ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሲሕ—ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት

መሲሕ—ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት

መሲሕ—ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት

“ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።”—1 ቈረ. 15:22

1, 2. (ሀ) እንድርያስን ፊልጶስን ምስ የሱስ ምስ ተራኸቡ እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ለ) ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንላዕሊ ንመሲሕነት የሱስ ዜረጋግጽ መርትዖ ኣሎና እንብል ስለምንታይ ኢና፧

 እንድርያስ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት ቅቡእ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ፡ ንጴጥሮስ ሓዉ፡ “ንመሲህ . . . ረኺብናዮ” ኢሉ ነገሮ። ፊሊጶስ እውን ተመሳሳሊ እምነት ስለ ዘሕደረ፡ ንናትናኤል ዓርኩ ረኺቡ፡ “ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ” በሎ።—ዮሃ. 1:40, 41, 45

2 የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ፡ ማለት የሆዋ ዝመዘዞ “ራእሲ ምድሓን” ምዃኑ ኻብ ልብኻ ኣሚንካ ዲኻ፧ (እብ. 2:10) ንሕና ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንላዕሊ ንመሲሕነት የሱስ ዜረጋግጽ መርትዖ ኣሎና። እቲ ኻብቲ የሱስ እተወልደሉ ኽሳዕ እቲ ዝተንስኣሉ ዚገልጽ ቃል ኣምላኽ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዘየማትእ መረጋገጺ እዩ ዜቕርብ። (ዮሃንስ 20:30, 31 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ብቐጻሊ ኸም ዚፍጽም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ዮሃ. 6:40፣ 1 ቈረንቶስ 15:22 ኣንብብ።) ብመንፈሳዊ ኣበሃህላ፡ ንስኻ እውን ሎሚ ‘ንመሲሕ ረኺበዮ’ ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግን፡ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ንመሲሕ ከም ዝረኸብዎ ኣብ መደምደምታ ኺበጽሑ ዘኽኣሎም ነጥብታት እስከ ንርአ።

እቲ ብዛዕባ መሲሕ ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ “ምስጢር” በብቝሩብ ተገልጸ

3, 4. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ‘ንመሲሕ ኪረኽብዎ’ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ንዅሉ መሲሓዊ ትንቢታት ኪፍጽሞ ዝኸኣለ፡ የሱስ ጥራይ ምዃኑ ኣፍካ መሊእካ ኽትዛረብ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

3 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ርግጸኛታት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ የሆዋ ብነብያት ኣቢሉ በብቝሩብ እቲ ዚመጽእ መሲሕ ዚልለየሉ ነገራት ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሓደ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ መስርሕ እዚ ምስ ሓደ እተቘራረጸ ሓወልቲ እምነ-በረድ ንምግጥጣም ዚግበር ዕዮ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ተዘራሪቦም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት፡ ሓሓደ ቝራጽ እምነ-በረድ ሒዞም ከም ዚተኣኻኸቡ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ቝርጽራጽ ተገጣጢሙ ሓደ ሓወልቲ እንተ ኣቚሙ፡ እቲ ሓወልቲ ዚገጣጠመሉ ዝርዝር መገዲ ወጢኑ በቶም ሰባት ገይሩ ዝለኣኾ ሓደ ሰብ ከም ዘሎ ጌርካ ምደምደምካ። ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ቍራጽ እቲ ሓወልቲ ኣገዳሲ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢት ከኣ ኣገዳሲ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ።

4 ኵሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት ብኣጋጣሚ ኣብ ሓደ ሰብ ንኺፍጸም ዘለዎ ዕድል ክሳዕ ክንደይ እዩ፧ ሓደ ተመራማሪ፡ ሓደ ሰብ ንዅሉ መሲሓዊ ትንቢታት ብኣጋጣሚ ንምፍጻም ዘለዎ ዕድል፡ “ኣዝዩ ጸቢብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ” ዳርጋ የለን ኪበሃል ዚከኣል ምዃኑ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ የሱስ ጥራይ እዩ ነዚ ኺገብር ዝኸኣለ” በለ።

5, 6. (ሀ) ኣብ ልዕሊ ሰይጣን እተበየነ ፍርዲ ብኸመይ ኪፍጸም እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ናብቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” ዚመርሕ መስመር ወለዶ፡ ከመይ ገይሩ በብቝሩብ ገለጾ፧

