ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣማዕብል

ከቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣማዕብል

ከቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣማዕብል

‘ፍቕሪ ዅሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።’—1 ቈረ. 13:7, 8

1. (ሀ) ፍቕሪ መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ እያ እትግለጽ፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት ፍቕሮም ኣብ ምንታይ ዘተኰረት እያ፧

 ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ። ነዛ ባህርይ እዚኣ ዜወድስ ደርፍታት እውን ተደሪፉ እዩ። ፍቕሪ ሓንቲ ኻብቲ ንሰባት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት እያ። ይኹን እምበር፡ ንዕዳጋ ዓለም ኣጥለቕሊቑ ዘሎ መጻሕፍትን ፊልምታትን ልቢ ወለዳዊ ፍቕሪ እዩ ዚገልጽ። እታ ንኣምላኽን ንብጻይካን ከተርእያ ዚግባእ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ግን፡ ዳርጋ ጠፊኣ እያ። ሎሚ፡ “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ዀይኖም ኣለዉ።—2 ጢሞ. 3:1-5

2. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ግጉይ ዓይነት ፍቕሪ እንታይ መጠንቀቕታ ይህብ፧

2 ደቂ ሰብ፡ ፍቕሪ ኼርእዩ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ቃል ኣምላኽ ግን ግጉይ ዓይነት ፍቕሪ ኸይነርኢ የጠንቅቐና እዩ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኣብ ልብና ሱር እንተ ሰዲዳ፡ እንታይ ከም ዜጋጥም እውን ይነግረና እዩ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዴማስ እንታይ ከም ዝበለ ትዝክርዶ፧ ዴማስ መገላግልቲ ጳውሎስ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዓለም ዘቕረበትሉ ነገራት ፈተወ። (2 ጢሞ. 4:10) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን፡ ንዓለም ምፍታው ዘለዎ ሓደጋ ገሊጹ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16 ኣንብብ።) ንዓለምን ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሓላፊ ነገራትን መገድታትን ምፍታው፡ ንኣምላኽን ካብ ኣምላኽ ንዝዀነ ነገራትን ምስ ምፍታው ኣይቃዶን እዩ።

3. እንታይ ቃልሲ እዩ ዘሎና፧ ብዛዕባ እዚኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧

3 ኣብ ዓለም ንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ካብ ዓለም ግን ኣይኰንናን። ስለዚ፡ ነቲ ዓለም ብዛዕባ ፍቕሪ ዘለዋ ቔናን ኣረኣእያ ኽንቃለሶ ኣሎና። በቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘሎ ግጉይ ወይ ቄናን ኣተሓሳስባ ኽንታለል የብልናን። እሞኸ ንመን ኢና ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ ኸነርእዮ ዘሎና፧ ኵሉ እትዕገስን ከቶ ዘይተቋርጽን ፍቕሪ ኸነማዕብል ዜኽእለና እንታይ መሰናድዎታት ኣሎ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ ሕጂ እትጠቕመናን ንመጻኢና እትጸልዎን ብኸመይ እያ፧ ብእኣ ምእንቲ ኽንምራሕ፡ ኣምላኽ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ መልሲ ኽንፈልጥ ኣሎና።

ንየሆዋ ፍቕሪ ኣማዕብል

4. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ክትዓቢ ትኽእል፧

4 ምምዕባል ኪበሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ንኺዓቢ ወይ ንኺመሓየሽ ምዅስኳስ ኬመልክት ይኽእል እዩ። ንመሬቱ ሓሪሱ ዘርኢ ብዛዕባ ዚዘርእ ሓደ ሓረስታይ እሞ ሕሰብ። እቲ ዘርኡ ኺበቝለሉ እዩ ዚጽበ። (እብ. 6:7) ብተመሳሳሊ፡ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ ኣለዋ። ፍቕርና ንኸነዕቢ እንታይ ኽንገብር የድሊ፧ ኣብ ልብና ንዘሎ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዝርኣሉ ጽቡቕ ሓመድ ክንኵስኵሶ ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር እንኽእል ቃል ኣምላኽ ተጊህና ብምጽናዕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባኡ ዘሎና ፍልጠት ከም ዚዛይድ ይገብር። (ቈሎ. 1:10) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲርና ምእካብን ምስታፍን እውን፡ ብፍልጠት ንኽንዓቢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ዓሚቝ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ቀጻሊ ጻዕሪ ንገብር ዲና፧—ምሳ. 2:1-7

