነት ፕሮተስታንት ንገሊኡ ኣምልኾ ካቶሊክ ዚነጽጎ እኳ እንተ ዀነ፡ መራሕቲ እቲ ተሓድሶ ግን ንኸም ስላሴ፡ ገሃነመ እሳት፡ ከምኡውን ዘይትመውት ነፍሲ ዝኣመሰለ እተወሰነ እምነታት ካቶሊክ ዓቂቦምዎ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን፡ እዚ ሰረተ-እምነታት እዚ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ጠዋይ ኣረኣእያ ንኺህሉ ኸም ዜተባብዕ እዮም ዚኣምኑ።—ኣብዛ መጽሔት ኣብ ገጽ 4-7 ርአ።

ካልኣይ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ ሃይማኖት፡ ንኻልእ ሃይማኖት ዚጻረር ዘይኰነስ፡ ኣወንታዊ መምርሒ ዚህብ እዩ። ነቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ፦ “ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ምስ ኵሉ ለዋህ፥ ንፉዕ መምህር፥ ዕጉስ ኪኸውን ደኣ እምበር፥ ተበኣሳይ ኪኸውን ኣይግብኦን እዩ። . . . ንሱ ነቶም ተፃረርቲ ብህድኣት የረድኣዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25 ትርጕም 1990) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ዚምህራኦ ትምህርቲ እተፈልየ ምዃኑ ይጠቕሱ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ዚገብሩሉ ዕላማ፡ ንኻልኦት ሃይማኖታት ንምሕዳስ ኢሎም ኣይኰኑን። የግዳስ፡ ንቕኑዓት ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ቅኑዕ ፍልጠት ኪረኽቡ ይሕግዝዎም እዮም። (ቈሎሴ 1:9, 10) እተፈልየ ሃይማኖት ምስ ዘለዎም ሰባት እንተ ዘይተሰማሚዖም፡ ኣብ ፍረ ዘይብሉ ኽትዕ ኣይኣትዉን እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 2:23

ሳልሳይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ብኣማእታት ዚቝጸር ክፋላት ዘለዎ እምነት ፕሮተስታንት ዘይኰነስ፡ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣለዎም። ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሰረተ-እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ “ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ” ዚብል ምኽሪ ይስዕቡ እዮም። ኣብ መንጎኦም ዝዀነ ይኹን ፍልልይ የልቦን። ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም እተጋጠሙ እዮም።’ (1 ቈረንቶስ 1:10-12) ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ‘ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ገይሮም ኪሕልውዎ’ ይጽዕሩ እዮም።—ኤፌሶን 4:3