5 እቲ መሲሓዊ ትንቢታት ኣብቲ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ቕዱስ “ምስጢር” ዘተኰረ እዩ። (ቈሎ. 1:26, 27፣ ዘፍ. 3:15) ኣብ ልዕሊ እቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” እተባህለ ንደቂ ሰብ ናብ ሓጢኣትን ሞትን ዝሸመሞም ሰይጣን ድያብሎስ እተበየነ ፍርዲ እውን፡ ኣብቲ ምስጢር ተጠቓሊሉ ኣሎ። (ራእ. 12:9) እቲ ፍርዲ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ካብታ “ሰበይቲ” ዚውለድ “ዘርኢ” ንርእሲ ሰይጣን ኪጭፍልቖ ምዃኑ፡ የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ዘርኢ” ንርእሲ እቲ ተመን ጨፍሊቑ፡ ነቲ ጠንቂ ዕልወትን ሕማምን ሞትን ኬጥፍኦ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ን“ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ኣብ ሸዀናኡ ንኺነኽሶ፡ ኣምላኽ ፈቒዱሉ እዩ።

6 የሆዋ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” መን ምዃኑ በብቝሩብ ገለጸ። ንኣብርሃም፡ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” በሎ። (ዘፍ. 22:18) ሙሴ ድማ፡ እቲ ዚመጽእ፡ ካብኡ ዚዓቢ “ነብዪ” ኪኸውን ምዃኑ ተነበየ። (ዘዳ. 18:18, 19) እቲ መሲሕ ካብ ወለዶ ዳዊት ኪመጽእ ምዃኑን ንዘለኣለም ዝፋኑ ኸም ዚወርስን፡ ንዳዊት ተነግሮ፡ ድሕሪኡ እውን ብዛዕባ እዚ ንነብያት መረጋገጺ ተዋህቦም።—2 ሳሙ. 7:12, 16፣ ኤር. 23:5, 6

የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖታት

7. የሱስ ካብ “ሰበይቲ” ኣምላኽ እተወልደ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ፍጥረቱ ዝዀነ ወዱ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” ንኪኸውን፡ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ብመንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ብሰበይቲ እትምሰል ውድቡ ለኣኾ። ከምኡ ንምግባር፡ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ‘ርእሱ ኣሕሲሩ፡’ ነቲ ሰማያዊ ህይወቱ ሓዲጉ፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኺውለድ ነበሮ። (ፊል. 2:5-7፣ ዮሃ. 1:14) መንፈስ ቅዱስ ንማርያም ስለ ‘ዘጽለላ፡’ እቲ እተወልደ፡ “ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ” ኰነ።—ሉቃ. 1:35

8. የሱስ ብማይ ንኺጥመቕ ርእሱ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ሓደ መሲሓዊ ትንቢት ዝፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ኣበይን መዓስን ከም ዚውለድ፡ ኣብ መሲሓዊ ትንቢታት ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። (ሚክ. 5:2) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣይሁድ ልዑል ትጽቢት ነበሮም። ንመሲሕ ይጽበይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ገሊኦም ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧” ኢሎም ሓተቱ። ዮሃንስ ግን፡ “እቲ ኻባይ ዚብርትዕ . . . ይመጽእ አሎ” በሎም። (ሉቃ. 3:15, 16) ኣብ ቀውዒ 29 ድ.ክ.፡ የሱስ ኣብ 30 ዓመቱ ኺጥመቕ ናብ ዮሃንስ ምስ መጸ፡ ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ መሲሕ ኰይኑ ርእሱ ኣቕረበ። (ዳን. 9:25) ድሕሪኡ፡ “እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት” እናበለ ኣገልግሎቱ ጀመረ።—ማር. 1:14, 15

9. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተማልአ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ እንታይ ጽኑዕ እምነት ግን እዩ ነይርዎም፧

