ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ንኺውለድ ምኽንያት ዝዀነ ቘጸራ ህዝቢ መበገሲኡ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ብመሰረት ወንጌል ሉቃስ፡ ቄሳር ኣውጉስጦስ ኣብ ኵሉ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ትእዛዝ ምስ ኣውጽአ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ።” (ሉቃስ 2:1-3) ዓዲ እቲ ንየሱስ ከም ኣቦ ዀይኑ ዘዕበዮ ዮሴፍ፡ ቤት-ልሄም እያ ነይራ፣ ዮሴፍን ማርያምን ነቲ ኣዋጅ ንምኽባር ኢሎም ናብ ቤት-ልሄም ምስ ከዱ ኸኣ የሱስ ኣብኣ ተወልደ። እዚ ምዝገባ እዚ ግብሪ ንምእካብን ሰባት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምኽታብን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ሮማውያን ንግብጺ ብ30 ቅ.ክ. ኪስዕርዋ ኸለዉ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኣብ ግብጻውያን ዝውቱር እዩ ነይሩ። ሮማውያን ነቲ ግብጻውያን ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ኣገባብ ኣቈጻጽራ ህዝቢ ኸም ዝቐድሕዎ፡ ነዚ ኣሰራርሓ እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ኣብ ዝነበራ ኻልኦት ሃገራት እውን ከም ዘተኣታተውዎ ምሁራት ይኣምኑሉ እዮም።

ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዓይነት ምዝገባ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖታት፡ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ግብጺ ብ104 ድ.ክ. ዝኣወጆ ኣዋጅ እዩ። ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ብሪጣንያ ዚርከብ ክፋል እቲ ኣዋጅ ከምዚ ይንበብ፦ “ኣመሓዳሪ ግብጺ፡ ጋየስ ቫይበስ ማክሲመስ፡ (ከምዚ ይብል)፦ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ቈጸራ ህዝቢ ምቕራቡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዅሎም እቶም ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ካብ ዓዶም ርሒቖም ዝነበሩ ዜጋታት፡ ነቲ ስሩዕ ኣገባብ ቈጸራ ህዝቢ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ብትግሃት ከኣ ኣብ ልምዓት እቲ እተዋህቦም ብጽሒት ምእንቲ ኺካፈሉ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ምግዳዶም ኣገዳሲ እዩ።”

ዮሴፍ ንማርያም ዘይተመርዓዋ ኽነሱ ጽሕፈት መፍትሒኣ ኺህባ ዝሓሰበ ስለምንታይ እዩ፧

ብመሰረት ወንጌል ማቴዎስ፡ “ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ” ማለት ቅድሚ ምምርዓዎም፡ ከም ዝጠነሰት ዮሴፍ ፈለጠ። ማርያም ዝጠነሰት “ብመንፈስ ቅዱስ” ምዃኑ ስለ ዘይፈለጠ፡ ከም ዝጠለመቶ ገይሩ ሓሰበ እሞ ኺፈትሓ ደለየ።—ማቴዎስ 1:18-20

ኣብ ኣይሁድ፡ ሕጹያት ከም ምርዑዋት ጌርካ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ሕጹያት ስርዓት መርዓ ቕድሚ ምፍጻሞም ከም ሰብኣይን ሰበይትን ኰይኖም ኣብ ሓደ ቤት ኣይነብሩን እዮም ነይሮም። ሕጸ ኣዝዩ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ፡ እቲ መርዓዊ ሓሳቡ እንተ ቐይሩ ወይ ብኻልእ ዜገድድ ምኽንያት እቲ መርዓ እንተ ዘይተፈጺሙ፡ እታ መርዓት ጽሕፈት መፍትሒ ኽሳዕ ዚወሃባ ኽትምርዖ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ሕጹያ ቕድሚ መርዓኦም እንተ ሞይቱ ኸኣ ከም መበለት ትቝጸር ነበረት። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ተሓጽያ ኸላ ምንዝር እንተ ፈጺማ ኸም ዘማዊት ተቘጺራ ንሞት ትፍረድ ነበረት።—ዘዳግም 22:23, 24

ዮሴፍ፡ ጥንሲ ማርያም ኣብ ህዝቢ እንተ ተፈሊጡ እንታይ ኬስዕበላ ኸም ዚኽእል ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ እቶም ዚምልከቶም ኬቕርቦ ኸም ዘለዎ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ኬዕቝባን ከም ዘይትዋረድ ኪገብርን ደለየ። ስለዚ ድማ ብሕቡእ ኪፈትሓ ወሰነ። ከመይሲ፡ ሓንቲ ንጽል ኣደ፡ ጽሕፈት መፍትሒ እንተ ሒዛ፡ ተመርዕያ ኸም ዝነበረት እዩ ዚሕብር።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሮማዊ ኣመሓዳሪ ግብጺ ብ104 ድ.ክ. ዝኣወጆ ኣዋጅ ቈጸራ ህዝቢ

[ምንጪ ስእሊ]

© The British Library Board, all rights reserved (P.904)