ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጉስ ዳዊትን ሙዚቃን

ንጉስ ዳዊትን ሙዚቃን

ንጉስ ዳዊትን ሙዚቃን

እቲ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ዳዊት ዚበሃል ዜደንቕ ሰብኣይ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ምስቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሙዚቃ ስሙ ይለዓል እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዝነበረ ሙዚቃ እንፈልጦ ነገራት፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ንጥፈታት ዳዊት ዚተኣሳሰር እዩ። ካብቲ ንእሽቶ ጓሳ ዝነበረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ንጉስን ክኢላ ወዳብን ዝዀነሉ እዋን፡ ኣብ ሙዚቃ ተሳቲፉ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሙዚቃ፡ ብዳዊት ኣቢልና ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እንታይ ዓይነት መሳርያ እዮም ዚጻወቱ ነይሮም፧ እንታይ ዓይነት መዝሙርከ ይዝምሩ ነይሮም፧ ሙዚቃ ኣብ ህይወት ዳዊትን ኣብ ህዝቢ እስራኤልን እንታይ ግደ ነይርዎ፧

ሙዚቃ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሮ ቦታ

ካብ ኣፍ ሓደ ሰብ ቃላት መዝሙር ኪወጽእ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንዕኡ ዜሰንዮ ዜማ እዩ ትዝ ዚብለካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃላት እተፈላለየ መዝሙራት ሒዙ ኣሎ፡ ዜማ እቲ መዝሙራት ግን ኣይፍለጥን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ መዝሙራት ባህ ዜብልን ብሉጽን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ተጻሒፉ ዘሎ ግጥምታት ብሉጽ ምዃኑ፡ እቲ ንዕኡ ዜሰንዮ ሙዚቃ እውን ብማዕረ ጽቡቕ ምንባሩ ይእምት።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መሳርያታት ሙዚቃ፡ ኣሕጽር ኣቢሉ ጥራይ እዩ ዚገልጽ። ( “ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መሳርያታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ዳዊት እንታይ ዓይነት በገና ኸም እተጠቕመ እውን ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ። እንተዀነ ግን፡ እስራኤላውያን ከምቲ ብብዝሒ ዘይርከብን ክቡርን ዝነበረ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ በገና ዝኣመሰለ መሳርያታት ምሂዞም እዮም።—2 ዜና መዋእል 9:11፣ ኣሞጽ 6:5

ይኹን እምበር፡ ሓደ ርግጸኛ ኽንኰነሉ እንኽእል ነገር ኣሎ። ሙዚቃ ኣብ ህይወት እብራውያን፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ኣምልኾኦም፡ ኣገዳሲ ቦታ ነይርዎ እዩ። ንጉስ ኣብ ዚነግሰሉ እዋን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት፡ ከምኡውን ኣብ ውግእ፡ ሙዚቃ ይውቃዕ ነበረ። ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንዚነብሩ ሰባት ይምስጦም፡ ንመርዓን ንናይ ስድራ ቤት ምትእኽኻብን ህያው ይገብሮ፡ ምህርቲ ወይንን እኽልን ኣብ ዚሕፈሰሉ እዋን ከኣ ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ይገብር ነበረ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብ ሕማቕ ቦታታት እውን ሙዚቃ ይዝውተር ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ ነቶም ሓዘንተኛታት ንምጽንናዕ፡ ሙዚቃ ይውቃዕ ነበረ።

ኣብ እስራኤል፡ ሙዚቃ ተወሳኺ ግደ እውን ነይርዎ እዩ። ኣእምሮ የነቓቕሕ፡ ንነብያት ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ መልእኽቲ ንኪቕበሉ ይሕግዞም ነይሩ እዩ። ኤልሳእ ካብ የሆዋ መልእኽቲ እተቐበለ፡ በገና ምስ ተወቕዓሉ እዩ። (2 ነገስት 3:15) ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ፍሉይ መዓልትታት ንምምልካት እውን ሙዚቃ ይውቃዕ ነበረ። ሰርቂ ወርሕን በዓላትን ብደሃይ ክልተ መለኸት ብሩር ይእወጅ ነበረ። ኣብ መዓልቲ እልልታ ዚንፋሕ ዝነበረ ብቐርኒ እተሰርሐ መለኸት፡ ባሮት ሓራ ዚወጹሉን እተሸጠ መሬትን ቤትን ናብ ዋናኡ ዚምለሰሉን እዋን ምዃኑ ይእውጅ ነበረ። ድኻታት ዘበሉ ነቲ ሓርነቶም ወይ ጥሪቶም ከም እተመልሰሎም ዚእውጅ ሙዚቃ ምስ ሰምዑ፡ ብሓቂ ይሕጐሱ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዘሌዋውያን 25:9፣ ዘሁልቍ 10:10