9 ኰይኑ ግን፡ ሰባት ዝነበሮም ትጽቢታት ኪተዓራረ ነበሮ። ንየሱስ ከም ንጉስ ገይሮም ምቕባሎም እኳ እንተ ዘይተጋገዩ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኸም ዚገዝእን ግዝኣቱ ኣብ መጻኢ ኸም ዚጅምርን ግን ጸኒሑ እዩ ተረዲእዎም። (ዮሃ. 12:12-16፣ 16:12, 13፣ ግብ. 2:32-36) እንተዀነ ግን፡ የሱስ፡ “መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ጴጥሮስ ከይተወላወለ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 16:13-16) ብዙሓት ብሓደ ትምህርቲ ተዓንቂፎም ንየሱስ ካብ ምስዓቡ ምስ ተመልሱ እውን፡ ጴጥሮስ ተመሳሳሊ መልሲ ሃበ።—ዮሃንስ 6:68, 69 ኣንብብ።

ንመሲሕ ስምዓዮ

10. የሆዋ፡ ንወዱ ኽንሰምዖ እተማሕጸነና ስለምንታይ እዩ፧

10 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ኸኣ፡ ‘ካብ ኣምላኽ ዝወጸ’ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 16:27, 28) “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃ. 7:16) የሆዋ ኣብቲ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ እተለወጠሉ እዋን፡ “ንእኡ ስምዕዎ” ብምባል ንሱ መሲሕ ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። (ሉቃ. 9:35) እወ፡ ነቲ እተሓርየ መሲሕ ንስምዓዮ ወይ ንተኣዘዞ። ንዕኡ ኸም እንሰምዖ፡ ብእምነትን ብሰናይ ግብርን ኢና እነርኢ፣ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣምላኽ ይሕጐስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ንርክብ።—ዮሃ. 3:16, 35, 36

11, 12. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ብየሱስ ዝኣመኑ መን እዮም፧

11 የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ ሓያሎ መርትዖታት እኳ እንተሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ግን ኣይተቐበልዎን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መሲሕ ናይ ባዕሎም ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፣ ሓደ ኻብዚ ኣረኣእያኦም ድማ ንሱ ኻብ ጭቈና ሮማውያን ሓራ ዜውጽኦም ፖለቲካዊ መሲሕ ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ምንባሮም እዩ። (ዮሃንስ 12:34 ኣንብብ።) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ኸም ዚነዓቕን ከም ዚድርበን ከም ዚስቀን ብሕማም ከም ዚላድን ኣብ መወዳእታ ኸም ዚቕተልን ዚገልጽ ትንቢታት ዚፍጽም መሲሕ ኪቕበልዎ ኣይከኣሉን። (ኢሳ. 53:3, 5) ገሊኦም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ከይተረፉ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ ሓራ ስለ ዘየውጸኦም፡ ጕህዮም ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ እሙናት ኰይኖም ጸኒዖም እዮም፡ ጸኒሖም ከኣ ነቲ ነገር ብትኽክል ኪርድእዎ ኸኣሉ።—ሉቃ. 24:21

12 ሰባት ንየሱስ መብጽዓ ኸም እተገብረሉ መሲሕ ገይሮም ዘይተቐበሉሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ትምህርትታቱ ንኪቕበልዎ ስለ ዝኸበዶም እዩ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው፡ ‘ገዛእ ርእስኻ ምቕባጽ’፡ ስጋ የሱስ ‘ምብላዕን’ ደሙ ‘ምስታይን፡’ ‘ካብ ላዕሊ እተወለድካ ምዃን፡’ ከምኡውን ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ይሓትት። (ማር. 8:34፣ ዮሃ. 3:3፣ 6:53፣ 17:14, 16) ዕቡያትን ሃብታማትን ግቡዛትን ነዚ ብቕዓታት እዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም ረኣይዎ። ይኹን እምበር፡ ትሑታት ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ ተቐበልዎ፣ ገሊኦም ሳምራውያን እውን “ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምዃኑ” ኣመኑ።—ዮሃ. 4:25, 26, 41, 42፣ 7:31

13. የሱስ ብምሳልያዊ መገዲ ሸዀናኡ እተነኽሰ ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ ብሊቃውንቲ ኻህናት ከም ዚፍረድን ብኣህዛብ ከም ዚስቀልን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ግን ከም ዚትንስእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 20:17-19) ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ኣይሁድ፡ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ብምዝራቡ፡ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ጌርካ ተፈርዶ። (ማቴ. 26:63-66) ጲላጦስ፡ “ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር” እኳ እንተ ዘይረኸበሉ፡ ኣይሁድ ከም መናዓቢ ገይሮም ብምኽሳሶም ግን፡ “ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሀቦ።” (ሉቃ. 23:13-15, 25) የሱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖ ረኺቦም ክነሶም፡ ነቲ “ራእሲ ህይወት” ‘ኸሓድዎ፡’ ንምቕታሉ ድማ ውዲት ኣለሙ። (ግብ. 3:13-15) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ መሲሕ ኣብ መዓልቲ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ‘ተቐትለ።’ (ዳን. 9:26, 27፣ ግብ. 2:22, 23) በዚ ዜስካሕክሕ ኣማውታ እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተጠቕሰ፡ “ሸዀናኡ” ተነኽሰ።

