ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ሕሉፍ ዘመን ዝገበርናዮ ጕዕዞ

ናብ ሕሉፍ ዘመን ዝገበርናዮ ጕዕዞ

ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተላእከት ደብዳበ

ናብ ሕሉፍ ዘመን ዝገበርናዮ ጕዕዞ

ኣቦሓጎታትኩም ብኸመይ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ንምርኣይ ጕዕዞ ኽትገብሩ ኸም እትኽእሉ ጌርኩም እሞ ሕሰቡ። ንሕና ኸምኡ ዓይነት ጕዕዞ ጌርና ኽንብል ንኽእል ኢና። ኣብቲ ጕዕዞና፡ ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኢና ተጓዒዝና። ብዙሓት ሰባት ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ብዅሉ መዳይ ዘመናዊት ሃገር ከም ዝዀነት ገይሮም ዚርእይዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ጕዕዞና ግን ንድሕሪት ክልተ ሚእቲ ዓመት እዩ መሊሱና። ብዛዕባኡ እስከ ኸነዘንትወልኩም።

ላህጃ ስዊዝ ጀርመንኛ ስለ እንዛረብ፡ ኣብ ግዝኣት ኢንዲያና ንሰለስተ ወርሒ ኸነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ሸቶና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ላህጃ ኣቦሓጎታቶም ዘየጥፍኡ ሰዓብቲ እምነት ኣሚሽ ምስባኽ እዩ ነይሩ። ነዚ እምነት እዚ ዚስዕባ ብኣማእታት ዚቝጸራ ስድራ ቤታት፡ ኣብ ኢንድያና ይነብራ እየን።

ሰዓብቲ እምነት ኣሚሽ፡ ዘርኢ እቶም ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነበሩ ኣናባብቲስት ዚበሃሉ ጕጅለ ሃይማኖት እዮም። እቲ መጸውዒኦም፡ ካብቲ ያኮፕ ኣማን ዚበሃል ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብር ዝነበረ መራሒኦም እዮም ወሪሶምዎ። እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ጥምቀት ሕጻናትን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ጌጋ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። ብሰንኪ እዚ መትከሎም ከኣ፡ ካብ መንግስቲ መስጐጕቲ ኣጋጠሞም። ገሊኦም እውን ምእንቲ ሃይማኖታዊ እምነቶም፡ ህይወቶም ከፊሎም እዮም። እቲ መስጐጕቲ እናበርትዐ ምስ ከደ፡ ሓያሎ ኻባታቶም ናብ ካልእ ክፋል ስዊዘርላንድን ናብ ፈረንሳን ኪሃድሙ ተገደዱ። ኣብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን፡ ኣሽሓት ሃዲሞም ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸዱ። ንሳቶም እውን ባህሎምን ስዊዝ ጀርመንኛ ዚበሃል ላህጃኦምን ተማሊኦም እዮም ተሰዲዶም።

ነዞም ጥዑማት ህዝቢ ኽንበጽሖም ከለና፡ ላህጃኦም ዚዛረብ ሰብ ናብ ቤቶም ምምጻኡ ገሪምዎም እዩ።

ብስዊዝ ጀርመንኛ፡ “ከመይ ጌርኩም ኢኹም ከማና ኽትዛረቡ ኽኢልኩም፧” ኢሎም ሓተቱና።

“ካብ ስዊዘርላንድ ስለ ዝመጻእና ኢና” ኢልና መለስናሎም።

ደንጽይዎም ከኣ፡ “ኣሚሽ ግን ኣይኰንኩምን!” በሉና።

ብዙሓት ካባታቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበሉና፡ ኣብ ቤቶም ድማ ናይ ቀደም ዚመስል ኣነባብራ ረኣና። ኣብ ክንዲ ኣምፑል፡ ብዘይቲ ዚሰርሕ ፋኑስ፣ ኣብ ክንዲ ማኪና፡ ብፈረስ ዚሰሓብ ካሮሳ፣ ኣብ ክንዲ ማይ ቡምባ፡ ዔላን ማይ ንምግላል ዜገልግል መዘወር ንፋስን፣ ኣብ ክንዲ ረድዮ ኸኣ፡ መዝሙራት እዮም ዚጥቀሙ።