ገሊኦም እስራኤላውያን ብሉጻት ሙዚቀኛታት ወይ ዘመርቲ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ብመሰረት ኣሶራውያን ዝቐረጽዎ ቕርጻ፡ ንጉስ ሰናክሬብ ካብ ንጉስ ህዝቅያስ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሙዚቀኛታት ከም ግብሪ ጌርካ ኺወሃቦ ሓቲቱ ነይሩ እዩ። እዚኣቶም ብሉጻት ሙዚቀኛታት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ካብ ኵሎም እቶም ክኢላታት ግን፡ ዳዊት ጸብለል ዝበለ ነበረ።

ፍሉይ ሙዚቀኛ

ዳዊት ሙዚቀኛን ገጣምን ብምንባሩ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ እዩ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ልዕሊ ፍርቂ መዝሙራት፡ ብእኡ እዩ ተጻሒፉ። ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጓሳ እዩ ነይሩ፣ እቲ በሊሕን ትኩርን ኣእምሮኡ እውን ነቲ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ዝነበረ ትርኢት የስተብህለሉ ነበረ። ማይ ኪዛሪ ኸሎን ኣባጊዕ ደሃዩ ሰሚዐን እምቤዕ ኪብላ ኸለዋን ምስማዕ፡ ባህ ይብሎ ነበረ። በቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ “ሙዚቃ” ስለ እተመሰጠ፡ በገናኡ ኣልዒሉ፡ ዓው ኢሉ ንኣምላኽ ወደሶ። እቲ ንመዝሙር 23 ንምዕጃብ ዘዳለዎ ሙዚቃ፡ ብሓቂ መሳጢ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ዳዊት መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክኢላ ወቓዒ በገና ስለ ዝነበረ፡ ንንጉስ ሳኦል ብዛዕባ እዚ ተነገሮ፣ ንሱ ድማ ሙዚቃ ኺወቕዓሉ ኢሉ ወሰዶ። ሳኦል ኪጭነቕን ኪርበሽን ከሎ፡ ዳዊት በገናኡ ይወቕዓሉ እሞ፡ ንልቢ እቲ ንጉስ የህድኦ ነበረ። እቲ ሕማቕ ሓሳባት ካብኡ ይርሕቕ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣይርበሽን ነበረ።—1 ሳሙኤል 16:16

እቲ ዳዊት ኣጸቢቑ ዚፈትዎን ንልቡ ብሓጐስ ዚመልኦን ዝነበረ ሙዚቃ፡ ሓድሓደ ግዜ ጸገማት የምጽኣሉ ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ዳዊትን ሳኦልን ንፍልስጥኤማውያን ስዒሮም ምስ ተመልሱ፡ ናይ ዓወትን ናይ ሓጐስን ሙዚቃ ኣብ እዝኒ እቲ ንጉስ ኣተወ። እተን ኣንስቲ፡ “ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ” ኢለን ይደርፋ ነበራ። ሳኦል ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ብቝጥዓን ብቕንእን ስለ እተመልአ፡ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።”—1 ሳሙኤል 18:7-9

ብሙዚቃ ተመሰጠ

ዳዊት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዘዳለዎ መዝሙራት፡ ብብዙሕ መገዲ ብሉጽ ኰይኑ እዩ። መዝሙራቱ ምስ ምስትንታንን ምስ ናብራ ጕስነትን እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ብመዝሙራቱ ኣቢሉ፡ ካብ ውዳሰ ኽሳዕ ታሪኽ፡ ካብቲ ብምህርቲ ወይኒ ዚርከብ ሓጐስ ክሳዕ እቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቤተ-መንግስቲ እተሰምዖ ደስታ፡ ካብ ትዝታ ኽሳዕ ተስፋ፡ ከምኡውን ካብ ልመና ኽሳዕ ምህለላ ዳህሰሰ። (መዝሙር 32, 23, 145, 8, 30, 38, 72, 51, 86 ከምኡውን ኣብኡ ዘሎ ልዕለ-ጽሑፍ ርአ።) ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ምስ ሞቱ፡ ዳዊት፡ “ቀስቲ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ልቕሶ ኣልቀሰሎም፣ እዚ ልቕሶ እዚ፡ “ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ” ብዚብል ቃላት ይጅምር ነበረ። ዜሕዝን ቅኒት እዩ ተጠቒሙ ነይሩ። ዳዊት ብቓላት ኰነ ብበገና ገይሩ እተፈላለየ ዓይነት ስምዒታት ኪገልጽ ይኽእል ነበረ።—2 ሳሙኤል 1:17-19