መሲሕ ስለምንታይ ኪመውት ነበሮ፧

14, 15. (ሀ) የሆዋ፡ የሱስ ኪመውት ዝፈቐደ ብምንታይ ክልተ ምኽንያት እዩ፧ (ለ) የሱስ ምስ ተንስአ እንታይ ገበረ፧

14 የሆዋ ብኽልተ ቐንዲ ምኽንያት፡ የሱስ ኪመውት ፈቒዱ እዩ። ቀዳማይ፡ የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ምዃኑ ንሓደ ኣገዳሲ “ምስጢር” ዜደቅስ ነበረ። ሓደ ፍጹም ሰብ ካብ ሰይጣን ብርቱዕ ፈተና እናጋጠሞ ኽነሱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ንኣምላኽ ‘ኬምልኽን’ ንልዑላውነት የሆዋ ኺድግፍን ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹ እዩ። (1 ጢሞ. 3:16) ካልኣይ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ወዲ ሰብ . . . ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ኢሉ እዩ መጺኡ። (ማቴ. 20:28) በዚ “በጃ” እዚ ኣቢልካ እቲ ብዘርኢ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት ዜስዕቦ መቕጻዕቲ ተኸፍለ፡ ኵሎም እቶም ንየሱስ ከምቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት ገይሮም ዚቕበሉ ሰባት ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።—1 ጢሞ. 2:5, 6

15 ክርስቶስ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ መቓብር ድሕሪ ምጽናሑ ተንስአ፣ ን40 መዓልቲ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እናተራእዮምን ተወሳኺ መምርሒ እናሃቦምን ህያው ምዃኑ ኣርኣዮም። (ግብ. 1:3-5) ድሕሪኡ፡ ዋጋ እቲ ኽቡር መስዋእቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምቕራብ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ከም መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ዚጅምረሉ ምዱብ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል ድማ ተጸበየ። ኣብ መንጎኡ፡ ብዙሕ ኪዓዮ ዚግባእ ዕዮ ነበሮ።

ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ምፍጻም

16, 17. የሱስ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ኸም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ግለጽ።

16 የሱስ ካብቲ ዝተንስኣሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ዘመናት፡ ንንጥፈታት እታ ንጉስ ኰይኑ ዚገዝኣ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብተኣማንነት ተቘጻጺሩ እዩ። (ቈሎ. 1:13) ኣብቲ ምዱብ ግዜ፡ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ንእተዋህቦ ስልጣን ኪጥቀም ነበሮ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ፍጻመታት ዓለምን ከም ዚሕብሮ፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ጀሚሩ እዩ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እውን መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ጀሚሩ እዩ። (ማቴ. 24:3፣ ራእ. 11:15) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንቕዱሳት መላእኽቲ መሪሑ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ደርበዮም።—ራእ. 12:7-10

17 እቲ የሱስ ብ29 ድ.ክ. ዝጀመሮ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ፡ ናብ መወዳእታኡ ገጹ ይቐርብ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሎም ህያዋን ኪፈርድ እዩ። ቀጺሉ፡ ነቶም ንዕኡ ኸም መድሓኒ እተቐበልዎ ኣባጊዕ መሰል ሰባት፡ “እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ኺብሎም እዩ። (ማቴ. 25:31-34, 41) እቶም ንየሱስ ከም ንጉስ ዘይተቐበልዎ ግን፡ ንሱ ንሰማያዊ ሰራዊት መሪሑ ንእከይ ዘበለ ኼጥፍእ ከሎ፡ ንሳቶም እውን ኪጠፍኡ እዮም። ድሕሪኡ፡ የሱስ ንሰይጣን ኣሲሩ፡ ምስ ኣጋንንቱ ናብ “መዓሙቝ” ኪድርብዮ እዩ።—ራእ. 19:11-14፣ 20:1-3