5. (ሀ) ብዛዕባ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ)  ብዛዕባ ፍትሕን ጥበብን ሓይልን የሆዋ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

5 የሆዋ ብዛዕባ ባህርያቱ፡ ኣብ ቃሉ ገሊጹ ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕን ብቐጻሊ ፍልጠት የሆዋ ብምርካብን፡ ንኸም ፍትሒ፡ ሓይሊ፡ ጥበብ ዝኣመሰለ ባህርያቱ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነታ ብልጽቲ ፍቕሩ ዘሎና ሞሳ ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዅሉ መገድታቱን ፍጹም ሕጉን ኣቢሉ ፍትሑ ኣርእዩ እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ መዝ. 19:7) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ፍጥረታት ምስ እንሓስብ ድማ፡ በታ ብልጽቲ ጥበቡ ኽንምሰጥ ንኽእል ኢና። (መዝ. 104:24) ዩኒቨርስ እውን የሆዋ ብርቱዕን መወዳእታ ዘይብሉን ሓይሊ ኸም ዘለዎ የረጋግጽ።—ኢሳ. 40:26

6. ኣምላኽ ፍቕሩ ዘርኣየና ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንዓኻ ብኸመይ ይትንክፈካ፧

6 ብዛዕባ እታ ቐንዲ ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ፍቕሪኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣዝያ ሰፋሕን ኣብ ኵላትና ጽልዋ ዘለዋን እያ። የሆዋ ንድሕነት ደቂ ሰብ ዚኸውን በጃ ኼዳሉ ኸሎ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣርእዩ እዩ። (ሮሜ 5:8 ኣንብብ።) እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ክፉት እኳ እንተ ዀነ፡ ካብኡ ተጠቀምቲ ዚዀኑ ግን፡ እቶም ንፍቕሪ ኣምላኽ ምላሽ ዚህቡን ኣብ ወዱ እምነት ከም ዘለዎም ዜርእዩን ሰባት ጥራይ እዮም። (ዮሃ. 3:16, 36) ኣምላኽ ሓጢኣትና ንምትዕራቕ ኢሉ የሱስ ከም ዚስዋእ ስለ ዝገበረ፡ ንሕና እውን ከነፍቅሮ ኣሎና።

7, 8. (ሀ) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንኸነርኢ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ እናኣጋጠሞም ክነሱ እዮም ንትእዛዛቱ ዚሕልዉ፧

7 ስለቲ ዅሉ ምእንታና ኢሉ ዝገበሮ ነገራት ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ይብለና። (1 ዮሃ. 5:3) እወ፡ እታ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ትእዛዛቱ ንኽንሕሉ ትድርኸና እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ካልኦት ምእንቲ ኺጥቀሙ ብዛዕባ ስሙን መንግስቱን ንምስክር ኢና። ነዚ ብምሉእ ልብና ምዕያይና፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተላዒልና ኸም እንእዘዝ የርኢ።—ማቴ. 12:34

8 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘይብሎምን ብቐጥታ ዚነጽግዎን ሰባት እናኣጋጠምዎም ክነሱ፡ ንትእዛዛት ኣምላኽ ጸኒዖም ይሕልዉ ኣለዉ። ከይተሓለሉ ኣገልግሎቶም ኪምልኡ ይጽዕሩ እዮም። (2 ጢሞ. 4:5) ንሕና እውን ፍልጠት ኣምላኽ ንኻልኦት ከነካፍልን ትእዛዛት ኣምላኽ ኽንሕሉን ንጽዕር ኢና።

ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ እነፍቅረሉ ምኽንያት

9. ክርስቶስ እንታይ እዩ ተጻዊሩ፧ ከምኡ ንኺገብር ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧

9 ኣብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ንወዱ እውን ፍቕሪ ኸነማዕብል ዚድርኸና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ንየሱስ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባኡ ዝያዳ ብእተመሃርና መጠን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትውስኽ። (1 ጴጥ. 1:8) ገለ ኻብቲ የሱስ እተጻወሮ ነገራት እንታይ እዩ፧ የሱስ ብዘይ ምኽንያት ተጸሊኡን ተሰጒጉን ብሓሶት ተኸሲሱን ተጸሪፉን ኽነሱ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ገይሩ እዩ። ካልእ ሰብኣዊ ኽብሪ ዚትንክፍ ነገራት እውን ኣጋጢምዎ እዩ። (ዮሃንስ 15:25 ኣንብብ።) ንሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ንዅሉ ፈተናታት ኪጻወር ሓጊዛቶ እያ። ብፍቕሪ ተደሪኹ መስዋእታዊ ሞት ብሙማቱ ድማ፡ ንብዙሓት ሰባት በጃ ዀይኑ እዩ።—ማቴ. 20:28