ልዕሊ ዅሉ ዝመሰጠና፡ ትሕትናኦም እዩ። ብዙሓት ኣሚሽ፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ይጽዕሩ እዮም፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ እውን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእዩ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ንኽንዘራረብ ኣጋጣሚ ኸፈተልና።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ በጻሕቲ ኣብቲ ኸባቢ ኸም ዘለዉ ተሰምዐ። ብዙሓት ሰባት ንኣዝማዶም ክንበጽሖም ስለ ዝሓተቱና፡ ንዕኦም እውን ተሓጒስና በጻሕናዮም። ናብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኣሚሽ ክንበጽሕ ሕቶ ምስ ቀረበልና፡ ተሃንጢና ናብታ ቤት ትምህርቲ ኸድና። እንታይ ዘጋጠመና ይመስለኩም፧

ማዕጾ እታ ቤት ትምህርቲ ዃሕኳሕና። እቲ መምህር ነቲ ማዕጾ ኸፊቱ ኽንኣቱ ዓደመና፣ ኣብታ ኽፍሊ ዝነበራ ንምፍላጥ እተሃንጠያ 38 ጽምዲ ኣዒንቲ ንኣርባዕቴና ኣተኲረን ጠመታና። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ፡ ኣብ ሸሞንተ እተፈላለየ ደረጃታት ክፍሊ ዚርከቡ ኻብ 7 ኽሳዕ 15 ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ነበሩ። ኵለን እተን ኣዋልድ፡ ሰማያዊ ኽዳንን ጻዕዳ ቖብዕን ገይረን ነበራ፣ እቶም ኣወዳት ድማ፡ ጸሊም ስረን ጽልም ዝበለ ሰማያዊ ካሚቻን ተኸዲኖም ነበሩ። ናሕሲ እቲ ኽፍሊ በሪኽ እዩ። ሰለስቲኡ መንደቕ ሃሳስ ሰማያዊ እተለኽየ ኪኸውን ከሎ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድማ ሰሌዳ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ፡ ግሎብን እተጠቕለለ ካርታታት ዓለምን ተነቢሩ ነበረ። ኣብ ሓደ ዅርናዕ ከኣ፡ ብሓጺን እተሰርሐ ዓብዪ እቶን ነበረ።

ኣብ ቅድሚ እቶም ተመሃሮ ኾፍ ክንብል ከለና፡ እቶም ተመሃሮ ብሃንቀውታ ይዕዘቡና ነበሩ። ኵሎም እቶም ተመሃሮ በብደረጃ ኽፍሎም ናብ ሰደቓ እቲ መምህር ተጸዊዖም፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚኣ መዓልቲ እተዋህቦም ዕዮ ገዛ፡ ሕቶ ቐረበሎም። እቲ መምህር ነቶም ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዚርከብ ኣኽራን ኣልፕ ምስ ሓተቶም፡ ብሓቂ ተገሪምና ኢና። እቲ መምሃሪ መጻሕፍቶም ናይ ቀደም እዩ፣ እቲ መምህር ከኣ፡ ስዊዘርላንድ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተገሊጻቶ ዘላ እንተ ዀይና ሓተተና። ኣብ ምዉቕ ወቕቲ፡ ኣሓ ኸም ቀደመን ናብቲ ኣብ በሪኽ ቦታታት ዚርከብ ሸኻ ዚድይባ እንተ ዀይነን፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ኣኽራን በረድ እንተ ኣልዩ ሓተተና። ነቲ ኣብቲ መምሃሪ መጽሓፉ ዚርከብ ብጻዕዳን ጸሊምን እተሳእለ ስእሊ ብዝያዳ ዜነጽረሉ፡ ብበረድ እተሸፈነ ጫፋት ኣኽራን ዜርኢ ስእሊ ምስ ሃብናዮ፡ ብታሕጓስ ፍሽኽ በለ።

እታ ነቲ መምህር ኣብ ዕዮኡ እትሕግዞ ሰበይቱ፡ ብእተሓዋወሰ ቕኒት ክንዝምር ንኽእል እንተ ዄንና ሓተተትና። ከም ዘይንኽእል ነገርናያ። ኣሚሽ ብእተሓዋወሰ ቕኒት ኰነ ብንቡር መገዲ ኺዝምሩ ዚኽእሉ ንፉዓት ዘመርቲ ምዃኖም ስለ እንፈልጥ ግን፡ ኪዝምሩልና ሓተትናዮም። ኣርብዓ ሰባት ብሕብረት ኪዝምሩ ምስ ጀመሩ፡ ኣፍና ኸፊትና ሰማዕናዮም። እቲ መምህር ቀጺሉ፡ ነቶም ቈልዑ ኼዕርፉ ፈቐደሎም።