ዳዊት ሕጉስ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ዜሐጕስን ህያውን ሙዚቃ እውን ይፈቱ ነበረ። ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ ጽዮን ኬደይቦ ኸሎ፡ ብምሉእ ሓይሉ ይስዕስዕን ይሰራሰርን ነበረ። እቲ ሽዑ እተወቕዐ ሙዚቃ ንስምዒት ዜለዓዕል ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ይሕብር እዩ። ነቲ ትርኢት ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሚካል ሰበይቱ ነቒፋቶ እያ። ዳዊት ግን ኣይዓጀቦን። ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ፣ እቲ ንልቡ ብሓጐስ ዝመልኦ ሙዚቃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዚሰራሰር ገበሮ።—2 ሳሙኤል 6:14, 16, 21

ዳዊት ሓድሽ መሳርያታት ሙዚቃ እውን ኣዳልዩ እዩ። (2 ዜና መዋእል 7:6) ሰራሒ መሳርያን ገጣምን ኣዳላውን ወቓዕን ስለ ዝነበረ፡ ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮ ስነ-ጥበበኛ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ዝዓበየ ነገራት እውን ገይሩ እዩ።

መዝሙርን ኣብ ቤተ መቕደስ ዚውቃዕ ሙዚቃን

ሓደ ኻብቲ ዳዊት ዝሰርሖ ነገራት፡ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣወዳድባ መዝሙርን ሙዚቃን እዩ። ነቶም 4,000 ዘመርትን ሙዚቀኛታትን፡ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን (እዚ ኤታን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እውን ኪኸውን ኣለዎ) ኣርኣሰሎም። ምስቶም ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ጕጅለ ዜሰልጥኑን ዚኣልዩን 288 ፈላጣት ከም ዚሓብሩ ገበሮም። እቶም 4,000 ዘመርትን ሙዚቀኛታትን፡ ኣብ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ይርከቡ ነበሩ። እቶም መዘምራን ብሕብረት ዚዝምርዎ ዜደንቕ መዝሙር ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ!—1 ዜና መዋእል 23:5፣ 25:1, 6, 7

ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዮም ዚዝምሩ ነይሮም። ኣብ ልዕለ-ጽሑፍ መዝሙር 46 ዚርከብ “ብኣላሙት” ማለት “ብኣዋልድ” ዚብል መግለጺ፡ ብቐጢን ድምጺ ወይ መሳርያ ኺዝመር ከም ዘለዎ ይሕብር። ከምቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 5:13 ተሓቢሩ ዘሎ፡ እቶም መዘምራን “ብሓንሳእ” ይዝምሩ ነበሩ። ከም መዝሙር 3 ዝኣመሰለ ሓያሎ መዝሙራት ዳዊት ምኡዝ ዜማ ኺህልዎ ኸሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ከምቲ ኣብ መዝሙር 42:5, 11፣ 43:5 ዚርከብ ዝኣመሰለ ኣዝማች ይህልዎ ነበረ። መዘምራን ምስ ሓደ በይኑ ዚዝምር ዘማሪ እናተቐባበሉ ዚዝምርዎ ዓይነት መዝሙራት እውን ይፍቶ ነበረ። እታ ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብ ጽዮን ኣብ ዘደየበሉ እዋን ክትዝመር ተዳልያ ኽትከውን ዘለዋ መዝሙር 24፡ በዚ ኸምዚ መገዲ እያ ተዳልያ ነይራ።—2 ሳሙኤል 6:11-17

ኰይኑ ግን፡ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ሌዋውያን ጥራይ ኣይኰኑን መዝሙር ዚዝምሩ ነይሮም። እቶም ህዝቢ እውን ዓመታዊ በዓላት ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኸለዉ፡ ይዝምሩ ነይሮም እዮም። “መዝሙር ምድያብ” ዚብላ ቓላት እውን ነዚ የመልክታ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። (መዝሙር 120 ክሳዕ 134) ንኣብነት፡ ኣብ መዝሙር 133፡ ዳዊት ነቲ እስራኤላውያን ዝነበሮም ሕውነት ዘሚሩሉ ኣሎ። “እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ብዚብላ ቓላት ከኣ ጀመረ። ነዛ መዝሙር እዚኣ ዜሰንያ ሙዚቃ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ!

ሙዚቃን ኣምልኾ የሆዋን

ሓደ ዕስሪት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ መዝሙራት ዝሓዘ እዩ፣ መጽሓፍ መዝሙር ድማ፡ ኵሎም ሰባት ንየሆዋ ኺውድስዎ ተተባብዖም እያ። (መዝሙር 150) ሙዚቃ ጭንቀትካ ኼረስዓካ ይኽእል እዩ፡ መዝሙር ከኣ ንዝቘሰለ ልቢ ኺፍውስ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ሕጉሳት ዘበሉ እውን፡ ኪዝምሩ የተባብዖም እዩ።—ያእቆብ 5:13