10, 11. ነቲ የሱስ ዝገበረልና ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ሸቶ ኽንገብር ኣሎና፧

10 የሱስ ዘሕለፎ ህይወት ንዓና እውን የነቓቕሓና እዩ። ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ምእንታና ዝገበሮ ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ። ሰዓብቱ ኸም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንምስክርን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ዝሃበና ትእዛዝ ምእንቲ ኽንሕሉ፡ ከምታ ናቱ ዓይነት ፍቕሪ ንኸነማዕብልን ንኸነርእን ሸቶ ኽንገብር ኣሎና።—ማቴ. 28:19, 20

11 መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ንኽንፍጽሞ፡ እታ ክርስቶስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዘርኣያ ፍቕሪ ግዲ ትብለና እያ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።) ክርስቶስ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽም ዝደረኸቶ ኣውራ ነገር ፍቕሪ እያ። እቲ ክርስቶስ ኣስኣሰሩ ኽንስዕቦ ዝሓደገልና ኣብነት፡ ኣብዚ መለኮታዊ ዕላማ እዚ እጃምና ኸነበርክት ይሕግዘና። ከምዚ ምእንቲ ኽንገብር፡ ብእተኻእለና መጠን ፍቕሪ ንኣምላኽ ከነማዕብል ኣሎና። (ማቴ. 22:37) ንትምህርትታትን ትእዛዛትን የሱስ ብምሕላው፡ ንዕኡ ኸም እነፍቅሮን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንልዑላውነት ኣምላኽ ከም እንድግፍን ነርኢ ኢና።—ዮሃ. 14:23, 24፣ 15:10

ዝበለጸ መገዲ ፍቕሪ ስዓብ

12. ጳውሎስ፡ “ዝበለጸ መገዲ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብነት ክርስቶስ እዩ ዚስዕብ ነይሩ። ኣስኣሰር ክርስቶስ ይስዕብ ስለ ዝነበረ፡ ኣሕዋቱ ንዕኡ ኺመስልዎ ኸይተሰከፈ ኺዛረቦም ክኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 11:1) ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ ከም ምፍዋስን ብቛንቋታት ምዝራብን ዝኣመሰለ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ኪጽዕሩ እኳ እንተ ኣተባብዖም፡ ካልእ ዝያዳ ኺጽዕቱሉ ዚግባእ ነገር ከም ዘሎ ግን ገሊጹ እዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:31፡ “ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ” በለ። እቲ ቐጺሉ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበለጸ መገዲ ፍቕሪ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ዝበለጸ እተባህለ ብኸመይ እዩ፧ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:1-3 ኣንብብ።) ፍልይ ዝበለ ኽእለታት እንተ ዚህልዎን ዓበይቲ ተግባራት እንተ ዚገብርን፡ ፍቕሪ ግን ምስ ዘይትህልዎ ኸመይ ምዀነ ነይሩ፧ ኵሉ ጻዕሩ ዋላ ሓንቲ ትርጕም ኣይምሃለዎን! ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንዓና ዓብዪ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና።

13. (ሀ) ጥቕሲ ዓመት 2010 እንታይ እያ፧ (ለ) ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

13 ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ፍቕሪ እንታይ ምዃናን እንታይ ዘይምዃናን ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:4-8 ኣንብብ።) ሕጂ፡ ፍቕሪ እንታይ ምዃና፡ ግዜ ወሲድካ መርምር። ነተን ኣብ መወዳእታ ቝጽሪ 7ን ኣብ መጀመርታ ቝጽሪ 8ን ዚርከባ፡ ጥቕሲ ዓመት 2010 ኪዀና እተሓርያ፡ ‘ፍቕሪ ዅሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ’ ዚብላ ምሉእ ሓሳባት ኣተኵረለን። ጳውሎስ ኣብ ቍጽሪ 8፡ ከም ትንቢትን ምዝራብ ቋንቋታትን ዝኣመሰለ ኣብታ እግሪ ተኽሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜገልግል ዝነበረ ውህበታት መንፈስ ኪሰዓር ምዃኑ ተዛረበ። እዚ ውህበታት እዚ ዚውዳእ እኳ እንተ ዀነ፡ ፍቕሪ ግን ንሓዋሩ ትቕጽል እያ። የሆዋ ፍቕሪ እዩ፡ ዘለኣለማዊ እውን እዩ። ስለዚ፡ ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ። ባህርይ እቲ ዘለኣለማዊ ኣቦና ዀይና ንሓዋሩ ኽትቅጽል እያ።—1 ዮሃ. 4:8