18, 19. የሱስ ከም መሲሕ መጠን እንታይ እዩ ዚፍጽም፧ እዚኸ ንእዙዛት ደቂ ሰብ እንታይ የምጽኣሎም፧

18 የሱስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ምስቲ ኸም “ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም” ዝኣመሰለ መዓርጋቱ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዑ ኺነብር እዩ። (ኢሳ. 9:6, 7) መንግስቱ ንሰባት ብሓፈሻ፡ እንተላይ ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ዘበሉ፡ ናብ ፍጽምና ኸተብጽሖም እያ። (ዮሃ. 5:26-29) እዚ መሲሕ እዚ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናብ “ዔላታት ማይ ህይወት” ስለ ዚመርሖም፡ ምስ የሆዋ ሰላማዊ ርክብ ኪህልዎም እዩ። (ራእይ 7:16, 17 ኣንብብ።) ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ ኵሎም ዓለወኛታት፡ እንተላይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ‘ናብ ቀላይ ሓዊ ኺድርበዩ’ እዮም፣ በዚ ኸምዚ ርእሲ እቲ “ተመን” ኪጭፍለቕ እዩ።—ራእ. 20:10

19 የሱስ ነቲ ኸም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ብዘይ ገለ ጕድለት፡ ብዜደንቕ መገዲ ኺፍጽሞ እዩ። እታ ገነታዊት ምድሪ በቶም እተበጀዎም ሰባት ክትመልእ እያ፡ ንሳቶም ድማ ፍጹም ጥዕናን ሓጐስን ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኻብ ኵሉ ጸርፊ ናጻ ኪኸውን እዩ፡ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ምዃኑ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኪረጋገጽ እዩ። ንዅሎም እቶም ንቕቡእ የሆዋ ዚቕበሉስ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ነገራት ኰን እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

ንመሲሕ ረኺብካዮዶ፧

20, 21. ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መሲሕ ንኽትነግሮም ዚድርኸካ እንታይ ምኽንያታት ኣሎካ፧

20 ካብ 1914 ኣትሒዝና፡ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ፓሩስያ ወይ ህላወ ዚበሃል እዋን ኢና ንነብር ዘሎና። እዚ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑሉ ዘሎ እዋን፡ ብዓይኒ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ፍጻመታት ትንቢታት ግን ብንጹር ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና። (ራእ. 6:2-8) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ዝገበርዎ፡ ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት እውን ንመርትዖ ህላወ መሲሕ ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ። ንሳቶም እውን ፖለቲካዊ መሲሕ፡ ወይ እንተ ወሓደ ብሰብኣውያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣቢሉ ዚዓዪ መሲሕ እዮም ዚደልዩ። ንስኻ ግን የሱስ ሕጂ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ፈሊጥካ ኢኻ። ነዚ ምፍላጥካስ ኣየሐጐሰካንዶ፧ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንመሲህ . . . ረኺብናዮ” ኢልካ ንኽትዛረብ ተደሪኽካ ኢኻ።

21 ሎሚ፡ ብዛዕባ ሓቂ ኽትዛረብ ከለኻ፡ የሱስ ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ተጕልሕ ዲኻ፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ነቲ የሱስ ዝገበረልካን ሕጂ ዚገብረልካ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚገብረልካን ዘሎካ ሞሳ ኼዕዝዞ እዩ። ከም እንድርያስን ፊልጶስን፡ ንኣዝማድካን ፈተውትኻን ብዛዕባ መሲሕ ከም ዝነገርካዮም ኣየጠራጥርን እዩ። ብእተሓደሰ ቕንኣት ናብኦም ቀሪብካ፡ የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ፡ ማለት እቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት ምዃኑ ስለምንታይ ዘይትሕብሮም፧

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ንመሲሕ ኪረኽብዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

• የሱስ ብምንታይ ክልተ ቐንዲ ምኽንያት እዩ ኺመውት ዝነበሮ፧

• የሱስ ብሕጂ እውን ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ንምፍጻም እንታይ ኪገብር እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ኸመይ ገይሮም ኪፈልጡ ኽኢሎም፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንሰባት ክትዛረቦም ከለኻ፡ ነቲ የሱስ ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ተጕልሕ ዲኻ፧