ድሕሪኡ፡ ሰበይቲ እቲ መምህር፡ መዝሙር ክንዝምረላ ሓተተትና። ባህላዊ መዝሙር ስዊዝ ጀርመንኛ ስለ እንፈልጥ፡ ክንዝምር ፍቓደኛታት ኰንና። ክንዝምር ምዃንና ዚገልጽ ወረ ናብቲ መጻወቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ እቶም ቈልዑ ብቕጽበት ናብታ ኽፍሊ ተመልሱ። ኣብ ቅድሚ እቲ ኽፍሊ ደው ኢልና፡ ጽቡቕ ጌርና ኽንዝምረሎም ጸዓርና።

ድሕርዚ፡ ምስ ሓንቲ 12 ኣባላት ዘለውዋ ኣሚሽ ስድራ ቤት ምሳሕ ክንምሳሕ ተዓደምና። ኣብቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ነዊሕ ሰደቓ እተፈላለየ ዚብላዕ ነገራት መሊኡ ነበረ፣ እተጣሕነ ድንሽ፡ ስጋ ሓሰማ፡ ዕፉን፡ ሕብስቲ፡ ጅብና፡ ኣሕምልቲ፡ ዶልሺ፡ ከምኡውን ካልእ ምቁር ነገራት ኣብኡ ነበረ። ቅድሚ ምብላዕና፡ ኵላትና በብልብና ጸለና። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እታ ዓዲ ኣቦሓጎታቶም ዝዀነት ስዊዘርላንድ እናኣዕለልና ኽንበልዕ ጀመርና፡ ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ ሕርሻኦም ነገሩና። ክንምሳሕ ከለና፡ እቶም ቈልዑ ንሓድሕዶም ሕሽዅ ይበሃሃሉን ይስሕቁን ነበሩ። ኵላትና በሊዕና ምስ ወዳእና፡ ካልኣይ ጸሎት ተገብረ፡ እዚ ድማ ነቶም ቈልዑ ኻብቲ መኣዲ ኺትንስኡ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር ምልክት ኰኖም። እንተዀነ ግን፡ ናብ ጸወታኦም ኣይኰኑን ከይዶም። ነፍሲ ወከፎም ነቲ እተበልዓሉ ሰደቓ ናይ ምጽርራይን ብያትታት ናይ ምሕጻብን ዕዮ ነበሮም። ብያትታት ንምሕጻብ ከኣ፡ ፈለማ ማይ ገሊሎም፡ ኬውዕይዎ ነበሮም።

እቶም ቈልዑ ነቲ ብያትታት ኪሓጽቡ ኸለዉ፡ ወለዶም ናብ ሳሎን ክንከይድ ዓደሙና። ኣብቲ ሳሎን፡ ሶፋ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ምቹእ ሰድያ ግን ኮፍ በልና። ካብ ከብሒ፡ ቀደም እተጻሕፈ ናይ ጀርመንኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምጽኡ፡ ከምቲ ኣብ መብዛሕትኡ ስድራ ቤት ኣሚሽ ዚግበር ከኣ፡ ነዊሕ ከይጸናሕና ውዕዉዕ መንፈሳዊ ምይይጥ ክንገብር ጀመርና። የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ የሱስ፡ ዓቃላት ንምድሪ ኸም ዚወርስዋ ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣምላኽ ንእኩያት ብሓቂዶ ኣብ ገሃነም እሳት የቃጽሎም እዩ፧ ነቲ የሱስ ኣብ ኵላ ምድሪ ብስራት ኪስበኽ ዝሃቦ ትእዛዝ መን ይፍጽሞ ኣሎ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ እናገንጸሉ ምስ ዚከታተሉ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ እዝን ሓያሎ ኻልእ ሕቶታትን ምምይያጥና፡ ንኣልባብና ሓጐስ ኣምጸኣሉ።

ሕጂ ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል ተመክሮታት ዝረኸብናሉ፡ ናብ ሕሉፍ ዘመን ዝገበርናዮ ጕዕዞ ጽቡቕ ተዘክሮ እዩ ዘሎና። ብዙሓት ሰባት በቲ ዝገበርናሎም ምብጻሕን ብስዊዝ ጀርመንኛ ዝገብርናዮ ዝርርባትን ተደሪኾም፡ ቤቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልቦም እውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ ኪኸፍቱ ትምኒትናን ጸሎትናን እዩ።