ፍቕሪ ዅሉ ትዕገስ

14, 15. (ሀ) ፍቕሪ፡ ፈተናታት ንኽንዕገስ ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧ (ለ) ሓደ መንእሰይ ኣብ መትከሉ ምልምላም ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧

14 ክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ፈተናታትን ጸገማትን ሽግራትን የጋጥሞም ብዘየገድስ፡ ብትዕግስቲ ንኺሰግርዎ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧ ብሱሩ፡ እታ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመርኰሰት ፍቕሪ እያ እትሕግዞም። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ፡ ስጋዊ ጥሪትና መስዋእቲ ኻብ ምግባር ንላዕሊ ተጠቓልል። ንጽህናና ንምሕላውን ምእንቲ ክርስቶስ ህይወትና ንምሃብን ፍቓደኛታት ክንከውን እውን ትድርኸና እያ። (ሉቃ. 9:24, 25) ብዛዕባ እቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምን ድሕሪኡን፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት፡ ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበታት፡ ከምኡውን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እተሰቀዩ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሞ ሕሰብ።

15 ቪልሀልም ዝስሙ ጀርመናዊ መንእሰይ ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ብናዚ ተረሺኑ ኺመውት ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ኣብ መትከሉ ኣይተለማለመን። ንስድራ ቤቱ ኣብ ዝጸሓፋ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ “ከምቲ መራሒና የሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዘና፡ ልዕሊ ዅሉ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ኣሎና። ኣብ ጐድኑ እንተ ቜምና፡ ዓስብና ኺህበና እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ጸኒሓ ሓንቲ ኣባል ስድራ ቤቱ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ኣብቲ ህውከት ዝመልኦ እዋን፡ ብስድራ ቤት ወትሩ ነታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ቐዳምነት ንህብ ኔርና” ኢላ ጸሓፈት። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣርመንያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ተኣሲሮም ዚርከቡ ብዙሓት ኣሕዋት፡ ከምዚ ዓይነት መንፈስ እዩ ዘለዎም። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ጸኒዖም ኣለዉ።

16. ኣብ ማላዊ ዚርከቡ ኣሕዋትና እንታይ እዮም ብትዕግስቲ ጸይሮም፧

16 ኣብ ሓያሎ ቦታታት፡ እተፈላለየ ዓይነት ፈተናታት ንእምነትን ትዕግስትን ኣሕዋትና ይፈታተን ኣሎ። ኣብ ማላዊ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ን26 ዓመት ዚኣክል ብመንግስቲ እተገብረሎም እገዳን ሓያል ምጽራርን እተፈላለየ ግፍዕታትን ብትዕግስቲ ጸይሮም እዮም። ዓስቢ ትዕግስቶም ከኣ ረኺቦም እዮም። ኣብታ ሃገር መስጐጕቲ ኺጅምር ከሎ፡ ዳርጋ 18,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ድሕሪ 30 ዓመት ግን ቍጽሮም ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 38,393 ክብ በለ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ተረኺቡ እዩ።

17. ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት እንታይ ምጽራር እዩ ዜጋጥሞም፧ ነዚ ብትዕግስቲ ዚጻወርዎኸ ስለምንታይ እዮም፧

17 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዚወርድ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ፡ ብሓፈሻኡ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ካብ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዚመጽእ ምጽራር ዝገደደ እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት ወይ ኣዝማድ ጸቕጢ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። የሱስ እውን ከምዚ ኸም ዜጋጥም ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ሓቂ ኸም ዝዀነ ርእዮም እዮም። (ማቴ. 10:35, 36) መንእሰያት ካብ ዘይኣመንቲ ወለዲ ንዜጋጥሞም ምጽራር ብትዕግስቲ ጸይሮም እዮም። ገሊኦም ካብ ቤቶም እኳ እንተ ተሰጐጉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቶም ብሕያውነት ተቐቢሎምዎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ከም ውሉዳት ከም ዘይረኣዩ ተነጊርዎም እዩ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ንኺጻወሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ንብጾቶም ፍቕሪ ስለ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንየሆዋን ንወዱን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ስለ ዘለዎም እዩ።—1 ጴጥ. 1:22፣ 1 ዮሃ. 4:21