ሓደ ሰብ ብመዝሙር ኣቢሉ እምነቱን ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ኪገልጽ ይኽእል እዩ። ድሮ እታ የሱስ እተቐትለላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ድሕሪ ድራር፡ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ብሓባር ዘሚሩ እዩ። (ማቴዎስ 26:30) እዚ ወዲ ዳዊት እዚ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚዝመር ዜደንቕ መዝሙራት ስለ ዚፈልጥ፡ ባህ ዜብል ድምጺ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ! ነተን ካብ መዝሙር 113 ክሳዕ 118 ዚርከባ፡ ሃለል ተባሂለን ዚፍለጣ መዝሙራት ዘሚሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነተን መዝሙራት እቲኣተን ዘሚሮም እንተ ዀይኖም፡ የሱስ ምስቶም ድሕሪ ሓጺር ግዜ እንታይ ከም ዜጋጥም ዘይፈለጡ ሃዋርያት ብሓባር ኰይኑ፡ “ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ። . . . መኣስር ሞት ከበበኒ፡ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፡ . . . ዎ ጐይታይ፡ ንነፍሰይ ኣድሕና” ኢሉ ዘሚሩ ማለት እዩ።—መዝሙር 116:1-4

ንሙዚቃ ዝመሃዘ፡ ሰብ ኣይኰነን። ኣብ ሰማይ ሙዚቃን መዝሙርን ከም ዘሎ፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ከኣ ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ዀይኖም ምሳልያዊ በገና ኸም ዚወቕዑን ብመዝሙር ከም ዚውድሱን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 5:9፣ 14:3፣ 15:2, 3) የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ደቂ ሰብ ናይ ሙዚቃ ስምዒት ከም ዚህሉን ንስምዒቶም ብመሳርያ ወይ ብመዝሙር ኪገልጹ ባህጊ ኸም ዚህልዎምን ብምግባር፡ ሙዚቃ ንደቂ ሰብ ሃቦም። ሓደ ናይ እምነት ሰብ፡ ንሙዚቃ ብቐዳምነት ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህበ ውህበት ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ያእቆብ 1:17

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብመዓልቲ ሓጐስኩምን ብበዓላትኩምን . . . መለኸት ንፍሑ።”ዘሁልቍ 10:10

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።”መዝሙር 23:1, 2

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ዳዊት ከኣ በለ፤ . . . ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ።”1 ዜና መዋእል 23:4, 5

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ዳዊት ብቓላት ኰነ ብሙዚቃ ገይሩ እተፈላለየ ዓይነት ስምዒታት ገለጸ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሃሌሉያ። . . . ብኸበሮን ብሳዕሳዒትን አመስግንዎ፡ . . . ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ።”መዝሙር 150:1, 4, 6

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መሳርያታት

ገለ ኻብቲ ኣውታራዊ መሳርያታት፡ መሰንቆን በገናን ዓሰርተ ኣውታር ዘለዎ መሳርያን ኪጥቀስ ይከኣል። (መዝሙር 92:3) እዚ መሳርያታት እዚ፡ ንዓለሞትን ንሸሚኒትን ይቃነ ነበረ፣ እዚ ዓለሞትን ሸሚኒትን ዚብል ቃላት ንላዕለዋይን ታሕተዋይን ኦክታቭ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ዜና መዋእል 15:20, 21) ገለ ኻብቲ መሳርያታት ኣስራዝን ንፋስን ከኣ፡ እምብልታን ሻምብቆን መለኸትን ጥሩምባን ነበረ። (2 ዜና መዋእል 7:6፣ 1 ሳሙኤል 10:5፣ መዝሙር 150:3, 4) እታ ቤተ መቕደስ ክትውፈ ኸላ፡ ደሃይ መለኸትን መዘምራንን “ብሓንሳእ” ይስማዕ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 5:12, 13) እዚ ኸኣ ብሓባር ተቓንዮም ምንባሮም፡ ካብ መስመር ዝወጸ ድምጺ እውን ይስማዕ ከም ዘይነበረ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሳልሳይ ጕጅለ ዚምደብ መሳርያታት ከኣ፡ ከበሮን ቃጽላትን “ካብ ዕጨይቲ እተገብረ” መሳርያታትን ኪጥቀስ ይከኣል። ‘ጭልጭል ዚብል’ ንኣሽቱ ጸናጽልን “ጥዑም ዝደሃዩ” ዓበይቲ ጸናጽልን እውን ነይሩ እዩ።—2 ሳሙኤል 6:5፣ መዝሙር 150:5

[ስእሊ]

ላዕሊ፦ ብ70 ድ.ክ. ካብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ እተዘምተ መለኸታት ዜርኢ ኣብ ሓወልቲ ቲቶስ ዚርከብ ምስሊ። ብ130 ድ.ክ. ኣቢሉ ዝነበረ መሳርያታት ሙዚቃ ኣይሁድ ዜርኢ ሰልዲ

[ምንጪ ስእሊ]

Coins: © 2007 by David Hendin. All rights reserved.