18. እታ ዅሉ እትዕገስ ፍቕሪ ንክርስትያናት ሰብ ሓዳር እትጠቕሞም ብኸመይ እያ፧

18 እታ ዅሉ እትዕገስ ፍቕሪ ኸነርኢ ዜድልየሉ ኻልእ እተፈላለየ ዅነታት እውን ኣሎ። ሰብ ሓዳር ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ዜርእይዋ ፍቕሪ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ንዚብል ቃላት የሱስ ኬኽብርዎ ትሕግዞም። (ማቴ. 19:6) ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ‘ብስጋ መከራ’ ኼጋጥሞም ከሎ፡ የሆዋ ኣብ ሓዳሮም ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ ኺዝክሩ ኣለዎም። (1 ቈረ. 7:28) ቃሉ፡ ‘ፍቕሪ ዅሉ ትዕገስ’ ስለ ዚብል፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ዝለበሱ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪጠብቁን ሓዳሮም ምሉእ ኪኸውንን ይጽዕሩ እዮም።—ቈሎ. 3:14

19. ባህርያዊ ሓደጋታት ምስ ኣጋጠመ፡ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ እዮም ገይሮም፧

19 ባህርያዊ ሓደጋታት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን እውን፡ ፍቕሪ ንኽንዕገስ ወይ ንኽንጸንዕ ትሕግዘና እያ። ኣብ ደቡባዊ ፐሩ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመን ህቦብላ ካትሪና ንገሊኡ ኽፋል ወሽመጥ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ኣዕነወን ዝነበረ ዅነታት ከም ኣብነት ንውሰድ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ኣሕዋት ቤቶም ወይ ንብረቶም ስኢኖም እዮም። እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ብፍቕሪ ተደሪኻ ረድኤት ለኣኸት፣ ወለንተኛታት ከኣ ንኣባይትን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ዳግማይ ንምህናጽ ኣብ እተገብረ ዕዮ ሓገዙ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት፡ ኣሕዋትና ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ከም ዚፋቐሩን ከም ዚደጋገፉን የረጋግጽ።—ዮሃ. 13:34, 35፣ 1 ጴጥ. 2:17

ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን

20, 21. (ሀ) ፍቕሪ ብልጽቲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ንመገዲ ፍቕሪ ኽትስዕብ ዝወሰንካ ስለምንታይ ኢኻ፧

20 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ዝበለጸ መገዲ ፍቕሪ ምስዓቦም ጥበባዊ ምዃኑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ መገዲ እዚ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ብሓቂ ዝበለጸ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ብኸመይ ከም ዘጕልሖ እሞ ኣስተብህለሉ። ፈለማ፡ ውህበታት መንፈስ ከም ዚሰዓርን እታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ናብ ብስለት ገጻ ኸም እትዓብን ገለጸ። ድሕሪኡ፡ “ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ” ኢሉ ደምደመ።—1 ቈረ. 13:13

21 ውዒሉ ሓዲሩ፡ እቲ ብእምነት እንጽበዮ ነገራት ጋህዲ ስለ ዚኸውን፡ ኣብኡ እምነት ከነሕድር ኣይኬድልየናን እዩ። ኵሉ ነገር ምስ ተሓደሰ፡ እቲ ብሃንቀውታ እንጽበዮ መብጽዓታት ስለ ዚፍጸም፡ ድሕሪ ደጊም ብተስፋ ኣይክንጽበዮን ኢና። ፍቕሪኸ እንታይ ክትከውን እያ፧ ፍቕሪ ኸቶ ኣይከተቋርጽን እያ። ንሓዋሩ ኽትቅጽል እያ። ንዘለኣለም ስለ እንነብር፡ ተወሳኺ መዳያት ፍቕሪ ኣምላኽ ብርግጽ ከነስተውዕልን ክንርዳእን ኢና። ንስኻ እውን ነቲ ዝበለጸ መገዲ እታ ኸቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ብምስዓብ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ጌርካ፡ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ።—1 ዮሃ. 2:17

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ግጉይ ዓይነት ፍቕሪ ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ፍቕሪ እንታይ ክንዕገስ ትሕግዘና፧

• ፍቕሪ ኸቶ ዘይተቋርጽ ብኸመይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ጥቕሲ ዓመት 2010፦ ‘ፍቕሪ ዅሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።’ —1 ቈረ. 13:7, 8

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንምስክር ትድርኸና

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ፡ ኣብ ማላዊ ንዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብትዕግስቲ ንኺጻወሩ ኣኽኢላቶም